ድለ

2018.08.16 ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ዳብሊን 2018.08.16 ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ዳብሊን 

ስለኩለን ሥድራቤታት ንጸሊ! ትዊተር ር.ሊ.ጳ ንዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤት

ነቲ ሎሚ ብዕሊ ዝጀመረን ብዕለት 26 ነሐሰ 2018 ዓም ድሕሪ ሓሙሽተ ዕለታት ጸሎትን ኣስተንትኖን ዘተን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንዝዛዘም 9ይ ዓለም ለኸ ርክብ ሥድራቤታት ቅዱስነቶም በቲ ትዊተር ዝተባህለ መራኸቢ ብዙሓን ‘ሎሚ ኣብ ዳብሊን ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ክጅመር እዩ። ስለኩለን ሥድራቤታት ዓለም ብፍላይ ከኣ ሰለእተን ኣብ ጸገም ዝርከባ ኣብ ምጽላይ ንሕበር‘ እንክብሉ ሓጺር መልእኽቲ ከም ዝለኣኹ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ዝሓለፈ መደባትና ብተደጋጋሚ ከምዝገለጽናዮ እቲ ንሠለስተ ዓመት ምስንዳእ ዝተገብረሉ 9ይ ዓለምለኸ ጉባኤ ሥድራቤታት ሎሚ ኣብ ከተማ ዳብሊን ሃገረ ኣየርላንድ ብዕሊ ተኸፊቱ። ኣብዚ ጉባኤዚ ወይውን ከምቲ መርሓ ግብር ዝብሎ ርክብ ዓለምለኸ ስድራቤታት ካብ ሓሙሽቲኤን ክፍላተ ዓለምና ካብ 192 ሃገራት ዝመጻ ሥድራቤታት ይሳተፋ ከምዘለዋ ካብቲ ቦታ ዝውሕዝ ሓበሬታ የመልክት።

መኽፈቲ ርክብ ሥድራቤታት ብምልክት ጸሎትይ እንክኾን!

ናይ’ዚ ርክብ መሪሕ ቃል ‘ታሕጓስ ፍቅሪ ኣብ ሥድራቤታት ታሕጓስ ቤተክርስትያን እዩ’ ዝብል ኮይኑ ነቲ ናይ ሃገርና ብሂል ኣይ ብሓይሊ እምብሎት ብሓይሊ ጸሎት ደኣ ንዝብል ዝተኸተለ እንክመስል ከኣ ቀንዲ እማነቱ ኣብ ጸሎት ብምግባር ብጸሎት ጸሎት ብጸሎቱ ከኣ ንካልኦት ተኸተልቲ ሃይማኖት ክርስትና እውን ኣብ ግምት ብምእታው ኤኩመኒካዊ መኣዝን ዝሓዘ መንፈስ ሓድነት ክርስትናን ምትእምማንን ብዝዓዘሎ መንፈስ ተጀሚሩ። እዚ ሥርዓት እዚ ምስቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ዳብሊ ዝተኻየደ ናይ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት መኽፈቲ ጸሎት ኣብ ልክዕ ግዜን ሰዓትን ኣብ ኩለን ሰበኻታት ኣየርላንድ ማለት ብቁጽሪ 26 ሰበኻታት ብሓባር ተጀሚሩ። አዋሃሃዲ ናይ’ዚ መደብ ኣቀዲሞም ‘ኣብ ኣሰር እቶም እምነቶም ዘመሓላለፉና ቅዱሳን ኩሎም ነቲ ዘይጠፍእ መብራህትና ዝኾነ ክርስቶስ ንክንቅበል መዛሙርን ጸሎታትን ክነዕርግ ዕጣን ብምቅራብ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚብሔር ኣቦና ስለመላእ ሥድራቤት ዘመደ ኣዳም ክንምህለል ኢና’ ቢሎም ከዝገለጽዎ ብተግባር ኣብ’ቲ ቀንዲ ማእከል ጉባኤን ኣብ ኩለን ሰበኻታት ሃገረ ኣየርላንድን ብሕብረት መኽፈቲ ጸሎት ዓረገ።

ንር.ሊ.ጳ እናተጸበኻ ሓዋርያዊ ጒስነት ዝምልከት ዓውዲ መጽናዕታት ምኽያድ!

እዚ ሎሚ ብዕሊ ዝተጀመረ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ድሕሪ መኽፈቲ ጸሎትን ዝተፈላለየ መደረታትን ካብ ጽባሕ ክሳብ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝመጽዎም ዝተፈላለዪ ንሓዋርያዊ ጒስነት ሥድራቤት ዝምለከቱ ሎዕሊ 60 ዝኾኑ ኣርእስታት እናዳሕሰሰ ዓውደ መጽናዕታት ከካይድን ኣብታ ንሥድራቤት እትምልከት ኣሞሪስ ለቲስያ እትብል ሓዋርያዊት ምዕዳን ር.ሊ.ጳ ዘቅረበቶ ለበዋታትን ክዛኣተዩን ክካትዑን ክቅንዩ እዮም። እዚ ነቲ ቅዱስነቶም ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ‘ሥድራቤት ነዚ ናይ ሎሚ ዓለምና ገና ሠናይ ዜናዶ ኮይኑ ይቅጽል ኣሎ?’ ኢሎም ይሓቱ እሞ ምልስ ኢሎም ከኣ ‘ኣነስ ብርግጽ እወ እብል እዚ እወታ እዚ ከኣ ኣብ መደብ እግዚብሔር ነቅ ብዘይብል መንገዲ ዝተመሥረተ እዩ’ እንክብሉ ሓደራ ንዝበልዎ ምኽሪ ብምቅባል ዝተመደበ ምዃኑ ካብ ቦታኡ ዝመጸ ሓበሬታ የመልክት። ጥርዚ ናይ’ዚ ርክብ እዚ ኣብቲ ድሮ መዛዘሚ ዕለት 25 ምሸት ዚፍጸም ጸሎተ ዋዜማን ስግድትን ኣምልኾን ቅዱስነቶም እውን ዝሳተፉሉ እንክኸውን ዕለት 26 ነሐሰ ኣብ ሜዳ ፈኒክስ ብዝዓርክ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኪፍጸም ትጽቢት ኣሎ።

ነዚመደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
21 August 2018, 18:48