ድለ

ኣመሓደርትን መራሕቲ ፖሎቲካን ሊቃውንትን ንሕዝቢ ዝጠቅም እምበር ንመኽሰብ ዘይኮነ ፍታሕ ክረኽቡ ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

ኣብ ጽባሕ በዓለ ትንሣኤ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብቲ ካብ ዕለት 9 መጋቢት 2020 ጀሚሮም ወግሔ ጸብሔ ስለ ኩሉ ዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ነዚ ብለበዳ ኮቪድ 19 ዝሰዓበ ቅልውላው ዝኸውን ንኩሉ ሕዝቢ ዘርብሕ ፍታሕ ምእንቲ ክረኽቡ ስለ ኣመሓደርትን ሊቃንቲ ሥነፍልጠትን ንጸሊ እንክብሉ ምስ ተማሕጸኑ ኣብ ስብከቶም እቲ ምርጫ ኣብ መንጎ ምድሓን ሕይወት ሕዝብን መኽሰብ ክትረክብ ገንዘብ ምእካብን ስለዝኾነ እንተደኣ ንገንዘብ መሪጽና መንገዲ ጥሜት መንገዲ ባርነት መንገዲ ውግእ ኰይኑ ሸቀጥ ኣጽዋርን ቆልዑት ብዘይትምህርትን ይበዝሑ። ጐይታ ሠናይ ነገር ሕዝብና ንምምራጽ ጸጋኡ ይዓድለና ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ኣብ ጥርሑ ዝኾነ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስን ጸሎታት ሳልስቲ በዓለ ትንሣኤ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካውት ቤተክርስትያን ፈጺሞም ሎሚ ሰኑይ ዕለት 13 ኣብቲ ልሙድ ናይ ንግሆ ንግሆ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ተመሊሶም ቅድሚ ቅዳሴ ስለመንመን ከምዝጽልዩ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“ሎሚ ስለ እቶም ካብዚ ለበዳ ሕማም መውጽኢ ዝኸውን መንገዲ ከጽንዑን ድሕሪኡ ክግበር ንዝለዎ መደባት ክሕንጽጹን ዝጽዕሩ ዘለው ኣመሓደርትን ሊቃውንቲ ሥነጥበብን ፖሎቲካውያንን ጐይታ ቅኑዕ መንገዲ ንክረኽቡ ጠቅሚ ሕዝቦም ዘቀድሙሉ ወትሩ ጠቅሚ ሕዝቦም ዘቀድሙሉ ቅኑዕ ፍታሕ ንክረኽቡ ንጸሊ ኢሎም።”

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ማቴ 28.8-15 ኰይኑ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ንገሊኤን ኣንስቲ ተራእዩ ንኣርድእቱ ናብ ገሊላ ሓሊፎም ክጽበይዎ ኣብኡ ከምዝርእይዎ ገሊጹ እቶም ዝሰቀልዎ ሊቃነ ካህናት ነቲ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ክትንሥእ እዩ ዝበሎ ዘኪሮም ናብ ኣመሓደርቲ ከይዶም ዘድሊ ሓለዋ ክግበር እኳ እንተተፈቅደሎም መቃብር ጥርሑ ምስ ተረኽበ ግን ነቶም ዝሕልው ዝነበሩ ጉቦ ሂቦም ኣርድእቱ ለይቲ ደቂስና እንከሎና ሰሪቆሞ ኢልኩም ኣውርዩ ዝበልዎ ዝትርኽ ነበረ። ቅዱስነቶም እዚ ኩነት እዚ ሎሚ ኣባናውን ከምዘጋጥም ኣብ መንጎ ተስፋ ትንሣኤ ክርስቶስን ናፍቆት መቃብርን ክንመርጽ ይሓተና። በዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ለበዳ ለብዒ ሕማም እውን ፍታሕ ሃሰስ ክንብል ማለት እቲ ምርጫ ኣብ መንጎ ሕይወት ምድሓንን ገንዘብ ምኽዕባትን ይጸሪ። ገንዘብ ምኽዕባት እንተተመሪጹ ንብዙሓት ክተጥሚ ናብ ደልሃመት ባርነት ክትሸምም ውግእ ንክለዓል እሞ ሸቀጥ ኣጽዋር ውግእ ንክተደንፍዕን መኽሰብካ ጥራይ ክትሓስብን ሕጻናት ብዘይ ምንም ትምህርትን ክተጥሪ ኢኻ እዚ ከኣ ምርጫ መቃብር እዩ። ክንዲ ሕይወት መቃብር ምምራጽ። ጐይታኸስ ንሕዝቢ ዝጠቅም ሰናይ ነገር ንምምራጽ ጸጋኡ ይዓድለና ናብ ምርጫ መቃብር ዝኾነ ገንዘብ ከይንወድቅ ይሰውረና እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

