ድለ

ሥድራቤት ኢቆና እግዚአብሔር እያ! ር.ሊ.ጳ ንዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ዳብሊን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ በቲ ትዊተር ዚበሃል መራኸቢ ብዙሓን ኣት ፖንቲፊከስ ዝብል ናይ ብሕቶም ይድረስታ ገሮም ‘ሥድራቤት ኢቆና እግዚአብሔር እያ! ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ኪዳን ሕይወትን ውህደትን ይፍልፍል።’ እንክብሉ ሓጺር መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ተምልኪቱ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኩሉ ሃምን ቀልብን መላእ ቤተክርስትያን ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ሃገረ ኣየርላንድ ዳብሊን ንዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ኣብ ዝከታተለሉ ዘሎ ቅዱስነቶም ሎሚ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ሓጺር መልእኽቲ እንከመሓላልፉ ንኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ወኪሎም ኣብኡ ዝርከቡ ኣቶ ኣለሳንድሮ ጂሶቶ ተጋባእያን ነዚ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ብዓቢ ሓጐስ ከምዝተቀበልዎ እንከመልክቱ ክሊማ ሃገረኣየርላንድ ወትሩ ዝናም ዘይፍለዮ እኳ እንተኾነ ተሳተፍቲ ጉባኤ ግን ንኩሉ ተጻዊሮም ኩሉ ከምቲ ዝተመደቦ ጽቡቅ ይካየድ ከምዘሎ ገሊጾም። ነዚ ፍጻሜ እዚ ካብ ሰለስተ ዓመት ኣትሒዞም ዝሳነድውሉ ዝነበሩ ደቂ ዓዲ መንገዲ ምስ ወዲ ዓዲ ከምዝበሃል ነቶም ዝቅበልዎም ኣጋይሽ መዕቀሊ ማይ ዝኸውን ጎማ ስለዝዓደሉ ማይ እንተሃረመ እውን መዕቀሊ ኣሎ ኢሎም።

ከም መግለጺ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ እዞም ካብ 116 ሃገራት ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኽቡ ከባቢ 35 ሺሕ ከምዝኾኑ ካብዚኦም ካብ 6 ሽሕ ንላዕሊ መንእሰያት ምዃኖምን ኣብ ኩሉ ዝግበር ኣስተምህሮታትን ክትዓትን ናይ ናእሽቱ ጉጅለ ዘተን ብዕቱብ ይሳተፉ ከምዘለው ገሊጾም።

ብዛዕባ ሥድራቤት እንትክትዛረብ ወትሩ ሕጻናት ኣብ ግምት ክተእቱ ግድን ስለዝኾነ ኣብዚ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤት እውን ንሕጻናት ዝኾኑ ሰፋሕቲ ቦታታትን መዘናግዕን ወለድን ሕጻናትን ብሓንሳብ ኮይኖም ዝዕርፉሉን ዘድልዮም ነገራት ዝፍጽሙሉን ክሳብ መጻወትን ካልእ ነገራትን ከይተረፈ በሰፊሑ ተሳናድዩ ዳርጋ ብመለክዒ ሕጻናት ዝካየድ ርክብ ክትብሎ ዘድፍር እዩ እንክብሉ ኣብዚ መዳይ ንዘሎ ተቅባልን እንግዶትን እውን ንኢዶም።

እቲ ጉባኤ ካብ ዝክፈት ጀሚሩ ኩሉ ብኣምሳል ቅድስት ሥድራቤት ናዝሬትን መምርሒ ድሕረ ሲኖዶሳዊ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣሞሪስ ለቲስያ ሓሴት ወንጌል ናይ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን እንክካየድ ኣብ ልሙዕ ሜዳ ምሸት ምሸት ኩሉ ብቅዳሴ ከምዝዛዘም እውን ኣመልኪቶም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

24 August 2018, 17:50