ድለ

ንከራላ ረድኤት ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ከይጐድል ሓደራ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕለት 19 ነሐሰ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናን ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ድሕሪ ምዕራጎ ነቲ ሕይወት ልዕሊ 350 ቀዚፉ ብእሽሓት ዝቁጸሩ ኣፈናቂሉ ብዘሎ ምዕልቅላቅ ማይ ዝተጐድኤ ክፍሊ ህንዲ ከራላ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ረድኤቱ ከወፊ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ዜናታት ክንከታተሎ ከምዝቀነና ኣብ ክፍለ ሃገር ከራላ ናይ ሃገረ ህንዲ ብዝወረደ ብዙሕ ዝናብ ዝሰዓበ ምዕልቅላቅን ምህማም መሬትን ሕይወት ብዙሓት ሰባት እንክቀዝፍ ብዙሕ ከባቢታት ብውሒጅ ከምዘይነበረ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ገና እቲ ዝናም ስለዘይሃድኤ ሕይወት ኣድሕን ረድኤትስ ይኹን ሬሳታት ምድላይ ከምኡ እውን ነቶም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቊጸሩ ብዘይ መጽለሊ ዝተረፉ ንምርዳእ ኣብ ዝግበር ርብርብ ቅዱስነቶም ብጸሎት ኣብ ርእሲ ምስናይን ካሪታስ ብዝበሃል ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ግብረ ሠናይ ዘውፈይዎ ሓገዝን ዓለምለኸ ማሕበረ ሰብ ዝተኻእሎ ከበርክት ሓደራ ኢሎም።

“[ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን። ኣብዘን መወዳእታ ዕለታት ነበርቲ ከራላ ሃገር ህንዲ ብብርቱዕ ዝናብ ተጠቂዖም ሓያል ምዕልቅላቅን ምህማም መሬትን ኣስዒቡስ ናይ ሓያለ ደቂሰባት ሕይወት ከምዝጠፍኤን ብዙሓት ገና ሃለዋቶም ዘይተፈልጠን ብዘይመጽለሊ ዝተረፉን ክትጽብጽቦ ዘጸግም ጉድኣት ኣብ ልዕሊ ሕርሻን ገዛውትን ወሪዱ ኣሎ። በጃኻትኩም ነዞም ኣሕዋትን ኣሓትን ደገፍና ከይፍለዮም ከምኡ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብተግባር ይደግፍ። ብመንፈስ ቅርበተይ ነታ ቀዳማይ መስመር ሒዛ ኣብ ረድኤት ትጓየ ንዘላ ቤተክርስትያን ከራላ እገልጽ። ንሕና ኩልና እውን ኣብ ጐድኒ ቤተክርስትያን ከራላ ኣሎና እሞ ብሓባር ስለእቶም ሕይወቶም ዝሰኣኑን ንዝነበሮም ኩሉ ብምጥፋእ ኣብ ብርቱዕ ፈተና ዝርከቡን ሕዝቢ ብሓባር ንጸሊ። ነፍሲ ወከፍና ሰላም ንዓኺ ኦ ማርያም ብጸጥታ ንበል።]”

ሎሚ ዕለት 20 ነሐሰ 2018 ዓም ዝቀረበ ጸብጻብ ኣብዚ ባህርያዊ ሓደጋ ሕይወቶም ናይ ዝሰኣኑ ቊጽሪ ናብ 400 ከምዝደየበን ምቅልቃል ገለ ተላገብቲ ሕማማት እውን ይረኤ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ ልዕሊ 220 ሺሕ ሰባት ካብ ቤትንብረቶም ኣብ ጐላጒል ተሰጢሖም ካብ መግብን ማይን መጽለልን ኣፋውስን ጀሚርካ ኩሉ መሠረታዊ ነገራት ከምዘድልዮም እውን ይግለጽ። 

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
19 August 2018, 18:57