ድለ

ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔ ዕለት 29 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔ ዕለት 29 ሓምለ 2018 ዓ.ም. 

ብጥሜት ካብ ዝግዕር ዓለም ተፈሊና ተመልከቲ ኣይንኹን! ር.ሊ.ጳ

ብዛዕባ ተኣምር ምብዛሕ ሓሙሽተ ኅብስትን ክልተ ዓሣን ዝምልከት ክፍሊ ወንጌል ‘ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ካብ ዓለምና ዝፍኖ ገዓር ናይ ጥሜትስ ይኹን ናይ ካልእ ጸገም ገለ እንገብርን ውፉያት ሠራሕተኛትን ክንከውን ከምኡ እውን ንዘሎና ሃብቲ ኣብ ክንዲ ኣጽዋር ምዕዳግ ንመደባት ልምዓት ክንጥቀመሉ ይዕድመና ኣሎ፣ መምዘኒ እምነትና ከኣ እዚ እዩ’ እንክብሉ ቅ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 29 ሓምለ 2018 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ቅድሚ ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ንምእመናን ኣስተምሂሮም፣

ብዛዕባ ተኣምር ምብዛሕ ሓሙሽተ ኅብስትን ክልተ ዓሣን ዝምልከት ክፍሊ ወንጌል ‘ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ካብ ዓለምና ዝፍኖ ገዓር ናይ ጥሜትስ ይኹን ናይ ካልእ ጸገም ገለ እንገብርን ውፉያት ሠራሕተኛትን ክንከውን ከምኡ እውን ንዘሎና ሃብቲ ኣብ ክንዲ ኣጽዋር ምዕዳግ ንመደባት ልምዓት ክንጥቀመሉ ይዕድመና ኣሎ፣ መምዘኒ እምነትና ከኣ እዚ እዩ’ እንክብሉ ቅ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 29 ሓምለ 2018 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ቅድሚ ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ንምእመናን ኣስተምሂሮም፣

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው ናይ ሎሚ ወንጌል ካብ ወንጌል ዮሓንስ 6 ዝተወስደ ኮይኑ ብዛዕባ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጥቃ ቀላይ ጥብርያርዶስ ብዙሓት ሕዝቢ ምስ ረኣየ ዝደንገጸሎምን እሞ ሓደ መንእሰይ ሒዝወን ንዝነበረ ሓሙሽተ ኅብስትን ክልተ ዓሣን ባሪኹ ብተኣምር ብምብዛሕ ንልዕሊ 5000 ሰባት ከምዘጽገበን ዝተረፈ ከኣ 12 መሶብ ከምዝተላዕለን ዘዘንቱ ክፍሊ ወንጌል ነበረ፣ ኣብቲ ትረኻ ወንጌል ኢየሱስ ሽሕ’ኳ ነቲ ክገብሮ ዝንበሮ ይፈልጥ እንተነበረ ንፊሊጶስ ነቲ ሕዝቢ ዝኸውን መግቢ ንምዕዳግ እንታይ ምተገብረ ምስ በሎ ነተን ዘለዎም ቁሩብ ቁራቦ ገንዘብ ብምስትንዓቅ ከኣ ‘ዋጋ ክልተ ሚእቲ ዲናር እንጌራ እኳ ቈቊራስ ኣይምበጽሖምን’ ክብል ምስ መለሰ እንድርያስ ኣብ መጎ ሕውስ ኢሉ ‘ሓሙሽተ ጎጎ ስገምን ክልተ ዓሣን ዘለዎ ቘልዓ ኣብዚ ኣሎ’ ኢሉ ከብቅዕ ንሱውን ጨሪስካ ክሕሰብ ዘይከኣል ምዃኑ ንምግላጽ ተስፋ ብዝቆረጸ ቃና ‘ግናኸ ነዞም ክንድዚ ዚበዝሑስ እዚ እንታይ እዩ’ ምስ በለ ነቶም ሕዝቢ ከቀምጥዎም ብምእዛዝ ነቲ እንጌራ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ሃቦም። ቅዱስነቶም ናብቲ ሓሙሽተ ጎጎ ስገምን ክልተ ዓሣን ሒዙ ዝነበረ መንእሰይን ንዘለዎ ከወፊ ዘርኣዮ ልግስን ትብዓትን ብምትኳር ንሕና እውን ከምዚ ተባዕ መንእሰይ ርሕራሔ ክህልወና ኣዘኻኺሮም፣

ናይ'ዚ ተባዕ መንእሰይ እዚ ርህራሔ ይሃሉኹም!

