ድለ

ብዓወት ሰኺርካ ንዝግበር ብደዔ ሱቚታ ኢየሱስ ስዒርዎ! ር.ሊ.ጳ

ዕለተ ሆሳዕና ኢየሱስ ብኽብሪ ናብ ኢየሩሳሌም ዝኣተወሉን ምጅማር ሶሙነ ሕማማትን ዝገልጽ በዓል ኮይኑ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 14 ሚያዝያ 2019 ዓምፈ ኣብ ዝመርሕዎ ዑደተ ሥርዓተ ሆሳዕናን ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴን ‘ሽሕ’ኳ እቲ ብኽብሪ ምእታው ናብ ብዓወት ሰኺርካ ዝግበር ብድዔ ገጹ ክወስድ ተኽእሎ እንተነበሮ ኢየሱስ ግን ብትሕትናኡን ብሱቚታኡን ስዒርዎ ስለዚ ኣብነቱ ተኸቲልና ነዚ ዲያብሎስ ዝቅርበልና ብደዔ ንምሽናፍ ብሱቚታን ብጸሎትን ብትሕትናን ናብ ድሕነት መንግሥቲ እግዚብሔር ንብጻሕ’ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ድሕሪ ዑደተ ሆሳዕና ድሕሪ ንባበ ወንጌል ‘ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብትሕትናኡ መንገዲ እምነት ከፊቱልና` እንብሉ ነቲ ኣብ ዕለቱ ዝተነበ ናይ ሉቃስ ወንጌላዊ ዜና በዓለ ሆሳዕናን እቲ ወትሩ ዝዝመር ‘ቡሩኽ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ዝተባረኸ እዩ’ ብሓባር ምስ ሕዝቢ ሆሳዕና በኣርያም እናበሉ ዘሚሮም።

ቅዱስነቶም በዓለ ሆሳዕና ክልተ ገጽታ ከምዘለዎ እዚ ከኣ በቲ ሓደ ወገን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብክብሪ ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም ምእታው ናይቶም ሕዝቢ ብዓቢ ሓጐስ ምቅባል ከምኡ እውን ዝስዕቦ ውርደት ሶሙነ ሕማማትን ናይቲ ብዓቢ ሓጐስ ዝቅበልን ዝዝምርን ዝነበረ ሕዝቢ ብጐስጓስ ሊቃነ ካህናትን መራሕትን ናብ ጽልእን ስቀሎ ስቀሎን ምልዋጥን ምዃኑ ገሊጾም። ነዚ ንምዝካር ከኣ እያ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን መጀመርያ ሥርዓተ ሆሳዕና ብምፍጻም ጨናፍር ኣውሊዕን ሆሳዕናን ብምሓዝ ዑደትን መዝሙርን ድሕሪ ምብጻሕ ብጸጥታ ምሉእ ሕማማት ኢየሱስ ብምንባብ ትዛዝሞ። ንሎምዘመን ዝቀረበ ቅዱስ ሉቃስ ዘቅርቦ እዩ። ሱቊታን ትሕትናን ኢየሱስ ዝምህረና በብሓደ ንምዝርዛር ከስ በታ ብምሉእ ምትእምማን ንኩሉ ኣብ ኢድ እግዚኣአብሔር ኣቦኡ ምሕዳጉ ይጅምሩ።

ብተኣማንነት ንኩሉ ኣብ ኢድ እግዚኣአብሔር ኣቦ ምሕዳግ!

ከም ሓበሬታ ቅድስት መንበር ኣብ ቅዳሴ ዝተሳተፉ ምእመናን ከባቢ 40 ሺሕ ኰይኖም ኣብ ግዜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ልዕሊ ሓምሳ ሺሕ ከምዝበጽሑ እንክግለጽ ቅዱስነቶም ኣብነት ኢየሱስ ተኸቲልና ብመንፈስ ቅዱስ ክንምራሕን ነቲ ኣብ ጸሎት እንልምኖ ጸጋታት ንምቅባል ከኣ ኣብዚ ቅዱስ ሶሙነ ሕማማት ንጐይታና ብጸሎት ክነሰንዮ ንዝተረፈ መዋዕል ሕይወትና ከኣ ነቲ ዓቢ ትምህርቲ ናይ ሕማማቱ ኣብ ቅድሜና እንተገርና ተጻይ እቲ ክፉእ መንፈስ ዓወት ክንጐናጸፍ ኢና ኢሎም።

“ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዘጨንቁ ግዝያትን ሕሱማት ፈተናታትን ከመይ ገርና ክንቃለሶም ከምእንኽእል ብኣብነቱ ይምህረና። እዚ ከኣ ኣብ ልብና ንዘሎ ሰላም ክንዕቅብ ነዚ እንክንገብር ከኣ ወይ ዘይስመዓና ወይ ልዕሊ ሰባት ኰና ዘይኮነስ ከምቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ብምሉእ ምትእምማን ንኩሉ ኣብ ኢድ እግዚአብሔር ኣቦ ምንባር ከምኡ እውን ንፍቃድ ድሕነትስ ይኹን ንሕይወት ንምሕረቱስ ይኹን ንተልእኮ ድሕነቱ ብፈተናታት ሰጊሩ ሥራሑ ንኽፍጽም ናቱ መንገዲ ብምምራጽን ኣብ ተኣዝዞ እግዚአብሔር ብምጽማድን ገርዎ። እተን ኣብ ምድረበዳ ዘሕለፈን 40 ናይ ውግእ ዕለታት ኣብኡ ጥራይ ኣየብቅዓን። ፈተና ጸላኤ ሰናያት ክሳብ መወዳእታ ኣብ መስቀል ከይተረፈ ኣብ ሕማማቱ ፈቲንዎ እዩ። ኢየሱስ ግን ክሳብ መወዳእታ ነቲ ፈተና እናነጸገ ብምሉእ ምትእምማን ኣብ ተኣዝዞ እግዚአብሔር ኣቦኡ ጸኒዑ። ሎሚ ንዓና እውን ከም ቤተክርስትያን ዝጓነፈና መንፈስ ዓለማውነት ኣሎ።”

መንፈስ ዓለማውነት ስግኣት ቤተክርስትያን!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኢየሩሳሌም ኪኣቱ እንከሎ ከም ኩሉ ብዓወት ዚኣቱ ተቅባል ዚግበረሉ ኪዕበ ኣይበልናንዶ ክብል ክጀሃር ይኽእል ነሩ ኮይኑ መንገዲ ትሕትና ይመርጽ ከመይ ብዓወት ሰኺርካ ሆ ሆ ምባል ናይ መስፍን ናይዚ ዓለምዚ መንገዲ እዩ።

“ብዓወት ሰኺርካ ሆ ሆ ምባል ብዙሕ ኣቋራጭ ዝኾነ መንገዲ ሃሰስ ይብል! ናይ ሓሶት ስምምዓት ይገብር! ኣተኲሮኡ ኣብ ዝተሰለመ ሰረገላ ዓወት ምድያብ ጥራይ ይኸውን። ብዓወት ምስካር ብመስቀል ዘይተቀለሱ ቃላትን ተግባራትን የዘውትር። ንካልኦት ካብኡ ከምዝሓምቁን ጐድሎታት ምዃኖምን ውዱቃትን እዮም ቢሉ ስለዝፈርዶም ወትሩ ምስ ተጻኤ እዩ። ሓንቲ ሰላሕታዊት ጸገም ናይ ብዓወት ምስካር ዓለማዊ መንፈሳውነት እዩ! እዚ ከኣ ብጣዕሚ ሓደገኛ እዩ። እዚ ንቤተክርስትያን ዓቢ ስግኣት እዩ። ኢየሱስ ብዓውት ሰኺርካ ንዝግበር ብደዔ ብሕማማቱ ደምሲስዎ እዩ። ከመይ ምስ መስቀል ዋጋ ዕዳጋ ኣይሰርሕን እዩ።”

ብጉዳይ መስቀል ዋጋ ዕዳጋ የለን!

ቅዱስነቶም ናብ ልቢ ኢየሱስ ይዕድሙ እሞ ‘ልቢ ኢየሱስ እቶም ድኻታት እስራኤል ክሕጐሱን በዓል ክገብሩን እቶም ስሙ እናጸውዑ ንጉሥን መሲሕን ምዃኑ ዝጭርሑ ዝነበሩ መንእሰያት እዩ ዘተኲር ዝነበረ። ትሕትና እንክብል ነቲ ኩነት ምኽሓድ ማለት ኣይኮነን። ኢየሱስ ብሓቂ መሲሕ ብሓቂ ከኣ ንጉሥ እዩ። ኰይኑ ግን ኣብ ልቡ ዘዕገርግር ዝነበረ ካልእ መንገዲ ነሩ። እታ ቅድስቲ መንገዲ እታ ዝሳቀ ባርያ እግዚአብሔር እትብል! እቲ ከሕልፎ ዘለዎ ውርደት! እቲ ክሳብ ሞት ሞት ብሞቱ ከኣ ኣብ ዕጸ መስቀል እዩ ኣብ ልቡ ዝመላለስ ዝነበረ።

