ድለ

ቅዱስ ኣቦና ናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት ዘተ ኣብ ምትብባዕ ክቕጽሉ የተባብዑ ቅዱስ ኣቦና ናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት ዘተ ኣብ ምትብባዕ ክቕጽሉ የተባብዑ 

ቅዱስ ኣቦና ናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት ዘተ ኣብ ምትብባዕ ክቕጽሉ የተባብዑ

ኣብ ኒካራጉዋ ዝተባርዐ ሕዝባዊ ናዕቢ ጸረ መንግስቲ ኦርተጋ ሕጂ እውን ካብ ዝነበሮ ዛይዱ ይቕጽል ከምዘሎን፡ ኣብ መንጐ ኣድመይናታትን መሰል ሓይሊ ምክልኻል ደገፍቲ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ብዝተፍጠር ዘሎ ግጭት ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጥሞም ዜጋታት ብዝሒ ክብ ይብል ኣሎ፡ ብፁዕ ካርዲናል ብረነስ ኣብ ቀረባ እዋን ካብቶም ዕጡቓት ሓይሊ ደገፍቲ ኦርተጋ መሰል ሓይሊ ምክልኻል ማይዘይቲ ዝወረዶም፥ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ሓደራ ዝብልዎ ሕጂ እውን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኑካራጉዋ ዘተ ከምእተናቓቕሕ የረጋግጹ።

ኣብ ኒካራጉዋ ዝተባርዐ ሕዝባዊ ናዕቢ ጸረ መንግስቲ ኦርተጋ ሕጂ እውን ካብ ዝነበሮ ዛይዱ ይቕጽል ከምዘሎን፡ ኣብ መንጐ ኣድመይናታትን መሰል ሓይሊ ምክልኻል ደገፍቲ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ብዝተፍጠር ዘሎ ግጭት ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጥሞም ዜጋታት ብዝሒ ክብ ይብል ኣሎ፡ ብፁዕ ካርዲናል ብረነስ ኣብ ቀረባ እዋን ካብቶም ዕጡቓት ሓይሊ ደገፍቲ ኦርተጋ መሰል ሓይሊ ምክልኻል ማይዘይቲ ዝወረዶም፥ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ሓደራ ዝብልዎ ሕጂ እውን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኑካራጉዋ ዘተ ከምእተናቓቕሕ የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ጸረ መንግስቲ ዳንኤል ኦርተጋ ዝሓቀነ ሕዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ኒካራጉዋ ሕጂ እውን ይቕጽል ከምዘሎን፡ ዕለት 13 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ማሳያ ዝነበረ ሕዝባዊ ኣድም ንምብታን ሃይሊ ጸጥታ ከቢድ ብረት ብምጥቃም ብዝውሰዶ ስጉምቲ ብውሑዱ ክልተ ሰባት ከምእተቐትሉ ይንገር። ሎሚ ዕለት 14 ሓምለ ከኣ መንግስቲ ዝድግፉ ብወገኖም ኣብ ማናጉዋ ነቶም ብበዓልቲ ቤቶም ኣቢሎም ኣብ ምግባረ ብልሽውና ኣብ ኣድልዎን ዝተኣልከ ምልካዊ ስርዓት ኣቑይሞም ዝብል ክሲ ዝቐርበሎም ንዘሎ መንግስቲ ኦርተጋ ዝቃወሙ 200 ተመሃሮ ዝተዓቖቡሉ ቤተ ክርስቲያን መለኮታዊ ምሕረት ከቢቦም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ልዕሊ 350 ዜጋታት ናይ ሞት ሓደጋ ከዘጋጠሞም

ካብ ዕለት 18 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. እቲ ሕዝባዊ ተቓውሞ ካብ ዝተበገሰሉ እዋን ንነጀው ሎዕሊ 350 ዝዀኑ ዜጋታት ከምእተቐትሉን፡ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ውድብ እቶም ካብ 2007 ዓ.ም. ኣትሒዞም ንሳልሳይ ጊዜ ምስ በዓልቲ ቤቶም ሮሳሪዮ ሙሪሎ ብሓባር ዝመርሑን ኣብ ስልጣን ዘለዉን ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ስልጣኖም ክለቑ ይሓትት ከምዘሎን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቅዱስ ኣቦና፡ ብፁዓን ጳጳሳት ኒካራጉዋ ንሕዝቢ ቀረባ ይኹኑ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኒካራጉዋ ኩነት ከምዘሻቕሎም ገሊጾም፡ ብፁዓን ጳጳሳት ኒካራጉዋ ንሕዝቦምን ነቶም ዝሳቐዩን ኵሎም ቀረባ ብምዃን ኣብ ሰላም ምእንቲ ክብጻሕ ዘተ ከተባብዑ ሓደራ ከምዝበሉ ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 8 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ብሓባር ምስቶም ኣብ ኒካራጉዋ ልኡከ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዋልደማር ስታኒስላው ሶመርታግን ናይ ማናጉዋ ተሓባባሪ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቪኦ ባኢዝ ንሕዝብን ነተን ተቓውሞ ሰልፊ ዘካይድ ንዝነበረ ካብ ናይ ሓይሊ ጸጥታ መጥቃዕቲ ንዘምለጡ ንዘእንገዳ ቁምስናታት ቅርበቶም ኣብ ምግላጽ እንከለዉ በቶም ደገፍቲ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ መሰል ሓይሊ ምክልኻል ማህሰይቲ ዝወረዶም ናይ ማናጉዋ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ለኦፓልዶ ብረነስ ምስ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ትቩ2000 መደብር ተለቪዥን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ካርዲናል ብረነዝ፥ ቅዱስ ኣቦና ተልእኾና ክንቅጽል የተባብዑና