ቅዱስነቶም ናብቲ ቀንዲ መልእኽቲ ምልስ ኢሎም ኢየሱስን ሓዋርያትን ብፍጹም ድኽነት ይነብሩ ስለዝነበሩ ቁሩብ ገንዘብ ስለዝነበሮም ኮይኑ ግን ነቶም ንትምህርቶም ክሰምዖ ሩባን ቀላይን ሰጊሮም ናብ ጎቦ ምስኡ ጎተት ክብሉ ዝደየበ ሕዝቢ ብጥሙዩ ክሰዶ ኣይደለየን ከመይ ሩሕሩሕ ብምዃኑ ከይሓተትዎ ይሓሊ፣ ኣብዚ እቲ መበገሲ ዝኾነ ነታ ዘላቶ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ዘውደቀ እቲ ተባዕ መንእሰይ ምዃኑ ከኣ ከምዚ ገሊጾም።

““ ንፉዕ መንእሰይ! ተባዕ መንሰይ! ንሱ እውን ነቲ ማእለውያ ዘይብሉ ሕዝቢ ይዕዘብ ነሩ እዩ! ነተን ኣብ ኢዱ ዝነበራ ሓሙሽተ ጎጎ ስገም እውን ይጥምተን ነሩ፣ ሱቊ ኢለ ካብ ዝጥምትስ ኣነ እዘን ጎጎ ስገም እዚኤን ኣለዋኒ ገለ ሓገዝ ዶ ኮን ይኸውን ኢሉ ይሓስብ እሞ ናብ እንድርያስ ከይዱ የውከኣሉ፣ እዚ መንእሰይ እዚ ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ክንብል እሞ ኣብየት ትብዓት ምባል ጥራይ ዘይኮነ መንእሰያት ብዙሕ ግዜ ከምኡ እዮም ትብዓት ኣለዎም፣ መንእሰያትና ነዚ ትብዓት እዚ ንከደንፍዕዎን ንቅድሚት ክግስግሱን ክንሕግዞም ኣሎና፣ ኢሎም። ””

እዚ ክፍሊ ወንጌል ከም ኩሉ ቃል ኣምላኽ ዝገልጸልና ኢየሱስ ወትሩ ኣብ ጸገም ካልኦት ምስ ኣተኰረ ምዃኑ ክንግዝብ ኣሎና፣ እዚ ተባዕ መንእሰይ እውን ከምኡ ዓይነት ዝንባሌ ዝንበሮ ይመስል፣

ኢየሱስ ወትሩ ኣብ ጸገም ሰባት ምስ ኣተኰረ እዩ!

ናይ ዕለቱ ወንጌል ደረጃ ብደረጃ ዝገልጾ ምስቲ ዝነበረ ጸገምን ስግኣትን ኢየሱስ ነቶም ሓዋርያት ነቲ ሕዝቢ ኰፍ ከብልዎም ኣዚዙ ነተን ጎጎን ዓሣን ወሲዱ ነቦኡ ምስጋና ኣቅሪቡ ባሪኹ ይዕድሎም ኩሎም ከኣ ይጸግቡ፣ እዚ ዘመልክተልና እንተልዩ ኢየሱስ ቅድሚ ዝኣገረ ጸገም ሰባት ንምፍታሕ ይቀዳደም፣ ዝሓለፈ ሰንበት እውን ተመሳሳሊ ክፍሊ ወንጌል ነበረ፣

