ድለ

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ጊዜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር! ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ጊዜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር!  

ምጥሓል ስደተኛታት ንምውጋድ ዓቲብካ ይሠራሕ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 22 ሓምለ 2018ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናን ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ምስ ደገሙ ንስደተኛታትን ሓደጋታቶምን ብዝምልከት `ኣብ ባሕሪ ሞት ስደተኛታት ከብቅዕ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ሕልና ይግበር` እንክብሉ ሕጹጽ ጻውዒት ኣቅሪቦም፣

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ኣብ ዓለምና ዘጋጥሙ ዘሕዝኑ ፍጻሜታት ምናዳ ከኣ ንስደተኛታት ዝምልከት ትራጀዲ ወትሩ ግዳይ ንግዲ ደቂ ሰባት ዘዘውትሩ ኮይኖም ሕይወቶም ሓዲግ ሰማይ ሓዲግ ምድሪ ኮይኖም ምናዳ ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ብምጥሓል ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ሕይወቶም ንዝሰኣኑ ዘኪሮም፣

ደጊም ኣብ ባሕሪ ሞት ከብቅዕ ሓደራ!

ኣብ ዕለታዊ ዜናታት ክንከታተሎ ከምዝቀነና በብዕለቱ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ መዲተራንያን ገሊኦም ካብ ሊብያ ክነቅሉ ክብሉ ገሊኦም ካብ ቱርኪ ንግሪኽ ክሳገሩ ክብሉ እተን ጃላቡ እናተገምጠላ ሕይወት ብዙሓት ከምዝጠፍኤ ዝዝከር ኮይኑ፣ ቅዱነቶም ነዚ ሞት እዚ ደው ንምባል ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ክበራበር ከምዚ ዚስዕብ ጻውዒት ኣቅርቦም፣

“ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ኣብዘን መጨረሻ ሳምንታት ዘሕዝን ዜና ምጥሓል ብስደኛታት ኣዕለቅሊቀን ዝነበራ ጃልባታት ኣብ ሜዲተራንያን ተኸታቲልና፣ ዝስምዓኒ ሓዘን እንዳገለጽኩ ነቶም ሕይወቶም ዝሰኣኑን ቤተሰቦምን ከምዝዝክሮምን ስለኦም ከምዝጽልን ከረጋግጸልኩም እፈቱ፣ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብቅልጡፍ ቆራጽ ውሳኔ ወሲዱ ሕጂ ክዓዪ እሞ ከምዚ ዓይነት ትራጀዲ ከይድገም ውሕስነት ክህብን ክብርን መሰልን ናይ ኩሎም ክሕሎን እላቦ፣ ኢሎም።”

ካብዚ ጸገም እዚ ገጽኩም ኣይትእለዩ! ረኪበ ጳጳሳት ሃገረ ጣልያን

ጳጳሳት ሃገረ ጣልያን እውን ቅድሚ ገለ ዕለታት ተመሳሳሊ ጻውዒት ኣቅሪቦም ነሮም፣ ትሕዝቶ ናይቲ ጻውዒት ከኣ `ናይዚኦም ብኣሽሓት ዝቊጸሩ ዝሓሸ ናብራ ንክእልሹ ሃገራቶም ዝጠንጠኑ ስደታኛታት ድራማ ሰብኣዊ መልሲ ንሃብ’ ኢሎም ነሮም።

ኣብ ሃገረ ማልታ ካብ ሓንቲ ዝተገምጠለት ጃልባ ብዙሓት ድሒኖም!

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ትማሊ ኣብ ገማግም ባሕሪ ማልታ ሓንቲ ካብ ሊብያ ዝነቀለት እሞ ብማዕበል ዝተገምጠለት ጃልባ ረድኤት ረኺባ ሓደ ሕጻን ዝርከቦም 19 ስደተኛታት ከምዝደሓኑ ተመልኪቱ፣ ብካላ መዳይ ከኣ ካብ ሊብያ ብግስ ክብሉ ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 40 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝደሓኑን ናብ ትሪፖሊ ከምዝተወስዱን ተሓቢሩ፣  እዚኦም ኣርባዓ ዝኾነ ስደተኛታት ካብ ሞሮኮን ግብጽን ሶርያን ናይጀርያን ከምዝኾኑ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ፣

ነዚ መደብዚ ብድምጺ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ!

 

22 July 2018, 14:26