ድለ

ስለ ሰላም ጸሎተ መቚጸርያ ኣዘውትሩ ክርስቶስ ሕያው እዩ እትብል መልእኽቲ እውን ኣንብቡ! ር.ሊ.ጳ ን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 14 ሚያዝያ 2019 ዓምፈ ኣብ ዝተዘከረ በዓለ ሆሳዕና ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ፍርቂ መዓልቲ ምሳኡ እውን ሰበኻዊ ዕለተ መንእሰያት ብምዃኑ ኣብ ቅርዓት ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ መንእሰያት `ስለ ሰላም ጸሎተ መቚጸርያ ኣዘውትሩ ክርስቶስ ሕያው እዩ እትብል መልእኽቲ እውን ኣንብቡ’ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በዓለ ሆሳዕና ብምብዓላ ቅዱስነቶም ሆሳዕና ባሪኾም ዑደተ ሆሳዕናን ቅዳሴን ምስ ኣዕረጉ እዮም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሮማን ከባቢኣን ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ዝመጹ መንእሰያት ዝዓብለልዎም በሽሓት ዝቊጸሩ ምእመናንን ነጋድያንን ቅድሚ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምድጋም ነቶም ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ብደረጃ ሰበኻ ንኸብዕሉ ዝመጹ መንእሰያት ከምኡ እውን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ሰሰባኻኦም ነዚ ዕለት ንዝዝክሩ ኩሎም ጳጳሳትን መንእሰያትን ከምዚ ክብሉ ሰላምታ ኣቅሪቦም።

“ዝተፈቶኹም መንእሰያት ነተን ኣብ ክርስቶስ ሕያው እዩ እትብል ድሕረ ሲኖዶሳዊ ሓዋርያዊ ቃለ ምዕዳን ዝሃብኩኹም መምርሒታት ተቀቢልኩም ናታትኩም ክትገብርወን ዕለታዊ ሕይወትኩም ከኣ በአን ክትምርሑ እዕድመኩም። እዚ ሓዋርያዊ ቃለ ምዕዳን እዚ ብዙሓት ካብ መሳቱኹም ዝተሳተፍዎ ሲኖዶስ ፍረ እዩ። ኣብዚ ሰነድ እዚ ነፍስወከፍኩም ኣብቲ ዝገብሮ ጉዕዞ ዕብየት እምነትን ኣገልግሎት ኣሕዋትን ዝጠቅሞ ነገራት ክረክብ ከምዝኽእል አረጋግጸልኩም። እንክብሉ ምስ ተማሕጸኑ ኣብ ፍጻሜ እቲ ሥርዓት መቚጸርያታት ክዕደሎም ምዃኑ ገሊጾም።”

ካብ ኣውሊዕ ቅድስት መሬት ዝተሠሔ መቚጸርያታት ተበርኪቱ!

ቅዱስነቶም ንኩሎም ኣብቲ ቅርዓት ዝነበሩ ምእመናን ዝዕደል መቚጸርያ ከምዘሎን እቲ መቚጸርያ ከኣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ፓናማ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ንምዝካር ኣብ ቅድስት መሬት ካብ ዝርከብ ኣውሊዕ ዝተሠርሔ ምዃኑ ድሕሪ ገሊጾም እዚ ግን ስለሰላም ማእከላይ ምብራቅን መላእ ዓለምን ዕለት ዕለት ሓደ ግዜ ጥራይ ዘይኮነ ደጋጊሞም ክጽልይዎ ከምዘለዎም ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“ንመንእሰያትስ ይኹን ንኩሎም ምእመናን ዳግም ክምሕጸኖ ዝደሊ ንጸሎተ መቚጸርያ ስለሰላም ከብጽሕዎ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ሰላም ኣብ ቅድስት መሬትን ኣብ ማእከላይ ምብራቅን ንክወርድ ተማህለሉ ኢሎም።”

ንኩሎም ናብ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር እንክዕድሙ ከኣ ‘ንሶሙነ ሕማማት ከምዝግባእ ንክንነብሮ ክትሕግዘና ንእኖና ድንግል ማርያም ንለምና ድሕሪ ቢሎም ብክፍቲ መንገዲ ንኩሎም ኣብቲ ቅርዓት ዝነበሩ ተዘዋዊሮም ሰላም ድሕሪ ቢሎም ብሓዋርያዊ ቡራኬ ተሰናበትዎም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
15 April 2019, 09:53