ድለ

2018.08.19 ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ 2018.08.19 ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ 

ካብ ሥጋን ደምን ኢየሱስ እንመሀሮ ዘለዓለማዊ ሕይወት እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 19 ነሐሰ 2019 ዓምፈ ኣብ ዘቅረብዎ ጉባኤ ኣስተምህሮ መልኣከ እግዚብሔር ‘ኢየሱስ ምስኡ ኣብ ውህደት ክንኣቱ ይዕደመና። ነዚ ከኣ ስለ ጐይታን ስለ ኣሕዋትን ሕይወትና ንክነወፊ እዩ። ነዚ ምስ እንገብር ከኣ ብመምዝኒታቱ እምበር ብመምዘኒታት ናይ ዓለም ስለዘይንጐዓዝ እዩ’ እንክብሉ ነቲ ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ እውን ዝሰቲ ሕይወት ዘለዓለም ኣለዎ ዝብል ቃል ጐይታ ተንቲኖም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ዘቅረብዎ ኣስተምህሮኸስ ብዝተኻእለ ቃል ንቃሉ ተርጒምና ነቅርበልኩም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ውዒልኩም! ናይ ሎሚ ቃለ ወንጌል ካብ (ዮሓ 6.51-58) ኮይኑ ኣብ ቤተመቅደስ ቅፍርናሆም ዝገበሮ ትምህርቲ ካልኣይ ክፍሊ እዩ። ነዚ ዝገበሮ ከኣ ብሓሙሽተ ኅብስትን ክልተ ዓሳን ብዙሕ ሕዝቢ ዘጽገበሉ ተአምር ምብዛሕ እንጌራ እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ክፍሊ ወንጌል ኢየሱስ ‘ካብ ሰማያት ዝወረደ ኅብስቲ ኣነ እየ’ ኣንክብል ናይ ዘለዓለም ሕይወት ዝህብ እንጌራ ንሱ ምዃኑ ይገልጽ እሞ ኣተሓሒዙ ከኣ ‘እቲ ኣነ ዝህቦ እንጌራ ንሕይወት ዓለም ዝውፈ ሥጋይ እዩ’ ይብል። እዚ ክፍሊ ወንጌል እዚ ወሳኒ እዩ። ከመይ ካብቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ከይተረፈ ተቋውሞ የጋጥሞ ኣብ ነንሕድሕዶም ከኣ ‘እዝስ ከመይ ኢሉ ሥጋኡ ክንበልዖ ክህበና ይኽእል’ እናበሉ ይካትዑ። ናይቲ ዝተቈርሰ እንጌራ ኣብ ቀንዲ ትርጉሙ ክበጽሕ እንከሎ ማለት ንገዛእ ርእስኻ ከም መሥዋዕቲ ምቅራብ ዝብል ሓሳብ ምስ ቀረበ ዘይምርዳእ ይቅልቀል። ወረ ገሊኦምሲ እዝስ ዘይመስል እዩ ኢሎም ይነጽግዎ። እቲ ዘገርም ከኣ ተኣምር እንጌራ ምስ ተፈጸመን ምስ ጸገቡን ክንግሥዎ ደልዮም ምስ ተንቀሳቀሱ ኢየሱስ ተሓቢኡ ካብኦም ኣብ ዝተኸወለሉ ግዜ ቀንዲ ዝነበሩ እዮም።

ኢየሱስ ክርስቶስ ዘረባኡ ብምቅጻል ‘ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ ሥጋ ሰድ-ሰብ እነተዘይበላዕኩም፡ ደሙ እውን እንተዘይሰተኹም ሕይወት የብልኩምን’ (6.53) ይብል። ኣብዚ ጥቅሲ እዚ ምስ ሥጋ ደም እውን ይውሰኽ፣ ሥጋን ደምን ኣብ ቋንቋ ቅዱስ መጽሓፍ ንጭቡጥ ሰብአውነት ይገልጹ። እቲ ሕዝቢ ከምኡ እውን እቶም ሓዋርያት ኢየሱስ ምሳኡ ሓደ ንክኾኑ ይዕድሞም ከምዘሎ ይእምቱ! ነቲ ንዓለም ምሉእ ሕይወት ዝህብ ጐይታ ምስ ካልኦት ንምስታፍ ነዚ ሰብኣውነት ዝበልናዩ ሥጋኡን ደሙን ክበልዑ ከምዘለዎም ይርድኡ። እዚ ከኣ ክንዮ እቲ ከንግሥዎ ዝፍትኑ ዝነበሩ ሆሆ ሓሊፍካ እዩ። እዚ መሥዋዕተ ኢየሱስ እዩ ገዛእ ርእሱ ከምዝህበና ዘመልክት።

