ኣብ ሥድራቤታት ሰላም ኣብ ቤተክርስትያን ከኣ ሓድነት ይኹን! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን
ኣብ መብዛሕቱኡ ኣህጉር ኤውሮጳ ወጊሑዶ ኣይወግሐን ገና ዚዓይነቱ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘኸተሎ ነዊሕ ውሸባ ቁሩብ ኣብ ምዝላቅ ዝሸባሸቡሉ ዘለው ቅዱስነቶም ስለ ሥድራቤት ንክንጽሊ ከምዚ ክብሉ ዓዲሞም።
ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ግሐ 11,1 ኰይኑ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስቶም ኣብ ክርስትና ዚኣተው ኣረማውያን ሓቢሩ ንልማድ ኣይሁድ ንሕጊ ሙሴ ብዝጻረር መንገዲ መግቦም ብምብላዑ ኣሕዋት ይወቅስዎ። ቅዱስ ጴጥሮስ ግን ከምኦም ይሓስብ ከምዝነበረ እንተኾነ ካብ ሰማይ ሰለስተ ግዜ ንዝተላእኮ መግቢ ርኹስ እዩ ኢሉ ምስ ኣበየ መንፈስ ቅዱስ ነቲ እግዚአብሔር ዝቀደሶ ንስኻ ኣይተርክሶ ስለዝበለ ብምርሒት መንፈስ ቅዱስ ከምዝገብረሮ ነጊርዎም። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ከመይ ኢሉ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣረሜን ዝነበሩ ኰይኑ ግን ብጐይታ ዝኣመኑን ዝተጠምቁን ከምዝወረደ እውን ይገልጸሎም። እዚ ታሪኽ እዚ ሎሚ እውን እንተኾነ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ኣሎ። ወትሩ ንገዛእ ርእስኻ ጻድቅ ነቶም ካልኦት ሓጥኣን ገርካ ምፍራጅን ምኩናንን ይቅጽል ኣሎ። እዚ ሕማም እዚ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ናይ ሃይማኖት ጒጅለታት ካብ ምፍጣርን ፍሉይ ሥነ ሓሳብ ካብ ምኽታልን ዝፍጠሩ እዮም። ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ኣመንቲ ካብ ሓድነት ዕግርግርን ፍልልይን እዩ ዝሰልጦም። እንተዘይመቃቂሎም እንተዘይኣዕገርጊሮም ኣይቀስኑን። ስለዚኸስ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ሎሚ እውን እንተኾነ ብመንፈስ ቅዱስ ክትምርሑ እምበር ካብ ምርሒት መንፈስ ቅዱስ ሓሳበይ ይሓይሽ ኢልና ክንደርቅ የብልና። ናይ ዕለቱ ወንጌል እውን ዮሓ 10.11 ኢየሱስ ብዛዕባ መጓሲኡ እንኪዛረብ ናይዚ መጓሰ እዚ ዘይኮና ካልኦት ኣባጊዕ እውን ኣለዋኒ ንዓኤን ከይደ ከምጸን ኣብ ሓደ መጓሰ ከምጽኤን እየ። በዚ ከኣ ሓደ መጓሰ ኣብ ትሕቲ ሓደ መጓሰ ክኾና እየን ይብል። እዚ ከኣ ጓሳ ናይ ኩሉ ከምዝኾነ ናይ ናእሽቱን ዓበይትን ናይ ሃብታማትን ናይ ድኻታትን ናይ ሕያዎትን ሓጢኣተኛታትን ጓሳ ከምዝኾነ ይገልጽ። ስለ ኩሎም መጺኡ ስለ ኩሎም ከኣ መይቱ። ወላ ነቶም ከም ናይ ኣይሁድ ኣመለኻክታ ኣረሜን ዝነበሩ ምሳኡ ዘይነበሩ ዘይኣምኑ ዝነበሩ ናይ ካልእ እምነት ተኸተልቲ እውንከይተረፈ ምእንታኦም ምእንቲ ኩሉ እዩ መጺኡ። ሓደ መድሓኒ ጥራይ እዩ ዘሎና። እቲ ቀንዲ ፈተናና ግን ኣነ ናይዚ ጉጅለ እየ ወይውን ናይቲ ካልእ ንብል። ፍልልይ ክህሉ ግድን እዩ ኣድላዪን ሕጋውን እዩ ሓድነት ቤተክርስትያን ግን ግዲ እዩ። ኩልና ሓደ ጓሳ እኳ ደኣ ሕያዋይ ጓሳ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሎና። ጐይታ ካብ መንፈስ ምምቅቃል የድሕነና ኩልና ከምቲ ጐይታ ዝብሎ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ሓደ ኰና ኣብ ትሕቲ ሓደ መጓሰ እንኾነሉ ጸጋ ይዓድለና እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።