ስለ ሰላም ሃገረ ሱዳን ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ሥርዓተ ብፅዕና ሚሸል ግየድሮይች ኣብ ክራኩፍ
ኣብ ድሮ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ሃገረ ፖላንድ ኣብ ከተማ ክራኩፍ ናይቲ ብ1420 ዓምፈ ኣብ ሃገረ ሊትዋንያ ዝተወልደን ብዝሓደሮ መንፈስ ጸዋዕታ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ጽንኩር እዋን ንሕዝብታት ፖላንድ እምነቱ ከጽንዕ ዝሓገዘን ብዙሕ ሠናይ ነገር ዝገበረን ግየድሮይች ብፅዕና ተኣዊጁ። ቅዱስነቶም ነዚ ፍጻሜ እዚ ከምዚ ክብሉ ናይ ምስጋና ኣጋጣሚ ምዃኑ ገሊጾም።
ስለሰላም ሃገረ ሱዳን ንጸሊ!
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ስለ እታ ብዓቢ ፖሎቲካዊ ቅላውላው ትሕመስ ዘላ ሃገረ ሱዳን ንክጽለ ምናዳ ኸኣ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ፕረሲደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ ሥልጣን ካብ ዝወርዱ ክጐሃሃር ዝጸንሐን ኣብዚ ሳልስቲ ብኣማእት ናይ ዝቊጸሩ ሕይወት ዝቀዘፈን ሕንፍሽፍሽን ዓመጽን ቀልጢፉ ደው ንክብል ንጸሊ ኢሎም።
ንመንፈስ ቅዱስ ልባትና ንኽፈት!
ቅዱስነቶም ንኩሉ ፈጺሞም ንበዓለ ጰራቅሊጦስን ንጸሎት ንግሥተ ሰማያትን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ምእመናንን ነጋድያንን ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ ልብና ንመንፈስ ቅዱስ ንኽፈት እንክብሉ ሓደራ ኢሎም።
[ ንዓኹም ንኩልኹም ልብኻትኩም ብምእዙዝነት ነቲ ንዓለምና ብዝተፈላልዩ ህያባት ዘሀብትምን ምልክት ሕውነት ኣብ ውህደት ንዝኾነ ንሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ክትከፍቱ አተባባዓኩም። እታ ብውሉዳዊ ምትእምማን ኣብ እናታዊ ኣማልድነታ እንምዕቆብ ቅድስት ኣደ ኣምላኽ ነዚ ጸጋ እዚ ተውህብኩም እንክብሉ መሪቆም። ]