አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ከምዘመልከትዎ ናይ ጨካንን ናይ ዘበና ዘሕፍር ገበንን ቀንዲ ምኽንያት ስደትን ፍልሰትን ኮይኑ ክፍውስዎ ዝኽእሉ ብቀንዱ መንእሰያት ተሓባቢሮም ኣድማዒ ኣበርክቶ ክገብሩ ከምኡ እውን ሲቪላውያን ማሕበረሰብ ዝከኣሎም ኩሉ ከበርክቱ ከለው ከምዝኾነ ገሊጾም፣ ነቲ ጽባሕ ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለምለኸ ዕለተ ተቃውሞ ንንግዲ ደቂሰባት ከኣ ነዚ ምሕጽንታ እዚ ኣቅሪቦም፣
ከም ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት እዚ ናይ ጥፍኣት መጋበሪ እዚ ልዕሊ 150 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣብ ምሉእ ዓለም ከምዘዘዋውር ኣብ 2016 ዓምፈ ጥራይ ልዕሊ 10 ሚልዮን ሕጻናትን መንእሰያትን ኣደዳ ባርነትን መሸጣን ምዝመዛ ሥራሕን ጾታዊ ርውየትን ገሩ፣ ልዕሊ 40 ሚልዮን ዝኾኑ ዓበይቲ እውን ግዳይ ከምዝኽዕኑ ካብዚኦም ሸውዓተ ዕሥሪት ደቂኣንስትዮ ምዃነን እውን ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር፣ ኣብ 28 ሃገራት ኤውሮጳው ሕብረት 30.146 ዝኾኑ ናይዚ ዓመጽ እዚ ግዳይ ከምዝኾኑ እንክምዝገቡ ልዕሊ ሓደ ሺሕ ትሕቲ ዕድመ ኮይኖም ኣብ 2016 ልዕሊ 3,6 ሚልዮን ኣብ ኤውሮጳ ጥራይ ኣደዳ ባርነት ከምዝኾኑ የመልክት፣