ድለ

ስለ ሰላም ሃገረ ሱዳን ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 9 ሰነ 2019 መሥዋዕተ ቅዳሴ ናይቲ ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተባዒሉ ዝወዓለ ምስ ፈጸመ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምስ ምእመናን ቅድሚ ምድጋሞም ብዛዕባ ብፅዕናኡ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ሊትዋንያ ዝተኣወጀ ሚኻል ግየድሮጅ ኣዘኻኺሮም ነታ ብፖሎቲካዊ ቅልውላው ግዳይ ዓመጽን ሞትን ኮይና ዘላ ሱዳን ብምዝካር ስለኣ ክጽለ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ሥርዓተ ብፅዕና ሚሸል ግየድሮይች ኣብ ክራኩፍ

ኣብ ድሮ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ሃገረ ፖላንድ ኣብ ከተማ ክራኩፍ ናይቲ ብ1420 ዓምፈ ኣብ ሃገረ ሊትዋንያ ዝተወልደን ብዝሓደሮ መንፈስ ጸዋዕታ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ጽንኩር እዋን ንሕዝብታት ፖላንድ እምነቱ ከጽንዕ ዝሓገዘን ብዙሕ ሠናይ ነገር ዝገበረን ግየድሮይች ብፅዕና ተኣዊጁ። ቅዱስነቶም ነዚ ፍጻሜ እዚ ከምዚ ክብሉ ናይ ምስጋና ኣጋጣሚ ምዃኑ ገሊጾም።

“ትማሊ ኣብ ክራኩፍ ናይ ሚሸል ግየድሮይች ሥርዓተ ብፅዕና እንክፍጸም ጳጳሳት ፖላንድን ሊትዋንያን ብሕብረት ኣብቲ ሥርዓተ ምሥጋና ተሳቲፎም። እዚ ፍጻሜ እዚ ንሕዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ማለት ፖላንድን ሊትዋንያን ብእምነትን ብኣኽብሮ ብፁዕ ሚሸልን ንዘለወን ምትእስሳር ከደልድላን ነቲ ኣብ መበል 15 ክፍለዘመን ኣብ ክራኩፍ በዚ ብፁዕ ዝተፈጸመ ኣብነት ትሕትናን ወንጌላዊት ምግባረ ሠናይን ንክስዕቡ እውን ይሕግዞም ኢሎም።”

ስለሰላም ሃገረ ሱዳን ንጸሊ!

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ስለ እታ ብዓቢ ፖሎቲካዊ ቅላውላው ትሕመስ ዘላ ሃገረ ሱዳን ንክጽለ ምናዳ ኸኣ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ፕረሲደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ ሥልጣን ካብ ዝወርዱ ክጐሃሃር ዝጸንሐን ኣብዚ ሳልስቲ ብኣማእት ናይ ዝቊጸሩ ሕይወት ዝቀዘፈን ሕንፍሽፍሽን ዓመጽን ቀልጢፉ ደው ንክብል ንጸሊ ኢሎም።

“ኣብዚ ዕለታት እዚ ካብ ሱዳን ዝውሕዝ ዘሎ ዜናታት ሥቃይን ሻቅሎትን ዝፈጥር እዩ። ስለ ሕዝቢ ሱዳን ንጸሊ! እዚ ዓመጽ ደው ክብልን ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ሃሰስ ንምባል ዝሕግዝ ዘተ ክግበርን ንጸሊ ኢሎም።”

ንመንፈስ ቅዱስ ልባትና ንኽፈት!

ቅዱስነቶም ንኩሉ ፈጺሞም ንበዓለ ጰራቅሊጦስን ንጸሎት ንግሥተ ሰማያትን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ምእመናንን ነጋድያንን ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ ልብና ንመንፈስ ቅዱስ ንኽፈት እንክብሉ ሓደራ ኢሎም።

[ ንዓኹም ንኩልኹም ልብኻትኩም ብምእዙዝነት ነቲ ንዓለምና ብዝተፈላልዩ ህያባት ዘሀብትምን ምልክት ሕውነት ኣብ ውህደት ንዝኾነ ንሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ክትከፍቱ አተባባዓኩም። እታ ብውሉዳዊ ምትእምማን ኣብ እናታዊ ኣማልድነታ እንምዕቆብ ቅድስት ኣደ ኣምላኽ ነዚ ጸጋ እዚ ተውህብኩም እንክብሉ መሪቆም። ]  

ብድምጺ ንምክትታል!
11 June 2019, 11:16