ናብ እግዚአብሔር ዝቐርብ ኣይወድቅን! ወትሩ ንቅድሚት ይግስግስ! ር.ሊ.ጳ ንሕዝቢ ካመሪኖ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ካመሪኖ ዞባ ማቸራታ ሃገረ ጣልያን ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዝቀደሱሉ ‘ምስ እግዚአብሔር ጾር ጒዕዞ ሕይወት ኣብ እንግድዓና ኣይተርፉን! ንሱ እንደገና ጒዕዞ ንክንጅምር ዳግም ንክፍትንን ንክንሃንጽን ወትሩ ሕያሊ ይህበና’ እንክብሉ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብብርቱዕ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝተጐድኡ ሕዝቢ ኣጸናኒዖም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድሕሪ ጰራቅሊጦስ ዘላ ሰንበት ዓቢይ በዓል ቅድስት ሥላሴ ዝዝከረሉ ዕለት እዩ። ሥላሴ ፈጠርትናን ሓለውትናን ሒዝና ምንም ክንጠራጠር ከምዘይብልና ዝገለጹ ቅዱስነቶም `ናብቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽናን ቀረባናን ዝኾነ ኣምላኽና ክንልምን እንከሎና ገበርቲ ሠናይ ኰና ኣጸናናዕቲ ናይ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንኹን። ካልኦት ክጅምሩ ኣይንጸበ’ ኢሎም።

ምሥጢረ ሥላሴ ነቲ ብእግዚአብሔር አብ ዝተገብረን ብመንጎኝነት ወልድ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተፈጸመ ምሥጢረ ድሕነት ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ንሶም እውን ነዛ ሰንበት እዚኣ ምስቶም ብምንቅጥቃጥ መሬት ዝተጐድኡ እሞ ዛጊት ኣብ ዳግመ ህንጸት ዘይተዓወዱ ሕዝቢ ካመሪኖ ክውዕሉ መዲቦም። ሽሕ’ኳ ብ2016 ዓምፈ ብብርቱዕ እንተተሃስዩን ገና እውን እቲ ፍርስራስ ኣብኡ እንተሎን እቲ ሕዝቢ ግን ዳግም ንምትንሣእ ብዘለዎ ኒሕን ሓቦን ንቅዱስነቶም ብዓቢ ሓጎስ ተቀቢሎምዎም።  ቅዱስነቶም እውን ቅርበቶም ብምግላጽ ተስፋ ክገብሩን ተጻይ ኩሉ ፈተነ ከኣ እግዚአብሔር ኣብ ጐድኖም ምዃኑ ዘኪሮም ከምቲ መዝሙረ ዳዊት እግዚአብሔር እንተማእከላ ኢትትሃወክ ዝበሎ ኣብዚ ዘመነ ጰራቅሊጦስ ነቲ መጸናንዕን ሓራ ዘውጽእን መንፈስ ቅዱስ ጽን ክብሉ ኣዘኻኺሮም። ሽሕ’ኳ ናኣሽቱን ምንም ዘይንክእልን እንተኾና ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ግን ክቡራት ኢና እውን ኢሎም።

ናኣሽቱን ኢክሂልን ኢና ኮይኑ ግን ንእግዚአብሔር ክቡራቱ ኢና!

ኣብ ናይ ዕለቱ መዝሙረ ዳዊት 8 ‘እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፣ እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧’ ንዝብል ይጠቅሱ እሞ ናብ’ቲ ህልው ኩነታት ናይቲ ከባቢ ኣገናዚቦም እቲ ክሳብ ሰማይ ዝተላዕሊ ዓነውነው ክብል እንተኾኑ እቲ ተስፋ ዘንበርካሉ ናብ ሓሙዅሽቲ ክልወጥ እንተኾይኑስ ወዲሰብሲ እንታይ እዩ! ኢሎም ይሓቱ። ነዚ ኣብ ውሽጢ ልብናስ ይኹን ካባና ወጻኢ ዝልሉ ዘይርግጽነት እንትርፊ ካብ ኣምልኽ መልሲ ካብ ካልእ ክንረክብ ኣይንኽእልን! ደጋጊሙ ቃል ኣምላኽ ከምዝብሎ ከኣ ክዝክረና እዩ።

“ይዝክረና ክንብል ከሎና ብልቡ ናባና ይምለስ ከመይ ኣብ ልቢ ፍሉይ ቦታ ስለዘሎና። ኣብዚ ዓለምና ብዙሕ ነገራት’ኳ ብታህዋኽ ንርስዖም እንተኾና እግዚአብሔር ግን ፈጺሙ ኣብታ እንዳ መረስዕ ኣይሓድገናን። ኣብ ቅድሚ ኣዕይንቱ ማንም ዝነዓቅ የለን። ነፍሲወከፍና ንኣኡ ክቡር ዋጋ ኣሎዎ። ምስ ሰማይ እንክንወዳደር ደቀቅሪ ምንም ዘይንክእል ኢና ንእግዚኣአብሔር ግን ካብ ማንም ንላዕሊ ክቡራት ኢና። ከመይ መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ንቊስልታትና ብዘይቲ ተስፋ ምስ ቀብኤ እዩ።”

መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ንቊስልታትና ብዘይቲ ተስፋ ይቀብዕ!

