ድለ

ፓናማ ናይ መንእሰያት ርእሰ ከተማ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከተእንግድ ትጽበ

ቅዱስነቶም ናይዚ ቅነ መንእሰያት መርሕ ቃል፥ “እነዅ ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር እየ፡ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ” (ሊቃስ ምዕ. 1 ፍቕዲ 38) ዝብል ቃለ ወንጌል ክኸውን ከምዝወሰኑ ክዝከር እንከሎ፡ እቶም ተሳተፍቲ መንእሰያት ኵሎም ኣብ ኣእዳዎም መቝጸርያ ሒዞምን፡ መቑጸርያ ብሕብረትን ብግልን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ክደግሙ ትርእይ

ኣብቲ ኣብ ከተማ ፓናማ ናይ ዝካየድ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዕለት 22 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ብወግዒ ንምኽፋት ናይ ፓናማ ሊቀ ጳጳሳት ኡዮኣ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ከምእተሳአፉን፡ እዚ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ፓናማ መንፈሳዊ መስመሩ ኣብ ተክለ ሰብነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘተኰረ ክኸውን ድላይ ቅዱስ ኣቦና ከምዝዀነን፡ ኣብ ማርያም ኣስተንፍሶ ዘንበረ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት እዩ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ወሰናስን ደጋውያን ክፍለ ከተማታትን ህልውናን ንማእከል ዝብልን ነቲ ማእከል ዝዀነ ኩሉ ብትኽክል እትርእዮን እተስተውዕሎን ካብ ደጋውነት እዩ ዝብል ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮ ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ምስቲ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዎ ዝነብርዎ ዝነበረ ተመክሮ ብምትእስሳ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘነቓቕሕዎ ሓዋያዊ ግብረ ኖልዎ እዩ፡ እዚ ኣመለኻኽታ’ዚ ወንጌል ማእከል ዝገበረ እውን ምዃኑን መርትዖኡ ባዕሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ የገንዝቡ፡ ኣብቲ ኣብ ፓናማ ዝካየድ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብቐረባ ብምክትታል ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ልዕሊ 2 ሺሕ ዝግመቱ ናይ መራኸቢ ብዙሓንን ዕለታውያን ሕትመታትን ናይ ተለቪዥን መደብራት ልኡካን ጋዜጠይናታት ከምእተመዝገቡ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልኡኽ ጋዜጠይና ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ናይ ር.ሊ.ጳ. መንእሰያት

ናይ ፓናማ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡአነ ኾአ ዶሚንጎ ኡዮኣ፡ ኣብ ከባቦ ቺንታ ኮስተራ ውቃያኖስን ዓበይቲ ሕንጻታትን ፓናማ ኣብ ዘላግብ ኣደባባይ ነቲ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብወግዒ ንምብጋስ ዕለት 22 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ማእለያ ዘይብሎም መእሰያት ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፡ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ፓናማ ብውዕዉዕ መንፈስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኸተእግድ ትጽበይ ከምዘላ ገሊጾም፡ ነቶም መንእሰያት፥ ክትሳተፉ ብምምጻእኩም አመስግን፡ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ፓናማ ናይ መንእሰያት ከተማ ክትከውን እያ፡ ነቶም ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ሰንደቕ ዕላማ እናውለብለቡ ሓጐሶም ንዝገልጹ ንዝነበሩ ብብዙሓት ኣሸሓት ንዝቑጸሩ መንእሰያት ናይ ር.ሊ.ጳ. መንእሰያት እንክብሉ ገሊጾም፡ ንስኻትኩም ናይ ቅዱስ ኣቦና መእሰያት ኢኻትኩም!

