ድለ

መንፈስ ቅዱስ መልሕቅ ተስፋና የጽንዕ! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሰንበት ዕለት 9 ሰነ 2019 ዓምፈ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብዒላ ውዒላ። ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ቀዳም ዕለት 8 ድሮ ቅዳሴ እንከዕርጉ መንፈስ ቅዱስ ከምቲ ናይ ሓዋርያት ኣብ ቤተክርስትያኑ ክወርድ ኩሎም ክጽልዩ ድሕሪ ምዕዳም ኣብ ዕለቱ ከኣ ‘ኣብዚ ህውኽ ዘመንና ኩሉ ፋሕ ዝበለ ይመስል ኮይኑ ግን ንኩሉ ዝሰርዕ መንፈስ ቅዱስ ኣሎ’ እንክብሉ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዝውሕዘልና ውህደትን ሓድነትን ክንቅበል ልብና ክንከፍት ዓዲሞም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ታሪኽ ቤተክርስትያንን ታሪኽ ናይ ብዙሓት ዓበይትን ቅዱሳንን ሰባት ኣብቀዔ ሎምስ ተወዲኡ ደጊም ተስፋ የለን ኣብ ዝብሃለሉን ኣብ መደምደምታኡ ዝበጽሓሉ ኣብ ዝመሰለሉን ግዜ መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ሓዲስ ሓይልን ተበግሶን ክህብ ይረኤ። ቁሩብ ድሕሪት ምልስ ኢልና ኣብ ቀዳሞት ሓዋርያት እንተጠሚትና ድሕሪ ሕማማትን ሞትን ክርስቶስ ኩሉ ጸሊምትዎም ፋሕ ብትን ክብሉ ቊሩብ ምስ ተረፍሮ ነርባዓ መዓልቲ እናተመላለሰ ክምህሮምን ከጸናንዖምን ድሕሪ ምቅናይ ነቲ ሓይሊ ክሳብ ዝለብሱ ካብ ኢየሩሳሌም ከይወጹ ኣዚዙ ንሰማይ ምስ ዓረገ ብኡ ንብኡ ንመንፈስ ቅዱስ ምስ ሰደደሎ ኩሉ ተሓደሰ ዳግም ተወልደ ፍርህን ራዕድን ህልም በለ እዚ ዘመልክቶ ከኣ ይብሉ ቅዱስነቶም ‘መንፈስ ቅዱስ ንክርቶስ ኣብ ውሽጥና ከምዝነብርን ከምዝሰርሕን ይገብር። ንሓዋርያት ከኣ እዚ ዝዀነሎም።

“ኩነታት ሓዋርያት ኣብ ዕራርቦ ጸሓይ ዝመስል ዝነበረ ብሕዳሴ መንፈስ ቅዱስ ኩሉ ተሓዲሱ። ኣብቲ ዕለታት እቲ ምጥርጣር ጐቢእዎም ኩሉ ዘኽተመ ክመስሎም እንከሎ መንፈስ ቅዱስ ምስ ዓሰሎምን ዳግም ምስ ተወልዱን ኩሉ ተለዊጡ። ነዚ ዝገበረ ከኣ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እዚ ሓይሊ እዚ ኩሉ ግዜ ውህደትን ሓድነትን ኣብ ውሽጢ ጥራይ ዘይኮነ ብወጻኢ እውን ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ውህደትን ሓደነትን ይፈጥር እዩ።”