ቅዱስነቶም ንሕዝቢ ካመሪኖ ወትሩ ክርስዕዋ ዘይብሎም ኢሎም ሓደራ ዝበልዎም ‘ፍሉያት ደቂ እግዚአብሔርን ብምንም ዘይትክኡን ምዃንኩም ዘክሩ’ ትብል ነበረት። ስለዚ ከኣ ይብሉ እግዚአብሔር ወትሩ ኢድና ናብ ምሃብ ከይንዝብልን ብሓዘን ኰለል ከይንብልን ኢሉ ሓይሊ ይህበና። እቲ ዘይውዳእ ዝመስል ሕማቅ ነገር ኣይብደሃናን። ኣሉታዊ ዝኽርታት ወላ ከይደለናዮም እዮም ቅጅል ቅጅል ዝብሉና። ዝገደደ ከኣ ሓንሳእ ሓንሳእ ኢደ እግርና ጠሚሮም እስረኛታት ይገብሩና። ካብዚ ኩሉ ሓራ ከውጸኣና ዝኽእል ሓደ ጐይታ ጥራሕ እዩ። ነዚ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ብምሃብ ይገብሮ።

“መንፈስ ቅዱስ የድልየና እዩ ምኽንያቱ መጸናንዒ ስለዝኾነ ብክበድ ጉዕዞ ሕይወት ተጸቂጥና ኣብ እንክበሉ ወትሩ የሰንየና። በይንና ኣይሓድገናን። ነታ ባርያ ኰይና ዘላ ዝኽርና ናብ ሓራ ዝኽሪ ዝልውጣ እውን ንሱ እዩ። ንሕሉፍ ቊስልታት ኣብ ዝኽሪ ድሕነት ይልውጦ። ነቲ ኣብ ኢየሱስ ዝገበሮ ኣባና እውን ይፍጽሞ! ቅንዋት ኢየሱስ እተን ብሽንካር ኣብ ዝተኳዕታ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ናይ ምሕረት መስኖታት ኰይነን እቲ ዘተንሥእን ሕይወት ዝህብን ፍቅሪ እግዚአብሔር ዘንጸባርቅለን መብራህቲ ኰይነን። መንፈስ ቅዱስ ነዚ እዩ ዝገብር ኣብ ቊስልታትና ንዓድሞ። ንሱ ናይ ተስፋ ዳግም ሃናጺ ስለዝኾነ ነቲ ሕማቅ ዝኽርታትና ብዘይቲ ተስፋ ይቀብዕ። ብሓዲስ ጒዕዞ ንምጅማር ከኣ ንሰማይ ንምውንጫፍ እታ ቀዳመይቲ ስጉምቲ ወይ ድፍኢት ይህበና።”

ነዚ ቅብዒ ስዒባ እትመስእከስ ተስፋ እያ። ሽሕ’ኳ ሕዝቢ ካመሪኖ ቈሲሉን ተሸጊሩን እንተሎ ኣብዚ ሽግር እዚ ጐጆኦም ክሃንጹ ይጽውዑ። መንፈስ ቅዱስ እታ ቀዳመይቲ ድፍኢት ሂቡ ነቲ ቀንዲ ዕላማ ፍጥረትናን ልደትናን ዝኾነ ታሕጓስ ክነማዕዱ ግዝያዊ ዘይኮነ ነባሪ ተስፋ እናቀለበ ይድግፈና። እዚ ተስፋ እዚ በቲ በራስን ሓላፍን ዝኾነ ናይ ዓለም ንጥረ ነገራት ዝተሃንጸ ኣይኮነን።

“ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ነባሪ እዩ። ኣይወድቅን ከመይ ኣብ ተኣማንነት እግዚኣአብሔር ስለዝምሥረት። እዚ ተስፋ እዚ ተሓጒሳ ንምሕዳር ዝወሃብ ኣዎንታዊ ጠመተ እውን ኣይኮነን። ካብ መዓሙቚ ልብና ብእግዚኣአብሔር ዝተፈቀርናን ኣብ ቅድሚኡ ዓቢ ዋጋ ከምዘሎናን ካብ ዘረጋግጽ እምነት ይዂላዕ። ብደገ ዝኾነ ነገር የጋጥም ብዘየገድስ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ሰላምን ሓጐስን ዘዕስል ጸጋ እዩ። ሓያል መሠረትን ሠራውርን ዘለዋ ተስፋ ስለዝኾነት ዝኾነ ይኹን ናይ ሕይወት ማዕበላት ከነቃንቅዋ ኣይክእሉን።”

ምሥጢረ ሥላሴ ጸገም ምርምር ዘይኮነ ናይ ቅርበት እግዚአብሔር ምሥጢር እዩ!

