ኣብ ሥድራቤታት ሰላም ኣብ ቤተክርስትያን ከኣ ሓድነት ይኹን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 4 ግንቦት 2020 ዓም ኣብ ዘዕረጕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ነቶም ንከባቢ ክልተ ወርሒ ኣብ ገገዛኦም ተዓጽዮም ዘለው ሥድራቤታት ብምሕሳብጐይታ ትዕግሥትን ፈጠራን ክህቦም እሞ ካብ ዓመጽ ክቑጠቡ ከምኡ ንቤተክርስትያን ሓድነት ክህብ ጸልዮም።

ዜና ቫቲካን

ኣብ መብዛሕቱኡ ኣህጉር ኤውሮጳ ወጊሑዶ ኣይወግሐን ገና ዚዓይነቱ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘኸተሎ ነዊሕ ውሸባ ቁሩብ ኣብ ምዝላቅ ዝሸባሸቡሉ ዘለው ቅዱስነቶም ስለ ሥድራቤት ንክንጽሊ ከምዚ ክብሉ ዓዲሞም።

“ሎሚ ስለ ሥድራቤታት ንጸሊ። ኣብዚ ግዜ ውሸባ ስድራ ቤት ኣብ ገዛ ተዓጽያ ብዙሕ ሓደስቲ ነገራት ክትገብር ትቃለስ ምናዳ ምስ ሕጻናት ፍልይ ዝበለ ፈጠራ የድልያ ምስ ኩሎም እውን ንቅድሚት ንምስጓም ብዙሕ ትዕግሥትን ፈጠራን የድሊ። ካልእ ጸገም እውን ኣሎ ሓንሳእ ሓንሳእ ኣብ ገዛ ዝፍጸም ቈይቊ ዓመጽ እውን ኣሎ። ኣብዚ ዘመነ ውሸባ ሥድራቤታት ብሰላም ንምቅጻል ትዕግሥትን ናይ ፈጠራ ክእለትን ክህቦም ንጸሊ።”

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ግሐ 11,1 ኰይኑ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስቶም ኣብ ክርስትና ዚኣተው ኣረማውያን ሓቢሩ ንልማድ ኣይሁድ ንሕጊ ሙሴ ብዝጻረር መንገዲ መግቦም ብምብላዑ ኣሕዋት ይወቅስዎ። ቅዱስ ጴጥሮስ ግን ከምኦም ይሓስብ ከምዝነበረ እንተኾነ ካብ ሰማይ ሰለስተ ግዜ ንዝተላእኮ መግቢ ርኹስ እዩ ኢሉ ምስ ኣበየ መንፈስ ቅዱስ ነቲ እግዚአብሔር ዝቀደሶ ንስኻ ኣይተርክሶ ስለዝበለ ብምርሒት መንፈስ ቅዱስ ከምዝገብረሮ ነጊርዎም። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ከመይ ኢሉ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣረሜን ዝነበሩ ኰይኑ ግን ብጐይታ ዝኣመኑን ዝተጠምቁን ከምዝወረደ እውን ይገልጸሎም። እዚ ታሪኽ እዚ ሎሚ እውን እንተኾነ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ኣሎ። ወትሩ ንገዛእ ርእስኻ ጻድቅ ነቶም ካልኦት ሓጥኣን ገርካ ምፍራጅን ምኩናንን ይቅጽል ኣሎ። እዚ ሕማም እዚ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ናይ ሃይማኖት ጒጅለታት ካብ ምፍጣርን ፍሉይ ሥነ ሓሳብ ካብ ምኽታልን ዝፍጠሩ እዮም። ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ኣመንቲ ካብ ሓድነት ዕግርግርን ፍልልይን እዩ ዝሰልጦም። እንተዘይመቃቂሎም እንተዘይኣዕገርጊሮም ኣይቀስኑን። ስለዚኸስ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ሎሚ እውን እንተኾነ ብመንፈስ ቅዱስ ክትምርሑ እምበር ካብ ምርሒት መንፈስ ቅዱስ ሓሳበይ ይሓይሽ ኢልና ክንደርቅ የብልና። ናይ ዕለቱ ወንጌል እውን ዮሓ 10.11 ኢየሱስ ብዛዕባ መጓሲኡ እንኪዛረብ ናይዚ መጓሰ እዚ ዘይኮና ካልኦት ኣባጊዕ እውን ኣለዋኒ ንዓኤን ከይደ ከምጸን ኣብ ሓደ መጓሰ ከምጽኤን እየ። በዚ ከኣ ሓደ መጓሰ ኣብ ትሕቲ ሓደ መጓሰ ክኾና እየን ይብል። እዚ ከኣ ጓሳ ናይ ኩሉ ከምዝኾነ ናይ ናእሽቱን ዓበይትን ናይ ሃብታማትን ናይ ድኻታትን ናይ ሕያዎትን ሓጢኣተኛታትን ጓሳ ከምዝኾነ ይገልጽ። ስለ ኩሎም መጺኡ ስለ ኩሎም ከኣ መይቱ። ወላ ነቶም ከም ናይ ኣይሁድ ኣመለኻክታ ኣረሜን ዝነበሩ ምሳኡ ዘይነበሩ ዘይኣምኑ ዝነበሩ ናይ ካልእ እምነት ተኸተልቲ እውንከይተረፈ ምእንታኦም ምእንቲ ኩሉ እዩ መጺኡ። ሓደ መድሓኒ ጥራይ እዩ ዘሎና። እቲ ቀንዲ ፈተናና ግን ኣነ ናይዚ ጉጅለ እየ ወይውን ናይቲ ካልእ ንብል። ፍልልይ ክህሉ ግድን እዩ ኣድላዪን ሕጋውን እዩ ሓድነት ቤተክርስትያን ግን ግዲ እዩ። ኩልና ሓደ ጓሳ እኳ ደኣ ሕያዋይ ጓሳ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሎና። ጐይታ ካብ መንፈስ ምምቅቃል የድሕነና ኩልና ከምቲ ጐይታ ዝብሎ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ሓደ ኰና ኣብ ትሕቲ ሓደ መጓሰ እንኾነሉ ጸጋ ይዓድለና እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

“ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ተልእኮ ቀንዩ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ደየበ ኣመንቲ ይኸስዎ። ምኽንያቱ ከኣ ኣብ ገዛ ዘይተገዝሩ ኣትዩ ምስ ኣረማውያን ብምብልዑ ሓጢኣት ፈጺሙ ዝብል ነበረ። ጽንዓት ናይቲ ሕጊ ነዚ የፍቅድ ኣይነበረን። ጴጥሮስ ግን መንፈስ ቅዱስ ስለዝመርሖ እዩ ገርዎ። እዚ ጸገም እዚ ኣብ ቤተክርስትያን ወትሩ ኣሎ ተጻይ መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ መንፈስ ስዒርዎም ንሕናን ካልኦትን ዝብል ንሕና ጻድቃን ንሶም ሓጥኣን ዝብል ምምቅቃል ዝገደደ ከኣ ንሕና ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ቅኑዓት ኢና እንተ ንሶም ድሮ ተዀኒኖም ኣብ ዝብል ፍረጃ ይብጻሕ። እዚ ሕማም እዚ ኣብ ቤተክርስትያን ካብ ጉጅለታት እምነት ምፍጣርን ካልእ ሥነ ሓሳባትን ይውለድ። ኣብ ዘመነ ኢየሱስ እንተሓሰብና ፈሪሳውያን ሰዱቃውያን ቅንኣት ሕጊ ዝነበሮም ንጹሓት ተባሂሎም ነንሕድሕዶም ዝባልዑ ንሕና ኢና ሓቀኛታት ዝብሉ ጉጅለታት እምነት ነናቶም ሓሳባት የቅርቡ ነሮም። ንኢየሱስ ከይትረፈ ምስ ሓጥኣተኛታ ይብለዕ ኣብ ገዛ መጸባሓውያን ይኣቱ እናበሉ ይኸስዎ ነበሩ። ኣብ ማሕበረክርስትያን ምምቅቃል ዘምጽእ ቀዳማይ ሕማምከስ እዛ ክሲ እዚ እያ። ካብዚ ስዒቦም ሕሳባት ዝንባሌታት ምስ ነፈሱ እንደገና ነቲ ነቃዓት ኣግፊሑ ምምቅቃል ይፈጥር ሓድነት ይጉዳእ። እቲ ቀንዲ ጸገም ካብ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ሓሳበይ እዩ ኣገዳሲ ኣነ ዝበልኵኦ ይኹን ምባል እዩ። ሓደ ዓቢይ ልሂቅ ካርዲናል ኣብ ቫቲካን ኣለው። ንሶም ብዛዕባ እዚ እንኪዛረቡ 'ቤተክርስትያን ከም ውሕጅ እያ። ገሊኦም ኣብቲ ሓደ ስግር ገሊኦም ከኣ ኣብቲ ሓደ ስግር ኣለው። እቲ ዘድሊ ኣብቲ ውሕጅ ምህላዎም እዩ` ይብሉ። እዚ እዩ ሓድነት ቤተክርስትያን ማንም ካብቲ ውሒጅ ኵወጽእ የብሉን ኩልና ኣብ ውሽጢ እቲ ውሒጅ ክንከውን ይደሊ። በብዘሎኻዮ ኣብ ውሽጢ እቲ ውሒጅ ምዃን ንሓድነት ኣየጽግሞን እኳ ደኣ ሃብቲ ይኾነ ብዙሕነት ኣብ ውሽጢ ሓድነት ማለት እዩ። ጐይታ ኸኣ ነዚ ሓድነት እዚ እዩ ዝዕድመና። ካልኦት ካብዚ መጓሰ ዘይኮና ኣለዋ ንዓኤን ከምጽኤን ሓደ መጓሰ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጓሳ ክኾና እየ ዝብሎ ኸኣ እዚ እዩ። ጐይታኸስ ኣብ ኩሉ ኲርናዕ ኣባጊዕ ኣለዋኒ ኣነ ኸኣ ጓሳ ናይ ኩለን እየ ይብለና እሎ። እዛ ኩለን ትብል ነስተውዕለላ ኣብ ማቴ 22.1 ተመልኪቱ ዘሎ ምሳሌ መርዓን ነቲ ዕድመ ዘየኽበሩን ኣብ መወዳእታ ዝኾነን ንዘክር። እቲ ዝተጸውዑን ዝተሓርዩን ካብ ኣበዩ ኪዱ ኣብ ኩሉ ኲርናዓት መንገድታት ንኩሉ ዓድሙ ይብሎም። እዛ ጓሳ ኩሉ ትብልከስ ነዚ እያ እተመልክት። ምናልባት ገሊኹም ምእንቲ እዚ እኩይ እዚውንዶ መይቱ እዩ ኢልኩም ክትፈላልዩ ትጽዕሩ እወ ስለ እዚ ክፉእ ሰብ እዚ እውን መይቱ እዩ። ጐይታ ስለ ኩሉ መይቱ። ንኩልና ብሞቱ ኣጽዲቁና እዩ። ኣድሒኑና እዩ። ምቅባሉን ዘይምቅባሉን ናትና ጉዳይ እዩ። ክርስቶስ ምእንቲ ኩሉ እዩ መይቱ። እዚ ንቅዱስ ጳውሎስ እውን የሳቅዮ ነሩ ንሰብ ቆሮንጦስ ይገንሖም `ኣነ ናይ ጳውሎስ ኣነ ናይ ኣጵሎስ እናበልኩም ትመቃቀሉስ ክርስቶስዶ ተመቃቂሉ እዩ ወይስ ብጃካኡ ስለና ዝሞተ ካልእ ኣሎ' ይብሎም። ናይ ሎሚ ንባባትከስ ካብ ክልተ ነገራት ክንጥንቀቅ ይዕድሙና። እቲ ቀዳማይ ቅዱስ ጴጥሮስ መንፈስ ቅዱስ መሪሕዎ ኣብ ገዛ ኣረመን ኣትዩ ብምብላዑ ሕጊ ሙሴ ኣፍሪስካ ተባሂሉ ዝተኸሰሉ ነታ ኢየሱስ ኣነ ጓሶ ኩሉም እየ እትብል ኣብ ካልኣይ ንባብ ዘላ ስለዘፍርስ ብዝለዓለ ከኣ ነታ ንሱ ንባዕሉ ስለ ሓድነት ክርስትያን ዝገበሮ ጸሎት ሓደ መጓሰ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጓሳ ንምዃን እዩ። ጐይታ ካብ ዝመቃቅል ሓሳባት ይሰውረና ንሕና ኩልና ኣብ ትሕቲ ሓደ ጓሳ ዘሎና መጓሰ ኰና ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ንነብረሉ ጸጋ ይሃበና። ንሎሚ እዛ ኩልና ንኩልና ንኩሉ እትብል ቃል ነስተንትና ኢየሱስ ስለኩሉ መይቱ ድሕነቱ ንኩሉ እዩ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
04 May 2020, 10:40
ንኩሉ ኣንብብ >