ድለ

ንውዑል ጀነቫ ኩሎም ከኽብርዎ ኣለዎም! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 11 ነሐሰ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ ነቲ ዕለት 12 ነሐሰ ዝዝከሩ 4 መሠረታውያን ውዑላት ጀነቭ ኩልና ክነኽብሮም ምናዳ ምናዳ ሎሚ ከም ሎሚ እታ ‘ነቶም ብግጭት ውግእ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ተኣፈፍቲ ብርገሳውያን ክንከላኸለሎምን ክንድግፎምን ኣሎና` ንእትብል ኩልና ነኽብራ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

እተን ብኣርባዕተ ውዑል ጀነቫ ዝፍለጣ ቅድሚ ሰብዓ ዓመት ኣብ ጀነቭ ዝተአጃ ቀዳመይቲ ብግዜ ውግእ ቈሲሎምን ሓሚሞምን ኣብ ምድሪ ንዝተረኽቡ ወተሃድራት ምክልኻል! ካልአይቲ ኣብ ባሕሪ ኣብ ዝግበር ውግእ ዝቈሰሉን ዝሓመሙን ናይ ውግእ መርከቦም ጥሒላ ኣብ ሓደጋ ንዝርከቡን ሠራዊት ምክልኻል። ሣልሰይቲ ንናይ ውግእ ምሩኻት ምክልኻል! ራብዐይቲ ንሲቪል ማሕበረሰብ ከምኡ እውን ነቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ናይ ዝኣተወ መሬት ነበርቲ ከይተረፈ ዘድሊ ምክልኻል ምግባር ዝብላ ተኣዊጀን። ቅዱስነቶም እዚአን ውዑላት እዚአን ክዝከራን ክኸብራን ነዚ ጻውዒት እዚ ኣቅሪቦም።

“‘ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ጽባሕ መበል ሰብዓ ዓመት ዝኽሪ ውዕል ጀነቭ ክግበር እዩ። እዘን ውዑላት እዚአን ዓመጽ ሓይሊ ንከንጥቀም ዝገትኣን ንሰላማውያን ሲቪልን ንእሱራትን ኣብ ግዜ ውግእ ንከላኸል ዝብላ እየን። እንክብሉ እዘን ኣብ ዘመንና ብውግእ ተሓሚሰን ሰበን ኣብ ኩሉ ዓለም ተዘሪኡ ዘለዋ ሃገራት ኩነታት ሕዝበን ክዝክራ ጸዊዖም።”

ዓለምለኽ መሰል ወድ-ሰብ ብኩሉ ክኽበር ኣለዎ

ንናይ ዓለምለኸ ምኽባር መሰል ደቂ-ሰባት፣ ተኸተሎም ቅ.ኣ.ር.ጳ.ፍራንቸኮስ ኣድላይነት ናይ ግዴታዊ ኣቓልቦን ግንዛቤን፣  ኣብ ሕይወትን ክብርን ናይ ግዳያት ኲናት ዝኾኑ  ደቂ-ሰባት ምግባር ግዲ ኢዩ ኢሎም።

ቅድስነቶም ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም፣ ንዓለምለኽ ናይቲ ጉዳይ ዝምልከቱ ሕጋውያን መሳርሕታት ክኽበሩ ጸዊዖም። ኩሉ ሰብ ነቲ ንመሰል ወድሰብ ዘውሕስን ዝከላኸልን ሕግታት ናይ ዓልምለኸ መሰል ውድሰብ ከኽብሩ ብምምሕጻን፣ ብፍላይ ኣብቶም ሲቪላዊ መሰላት፣ከም ሕክምና፣ ቤትትምህርቲ፣ ኣብያተ-ኣምልኾ፣ መዕቆቢ ስደተይናታት ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ግቡኣት ማንም ሰብ ከይንፈጎ ጸዊዖም። ቅድስነቶም ኣስዒቦም ንኲናትን ግብረሽበራን ኣመልኪቶም፣ ናይ ወድሰብ ዓበይቲ ክሳራታት ከምዝኾኑ ብምግላጽ፣ ዘሕፍር ታሪኽ ናይ ደቂሰባት ከምዝኾነ ሓቢሮም።

መበቆል ናይቶም 4 ስምምዓት ጀነቫ ኣብ ዕለት 12 ነሓሰ 1949 ዝተሓደሱ፣ ንጉዳይ ኲናት ዝምልከቱ ከምዝነበሩ ቅድስነቶም ገሊጾም። እቶም 4 ናይ ጀነቫ ስምምዓት፣ ንኹንለን ኣባላት ሃገራት፣ ኣብ ኲናት ንዝተሳተፉ ስቪላውያን ምክልኻል፣ ኣብ ኲናት ንዝተማረኹ ኮነ ብሰንኪ ኲናት ንዝቖሰሉ ሰባት መሰረታዊ ዝኾነ ኣተሓሕዛ ክግበረሎምን ከምዘለዎ ዝግድድ ምዝነበረ ብምግላጽ፣ እቶም ስምምዓት ብ 61 ሃገራትን ካልኦትን ከምዝጸደቐን ድሕሪ እዘኻኺሮም፣ ኮይኑ ግን ካብ መግዛእቲ ንምልቓቕ ብዝሰዓበ ኲናትን ግጭትን ተደሪኹ፣ ኣብ ዝቕጸሉ ዓመታት፣ ካልኦት 4 ዓለምለኸ ፕሮቶኮላዊ  ስምምዓት ከምዝሰዓበ ሓቢሮም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
11 August 2019, 19:27