ናብ እግዚአብሔር ዝቐርብ ኣይወድቅን! ወትሩ ንቅድሚት ይግስግስ! ር.ሊ.ጳ ንሕዝቢ ካመሪኖ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድሕሪ ጰራቅሊጦስ ዘላ ሰንበት ዓቢይ በዓል ቅድስት ሥላሴ ዝዝከረሉ ዕለት እዩ። ሥላሴ ፈጠርትናን ሓለውትናን ሒዝና ምንም ክንጠራጠር ከምዘይብልና ዝገለጹ ቅዱስነቶም `ናብቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽናን ቀረባናን ዝኾነ ኣምላኽና ክንልምን እንከሎና ገበርቲ ሠናይ ኰና ኣጸናናዕቲ ናይ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንኹን። ካልኦት ክጅምሩ ኣይንጸበ’ ኢሎም።
ምሥጢረ ሥላሴ ነቲ ብእግዚአብሔር አብ ዝተገብረን ብመንጎኝነት ወልድ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተፈጸመ ምሥጢረ ድሕነት ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ንሶም እውን ነዛ ሰንበት እዚኣ ምስቶም ብምንቅጥቃጥ መሬት ዝተጐድኡ እሞ ዛጊት ኣብ ዳግመ ህንጸት ዘይተዓወዱ ሕዝቢ ካመሪኖ ክውዕሉ መዲቦም። ሽሕ’ኳ ብ2016 ዓምፈ ብብርቱዕ እንተተሃስዩን ገና እውን እቲ ፍርስራስ ኣብኡ እንተሎን እቲ ሕዝቢ ግን ዳግም ንምትንሣእ ብዘለዎ ኒሕን ሓቦን ንቅዱስነቶም ብዓቢ ሓጎስ ተቀቢሎምዎም። ቅዱስነቶም እውን ቅርበቶም ብምግላጽ ተስፋ ክገብሩን ተጻይ ኩሉ ፈተነ ከኣ እግዚአብሔር ኣብ ጐድኖም ምዃኑ ዘኪሮም ከምቲ መዝሙረ ዳዊት እግዚአብሔር እንተማእከላ ኢትትሃወክ ዝበሎ ኣብዚ ዘመነ ጰራቅሊጦስ ነቲ መጸናንዕን ሓራ ዘውጽእን መንፈስ ቅዱስ ጽን ክብሉ ኣዘኻኺሮም። ሽሕ’ኳ ናኣሽቱን ምንም ዘይንክእልን እንተኾና ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ግን ክቡራት ኢና እውን ኢሎም።
ናኣሽቱን ኢክሂልን ኢና ኮይኑ ግን ንእግዚአብሔር ክቡራቱ ኢና!
ኣብ ናይ ዕለቱ መዝሙረ ዳዊት 8 ‘እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፣ እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧’ ንዝብል ይጠቅሱ እሞ ናብ’ቲ ህልው ኩነታት ናይቲ ከባቢ ኣገናዚቦም እቲ ክሳብ ሰማይ ዝተላዕሊ ዓነውነው ክብል እንተኾኑ እቲ ተስፋ ዘንበርካሉ ናብ ሓሙዅሽቲ ክልወጥ እንተኾይኑስ ወዲሰብሲ እንታይ እዩ! ኢሎም ይሓቱ። ነዚ ኣብ ውሽጢ ልብናስ ይኹን ካባና ወጻኢ ዝልሉ ዘይርግጽነት እንትርፊ ካብ ኣምልኽ መልሲ ካብ ካልእ ክንረክብ ኣይንኽእልን! ደጋጊሙ ቃል ኣምላኽ ከምዝብሎ ከኣ ክዝክረና እዩ።
መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ንቊስልታትና ብዘይቲ ተስፋ ይቀብዕ!
ቅዱስነቶም ንሕዝቢ ካመሪኖ ወትሩ ክርስዕዋ ዘይብሎም ኢሎም ሓደራ ዝበልዎም ‘ፍሉያት ደቂ እግዚአብሔርን ብምንም ዘይትክኡን ምዃንኩም ዘክሩ’ ትብል ነበረት። ስለዚ ከኣ ይብሉ እግዚአብሔር ወትሩ ኢድና ናብ ምሃብ ከይንዝብልን ብሓዘን ኰለል ከይንብልን ኢሉ ሓይሊ ይህበና። እቲ ዘይውዳእ ዝመስል ሕማቅ ነገር ኣይብደሃናን። ኣሉታዊ ዝኽርታት ወላ ከይደለናዮም እዮም ቅጅል ቅጅል ዝብሉና። ዝገደደ ከኣ ሓንሳእ ሓንሳእ ኢደ እግርና ጠሚሮም እስረኛታት ይገብሩና። ካብዚ ኩሉ ሓራ ከውጸኣና ዝኽእል ሓደ ጐይታ ጥራሕ እዩ። ነዚ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ብምሃብ ይገብሮ።
ነዚ ቅብዒ ስዒባ እትመስእከስ ተስፋ እያ። ሽሕ’ኳ ሕዝቢ ካመሪኖ ቈሲሉን ተሸጊሩን እንተሎ ኣብዚ ሽግር እዚ ጐጆኦም ክሃንጹ ይጽውዑ። መንፈስ ቅዱስ እታ ቀዳመይቲ ድፍኢት ሂቡ ነቲ ቀንዲ ዕላማ ፍጥረትናን ልደትናን ዝኾነ ታሕጓስ ክነማዕዱ ግዝያዊ ዘይኮነ ነባሪ ተስፋ እናቀለበ ይድግፈና። እዚ ተስፋ እዚ በቲ በራስን ሓላፍን ዝኾነ ናይ ዓለም ንጥረ ነገራት ዝተሃንጸ ኣይኮነን።
ምሥጢረ ሥላሴ ጸገም ምርምር ዘይኮነ ናይ ቅርበት እግዚአብሔር ምሥጢር እዩ!
ዕለቱ በዓለ ቅድስት ሥላሴ ብምንባሩ ነዚ ዓቢ ምሥጢር ቅርበት እግዚአብሔር ዝበልዎ ናይ ድሕነትና ምንጪ ንክርድኣና ብርሃን መንፈስ ቅዱስ ክንልምን ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም ከም ሳልሳይ ነጥቢ ነዛ ቅርበት እግዚኣአብሔር እትብል ብመልክዕ ጸሎት ከምዚ ክብሉ ገሊጾማ።
ብዙሓት ክመራመሩ ዝፍትኑ ንምሥጢረ ሥላሴ ክገልጹን ከድይቡን ከውርዱን ርእሶም ሓቢጦም ርእሲ ሰብ ዘሕበጡ ኣይሰኣኑን ጉዳይ ምሥጢረ ሥላሴ ግን ይብሉ ቅዱስነቶም መሕበጥ ርእሲ ዘይኮነ ዘደንቅ ምሥጢር ቅርበት እግዚአብሔር እዩ ትርጉሙ ከኣ እግዚአብሔር ወዱ ዝሃበና ኣቦ እዩ ብዝበለጸ ንክቀርብ ከማና ሰብ ብምዃን ንሰኸም ሕይወት ተሰኪምና ከመይ ኢልና ከም እንጐዓዝ ንክድግፈና ከኣ ንእግዚኣአብሔር መንፈስ ቅዱስ ይሰደልና።