ስለ ሰላም ጸሎተ መቚጸርያ ኣዘውትሩ ክርስቶስ ሕያው እዩ እትብል መልእኽቲ እውን ኣንብቡ! ር.ሊ.ጳ ን
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በዓለ ሆሳዕና ብምብዓላ ቅዱስነቶም ሆሳዕና ባሪኾም ዑደተ ሆሳዕናን ቅዳሴን ምስ ኣዕረጉ እዮም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሮማን ከባቢኣን ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ዝመጹ መንእሰያት ዝዓብለልዎም በሽሓት ዝቊጸሩ ምእመናንን ነጋድያንን ቅድሚ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምድጋም ነቶም ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ብደረጃ ሰበኻ ንኸብዕሉ ዝመጹ መንእሰያት ከምኡ እውን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ሰሰባኻኦም ነዚ ዕለት ንዝዝክሩ ኩሎም ጳጳሳትን መንእሰያትን ከምዚ ክብሉ ሰላምታ ኣቅሪቦም።
ካብ ኣውሊዕ ቅድስት መሬት ዝተሠሔ መቚጸርያታት ተበርኪቱ!
ቅዱስነቶም ንኩሎም ኣብቲ ቅርዓት ዝነበሩ ምእመናን ዝዕደል መቚጸርያ ከምዘሎን እቲ መቚጸርያ ከኣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ፓናማ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ንምዝካር ኣብ ቅድስት መሬት ካብ ዝርከብ ኣውሊዕ ዝተሠርሔ ምዃኑ ድሕሪ ገሊጾም እዚ ግን ስለሰላም ማእከላይ ምብራቅን መላእ ዓለምን ዕለት ዕለት ሓደ ግዜ ጥራይ ዘይኮነ ደጋጊሞም ክጽልይዎ ከምዘለዎም ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።
ንኩሎም ናብ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር እንክዕድሙ ከኣ ‘ንሶሙነ ሕማማት ከምዝግባእ ንክንነብሮ ክትሕግዘና ንእኖና ድንግል ማርያም ንለምና ድሕሪ ቢሎም ብክፍቲ መንገዲ ንኩሎም ኣብቲ ቅርዓት ዝነበሩ ተዘዋዊሮም ሰላም ድሕሪ ቢሎም ብሓዋርያዊ ቡራኬ ተሰናበትዎም።