“ናይ ዕለቱ ወንጌል ሓደ ምርጫ የቅርበልና! እዚ ምርጫ እዚ ከኣ ንምሉእ መዋዕልና ዘሰንየና ዕለት ዕለት ክንገብሮ ዘሎና ምርጫ እዩ። እቲ ምርጫ ኣብ መንጎ ሓጐስ ማለት ተስፋ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ሃሰስ ምባልን ናፍቆት መቃብር ሒዝካ ኣብኡ ምጥባቅን እዩ። እተን ኣንስቲ ብሥራት ትንሣኤ ከብጽሓ ይጐያ (ማቴ 28.8) ጐይታ ኩሉ ግዜ ብኣንስቲ ይጅምር። ንሰን መንገዲ ይኸፍታ ኣይጠራጥራን ንኩሉ ይፈልጣ ከመይ ርእየንኦ ተንኪፈንኦ እየን። ነቲ ባዶ መቃብር እውን ርእየን እየን። ርግጽ እዩ እቶም ኣርድእድእቲ ክኣምንወን ኣይከኣሉን `እዘን ኣንስቲ ቊሩብ ሃለፍታ ሒዝወን ኣሎ' እውን ኢሎም። ምጥርጣራቶም ነርዎም። እንተ ንሰን ግን ርግጸኛታት ነረን እቲ ኢየሱስ ተንሢኡ እዩ ዝብል ብሥራት ክሳብ ለይቲ ሎሚ ከኣ ከምኡ እዩ ዘሎ ኢየሱስ ኣብ መንጎና ኣሎ። ስዒቡ ዝመጽእ ዓቢ ጸገም ከኣ ኣሎ ጥርሑ ዘሎ መቃብር ብዙሕ ጸገማት ይፈጥር። ነዚ ሓቂ እዚ ንምሽፋን ብዙሕ ይግበር። ወትሩ ከምዘጋጥም ንጐይታ እንተዘይኣገልጊልካ ብርግጽ ነቲ ካልእ ኢኻ ተገልግል ንገንዘብ፣ ነት ጐይታ ኣብ ወንጌሉ ንክልተ ጐይቶት ክትገልግሉ ማለት ንእግዚአብሔር ንገንዘብን ክተገልግሉ ኣይትኽእሉን ዝበሎ ንዘክር። ካብ ጉዳይ ባዶ መቃብር ንኽላቀቁ ሊቃነ ካህናት ምስ ሊቃውንቲ ሕጊ ገንዝብ ምኽፋል ይመርጹ ነቲ ነዚ ኩነት ክሕልው ዝተመዙ ሱቊ ክብሉ ገንዘብ ይወሃቦም (ማቴ 28.12-13)። ንመሰኻኽር ሱቊ ክተብል ዝኽፈል ጉቦ። ካብቶም ሓለውቲ ግን እቲ ሓለቃ ኣብ ግዜ ሞት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ 'እዚ ሰብእዚ ብሓቂ ወዲ እግዚአብሔር እዩ' (ማር 15.39) ኢሉ መስኪሩ ነሩ። እዞም መሻኺን እዚኦም ዝርድኡ ኣይመስሉን ናይ ሕይወት ፍርሂ ነርዎም ስለዝኾነ ከኣ ናብ ሊቃነ ካህናትን ሊቃውንቲ ሕግን ከይዶም ዝኾነ ኩሉ ነጊሮሞም። እንተ እቲኦም ዘይተኣደነ ገንዘብ ከፊሎም ሱቊ በሉ ኢሎሞም ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን እዚ ጉቦ ጥራይ ኣይኮነን እዚ ብልሽውና ሙስና እዩ። እንተደኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ እዩ ኢልካ ክትምስክር ዝጽግመካ ኰይኑ ገለ ምኽንያት ኣሎ እዚ ከኣ መዕጸዊ መቃብር ዝኾነ ዓቢ ብልሽውና ኣሎ ማለት እዩ። ርግጽ እዩ ብዙሓት ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ እዩ ኢሎም ክምስክሩ ኣይክእሉን ከመይ ኣይፈልጥዎን እዚ ከኣ ንሕና ኣነጺርና ኣይሰበኽናሎምን ማለት እዩ እዚ ከኣ ናትና ጒድለት እዩ። እንተኾነ ኩሉ ንጹር ኣብ ዘለወሉ ኩነታት ሱቚታ እንተተመሪጹ ብልሽውና ኣሎ ማለት እዩ። ገንዘብ ትቅበል ሱቕ ጥርቅም ይኸውን። ሎሚ እውን እንተኾነ ኣምላኽ ነዚ ሕማም እዚ ቀልጢፉ የወግደልና እዚ ሕማም እዚ ምስ ተወገደ ተመሳሳሊ ብልሽውና ከጋጥም ይኽእል እዩ። ምርጫና ኣብ መንጎ ሕይወት ማለት ንትንሣኤ ሕዝብና ዝብልን ኣይፋል ንመኽሰብ ንገንዘብ ናብ መቃብር ጥሜትን ባርነትን ውግእን ኣጽዋር ውግእ ምፍራይን ንሕጻናት ትምህርቲ ናብ ምንፋግን ዝብልን እዩ። ኣብ ግላዊ ሕይወትናስ ይኹን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወትና ንብሥራት ትንሣኤ እንመርጸሉ ጸጋ ክዕድለና በዚ ከኣ ሠናይ ነገር ናይ ሕዝብና ክንመርጽ እምበር ኣብ ፈተና መቃብር ገንዘብ ከይንወድቅ ይሓልወና።”

ብድምጺ ንምክትታል!
13 April 2020, 09:29
ንኩሉ ኣንብብ >