መንፈስ ቅዱስ መልሕቅ ተስፋና የጽንዕ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ታሪኽ ቤተክርስትያንን ታሪኽ ናይ ብዙሓት ዓበይትን ቅዱሳንን ሰባት ኣብቀዔ ሎምስ ተወዲኡ ደጊም ተስፋ የለን ኣብ ዝብሃለሉን ኣብ መደምደምታኡ ዝበጽሓሉ ኣብ ዝመሰለሉን ግዜ መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ሓዲስ ሓይልን ተበግሶን ክህብ ይረኤ። ቁሩብ ድሕሪት ምልስ ኢልና ኣብ ቀዳሞት ሓዋርያት እንተጠሚትና ድሕሪ ሕማማትን ሞትን ክርስቶስ ኩሉ ጸሊምትዎም ፋሕ ብትን ክብሉ ቊሩብ ምስ ተረፍሮ ነርባዓ መዓልቲ እናተመላለሰ ክምህሮምን ከጸናንዖምን ድሕሪ ምቅናይ ነቲ ሓይሊ ክሳብ ዝለብሱ ካብ ኢየሩሳሌም ከይወጹ ኣዚዙ ንሰማይ ምስ ዓረገ ብኡ ንብኡ ንመንፈስ ቅዱስ ምስ ሰደደሎ ኩሉ ተሓደሰ ዳግም ተወልደ ፍርህን ራዕድን ህልም በለ እዚ ዘመልክቶ ከኣ ይብሉ ቅዱስነቶም ‘መንፈስ ቅዱስ ንክርቶስ ኣብ ውሽጥና ከምዝነብርን ከምዝሰርሕን ይገብር። ንሓዋርያት ከኣ እዚ ዝዀነሎም።
ሎሚ ከም ሎሚ ዓለምና ብህውኻትን ዝህውኹን ሕንፍሽፍሽ ኣትይዎ ኩሉ ኣብ ጥርዙ ዝበጽሔ ኣብ ዝመስለሉ ዘድሕነና መንፈስ ቅዱስ ጥራይ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ሽሕ’ኳ ብድኻምነት ደቂሰባት ወገነይ ወገንካ ጒጅለይ ጉጅለኻ ዝብል ፈተነ ዘይተርፍ እንተኾነ ውህደት መንፈስ ቅዱስ ግን ንብዙሕነት ኣብ ውሽጢ ብፍቅሪ ሓቊፊ ሓድነት ዝፈጥር ቤተክርስትያን ዝገብር እዩ።
ኣብ ትመርጾም ጒጅለኻ ተዓጺኻ ገጎጆኻ ናይ ምህናጽ ፈተና ኩሉ ግዜ ኣሎ። ካብ ጎጆ ናብ ዕጽው ማሕበር ምሕላፍ ከኣ ካብኣ ናብኣ እያ እዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን እውን የጋጥም! ንሕና ከምዚ ኢና እንበልካ ክንደይ ግዜ መንነትካ ክተነጽር ዘይተጻዕረ። መንፈስ ቅዱስ ግን ንርሑቃን ኣቅሪቡ ንዝተበታተኑ ኣኪቡ ንኩሉ በቦታኡ ኣትሒዙ ውህደትን ሓድነትን ፍቅርን ይፈጥ። ሎሚ ኣብ ዓለምና ዘይምስምማዕ ዳርጋ ናብ ምግምማዕ ዘንቢሉ ብዙሕ ዘለዎን ምንም ዘይብሉን ገለን ንኣማኢት ዓመታት ክነብር ሒዅ ይብል ገለን ብርሃን ዓለም ከይርኢ ይንጸል። የድሕነና ዘብል እዩ።
ኦ ናይ እግዚአብሔር ውህደት ዝኾንካ መንፈስ ቅዱስ ንስኻ ንፍርሂ ናብ ምትእምማን ንምዕጻው ናብ ውህበት እትልውጥ ኢኻ እሞ ንዓ ናባና ውረድ። ነታ ናይ ልቢ ነባሪት ጒብዝና ዝኾነት ታሕጓስ ትንሣኤ ዓድለና። ኦ ውህደት ናትና ናይ ኩልና ዝኾናካ መንፈስ ቅዱስ ኦ ንኣና ንኩልና ሓደ ኣካል እትገብር መንፈስ ቅዱስ ሰላምካ ኣብ ቤተክርስትያንካን ኣብ ዓለምን ኣፍስስ። ኦ መንፈስ ቅዱስ ናይ ስምምዕ ሃንደስቲ ናይ ሠናይ ዘራእቲ ናይ ተስፋ ሓዋርያት ግበረና ኣሜን።