ሎሚ ከም ሎሚ ዓለምና ብህውኻትን ዝህውኹን ሕንፍሽፍሽ ኣትይዎ ኩሉ ኣብ ጥርዙ ዝበጽሔ ኣብ ዝመስለሉ ዘድሕነና መንፈስ ቅዱስ ጥራይ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“እዚ ናይ ሁከት መንፈስ ኣንፊጹና ብዙሓት ንሕማቅ ብሕማቅ ክንምልስን ቅልጡፍ ፍታሕ ኣብ ምንዳይን ተዋሪፍና ካብ ጭራና ዘይተርፍ ሰኸም ኰይኑ ንቅድሚት ምስጓሙን ብሕይወት ንምባርን ጸጊምና ዓቅልና ነጽብብ ኣሎና። ኮይኑ ግን ቀንዲ ዘድልየና መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ዝዘንጋዕና ንመስል ከመይ ንሱ ጥራሕ እዩ ኣብዚ ሕንፍሽፍሽ እዚ ስርርዕ ክፈጥር ዝኽእል ንኩሉ ዘሐድስ ሓዲስ ሓይሊ ዝህብ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ንሱ ኣብ ታህዋኽን ምህዋጽን ዘለዎ ሰላም ኣብ ዕንቅፋትን ምጥርጣርን ዘለዎ ምትእምማን ሓዘን ኣብ ዘለዎ ደስታ እርጋን ኣብ ዝሳዕረሮ ጒብዝና ፈተነ ኣብ ዝበዝሖ ትብዓት እዩ። ኣብ ማዕበላት ሕይወት ንመልህቅ ተስፋና ቀጥ ኣቢሉ ዘጽንዕ ንሱ እዩ።”

ሽሕ’ኳ ብድኻምነት ደቂሰባት ወገነይ ወገንካ ጒጅለይ ጉጅለኻ ዝብል ፈተነ ዘይተርፍ እንተኾነ ውህደት መንፈስ ቅዱስ ግን ንብዙሕነት ኣብ ውሽጢ ብፍቅሪ ሓቊፊ ሓድነት ዝፈጥር ቤተክርስትያን ዝገብር እዩ።

ኣብ ትመርጾም ጒጅለኻ ተዓጺኻ ገጎጆኻ ናይ ምህናጽ ፈተና ኩሉ ግዜ ኣሎ። ካብ ጎጆ ናብ ዕጽው ማሕበር ምሕላፍ ከኣ ካብኣ ናብኣ እያ እዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን እውን የጋጥም! ንሕና ከምዚ ኢና እንበልካ ክንደይ ግዜ መንነትካ ክተነጽር ዘይተጻዕረ። መንፈስ ቅዱስ ግን ንርሑቃን ኣቅሪቡ ንዝተበታተኑ ኣኪቡ ንኩሉ በቦታኡ ኣትሒዙ ውህደትን ሓድነትን ፍቅርን ይፈጥ። ሎሚ ኣብ ዓለምና ዘይምስምማዕ ዳርጋ ናብ ምግምማዕ ዘንቢሉ ብዙሕ ዘለዎን ምንም ዘይብሉን ገለን ንኣማኢት ዓመታት ክነብር ሒዅ ይብል ገለን ብርሃን ዓለም ከይርኢ ይንጸል። የድሕነና ዘብል እዩ።

“ዓለምና መንፈስ ቅዱስ የድልያ ቤተክርስትያና መንፈስ ቅዱስ የድልያ ከመይ ንዓለምናስ ይኹን ንቤተክርስትያንና ቦታ ውሉድን ኣሕዋትን ኣሓትን ገሩ ክቀብኣን ዝኽእል ንሱ ጥራይ እዩ። እንክብሉ በዛ ትስዕብ ጸሎት ስብከቶም ዛዚሞም።”

ኦ ናይ እግዚአብሔር ውህደት ዝኾንካ መንፈስ ቅዱስ ንስኻ ንፍርሂ ናብ ምትእምማን ንምዕጻው ናብ ውህበት እትልውጥ ኢኻ እሞ ንዓ ናባና ውረድ። ነታ ናይ ልቢ ነባሪት ጒብዝና ዝኾነት ታሕጓስ ትንሣኤ ዓድለና። ኦ ውህደት ናትና ናይ ኩልና ዝኾናካ መንፈስ ቅዱስ ኦ ንኣና ንኩልና ሓደ ኣካል እትገብር መንፈስ ቅዱስ ሰላምካ ኣብ ቤተክርስትያንካን ኣብ ዓለምን ኣፍስስ። ኦ መንፈስ ቅዱስ ናይ ስምምዕ ሃንደስቲ ናይ ሠናይ ዘራእቲ ናይ ተስፋ ሓዋርያት ግበረና ኣሜን።

ብድምጺ ንምክትታል!
11 June 2019, 11:09