ድለ

ሓዋርያዊ ጒዕዞ ር.ሊ.ጳ ናብ ኣየርላንድ ሓዋርያዊ ጒዕዞ ር.ሊ.ጳ ናብ ኣየርላንድ 

ርክብ ሥድራቤታት ኣብ ዳብሊን ብምልክት ምቅባል ጋሻ ክፍጸም እዩ!

ዝመጽእ ሰኑይ ታሽዓይ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታ ኣብታ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝጸሓፍዋ ኣሞሪስ ለቲስያ ሓሴት ፍቅሪ እትብል ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳን ማእከል ዝገበረ ከምዝኸውን እንክምልከት ነዚ ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ፍጻሜ ክውን ንምግባር ልዑል ምስንዳዋት ይግበር ኣሎ። ናይ ሎሚ 39 ዓመት ንሃገረ ኣየርላንድ ዝበጽሑ ናይ መጨረሻ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልአይ ብ1979 ዓም ምዃኑ ይዝከር።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነዚ ካብ ዕለት 21 ክሳብ 26 ነሓሰ ኣብ ዳብሊን ዝካየድ 9ይ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ዝምልከት ዓቢ ፍጻሜ ንምስንዳው ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ‘ሥድራቤት ነዚ ናይ ሎሚ ዓለምና ገና ሠናይ ዜናዶ ኮይኑ ይቅጽል ኣሎ?’ ኢሎም ይሓቱ እሞ ምልስ ኢሎም ከኣ ‘ኣነስ ብርግጽ እወ እብል እዚ እወታ እዚ ከኣ ኣብ መደብ እግዚብሔር ነቅ ብዘይብል መንገዲ ዝተመሥረተ እዩ’ እንክብሉ ባዕሎም ይምልሱ።

እዛ መልእኽቲ እዚኣ ናብቶም ንሥድራቤት እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር ዋና ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ከቪን ፋረል ዝተላእከት ኮይና ቅዱስነቶም ኣብ ዘቅረብዎ ምሕጽንታ ‘ርክብ ስድራቤታት ዳብሊን ነቲ ኣሞሪስ ለቲስያ ሓሴት ፍቅሪ ዘቅረብናዮ ትምህርቲ ንምክፋልን ንምዕማቑን ጽቡቅ ኣጋጣሚ ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ’። መሪሕ ቃል ናይዚ ዓለም ለኸ ዕለተ ስድራቤት እውን ‘ወንጌል ሥድራቤትሲ ንዓለምና ሓጐስ እዩ’ ዝብል ብምዃኑ ነቲ ሓዋርያዊ ምሕጽነታ ር.ሊ.ጳ ዘቅርቦ ትምህርቲ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ክጥቀመሉ ምዃኖም ኣብቲ ርክብዓለም 2018 www.worldmeeting2018.ieዝብል መርበብ ሓበሬታኦምን ካልእ ናይ መራኸቢ ብዙሓን መደባቶምን ብሰፊሑ ገሊጾሞ ኣለው።

ኣብቲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዘዕርግዎ መሥዋዕተ ልዕሊ 500 ሺሕ ሰባት ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር!

ድሕሪ እቲ ቅድሚ ሠለስተ ዓመት ኣብ ፊላደልፍያ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ብ2015 ዓምፈ ዝተኻየደ ኣብ ሰሠልስተ ዓመት ዝካየድ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ሎምዘመን ከኣ ታራ ሃገረ ኣየርላንድ ኮይኑ ካብ ዕለት 21 ነሐሰ ጀሚሩ ካብ ሰበኻታት መላእ ሃገረ ኣየርላድን ልዕሊ 116 ሃገራት ዓለምን ዝጋብኡሉ ርክብ ሥድራቤታት ክካየድ እዩ። ስለዚኸስ ካብ ዕለት 22 ክሳብ 24 ነሐሰ እቲ ጉባኤ ዝተፈላለየ ጒስነታዊ ኣርእስትታት ብምልዓል ክምልከትን ክካታዓን ምስክርነታት ክቅበልን እዩ። ኮይኑ ግን ኣብ ርእሲ እዚ ንመንእሰያት ዝኸውን ዝተፈላለየ መደባትን ንሕጻናት ዘዘናግዕ ነገራትን ይሰናዶ ኣሎ። ነዞም ናይ ሎሚ ዕምባባ ናይ ጽባሕ ተስፋ ዝኾኑ ሕጻናት ፍልይ ዝበለ መደባት ከምዘሎ ሓደ ካብዚ ከኣ ኤይሪን ብዝብል ስም እትፍለጥ በጊዕ ሃገረኣየርላንድ ጽቡቅ ዕድል ከምእተምጽእ ዝንገረላ ብምስሊ ቈይማ ኩልና ኣገደስቲ ኣካላት ሥድራቤት ምዃና ብዝገልጽ መንገዲ ኣብቲ ንዕለት 24 ነሐሰ ኣብ ሜዳ ክሮክ ተሰናድዩ ብዘሎ መዘናግዕን ንዕለት 26 ኣብ ሜዳ ፈኒክስ ቅዱስነቶም ኣብ ዘዕርግዎ መዛዘሚ ቅዳሴ ልዕሊ 500 ሺሕ ሰባት ክሳተፉ ትጽቢት ኣሎ።

