ድለ

ር.ሊ.ጳ ኣብ መካነ ንግደት ኖክ ኣየርላንድ ር.ሊ.ጳ ኣብ መካነ ንግደት ኖክ ኣየርላንድ 

ንዓመጽ ብዝምልከት፡ ፍትሒ ንክወጽእ ብጽንዓት ወሲና ኣሎና! ር.ሊ.ጳ ኣብ መካነ ንግደት ኖክ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ኣብ 9ይ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤት ንምስታፍ ኣብ ሃገር አየርላንድ ብምርካቦምን ቅድሚ መዕጸዊ ቅዳሴ ናብ መካነ ንግደት ማርያም ዘኖክ ክጽልዩ ብምኻዶም ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ምስቶም ኣብኡ ዝነበሩ 45 ሺሕ ሰባት ቅድሚ ምድጋሞም ነዚ ኣስተምህሮ እዚ ኣቅሪቦ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ሎሚ ኣብዚ ምሳኹም ብምህላወይ ሕጉስ እየ። ኣብ ገዛ ድንል ማርያም ምሳኹም እንክህሉ ሕጉስ እየ። ኣብዚ ዓለምለኸ ርክብሥድራቤት ዝካየደሉ ዘሎ ግዜ ንሕዝቢ ኣየርላንድ ብጣዕሚ ክቡር ኣብ ዝኾነ ኣብዚ መካነ ንግደት ንክበጽሕ ዕድል ዝሃበኒ ልዑል እግዚአብሔር ምስጋና ኤቅርብ። ንሊቀጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ነርይ ከምኡ እውን ሓላፊ ናይዚ መካነ ንግደት ኣባ ጊቦንስ ንልባዊ ተቅባሎም አመስግን።

ኣብዚ እኖና ድንግል ማርያም ዝተራእየትሉ ቤትጸሎት ንኩሎም ሥድራቤታት መላእ ዓለም ፍልይ ብዝበለ ከኣ ንስድራቤታት ሃገረ ኣየርላንድ ኣብቲ ፍቅሪ ዝመልኦ ኣማላድነታ ኣማዕቚበ። ኣደና ዝኾነት ድንግል ማርያም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ዘሎ ሓጐስን ድኻምን ትፈልጥ። ንኩሉ ኣብ ንጹሕ ልባ ብምሓዝ ከኣ ናብ ዝፋን ወዳ ብፍቅሪ ተቅርቦ።

ንዝኽሪ ምብጻሐይ ዝገልጽ ሓደ መቊጸርያ ሒዘ መጺኤ ኣሎኹ። ኣብዚ ዓዲ እዚ ጸሎተ መቚጸርያ ኣብ ሥድራቤት ብሓባር ናይ ምድጋም ባህሊ ክሳብ ክንደይ ክቡር ምዃኑ እፈልጥ። ሓደራ ዝብለኩም ከስ ነዚ ሠናይ ባህሊ እዚ ቀጽልዎ። ክንደይ ልብታት ኣቦታትን ኣደታትን ውሉድን ንዘመናት ምጽንናዕን ሓይልን ሓፊሶም! ነዚ ከኣ ጸሎተ መቊጸርያ እንክደግሙ እኖና ድንግል ማርያም ኣብተን ብናይ ደሥታን ሕማምን ናይ ብርሃንን ክብርን ምሥጢራት ተገሊጹ ዘሎ ሕይወት ኢየሱስ ክርስቶስ ምስታፋ የስተንትኑ።

ድንግል ማርያም ኣደ እያ። ድንግል ማርያም ኣደና እያ። ድንግል ማርያም ኣደ ቤተክርስትያን እያ። ኣብዛ ክብርቲ ዕንቚ ዝኾነት ደሴትኩም ንጉዕዞ ሕዝበ እግዚኣብሔር ናብ ድንግል ማርያም ነማዕቊቦ። ሥድራቤታት ንመንግሥቲ እግዚአብሔር ንከስፍሑ ኣብ ዝግበርዎ ጻዕሪ ክድገፉን ናይቶም ኣብ መወዳእታ ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክናብዩ ክሕግዙን ኣለዎም። ኣብ ቅድሚ እዚ ንዘመንና ዘናውጹ ንፋሳትን ማዕበላትን ሥድራቤታት ናይ እምነትን ሕያውነትን ዋሕስ ይኹኑ። ነዚ ንምግባር ከኣ ነቲ ዝነበረን ዘሎን ብሉጽ ባህልታት ሃገረ ኣየርላንድ ተኣንጊቦም ነቶም ብኣርኣያን ኣምሳልን እግዚአብሔር ዝተፈጥሩን ንዘለዓለማዊ ሕይወት ዝተጸውዑን ወዲተባዕታይን ጓልኣንስተይትን ክብሪ ንዝትንክፍ ዘበለ ኩሉ ተቋወሙ።

