ድለ

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ጊዜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር! ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ጊዜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር!  

ክርስቶስ እንተዘየለ መአዝን የለ ኣንፈት የለ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 22 ሓምለ 2018ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናን ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ምዕራጎም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ተመርኲሶም ‘ንሕይወትና ኣንፈት ዘትሕዝ እቲ ሓቂ ዝኾነ ክርስቶስ ስለዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጐድንና እንተደኣ ሃልዩ ርግጸኛታት ኰና ክንምርሽ ንኽእል’ እንክብሉ ምስ ኣስተምሃሩ ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ከኣ ንስደተኛታትን ምቅባሎምን ብዝምልከት `ኣብ ባሕሪ ሞት ስደተኛታት ከብቅዕ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ሕልና ይግበር` እንክብሉ ሕጹጽ ጻውዒት ኣቅሪቦም፣

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ አምልኾ ሰንበት ዕለት 22 ሓምለ 2018 ዓምፈ ዝቀረበ ወንጌል ካብ ናይ ማርቆስ 6 ኮይኑ “ሓዋርያት ናብ ኢየሱስ ተመሊሶም ኲሉ እቲ  ዝገበርዎን ዝመሃርዎን ነገርዎ። ዚበልዑሉ ጊዜ ኽሳብ ዚስእኑ ብዙኃት ይመጹን ይኸዱን ስለዝነበሩ፣ ንሱ “ንብሕትኹም ናብ ጽሙው ቦታ ንዑናይ ንቑሩብ ጊዜ እውን ኣዕርፉ” በሎም እሞ፡  ብጃልባ ንብሕቶም ናብ ጽሙው ቦታ ኸዱ። ሽዑ ንሳቶም ኪኸዱ ከለዉ እቲኣቶም ረኣይዎም ብዙኃት ከኣ ተረድኦም እሞ እንካብ ኲለን ኸተማታት ብእግሪ እናጐየዩ ቅድሚኦም ኣብቲ ቦታ በጽሑ። ንሱ ናብ መሬት እንክበጽሕ ብዙኅ ሕዝቢ ረኣየ። ጓሳ ኸምዘይብለን ኣባጊዕ ስለዝነበሩ ኸኣ ራኅራኃሎም፣ ብዙኅ ነገራት እውን ኪምህሮም ጀመረ” ዝብል ነበረ።

ርኢኻ ምኽኣል! ርኅራኄ ምህላው! ምምሃር!

እዘን ሰልስተ ቃላት እዚኤን ናይ ሓደ ጓሳ ቀንዲ ሕላገት ስኢለን የቅርባልና ዝበሉ ቅዱስነቶም  ኣዕይንትን ትምህርትን ናይቲ መለኮታዊ መምህር ኣብ ቅድመና ኰፍ የብላልና ኢሎም፣

“ርኢኻ ምኽኣል! ርኅራኄ ምህላው! ምምሃር! ግሥታት ናይ ሓደ ጓሳ ክንብለን ንኽእል፣ ኢየሱስ ወትሩ በዕይንቲ ልቢ ምስ ተመልከተ እዩ፣ እዚ ዘመልክቶ ከኣ ኢየሱስ ወትሩ ናይቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ንሕዝቡ ዘለዎ ርኅራሄን ሳህሮን ይገልጽ፣ ቅድም ቀዳድም ኢየሱስ ንህዝቡ ብቃሉ ይቅልቦም፣ እንጌራ ቃሉ የወፊ፣”

ኢየሱስ እንጌራ ቃል የወፊ!

ኣብ ቅድሚ እቲ ብዓቢ ሃንቀውታ ዝጽበ ብድኻም ተገዲዑ ብዙሕ ጸገማት ዘለዎ ሕዝቢ ክንዮ ትጽቢት ብዙሓት ኢየሱስ ተኣምር ክገብር ኣይህንደድን እንታይ ደኣ ይድንግጸሎም ብዙሕ ነገራት ከኣ ክምህሮም ይጅምር፣ ምኽንያቱ ከኣ ይብሉ ቅዱስነቶም ‘ሓቂ ከይሓዝካ! ሓቂ ከይፈለጥካ እዚ ከኣ ክርስቶስ ባዕሉ ማለት እዩ ሓቀኛ መኣዝን ሕይወትና ክንረክብ ከምዘይንኽእል ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

“እነሆ እምበአር እቲ ቀዳማይ ዕለታዊ እንጌራ እቲ መሲሕ ነቲ ጠምዩን ጓሳ ስኢኑ መኣዝኑ ስሒቱን ዘሎ ሕዝቢ ዘወፍዮኸስ እንጌራ ቃሉ እዩ፣ ንሕና ኲልና ናይዚ መብራህቲ ኰኑ ንጉዕዞና ዝመርሖን ዘብርሆን ቃል ሓቂ የድልየና እዩ፣ ብድሕርዚ ንኢየሱስ ክንመስልን ሓልፍነትና ክንሽከመን ኣይንጽገምን፣”

ንኢየሱስ ምምሳልን ሓላፍነትካ ምጻርን!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ኣስተምህሮኦም ንኩሎም ምእመናን ክርስቶስ ዘቅረብዎ ጻውዒት ንኢየሱስ ክንመስሎን ኣሰሩ ክንስዕብን ዚብል ኮይኑ ነዚ ከኣ እታ ረዳኢት ክርስትያን ዝኾነት ድንግል ማርያም ንወዳ ክንመስልን ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ናይ ብጾትና ጸገማትን ስቃይን ሽግርን ብምትሕብባርን ብምግልጋልን ንምስታፍ ተሓግዘና እንክብሉ ተማሕጺኖም ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ደጊሞም፣

ነዚ መደብዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብዚ ጠውቑ!

 

22 July 2018, 14:03