ክርስቶስ እንተዘየለ መአዝን የለ ኣንፈት የለ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ብግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ አምልኾ ሰንበት ዕለት 22 ሓምለ 2018 ዓምፈ ዝቀረበ ወንጌል ካብ ናይ ማርቆስ 6 ኮይኑ “ሓዋርያት ናብ ኢየሱስ ተመሊሶም ኲሉ እቲ ዝገበርዎን ዝመሃርዎን ነገርዎ። ዚበልዑሉ ጊዜ ኽሳብ ዚስእኑ ብዙኃት ይመጹን ይኸዱን ስለዝነበሩ፣ ንሱ “ንብሕትኹም ናብ ጽሙው ቦታ ንዑናይ ንቑሩብ ጊዜ እውን ኣዕርፉ” በሎም እሞ፡ ብጃልባ ንብሕቶም ናብ ጽሙው ቦታ ኸዱ። ሽዑ ንሳቶም ኪኸዱ ከለዉ እቲኣቶም ረኣይዎም ብዙኃት ከኣ ተረድኦም እሞ እንካብ ኲለን ኸተማታት ብእግሪ እናጐየዩ ቅድሚኦም ኣብቲ ቦታ በጽሑ። ንሱ ናብ መሬት እንክበጽሕ ብዙኅ ሕዝቢ ረኣየ። ጓሳ ኸምዘይብለን ኣባጊዕ ስለዝነበሩ ኸኣ ራኅራኃሎም፣ ብዙኅ ነገራት እውን ኪምህሮም ጀመረ” ዝብል ነበረ።
ርኢኻ ምኽኣል! ርኅራኄ ምህላው! ምምሃር!
እዘን ሰልስተ ቃላት እዚኤን ናይ ሓደ ጓሳ ቀንዲ ሕላገት ስኢለን የቅርባልና ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣዕይንትን ትምህርትን ናይቲ መለኮታዊ መምህር ኣብ ቅድመና ኰፍ የብላልና ኢሎም፣
ኢየሱስ እንጌራ ቃል የወፊ!
ኣብ ቅድሚ እቲ ብዓቢ ሃንቀውታ ዝጽበ ብድኻም ተገዲዑ ብዙሕ ጸገማት ዘለዎ ሕዝቢ ክንዮ ትጽቢት ብዙሓት ኢየሱስ ተኣምር ክገብር ኣይህንደድን እንታይ ደኣ ይድንግጸሎም ብዙሕ ነገራት ከኣ ክምህሮም ይጅምር፣ ምኽንያቱ ከኣ ይብሉ ቅዱስነቶም ‘ሓቂ ከይሓዝካ! ሓቂ ከይፈለጥካ እዚ ከኣ ክርስቶስ ባዕሉ ማለት እዩ ሓቀኛ መኣዝን ሕይወትና ክንረክብ ከምዘይንኽእል ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
ንኢየሱስ ምምሳልን ሓላፍነትካ ምጻርን!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ኣስተምህሮኦም ንኩሎም ምእመናን ክርስቶስ ዘቅረብዎ ጻውዒት ንኢየሱስ ክንመስሎን ኣሰሩ ክንስዕብን ዚብል ኮይኑ ነዚ ከኣ እታ ረዳኢት ክርስትያን ዝኾነት ድንግል ማርያም ንወዳ ክንመስልን ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ናይ ብጾትና ጸገማትን ስቃይን ሽግርን ብምትሕብባርን ብምግልጋልን ንምስታፍ ተሓግዘና እንክብሉ ተማሕጺኖም ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ደጊሞም፣