ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቃል ኪዳን ጽባቄ ዳግም ተረጋግጽ፡ ነቶም ቃል ኪዳን ዘፍርሱ ቅርበታ ትገልጽ

ኢየሱስ ንሕጊ ሙሴ እንከነጽር፡ ሙሴ ነቲ ሕጊ ክጽሕፍ ዘገደዶ ትረት ልባቶም እምበር ምስቲ ናይ ፍትጠረት ኣናስር ዝዛመድ እዩ ቢሉ ከምዘይኰነ ገሊጾም፡ ክርስቶስ ከምቲ ቀዳማይ ምንባብ ኦሪት ዘፍጥረት ምዕ. 2 ካብ ፍቕዲ 18-24 ዝሕብሮ፡ ንኣኡ ጠቒሱ እውን እቲ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝኽወን ሓደኣውነት ጸገም ምስ ዝፍጠር ወይ ነገራት ከምዝተሓሰቦ እንተድኣ ዘይከደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ይንጸጋ ዝብል ኣይኰነን፡ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ቃል ኪዳን ንሓድሕዶም ክፋለጡን ከመላልኡን ክደጋገፉን ከምእተጸውዑ ዘብርህ እዩ ኢሎም።

ዕለት 7 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 10 ካብ ፍቕዲ 2-16 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም፥ ፍቅሪ ብኽርስቶስ ተደጊፉ እቲ ሰብ ሓዳር ኣብ ሓድነቶም ዘጽንዕ ተወፋይነት ሓድሕዳዊ ዝረጋገጸሉ ክኸውን እንከሎ፡ ውልቃዊ ርውየት ዝድለየሉ ምስ ዝኸውን ግና ምግምማዕ የስዕብ። ቤተ ክርስቲያን እትዅንን ዘይኰነት እንታይ ደኣ እቶም ዝቖሰሉ ወይ ጥፉኣን ናይ ዝዀኑ ልብታት ናብ እግዚኣብሔር ንምምራሕ እትጽውዕ እያ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ኣስተንትኖ ለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ቅድሚ እቲ ዝርአይ ዘሎ ብዙሕ ስቓይ ምግምማዕ ኣብ መንጐ ሰብ ሓዳር፡ ቤተክርስቲያን ናይ ስድራ ቤት ጽባቔ ደጊማ ካብ ምርግጋጽ ኣይትቦክርን እያ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ናይቶም ዝጠፍኡን ዝቖሰሉን ልብታት ናብ እግዚኣብሔር ንምምራሕ ናይ ፍቕርን ምሕረትን ህላዌኣ ንምንባር ዝተጸውዔት ምዃና ቅዱስ ኣቦና ገሊጾም፡ ፈሪሳያውያን ድማ ምእንቲ ኺፍትንዎ … ሰብኣይ ንሰበይቲ ኺፈትሃዶ ግቡእ እዩ? ኢሎም ሓተትዎ፡ (ብሕጊ ሙሴ መሰረት)”

ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ መርዓ ይማልኡ

ኢየሱስ ንሕጊ ሙሴ እንከነጽር፡ ሙሴ ነቲ ሕጊ ክጽሕፍ ዘገደዶ ትረት ልባቶም እምበር ምስቲ ናይ ፍትጠረት ኣናስር ዝዛመድ እዩ ቢሉ ከምዘይኰነ ገሊጾም፡ ክርስቶስ ከምቲ ቀዳማይ ምንባብ ኦሪት ዘፍጥረት ምዕ. 2 ካብ ፍቕዲ 18-24 ዝሕብሮ፡ ንኣኡ ጠቒሱ እውን እቲ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝኽወን ሓደኣውነት ጸገም ምስ ዝፍጠር ወይ ነገራት ከምዝተሓሰቦ እንተድኣ ዘይከደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ይንጸጋ ዝብል ኣይኰነን፡ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ቃል ኪዳን ንሓድሕዶም ክፋለጡን ከመላልኡን ክደጋገፉን ከምእተጸውዑ ዘብርህ እዩ ኢሎም።

ውልቃዊ ረብሓ እንተድኣ ዓብሊሉ፡ እቲ ሓድነት ይብተኽ

ናይ ኢየሱስ ትምህርቲ ወይ ከኣ ምዕድን ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ “ግልጽን ናይ ቃል ኪዳን ክቡሪ ማለት እቲ እምንቶ ዝሓትት ናይ ፍቅሪ ውህደት ዝብል ክብሩ የረጋጽን ይከላኸልን” ኢሎም