እዚ ግን ንቤተክርስትያን ሃገረ ኣየርላንድ ዓቢ ግድል እዩ!

እዚ ፍጻሜ እዚ ነታ ዳርጋ ድሕሪ ኣርባዓ ዓመታት ሓደ ር.ሊ.ጳ ኣብ ምድራ ክረግጽ ክትርኢ ዕድል ዝረኸበት ሃገረ ኣየርላንድ ብኩሉ ኩሉ ዕውት ፍጻሜ ክኸውን ዝተኻእላ ትጽዕር ኣላ። ልዕሊ 10 ሺሕ ዝኾኑ ወለንታውያን እዚ ፍጻሜ ዕውት ንክኸውን ዝተኻእሎም ከበርክቱ ይቃለሱ ኣለው። ነዚ ኣጋጣሚ ብዝምልከት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ምሉእ ሥሬተ ሓጢኣትን ከፊላዊ ሥርየተ ሓጢኣትን ነቶም ኣብዚ ፍጻሜ ዝሳተፉን ዝሕግዙን ኣወፊዮም ኣለው። ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣየርላንድ ብወገና ዝመደበቶ ከምዘለዋ ሊቀ ጳጳሳት ዳብሊን ብፁዕ ካርዲናል ድያርምዩድ ማርቲን ‘ነቲ ር.ሊ.ጳ ፍራንችኮስ ዘሸከሙና ሓላፍነት ንርድኦ ኢና እዚ ግን ነዚ ዓለምለኸ ፍጻሜ ምስንዳው ጥራይ ዘይኮነ ኣብዚ ዘመናዊ ዓለምና ኣብ ዘመናዊት ኣየርላንድ በየናይ መንገዲ ንጉዳይ ሥድራቤት ዕውት ክትገብሮ ትኽእል ንመጻኢ ሃረረ ኣየርላንድኸ ሥድራቤት ክንደየናይ ኮን የድሊዝብል ግድል እውን ከምዘቅርቡልናን  ርዱእ እዩ’ እንክብሉ ስክፍታኦም ገሊጾም።

ትሕዝቶ ዘተ ጉባኤ፡ ካብ እምነት ክሳብ ሓደስቲ መጋበሪ ተክኖሎጂ ምጥቃም ዘጠቃልል ብዙሕ መደባት አሎ!

ኣብ’ዚ ጉባኤ እዚ ብዛዕባ ጉስነታዊ ግድላት ክፈልጡ ንዝደልዩ ግዱሳት ክሳተፉ ዕድል ምስ ከፈተ ድሮ ልዕሊ 37 ሺሕ ከምዝተመዝገቡ ካብዚኦም ልዕሊ 6 ሺሕ ከባቢ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ብምዃኑ ንብዙሓት ኣገዳስን ብዙሓት መንእሰያት ዝሳተፉሉን ጉባኤ ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ዝጽንዑ ብዙሓት ኣርእስታት ካብታ ኣሞሪስ ለቲስየ እትብል ሓዋርያዊት ምዕዳን ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ከምዝኾነን ብዛዕባ ምትሕልላፍ እምነትን ግድል ሓዲስ ተክኖሎጂ ኣብ ሕይወት ሥድራቤትን ሳዕቤን ግርጭት ሥድራቤት ኣብ ሕጻናትን ዝብሉ ብዙሓት ኣርእስታት ይርከብዎ። ምስ እዚ ተታሓሒዙ ብዛዕባ ግደ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ዓለምለኸን ዞባውን ጉዳያት ናይ ሓደ ጾታ ዝምባሌ ዘለዎም ኣብ ቊምስናታት ዝግበር ኣቀባብላ ነባሪ ምዕባሌ ንምድንፋዕ ኣበርክቶ ሥድራኤት ካብ ድኽነት ንምንጋፍ ክግበር ዘለዎ ህንጸትን ትምህርትን ዝብል እውን ከምዝርከቦ ተገሊጹ።

ነዚመደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
17 August 2018, 12:38