““ እዚ ታሪኽ እዚ ካብ ሓደ ጭቡጥ ፍጻሜ እዩ ዝነቅል፣ እቲ ሕዝቢ ጠምዩ ኣሎ፣ ኢየሱስ ከኣ ንሓዋርያቱ እዚ ጥሜት እዚ ኣብ ምዕንጋል ከምዝሳተፉ ይገብር፣ እዚ እቲ ጭቡጥ ኩነታት እዩ፣ ነቲ ሕዝቢ ንክምግብ ብዋሕዲ ገንዘብ ኣይተወሰነን እንታይ ደኣ ቃሉ ይህቦም ምጽንናዑ ይህቦም ድሕነቱ ይህቦም ኣብ መወዳእታ ከኣ እንጌራ ሕይወት ኰይኑ ሕይወቱ ይህቦም፣ እዚ እውን ካልእ ጭቡጥ ፍጻሜ እዩ፣ ብነፍስን ብሥጋን ቀሊብዎም፣ ኢሎም። ””

ግደናኸ እንታይ እዩ ወይውን ኪዱ ስበኹ ዝተበሃልና ንክርስቶስ ንምስባኽ መንቀሊ ባይታ ዝኾነና ከኣ ከምዚ ዓይነት ምድግጋፍ ኮይኑ ነፍሲ ወከፍ ክተሓባበር የድሊ እውን ኢሎም፣

ንክርስቶስ ንካልኦት ንምብሳር ሓላፍነት ደገፍ ምስካም የድሊ!

ኣብዚ ፍጻሜ እዚ እቶም ምስ ኢየሱስ ዝነበሩ ሓዋርያት ኢዶምኒ እግሮምኒ ኣጣሚሮም ኣብ ወሰን ኰፍ ኢሎም እንታይ ኮን ክገብር እዩ እንታይ እዩኸ ዝግበሮ ኢሎም ኣብ ትዕዝብትን ፍርድን ኣይተረፉን እንታይ ደኣ ዚከኣሎም ተዋሲኦም፣ ንሕና እውን ከምኦም ርኢና ከምዘይረኣና ሕልናና እናከሰሰና ኣጽቅጥ ኣቢልና ክንከይድ ኣይንኽእልን ኢና፣ እኳ ደኣ ነቶም `ምእንቲ ፍቅርኻ ንሰብ ኩሉ ከም ነፍሰይ አፍቅር’ እንብሎም ጐረባብትናን ብጾትናን ካብ ዘቅርብዎ ናእሽቱ ሕቶ ሓገዝ ምኽሪ ክሳብ ዝለዓለ ነገራት ጽን ኢልና ክንሰምዖምን ዝተኻእለና ክነበርክትን የድሊ፣ ካብ ናኣሽቱ ነገራት ጀሚርካ እዩ ናብ ዓበይቲ ዝለዓሉ ዕላማታትን ዝብጻሕ፣ ንሕናኸስ ይብሉ ቅዱስነቶም ‘ነቲ ብጥሜት እንጌራን ነጻነትን ፍትሕን ሰላምን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ብጥሜት መለኮታዊ ጸጋኡ ንዝሳቀ ዘሎ ዘመደ መጋበሪ ፍቅሪ እግዚብሔር ክንከውን ዝተጸዋዕና ኢና` ኢሎም።

እንተ እቲ ኮይኑ እንተ እዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ከምቲ ኣብቲ ግዜ ጸገም ሓሙሽተ ጎጎ ከምዘለዎ ዝዘከረን ኣነ እዚኤን ኣለዋኒ ገለዶ ከበርክታ ይኽእላ ኢሉ ንዘለዎ ዘወፈየ ወትሩ ስንድዋትን ውፉያትን ሰብ ተግባርን ኰና ጐይታየ ኣነ ዘለዋኒ እዚኤን እየን ዝተረፈ ከኣ ንስኻ መልእ’ ኢልና ክነወፊ ኣሎና፣ እንተዘየሎ ኣብ ቅድሚ ገዓር ጥሜት ዓለምና እዚ ጥሜት ናይ ብዙሓት ኣሕትናን ኣሓትናን ዓይነቱ ብዙሕ እዩ እሞ ኣብ ቅድሚ እዚ ገዓርዚ ተዓዘብቲ ኰና ተፈሊና ቀሲና ክንነብር ኣይከኣልን እዩ፣ ነቲ እንጌራ ሕወት ዘለዓለም ዝኾነ ክርስቶስ ንካልኦት ንምብሳር ልግሶ ዝተሓወሶ ደገፍ ንድኻታት ድኹማት ዝከላከሎም ንዘይብሎም ንምብርካት ሓላፍነት ምልባስ የድሊ፣ እዚ ናይ ቅርበትን ፍቅርን ሥራህ እዚ ናይ እምነትና እንታይነት ዝበለጸ መግለጺ እዩ። እዚ ከኣ ኣብቲ ናይ ግላዊ ደረጃ ሕይወትናስ ይኹን ኣብቲ ማሕበራዊ ሕይወትና ከም ክርስትያን እንነብሮ እምነት እዩ፣