“ናብ ሓቀኛ ዓወት ንምብጻሕ ንእግዚኣአብሔር ቦታ ክገድፍ ከምዘለዎ ይፈልጥ ነሩ። ንእግዚኣአብሔር ቦታ ንምግዳፍ ዘላ እንኮ መንገዲ ከኣ ንገዛእ ርእስኻ ምጥንጣን ኢምንት ምዃን! ስለዚ ሱቑ ክብል ክጽሊ ትሕት ክብል ኣለዎ። ብጉዳይ መስቀል ኣሕዋትን ኣሓትን ብጉዳይ መስቀል ዋጋ ዕዳጋ የለን ወይ ሃንጐፋይ ኢልካ ትሓቊፎ ወይ ትጥንጥኖ። ኢየሱስ ከስ ብውርደቱን ትሕትናኡን ንመንፈዲ እምነት ክኸፍተልና ስለዝደለየን ክመርሓና መረጸ። ከመይ ንወጋሕታ ትንሥኤ እትበጽሕ እንኮ መንገዲ ፍኖተ መስቀል ስለዝኾነት።”

ናብ ወጋሕታ ትንሣኤ ገጽካ ምጒዓዝ!

ናብ ትንሣኤ ክንበጽሕ እንተዀና እታ ቀዳመይቲ ዕዮ ገዛና ነዛ መንገዲ እምነት እዚኣ ኣብ ኣሰሩ ክንስዕባ ኣሎና። ኣብዚ እታ ቀዳመይቲ ሓዋርያን ዓወት ዝተጐናጸፈትን ድንግል ማርያም እያ።

“ድንግል ማርያምን ቅዱሳንን ኣብ መንግዲ እምነትን ፍቃድ እግዚአብሔርን ንምግስጋስ ብዙሕ ተሳቅዮም። ኣብ ቅድሚ ከበድትን ኣሰቀቅትን ፍጻሜታት ሕይወት ብመገዲ እምነት ምጒዓዝ ዋጋ የኽፍል እዩ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ንልቢ ብጣዕሚ የድክሞ። እዚ ከኣ ቅዱሳን ለይቲ እምነት ዝብልዎ እዩ። ኮይኑ ግን እዛ ለይቲ እዚኣ ናብ ወጋህታ ትንሣኤ ተብጽሕ። ነዚ ንምግባር ከኣ መንገዲ ትሕትና ሓጋዚት እያ።”

መንገዲ ትሕትና !

እኖና ድንግል ማርያም ኣብ እግሪ መስቀል ኢየሱስ ኰይና እንታይ ትሕስብ ነራ እንተበልና ነቲ ገብርኤል መልኣኽ ኣብ ዕለተ ብሥራት ‘መንግሥቱ መወዳእታ የብሉን’ ንዝብልዶ ይኸውን ወይውን እቲ እትፈትዎ ወዳ ከም ሓደ ገባር ክፉእ ኣብ ዕጸ መስቀል ክግዕር እንከሎ ደኾን ደኾን ብማለት ዋእ እቲ ተስፋ ደኣ እንታይ ኰይኑ ዶ ኢላ ትኸውን።

“በዚ ከምዚ ኸስ ናይ ዓወት ሆሆታ ብትሕትና ኢየሱስ ይቅህም ከምኡ እውን ኣብ ልቢ ድንግል ማርያም ስለዚ ክልቲኦም ሱቊ ክብሉ ኣለዎም። ብእኖና ድንግል ማርያም ተመሪሖም ቊጽሪ ዘይብሎም ቅዱሳንን ቅዱሳትን ንኢየሱስ ክርስቶስ ብመንገዲ ትሕትናን ብመንገዲ ተኣዝዞ ስዒቦሞ።”

ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት!

ቅዱስነቶም ኣብ ዕለቱ ብዓለ ሆሳዕና ጥራይ ዘይኮነ ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት እውን ብደረጃ ሰበኻታት እውን ስለዝዝከር ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩ መንእሰያት ‘ካባና ብዙሕ ዘይረሓቁ ጐረባብትና ክንብሎም እንኽእል እግዚኣአብሔር ጥራይ ዝፈልጦም ብዙሓት ቅዱሳንን ቅዱሳትን መንእሰያት ኣለው። ፍቃዱ ኣብ ዝኾነሉ ከኣ ይገልጸልና እውን ኢሎም።