ዝዀነ ይኹን ጸገምን ዘይምርድዳእን ብቑዕን ነባርን መፍትሕ ዘተ እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ኣርጊጾም ብምትሕስሳብ ናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓድነቱ ኣጽኒዑ ዘተን ሰላምን ከነቓቕሕ ከምዘለዎን ንድኻን ሕዝብን ቀረባ ኰይኑ ሰላምን ዕርቅን ብቓልን ሕይወት ክምስክር ይዕድሙ፡ ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ከምዘተሓሳስብዎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒካራጉዋ ብሔራዊ ዘተን ዕርቅን ኣብ ምንቕቓሕ ከምእትርከብ ብፁዕነቶም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣመልኪቶም።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ መሰል ሓይሊ ምክልኻል ዓመጽ ይዘርኡ

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኒካራጉዋ ዘሎ ህልዉ ኩነታት ኣመልኪቶም ኣብ ዝገለጽዎ ቃል፡ ንሕዝብን ንመላእ ሃገረ ኒካራጉዋ ቅርበት ቅዱስ ኣቦናን ቅርበት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ገሊጾም፡ ሰራዊት መሰል ሓይሊ ምክልኻል ዘራእ ዓመጽ እዩ ኢሎም። ዘተ ናይ ሕዝብን ናይቲ ኣብ መርሕነት ዘሎ መንግስቲ ምርጫ ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ልኡከ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኒካራጉዋ ቅዱስ ኣቦና ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር ይጽውዑ

ኣብ ኒካራጉዋ ልኡከ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዋልደማር ስታኒዝላው ሶመርታግ እውን ብወገኖም፥ ቅዱስ ኣቦና ህልው ኩነታት ኒካራጉዋ ኣዚዩ ከምዘሻቕሎምን ዕለት 8 ሐምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ብፁዓን ጳጳሳት ዝተፈነወ መጥቃዕቲ እውን ኣዚዩ ከምዘተሓሳሰቦም ኣመልኪቶም፡ ኩሉ ስግኣት ኣብ ዘለሉ ሓዲግና ኣብቲ ናይ ታሪኽን ሕይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጐይታ ዝዀነ እግዚኣብሔር ንእመን ኢሎም።

ኦርተጋ ካብ ስልጣኖም ከምዘይለቁ ገሊጾም

ኣርጀንቲናን ካናዳን ቺለን ኮሎምቢያን ኮስታ ሪካን ፐሩን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሸሞንተ ነጥቢ ዝሓዘ ነቲ ኣብ ኒካራጉዋ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ንምፍታሕ ዝሓቀነ ንናይ ኩለን ኣገራት ኣመሪካ ዝጥርንፍ ውድብ ዝቐርብ ናብ ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ኦርተጋ ዝለኣኽ ብቐጥታ ኣብ ኒካራጉዋ ህዝባዊ ምርጫ ዝካየደሉ ዕለት ከመልክቱ ዝሓትት ናይ ስምምዕ ሰነድ ከምዘውጽኡ እንክሕበር፡ ዳንኤል ኦርተጋ ብወገኖም ክሳብ እቲ ንሳልሳይ ጊዜ ዝተሓረይሉ ናይ ተልእኾ ዘመን 2021 ዓ.ም. ዝቕጽል ስልጣኖም ከምዘይኰልፉን ካብ ስልጣኖም እውን ከምዘይወርዱ ብወግዒ ከምዘፍለጡ ይንገር።

ቅዱስ ኣቦና ናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት ዘተ ኣብ ምትብባዕ ክቕጽሉ የተባብዑ
14 July 2018, 16:41