ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስለ እሱራት ይጽልዩ ስለ እቶም ገጽታ ኢየሱስ ዝኾኑ ድኻታት ከኣ ይሓስቡ!
ዜና ቫቲካን
ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ትማሊ ሰንበት በዓለ ሆሳዕና ብዘይንቡር ኣብ ባዶ ኣብያተክርስትያን ኣብ ገገዛኻ ብመስኮት ተለቪዥንን ካልእ መራኸቢ ብዙሓንን ብኣግራሞት ቅድሚ ሕጂ ዘይኮነ ድሕሪ ሕጂ እውን ኣይግበሮ ብዝብል ሃረርታ ብመንፈስ በዓለ ሆሳዕና ከምዘኽበረት እንክምልከት ሎሚ ሶሙነ ሕማማት ጀሚራ። ቅዱስነቶም እዚ ጸገም እዚ ካብ ዝገሃድ ጀሚሮም ዕለት ዕለት ብመስኮት ተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን እናተቀልቀሉ ዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሎሚ እውን ስለ እቶም ብዙሓት ዘንጊዖሞም ዘለው ግን ከኣ ብጽቅጥቅጥን ካልእ ጸገማትን ቀንዲ ተኣፈፍቲ ግዳይ ናይዚ ለበዳ ዝኾኑ ኣብ ፈቀዶኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ስለዝርከቡ እሱራት ከምዝጽልዩ መኽፈቲ ቅዳሴኦም ከምዚ ክብሉ ኣጋዊሖም።
ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ወንጌል ዮሓንስ 12 ዝተወስደ ኰይኑ ማርያም ሓውቲ ኣልኣዛር ንኣእጋር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብክቡር ሽቶ ገራ ክትደርዞን ብጸጒራ ክትደርዞን ዝረኣዩ ኣይሁድ ክዕንቀፉ ይሁዳ ከኣ እዝስ ተሸይጡ ንድኻታትዶ እምበይምኾነን ክብል ጐይታ ግን ንቀብሩ ከምዝገበረቶን ድኻታት ወትሩ ምሳና ከምዘለውን ይገልጽ። ይሁዳ ነዚ ዝበለ ይብል ዮሓንስ ወንጌላዊ ድኻታት ዓጢጦሞ ዘይኮነስ ተሓዝ ገንዘብ ስለዝነበረ ክሰርቅ ደልዩ እዩ ይብል። ቅዱስነቶም ነታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ `ድኻታትሲ ወትሩ ምሳኹም ኣለው` ንእትብል ቃል መንቀሊ ብምግባር ሎሚ ከም ሎሚ እውን ሕፍረት ጐልቢብዎም ተሓቢኦም ዘለውስ ይኹኑ ብግህዶ እንርእዮም ድኻታት ንዓለምና መሊኦማ ኣለው። ንሕና ግን ብሸለልትነትን ንኣይ ይጥዓመኒ ብዝብል መንፈስን ስለዝዖርና ክንርእዮም ንኽእል የሎናን። ብዙሓት ድኻታት ፍትሒ ብዝጐዶሎ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ኣማሓድራ ዓለምና ይሳቀዩ ኣለው። ብዙሓት ድኻታት ብሕፍረት ተጐቢኦም ተተሓቢኦም ኣብ ናይ ካሪታስ መመገብን ረድኤት ዝረኽቡሉን ይኸዱ ኣለው። እንተኾነ ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብታ መወዳእታ ፍርዲ መምዘኒና እዞም ድኻታት እዚኦም እዮም ከመይ ኢየሱስ ንሓደ ነዞም ድኻታት ዝገበርናዮ ንዓዑ ከምዝገበርናዮ ብምግላጽ ድኻታት ገጽታ ናቱ ከምዝውክሉ ይገልጽ ብማለት ነዚ ዝስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።