“ዝኸበርኩም መንእሰያት ንኢየሱስ ዘሎኩም ፍቅርን ኣድናቆትን ንምግላጽ ኣይትሕፈሩ! ሕያው ከምዝኾነን ንሱ ሕይወትኩም ከምዝኾነን ንምጭራሕ ኣይሕፈሩ! ኰይኑ ግን ማዕረ ማዕረ እዚ ከኣ ኣብ መንገዲ መስቀል ንክትስዕብዎ ኣይትፍርሁ። ንገዛእ ርእስኹም ክትክሕዱ ኣብ ዝሓተኩም ግዜ ንኩሉ ውሕስነታትኩም ራሕሪሕኩም ክጥንጥንዎ ኣብዝሓተኩም ግዜ ኣብ ሰማያዊ ኣቦኹም ጥራይ ክትተኣማመኑ ኣብ ዝሓተኩም ግዜ ደስ ይበልኩም ተሓጐሱ እውን! ከመይ ናብ መንግሥተ እግዚአብሔር ናብ እትወስድ ጐዳና ኣቲኹም ማለት እዩ። ነዚ እንክትገብሩ ግን ከም ኢየሱስ ብሱቊታ እዩ ክኸውን ዘለዎ።”

ሱቚታ ኢየሱስ!

ቅዱስነቶም ኣብተን መእተዊ ስብከቶም ዝበልወን ክልተ ተጻረርቲ መግለጺታት በቲ ሓደ ወገን ኣብ ዕለተ ሆሳዕና ብዓቢ ታሕጓስን ሆሆታን ምቅባል ኢየሱስ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ስቀሎ ስቀሎ እናበልካ ምጭራሕ ናይቲ ሕዝቢ ይጠቅሱ እሞ ካብዚ ኩሉ ግን እታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ግዜ ሕማማት ዘርኣያ ሱቚታ ተስደምም ከመይ በቲ ሆሆታ ኣብ ብድዔ ንከይትወድቅ ወይውን በቲ ምንጻግ ንከይትደሃል ትሕግዝ። ሱቊታ ተሸንፍ።

“ኣብ ዝጸልመተ ግዝያትን ዓበይቲ ፈተናታት ኣብ ዘጓንፈሉን ሱቊ ምባል የድሊ ሱቊ ንምባል ትብዓት ክህልወካ የድሊ እዚ ሱቚታ እዚ ግን ዘጣዕስ ዘይኮነ የዋህ ሱቊታ ክኸውን ኣለዎ። የዋህነት ናይ ሱቊታ ድኹማት ከምስለና ዝተሓትና ገሩ ከቅርበና ይኽእል። ሰይጣን ከኣ በዚ ተተባቢዑ ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ክፍክረልና ይኽእል። ኣብ ዘሎኻዮ ቀጥ ኢልካ ነዚ እውን ብሱቚታ ምሽናፉ የድሊ። ነዚ እንክትገብር ግን ኣሰር ኢየሱስ ብምኽታል እዩ። እቲ ውግእ መንጎ እግዚአብሔርን ናይዚ ዓለም መስፍንን ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ሰይፊ ኣልዒልካ ምውጋእ ዘይኮነስ ርግእ ኢልካ ኣብ እምነትካ ምጽናዕ የድሊ። ከመይ እታ ሰዓት እቲኣ ሰዓት እግዚአብሔር እያ። ኣብታ ሰዓት እቲኣ እግዚአብሔር ክዋጋእ ኣብ ዓውዲ ኲናት ይወርድ። እግዚአብሔር ሥራሑ ክሰርሕ ምግዳፉ የድሊ። ቦታ ውሑስ ዝኾነ ከኣ ኣብ ጽላል ቅድስት ኣደ ኣምላኽ እዩ።”

ምኽንያት ተስፋና!

ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ፈተናን ውግእን ዕግርግር ጐይታ ባዕሉ መጺኡ ነቲ ማዕበል ከህድኦ ክንጽበ የድሊ። እዚ እናኾነ ክንገብሮ ዘሎና ብሱቊታ ምስክርነት ጸሎት ምቅራብ እዩ። በዚ ከኣ ነታ ኣብ ውሽጥና ዘላ ምኽንያት ተስፋና ንረኽባ እሞ ኣብ ውሽጢ ቅድስት ወጥሪ ዝኽሪ ተስፋን ናይታ ዘሎና ዋጭዋጭ ናይ መስቀልን ተስፋ ትንሣኤን ንኸውን። እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

Photogallery

ዑደተ ሆሳዕና ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ከተማ ቫቲካን - ሮማ
15 April 2019, 09:40