ድለ

መልእኽቲ ቪድዮ ር.ሊ.ጳ ንሓዋርያዊ ጒዕዞ ኣየርላንድ ብዝምልከት!

ነቲ ካብ ዝሓለፈ 21 ነሐሰ ክሳብ ዕለት 26 ነሐሰ ኣብ ሃገረ ኣየርላድ ዝካየድ ዘሎ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ኣመልኪቶም ቅዱስነቶም ብቪድዮ መልእኽቲ ከምዝሰደዱን ‘ንመንእሰያት ንመጻኢ ምስንዳው ወዓል ሕደር ዘየድልዮ እዩ’ ኢሎም ከምዘዘኻኸሩን ተመልኪቱ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ሥድራቤት ምንጪ ኩሉ ከምዝኾነትን ኣድላይነታን ኣብ ዘስመሩሉ መልእኽቲ ‘እዚ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤት እዚ ንሥድራቤት ከተባብዕን ሥድራቤት ሕመረት ሕይወትን ማሕበረሰብን ምዃኑ ዘኪሮም ከኣ ንመንእሰያት ብሩህ መጻኢ ንምህናጽ ክጸዓር ኣለዎ` እንክብሉ ኣብ ዘመሓለለፍዎ መልእኽቲ ነዚ ዚስዕብ ኢሎም።

“መንእሰያት መጻኢና እዮም! ስለዝኾነ ከኣ ንመንእሰያት ንመጻኢ ምስንዳው ቀንዲ ውራይና ክኸውን ኣለዎ! ነዚ ከኣ ብዘይ ወዓል ሕደር ሎሚ ክግበር ኣለዎ። ነዚ እንክትገብር ከኣ ኩሉ ኣብ ታሪኽ ስለዝምሥረት ሠራውሮም ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ስለዝኾኑ ኣብኦም ክምሥረቱ ኣለዎም። እዚ ኣድላዪ እዩ ኢሎም።”

ግድል ሥድራቤታት!

9ይ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤት ኣብ ዳብሊንከስ ንጸዋዕታ ሥድራቤት ብሓባር ንምዝታይን ንምድግጋፍን ክሕግዝ ዓቢ ትጽቢት ይንበረሉ። ቅዱስነቶም እውን ነዚ ኣድላይነት እዚ ንምስማር ‘ሥድራቤታ ሎሚ ነቲ እሙን ፍቅሪ ሥጋ ከልብሱ ብዙሕ ግድል ከምዝጓነፎም ንደቆም ጥዑይ ውርሻ ወሪሶም ንክዓብዩ ኣብ ዝገብርዎ ቃልስን ኣብ ማሕበረሰቦም ናይ ሕያውነትን ፍቅርን ሓልዮትን መብዅዕቲ ኮይኖም ንክርከቡ ዝገብርዎ ቃልሲ ቀሊል ኣይኮነን’ እንክብሉ ቀንዲ ግድል ሥድራቤት ኣውኪኦም።

ኣብ መደምደሚ መልእኽቶም ንኩሎም ነበርቲ ሃገር ኣየርላንድ ‘ኣብ መንጎ ተኸተልቲ ክርስቶስ ሃድነትን ዕርቅን ከም ምልክት ናይታ ጽንዕቲ ሰላም እግዚአብሔር ኮይና ንመላእ ሥድራቤት ዘመደኣዳም ከኣ ክትዓስል ሕልሚ እግዚአብሔር እያ።’ኢሎም

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

21 August 2018, 12:28