ድለ

ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፓናማ

ቅዱስ ኣቦና ካብታ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ምስ ወረዱ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ሮማ ካብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት ትሽዓተን ሳላሳን ሓሙሽተን ደቓይቕ ብመገዲ ኣየር ኣሊታሊያ ኤይ 330 ነፋሪት ብናይ ቅድስቲ መንበር ኣሰነይቶም ኣካላትን ብናይ ዝተፈላለያ ዓለም ሓቆፍ መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ተሰዮምን ድሕሪ ናይ 13 ናይ በረራ ጉዕዞ ብናይ ኢጣሊያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ምሸት ልክዕ ሰዓት 22.16 ፓናማ ኣብ ዝርከብ ቶኩመ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ በጺሖም ብምኽንያት መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ፓናማ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ጀሚሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካ

ቅዱስ ኣቦና ካብታ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ምስ ወረዱ በቶም ኣብኡ ዝጽበይዎም ብዝነበሩ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ካብ ዝሳተፉ ክልተ ሺሕ መንእሰያት ብመዛሙርን ብባህልውን ሸብሸቦን ድሙቕ ኣቀባብላ ተገገይሩሎምን ንኽቅበልዎም ምስ ዝጽበይዎም ብዝነበሩ ናይ ፓናማ ርእሰ ብሒር ኹዋን ካሎ ቫረላን ክብርቲበዓልቲ ቤቶምን ኣብ ፓናና ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓ ጳጳሳትን ኣቀባብላ ከምእተገበረሎምን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

Photogallery

ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፓናማ
24 January 2019, 10:37