ድለ

ንግዲ ደቂሰባት ንግዲ ደቂሰባት 

ነዚ ዘሕፍር ገበን ንግዲ ደቂ ሰባት ንቃወም! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 29 ሓምለ 2018 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ነቲ ዕለት 30 ሓምለ ዝዝከር ዓለም ለኸ ዕለተ ተቃውሞ ንግዲ ደቂሰባት ብምምልካት ‘ነዚ ዘሕፍር ገበን ንግዲ ደቂ ሰባት ደው ነብሎ’ እንክብሉ ተማሕጺኖም፣

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ከምዘመልከትዎ ናይ ጨካንን ናይ ዘበና ዘሕፍር ገበንን ቀንዲ ምኽንያት ስደትን ፍልሰትን ኮይኑ ክፍውስዎ ዝኽእሉ ብቀንዱ መንእሰያት ተሓባቢሮም ኣድማዒ ኣበርክቶ ክገብሩ ከምኡ እውን ሲቪላውያን ማሕበረሰብ ዝከኣሎም ኩሉ ከበርክቱ ከለው ከምዝኾነ ገሊጾም፣ ነቲ ጽባሕ ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለምለኸ ዕለተ ተቃውሞ ንንግዲ ደቂሰባት ከኣ ነዚ ምሕጽንታ እዚ ኣቅሪቦም፣

“ጽባሕ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝቀረበ ዓለምለኸ ዕለተ ተቃውሞ ንንግዲ ደቂሰባት ክዝከር እዩ። እዛ ቊስሊ እዚኣ ንብዙሓት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ንዕላም ምዝመዛ ሥራሕን ጾታዊ ርውየትን ንግዲ ኣካላት ደቂ ሰብን ንሕሰምን ንዓመጽን ናብ ባርነት ትጸምድ፣ ናይ ስደትን ፍልሰትን መንገድታት እውን ብዙሕ ግዜ በዞም ንግዲ ደቂሰባት ዘዘውትሩን መዝመዝትን ሓደስቲ ግዳይ ንምርካብ ይጥቀሙለን እዮም። ነዚ ኢፍትሓዊ ተግባራት ምግላጽን ናብ ፍርዲ ምቅራብን ሓላፍነት ናይ ኩልና ኮይኑ ነዚ ዘሕፍር ገበን ብቈራጽነት ምቋዋም የድሊ፣ ኢሎም።”

ከም ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት እዚ ናይ ጥፍኣት መጋበሪ እዚ ልዕሊ 150 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣብ ምሉእ ዓለም ከምዘዘዋውር ኣብ 2016 ዓምፈ ጥራይ ልዕሊ 10 ሚልዮን ሕጻናትን መንእሰያትን ኣደዳ ባርነትን መሸጣን ምዝመዛ ሥራሕን ጾታዊ ርውየትን ገሩ፣ ልዕሊ 40 ሚልዮን ዝኾኑ ዓበይቲ እውን ግዳይ ከምዝኽዕኑ ካብዚኦም ሸውዓተ ዕሥሪት ደቂኣንስትዮ ምዃነን እውን ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር፣ ኣብ 28 ሃገራት ኤውሮጳው ሕብረት 30.146 ዝኾኑ ናይዚ ዓመጽ እዚ ግዳይ ከምዝኾኑ እንክምዝገቡ ልዕሊ ሓደ ሺሕ ትሕቲ ዕድመ ኮይኖም ኣብ 2016 ልዕሊ 3,6 ሚልዮን ኣብ ኤውሮጳ ጥራይ ኣደዳ ባርነት ከምዝኾኑ የመልክት፣ 

ነዚ መደብ እዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብዚ ጠውቑ!

 

30 July 2018, 09:20