ናይ ሰላም ለኪ ኦ ማርያም መንእሰያት

እዚ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ፍሉይ መለለይኡ መቑጸርያ እዩ፡ ኣብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም መንፈሳውነት ዘማእከለ እዩ፡ ቅዱስነቶም ናይዚ ቅነ መንእሰያት መርሕ ቃል፥ “እነዅ ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር እየ፡ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ” (ሊቃስ ምዕ. 1 ፍቕዲ 38) ዝብል ቃለ ወንጌል ክኸውን ከምዝወሰኑ ክዝከር እንከሎ፡ እቶም ተሳተፍቲ መንእሰያት ኵሎም ኣብ ኣእዳዎም መቝጸርያ ሒዞምን፡ መቑጸርያ ብሕብረትን ብግልን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ክደግሙ ትርእይ፡ ኣእዳዎም ኣክንዲ ናይ ኢድ ተለፎም መቑጽርያ ዝሓዛ ኰይነን ኣለዋ፡ እቲ ንዅሎም ተሳተፍቲ መንእሰያት ዝዕድለ ናይ 2019 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት መለለዪ ማህደር፥

         ናይ ፍቕሪ ሶውራ ቀሊል ኣይኰነን ምስ ማርያም ግና ዝከኣል እዩ

ዝብል ጽሑፍን፥ ናይ ነጋዳይን መቝጸርያ ዝተነብሮ እዩ።፡ … መንእሰያት ሕልምታቶምን ሃረርታኦምን ውጥናቶምን ተስፋታቶምን ኩሉ ንሓድ ሕዶም ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክትካፈሉ ኣይትፍርሑ ዝብል ማርያማዊ መንፈሳውነት ዝንበረሉ እዋን እዩ፡ ናይ ፍቕሪ ሶውራ ከቢድ እውን እንተዀነ ብድጋፍን ኣማላድነትን ማርያም ተኻኣሊ እዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ዘሕድሮ ሓይሊ ንዅሉ የኽእል፥ እዚ ምስርክነት ቃን ሕይወትን ማርያም እዩ።

ወጅሒ ፓናማ

ፓናማ ካብ  ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ማእለያ ብዘይብሎም መንእሰያት ተዕለቕልቕ እዚ እቲ ሓደ ናይ ከተማ ወጅሂ ክኸውን እንከሎ፡ ገሌኣቶም ተወለድቲ ፓናማ እንታይ ኮን ክፍጠር እዩ ቢሎም እውን ብርሕቐት ናይ ዝዕዘቡ ወጅሂ እውን ኣሎ፡ ኣብ ፓናማ ዘይምእኩል ክፍለ ከተማ ህልውና ዝነብሩን፡ እቲ ሓደ ክፍለ ከተማ ፓኰራ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ኣብ ፓናማ ኣብ ዘካይድዎ ወግዓዊ ምብጻሕ ናብቲ ድኻታትን ዘኽታማትን ዝነብርሉ ከባቢ ክበጽሑ እውን እዮም፡ ወሰናስን ክፍለ ከተማታን ህልውናን ዘየማእክል ኵነት ከይዲ ዓለም ኣይዕዉት ኣየዐውት፡።

ቅዱስ ኣቦና ንወሰናስን ደጋዊ ክፍሊ ከተማታን ህልውናን ቀረባ

ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ኣብ ፓናማ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድም ቤት ማሕቡስ ክበጽሑን ቀጺሎም እውን መእለዩ ህሙማን ኤድስ ክበጽሑን እዮም፡ ዕለት 25 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ማእከል ደ ኩምፕሊመንቶ ደ መኖረስ ላስ ጋርዛስ ደ ፓኮራ ምብጻሕ ከካይዱን ምስ 200 እሱራት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መንእሰያትን ክራኸቡን፡ ኣብኡ እውን ምስጢረ ንስሓ ክሰርዑ እዮም። ዕለት 27 ጥሪ ኣብ ምዝዛም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ካሳ ሆጋር ደል ቡዎን ሳማሪታኖ እተሰምየ መእለዪ ህሙማን ኤይድስ ከብጽሕን ምስ ሕሙማት ክራኸቡን ቃሎም ክልግሱ እዮም።

ፓናማ ናይ መንእሰያት ርእሰ ከተማ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከተእንግድ ትጽበ
23 January 2019, 17:50