ዕለቱ በዓለ ቅድስት ሥላሴ ብምንባሩ ነዚ ዓቢ ምሥጢር ቅርበት እግዚአብሔር ዝበልዎ ናይ ድሕነትና ምንጪ ንክርድኣና ብርሃን መንፈስ ቅዱስ ክንልምን ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም ከም ሳልሳይ ነጥቢ ነዛ ቅርበት እግዚኣአብሔር እትብል ብመልክዕ ጸሎት ከምዚ ክብሉ ገሊጾማ።

“ኦ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ነዓ! ብርሃን ክትዕድለና ነዓ! ትርጉም ናይዚ ጸገምና ክትገልጸልና ንዓ! ነቲ ዘይጠልም ተስፋ ክትህበና ነዓ! ነዓ ኦ መንፈስ ቅዱስ ክብሉ ጸልዮም።”

ብዙሓት ክመራመሩ ዝፍትኑ ንምሥጢረ ሥላሴ ክገልጹን ከድይቡን ከውርዱን ርእሶም ሓቢጦም ርእሲ ሰብ ዘሕበጡ ኣይሰኣኑን ጉዳይ ምሥጢረ ሥላሴ ግን ይብሉ ቅዱስነቶም መሕበጥ ርእሲ ዘይኮነ ዘደንቅ ምሥጢር ቅርበት እግዚአብሔር እዩ ትርጉሙ ከኣ እግዚአብሔር ወዱ ዝሃበና ኣቦ እዩ ብዝበለጸ ንክቀርብ ከማና ሰብ ብምዃን ንሰኸም ሕይወት ተሰኪምና ከመይ ኢልና ከም እንጐዓዝ ንክድግፈና ከኣ ንእግዚኣአብሔር መንፈስ ቅዱስ ይሰደልና።

“ትእምርተ መስቀል እናክንገብር መንኩብና ኣብ እንትንክፈሉ ግዜ እንጽውዖ መንፈስ ቅዱስከስ ንጾር ጒዕዞ ሕይወትና ክንሽከም ሓይሊ ንክትህበና ነዓ ንክተተባብዓና ንዓ ማለትና እዩ። ርግጽ እዩ ካብ ንክትሃንጽ ዝዓነወ ዳግም ክትሃንጽ ካብ ንክትጅምር እንደገና ዳግም ንክትጅምር ካብ ብስምምዕ ክትከይድ ነርካ ተባኢስካ ዳግም ንክትዕረቅ ብርቱዕ ሓይሊ የድሊ። ኰይኑ ግን ኣብ እግዚኣአብሔር ዝቀርብ ፈጺሙ ኣይዓኑን ኣይወድቅን ኣይደክምን ወትሩ ንቅድሚት እዩ ዝግሥግስ እንደገና ይጅምር እንደገና ይፍትን እንደገና ይሃንጽ። ሽሕ’ኳ እንተተሰቃየ እግዚአብሔር ምሳኡ ስለዘሎ ዳግም ምጅማርን ዳግም ምፍታንን ዳግም ምህናጽን ኣይእግሞን። ይዕወት ከኣ። ስለዚ ሽሕ’ኳ እቲ ነዚ ሕዝቢ እዚ ዘጋጠመ ሓደጋ ሠለስተ ዓመት እንተቚጸረ እቲ ቀንዲ ሓደጋ ድሕሪ እተን ቀዳሞት ዕለታት ሸፈነ መራኸቢ ብዙሓንን ሓገዝን እናተረስዔ ከይዱ ናብ ተስፋ ቊርጸት ዘዘንብል እንተኾነ ጐይታ ግን ምሳና ከምዘሎ ክንዝክር እሞ ክነዔሪ ዳግም ክንሃንጽ ከምዘሎና የዘኻኽረና። ነዚ ከኣ ነቶም ዝሳቀዩ ከይረሳዕካ መስቀልካ ብምሽካምን ንካልኦት እናኣጸናናዕካን እዩ ዝግበር እሞ ጐይታ ናይ ሠናይ ነገር ፈጸምትን ናይ ልብታት መጸናናዕትን ንምዃን ይሓግዘና እንክብሉ ስብከቶም ደምደሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
17 June 2019, 19:50