ዝጐሓፍ መግብስ ይኹን ንብረት ሃብቲዓለምና ኣይሃሉ!

ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል መደምደምታ እንረኽቦ ኩሎም በሊዖም ምስ ጸገቡ ኢየሱስ ነርድእቱ ‘ካብቲ ዝተረፈ ቚርስራስ ሓንቲ እኳ ኸይትድርበስ ኣክብዎ’ በሎም ይብል ዓሠርተ ክልተ መሶብ ቑርስራስ ከምዝኣከቡ ይገልጽ፣ ነዚ ብዝርኢ ቅዱስነቶም ሓያል ምሕጽንታ ይምሕጸኑ ምናዳ ነቶም ምጉሓፍ ተረፍ ዝልማዶም ከምዚ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

““ እስኪ ነፍሲወከፍና ሕዝብ ነብል ኣብ ምሳሕስ ይኹን ኣብ ድራር እቲ ተረፍ ኣበይ ይኸይድ? ኣብ ገዛይ ንተረፍ ምሳሕ እንታይ እገብሮ? ክጐሓፍዶ ኣለዎ? ኣይፋል። እዚ ከምዚ ዓይነት ልማድ እንተደኣ ሃልዩካ ሓደ ምኽሪ ክህበካ! ናብቶም ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ሕሱም ናብራ ዘሕለፉ ኣቦሓጎታትካ ወይ እኖሓጎታትካ ኪድ እሞ ኣብ ምሳሖም ወይ ድራረሮም ነቲ ተረፍ እንታይ ይገብርዎ ከምዝነበሩ ሕተቶም፣ ፈጺምኩም ተረፍ መአዲ ኣይትጉሓፉ፣ ኣቀሚጥካ ንዳሕራይ ግዜ ትበልዕ ወይውን ንዘድልዮ ክበልዖ ንዝኽእል ጽጉም ይወሃብ፣ ሃየኸስ ፈጺምኩም ተረፍ መአዲ ኣይትጉሓፉ፣ እዚ በቲ ሓደ መዳይ ምኽሪ ኰይኑ በቲ ካልእ መዳይ ከኣ ቀጥ ዝበለ ናይ ሕልና መርመራ ንምግባር ዝቀርብ ምኽሪ ምኽሪ ኮይኑ ኣብ ምሳሕስ ይኹን ኣብ ድራር እቲ ተረፍ ኣበይ ይኸይድ? ኢልካ ሕሰብ ኢሎም። ””

ንመደባት ልምዓት ሓራይ ንኣጽዋርን ውግእን ኣይፋል ንበል!

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ንምዕራግ ወትሩ ከምዝገብርዎ ናብ ድንግል ማርያም ንክምሕጸኑ ምናዳ ከኣ ኣብዚ ዘመንና ውግእን ወረ ውግእን ዕዳጋ ኣጽዋርን ገኒኑሉ ኣብ ዘሎ ‘ድንግል ማርያም ኣብ ዓለምና ናይ ልምዓት መደባት ናይ ሓልዮት ምግቢ መደባት ናይ ምድግጋፍ መደባት እምበር ናይ ጽልእን ዕድጊ ኣጽዋርን ውግእን ንከይከውን ንለምና’ እንክብሉ ምስ ተማሕጸኑ ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ደጊሞም፣ ተጻይ ንግዲ ደቂ ሰባት ጻውዒት ኣቅሪቦም ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ፣

ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔ ዕለት 29 ሓምለ 2018 ዓ.ም.
30 July 2018, 14:17