“እቲ ንሰብ ሓዳር ኣብ ሓድነቶም ክጸንዑ ዝግበር፡ እቲ ብጸጋ ክርስቶስ ዝድገፍ ሓደሕዳዊ ተወፋይነት እዩ”

ካብዚ ወጻኢ ግና ኣብቶም ሰብ ቃል ኪዳን ውልቃዊ ረብሓ እተድኣ መዚኑ ሓድነቶም ቀጻልነት እይህልዎን ኣይጸንዕን እውን።

ኢየሱስ ናይ ርክብ ዕንወት ኣይፈቅድን

ናይ ሎሚ ወንጌል ከምዘብርሆ፡ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝቐውም ርክብን ፍቅርን ናብ ቅልውላው ዝድርኽዎ ተግባራት  ብክልቲኣቶም ወገን ክፍጸም ከምዝኽእል የዘኻኽር፡ ኢየሱስ ግን፡ ኣብ ቃል ኪዳን ምንጻግ ወይ ምንጽጻግ ዝብል ተግባር ኣብ ርክብ ክህሉ ዝከኣል እዩ ዝብል ሓሳብ ኣይፈቅድን፡ በዚ ኣቢሉ እምበኣርከስ እቲ መርገጺ ዝዀነ ኣብ መደብ ኣምላኽ ዝተረጋገጸ ናይ ርክብ ሓይልን ጽባቔን ዳግም የረጋግጽ።

ቤተ ክርስቲያን ነቲ ካብ ቅዱስ መጽሓፍን ትውፊትን ዝተቐበለቶ ጽባቄ ስድራ ቤት ኣብ ምርግጋጹ ዘይትስልክይ እያ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ነቶም ወለምታ ርክባት ዝነብሩን ብድኻምን ስቓይን ነቲ ርክብ ክቕጽል ንዝገብሩ ኣደኣዊ ቅርበታ ጭቡጥ ኰይኑ ንኽግለጽ እትጽዕር እያ።

እግዚኣብሔር ነቲ ዝቖሰለ ፍቕሪ ይምሕር

እግዚኣብሔር ምስቲ እሙን ዘይኰነ ሕዝቡ ዝነብሮ ተግባር ነቲ ዝቖለ ፍቕሪ ብምሕረቱ ምፍዋስ ዝብል እዩ፡

ዝቖሰለ ፍቕሪ ብምሕረትን ይቕረታን ኣገባባት ብእግዚኣብሔር ይሓውይ፡ ምእንቲ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ኩነት’ዚ ንምዅናን ዘይኰነስ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ መንጐ ሰብ ሓዳር ዝፍጠር ውድቀት ነቶም ኣብዚ ውድቀት’ዚ ንዝርከቡ ብፍቕርን ብግብረ ሰናይን ብምሕረት ብምስትውዓልን ናይቶም ዝቖሰሉን ጥፉኣትን ልብታት ናብ እግዚኣብሔር ምምራሕ ዝብል እዩ፡

ሰብ ሓዳር ሓድነቶም ኣብ ኣናስር ጸጋ እግዚኣብሔር ምዃኑ ካብ ዝብል ርግጸይናነት ተበጊሶም ክነብርዎ መታን ድጋፍ ቅድስቲ ድንልግል ማርያም ንለምን ቢሎም፡ ዕለት 13 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቀዳማይ መዓልቲ ካታኰምበ (ኣባይትን መቓብርን ትሕቲ መሬት ሰማዕታት ክርስቲያን) ምዃኑ ዘኺሮም፡ ናብቲ ናይ ሰማዕታት ታሪኽ ዝገልጽ ስነ ጥንታዊ ታሪኽ ኩሉ ብነጻ ምብጻሕ ከካይድ ጳጳሳዊ ናይ ቅዱስ ስነ ጥንታዊ ታሪኽ ተቐዋም ዘነቓቕሖ መደብ ዝምነኣድ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ኣመስጊኖምን ዝለገስዎ ቃለ ኣስተንትኖ ዛዚሞም ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ምስቶም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምዝ ተኣከቡ ምእመናን መሪሖም ከምዝደገሙ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቃል ኪዳን ጽባቄ ዳግም ተረጋግጽ፡ ነቶም ኣብ ቃል ኪዳን ዘፍርሱ ቅርበታ ትገልጽ
08 October 2018, 16:50