እዚ እንጌራ ሕይወት ዝኾነ ምሥጢረ ሥጋን ደምን ኢየሱስ ክርስቶስ ከስ ብነጻ ኣብ መኣዲ ቅዱስ ቁርባን ይዕደለና። ኣብ መኣዲ ዙርያ መንበረ ታቦት ነቲ ንመንፈሳዊ ጥሜትና ንልምን ንዝለዓለምን ዝምግብ ንጽምእናውን ዘርዊ ንረክብ። ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ንሳተፈሉ ነፈስወከፍ ግዜ ነቲ ኣብ ሰማያዊ መንበረ ታቦት ዝፍጸም መኣዲ ነቀድሞ ክንብል ንኽእል ከመይ ካብ ምምጋብ ቅዱስ ቊርባን ሥጋን ደምን ኢየሱስ ዘለዓለማዊ ሕይወት እንታይ ምዃኑ ንመሃር። ከምቲ ኣብ ቊጽሪ 57 ‘ሥጋይ ዚበልዕ ደመ’ውን ዝሰቲ ኣብይ ይነብር ኣነ ድማ ኣብኡ’ ዝብሎ ንጐይታን ምስ ጐይታን ምንባር እዩ። ነፍስወከፍና ንጐይታን ነሕዋትን እምበር ንገዛእ ርእስና ጥራይ ስለዘይንነብር ቅዱስ ቊርባን ነዚ ነገር እዚ ይውቕጠና። ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወትን ታሕጓስንከስ ነዚ ካብ ቅዱስ ቊርባን ንቅበሎ ፍቅሪ ወንጌል ክሳብ ክንደይ ፍርያም ኣብ ንገብረሉ ክእለትና ይጽጋዕ።

ኢየሱስከስ ከምቲ ኣብ ግዜ ሓዋርያት ዝበሎ ሎሚ ንዓና ንነፍሲወከፍና ‘ሥጋ ወድ-ሰብ እንተዘይበሊዕኩም ደሙ እውን እንተዘይሰቲኹም ሕይወት ዘለዓለም ኣባኹም የላን’ (53) ይብለና ኣሎ። ኣሕዋተይን ኣሓተይን እዚ መግቢ እዚ ሥጋዊ መግቢ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ሕያው ኅብስቲ ኮይኑ ሕይወት ዝህብ ነታ ኣብ እግዚብሔር ዘላ ሕይወት ኣባና ዘሰጋግር እዩ። ክንቈርብ ከሎና ነታ ሕይወት እግዚብሔር ኢና ንቅበል ዘሎና። እዛ ሕይወት እዚኣ መታን ክትህልወና ብቃሉን ብፍቅሪ ኣሕዋትን ክንቅለብ ግድን እዩ። ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ዓቢይ ምሥጢራዊ ዕድመ ማለት ኢየሱስ ሥጋኡን ደሙን ክብቅለብ ክዕድመና እንከሎ ከምቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሕቶ ክነቅርብን ክንካታዕን ግድን እዩ። እዚ ከኣ ንመነባብሮና ምስ ሕይወት ክርስቶስ ክነወሃህድን ክነቊውምን ክንጽዕር እንከሎና በቲ ናቱ መምዘኒታት ወይ መለክዒታት እምበር ብናይ ዓለም መምዘኒታት ክንሰርሕ ከምዘይብልና የመልክተልና። ነዚ መግቢ እዚ እናተቀለብና ምስ ኢየሱስ ኣብ ምሉእ ምውህሃድ ክንበጽሕ ንኽእል ከምቲ ንሱ ዝስምዖ ክስመዓናን ከምቲ ንሱ ዝገብሮ ክንገብርን ንኽእል። እዚ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ፣ ናብ ቅዳሴ ምኻድን ምቑራብን ከመይ ንቅዱስ ቊርባን ምቅባል ማለት ነቲ ንሕወትና ካብ ውሽጢ ዝልውጥን ንሰማይ ዘሰናዱን ሕያው ክርስቶስ ምቅባል እዩ።

ቅዱስ ቊርባን እናክንቅበል ንሕና እውን ብግደና ነሕዋትና ዝቊረስ ኅብስት ንክንከውን ምስ ክርስቶስ ንክንወሃሃድ እንገብሮ ቊርጺ ፍቃድ እኖና ድንግል ማርያም ትደግፈና። ብማለት ኣስተምሂሮም መልአከ እግዚብሔር ደገሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

19 August 2018, 18:55