ኣብ ሥቃይ ንዝርከቡ ኣባላት ሥድራቤት ደቃ ድንግል ማርያም ብዓይኒ ምሕረት ትመልከቶም። ኣብ ቅድሚ ሓውልታ እንክጽሊ ስለ ኩሎም ብኣባላት ቤተክርስትያን ሃገር ኣየርላንድ ጾታውን ፍትሓውን ዓመጽ ዝወረዶም ግዳያት ለሚነ።   ግዳይ ናይዚ ዓመጽ ዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ ኩሉ ገርህነቶም ዝተሰርቀ ካብ ኣደታቶም ከምዝርሕቁ ዝተገብሩ ዘሳቂ ዝኽሪ ሒዞም ዝነብሩ ታሪኾም እንክገልጹ ዘይድንግጽን ዘይርሕርሕን የለን። እዛ ክፍቲ ቊስሊ እዚኣ ከኣ ፍትሕን ሓቅን ንምርካብ ጸኒዕና ክንውስን ትግድደና። ጐይታ ነዚ ሓጢኣት እዚ ክምሕረና እምህለል፣ ስለ እቲ ኩሉ ዕንቅፋታትን ኣብ ብዙሓት ሥድራቤት እግዚአብሔር ዝወረደ ጥልመትን እግዚአብሔር ምሕረቱ ክህበና እምህለል።  እኖና ድንግል ማርያም ንኩሎም ግዳይ ናይዚ ዓመጽ ዝኾኑ ንክሎም ኣባላት ሥድራቤት ክርስትያን ክተጸናንዕን ንድሕሪ ሕጂ ከምዚ ዓይነት በደል ከይድገም ጽኑዕ ቊርጺፍቃድ ንምግባርን ጸጋኣ ትዓድለና። ወትሩ ብመንገዲ ፍትሒ ክንመላለስን ነቲ ዝተገብረ ብዙሕ ዓመጽ ከኣ ክንክሕስ ስለና ስለኩልና እውን ተማልድ።  

ኣብ መካነንግደት ማርያም ዘኖክ ዝገበርኵኦ መንፈሳዊ ንግደት ንፍትው ሕዝቢ ሰሜን ኣየላንድ ልባዊ ሰላምታ ከቅርብ የፍቅደለይ። ቀንዲ ሓዋርያዊ ምብጻሔይ ስለ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ስለዝኾነ ንሃገረ ሰሜን ኣየርላንድ ክበጽሕ እኳ እንተዘይከኣልኩ ፍቅረይ ብጸሎት ቅርበተይን እገልጸልኩም። ቅድስት ድንግል ማርያም ንኩሎም ሥድራቤታት ሃገረ ኣየርላድ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ተግባር ዕርቂ ክሰንዑ ክትድግፎም እልምና። ስለእቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ክርስትያን ሓድነት ግስጋሴን ዕለት ዕለት ኣብ መንጎ ማሕበራት ክርስትያን ዝዓቢ ዘሎ ናይ ምሕዝነትን ምትሕብባርን እንከመስግን ኩሎም ኣርድእቲ ክርስቶስ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሰላም ጉዕዞን ንናይ ሎሚ ወለዶ ዝኸውን ዝተወሃሃደን ፍትሓውን ማሕበረሰብ ንምህናጽ ዝግበር ጻዕርን ኣብ ፍጽምና ክበጽሕ ጸሎተይ እዩ። እዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ክርስትያን ኣስላም ዕብራውያን ዝኾነ እምነት ዝኽተሉ ክኾኑ ይኽእሉ ግን ደቂ ኣየርላንድ እዮም።

ሕጂ እምበር ስለ እዚ ኩሉን ነፍሲወከፍና ኣብ ልብና ሒዝናዮ ዘሎና ሓሳብ ጸሎትን ናብ ብፅዕት ቅድስት ድንግል ማርያም ብጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ንማሕጸና።

እንክብሉ ምስ ኣስተምሃሩ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክታትል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

Photogallery

መካነ ንግደት ማርያም ዘኖክ ኣየርላንድ
26 August 2018, 12:06