ድለ

መበል 24 ሐ.ጒ.ር.ሊ.ጳ! 9ይ ዓለምለኸ ር.ሥድራቤታት ኣብ ዳብሊን መሥዋዕተ ቅዳሴ

ኣብ ውሽጢ ሥድራቤት ከም ክርስቶስ ተፋቀሩ! ን2021 ዓምፈ ዓሥራይ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤት ኣብ ሮማ ክካየድ እዩ! ር.ሊ.ጳ ክቡራትን ክቡራንን 9ይ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ኣብ ዳብሊን ቅ.ኣ.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ትማሊ ምሸት እንክፍጸም ድሕሪ ሠለስተ ዓመት ከኣ ብ2021 ዓምፈ ኣብ ሮማ ከምዝካየድ ብምግላጽ ተፈጺሙ።

ዕለት 21 ዝጀመረ ሶሙን ዓለም ለኸ ሥድራቤታት ቀዳም ምሸት ብዕሊ ምስ ር.ሊ.ጳ ብዝጀመሮ ጸሎተ ዋዜማ ትማሊ ምሸት ቅዱሰንቶም ምስ ብዙሓት ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ካህናትን ብኅብረት ኣብ ፈኒክስ ፓርክ ብዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ እንክፍጸም ቅዱስነቶም ከምቲ ኣቀዲምና ኣብ መርሓ ግብር ናይዚ መበል 24 ሓዋርያዊ ዓለምሓቆፍ ጉባኤ ተመርኲስና ዘመሓላለፍናኩም ዜና ብደሓነ ሰላም በቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ቀቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ኣብ መንበሮም ብሰላም ኣትዮም። ወትሩ ከምዝገብርዎ እውን ሎሚ ንግሆ ናብ ባዚሊካ ሳንታ ማርያ ማጆረ ብምኻድ ከምቲ ቀቅድሚ ምኻዶም ብሰላም ኣብጺሓ ክትመልሶም ዝተማሕጸንዋ ሎሚ ከኣ ኣብ ኩሉ ጉዕዞኦም ኣሰንያ ብሰላም ስለዝመለሰቶም ኣመስጊኖም።

ተኽእሎ ናይቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዚዓረገሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ ልዕሊ 500 ሺሕ እኳ እንተነበረ ዝተሳተፉ ካብ 300 ሺሕ ከምዘይበዝሑ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና እንከመልክት ክንዮ ትጽቢት ኩሎም ኣብ መኽፈቲ እቲ ቅዳሴ ቅዱስነቶም በሉ ጽጹይ ንስሓ ክንገብር እንተዀና ከም ቤተክርስትያን መጠን በእከይየ እንብሎ ዓቢ ነገር ኣሎ እዚ ከኣ ንብዙሓ ዕንቅፋት ዝኾነ ብገለ መራሕቲ ቤተክርስትያን ሃገረ ኣየርላንድ ብዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ንዝተጐድኡ ወገናት ይቅረ ክብሉልና ድሕሪ ምሕታትን እግዚአብሔር ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ሕውየት ክድግፎም ምልማንን ንሕና እውን ከም ቤተክርስትያን መጠን እግዚአብሔር ንክምሕረና ንለምን እንክብሉ ነቲ ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ መካነ ንግደት ቅድስት ድንግል ማርያም ዘኮክ ዝበልዎ ብምድጋም ንቅዳሴ መሰናደዊ ናይ ንስሓ ተግባር ብሓባር ብምፍጻም ቅዳሴ ፈለሙ።

ንካልኦት ምንጪ ምትብባዕ  ምዃን የድሊ!

ቅዱስነቶም ኣብ ማእከል ቅዳሴ ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ‘ነፍሲ ወከፍ ዕለት ሕይወት ስድራቤትን ነፍሲወከፍ ወለዶን ምሳኦም ሓዲስ ፍጻሜ ጰንጠቆስጠ ሒዞም ይመጹ። እዚ ጰንጠቆስጠ እዚ ናይ ቤት ጰንጠቆስጠ ኮይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ መጽናንዒ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ንከተባብዕና ይልእኸልና። በዚ ከኣ ንተባባዕ። ምስ በሉ ድሕሪ እዚ 9ይ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ከኣ ነፍሲወከፍ ሥድራቤት ንካልኦት ሥድራቤታት ምንጪ ምትብባዕ ንክኾኑ ኣzeኻኺሮም።

ንዓለም ከድሕና ዝኽእል ፍቅሪ ጥራሕ እዩ!

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ናይ ዕለቱ ካልኣይ ንባብ ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን 5.21 ብዛዕባ ኣብ መንጎ ሰብኡትን ኣንስትን ክህሉ ዘለዎ ምትሕልላይ ከም ናይ ኢየሱስ ክርስቶስን ቤተክርስትያንን ክኸውን ከምዘለዎ ዝገልጽ ነበረ፣ ቅዱነቶም ነዚ መንቀሊ ብምግባር እዘን ቃላት ጳውሎስ ከምቲ ሓዋርያት ሓንሳእ ሓንሳእ ዝዕጽቆም ዝነበረ ዝዓጸቀ ይመስል ይብሉ እሞ! ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና ክነፍቅርስ ይከኣልዶ ዝለዓለ ፍቅሪ ንክውለድ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ምሃብ ከቢብ እዩ ይብሉ እሞ ነዛ ዓለምና ካብ ባርነት ሓጢኣት ከድሕና ዝኽእል ፍቅሪ ከኣ እዚ ፍቅሪ እዚ ጥራያ እዩ። እዚ ፍቅሪ እዚ ምስ ዚህሉ እንታይ ገደሰኒ ዝብል ሸለልትነት ቦታ የብሉን። ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ እንረኽቦ ፍቅሪ ከኣ እዚ ፍቅሪ እዚ እዩ፡ ኢሎም። ስለዚ ክድሕነና ዝኽእል መደባት ምሕንጻጽ ብዙሕ ምዝራብ ዘይኮነስ እዚ ፍቅሪ እዚ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ተመሥሪትና ፍቅርና ነወፊ ውራይ ጽጉማትን ድኹማትን ኣሕዋትና ንግበር ምስ በሉ።

ኣብ ፍጻሜ ቅዳሴ ምስጋና ንኩሉ ዘቅረቡ ናይ ቅድስት መንበር ማሕበር ምእመናንን ከምኡ እውን ናይ ቤተሰብን ሕይወትን ማሕበር ቅድስት መንበር ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ከቪን ፋረል ድሕሪ ሠለስተ ዓመት ብ2021 ዓምፈ 10 ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤት ኣብ ሮማ ከምዝኸውን ኣበሲሮም ፍጻሜ ኮነ።

26 August 2018, 16:28