ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስለ እሱራት ይጽልዩ ስለ እቶም ገጽታ ኢየሱስ ዝኾኑ ድኻታት ከኣ ይሓስቡ!

ዓለም ብዓለሙ እግዚኦ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝጀመርዎ ስለ ኩሉ ዓለም ምጽላይን ንግሆ ንግሆ ብመራኸቢ ብዙሓን መላእ ዓለም ዝሳተፎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምዕራግን ቃል ኣምላኽን መጸናንዒ ቃላቶም ዘስምዑሉን ኣገባብ ብምቅጻል ሎሚ ሰኑይ ዕለት 6 ሚያዝያ 2020 እውን ስለ እቶም ልዕሊ ዓቀን ኣብ ዝተፈላለየ ቤትማእሰርታት ተጸፍጺፎም ዘለው እሱራት እንክጽልዩ ኣብ ሓላፍነት ዝርከቡ ሰባት ፍታሕ ክደልዩ ብምትሕስሳብ ኣብ ዓለምና ብዙሕ ኣድህቦ ዘይረኽቡ ድኻታት ብፖሎቲካውን ቁጠባውን ፍትሒ ብምጉዳል ዝሳቀዩ ክንዝክር እሞ ኣብ መወዳእታ ዓለም ፍርድና ምስ ድኻታት ብዘሎና ርክብ ምዃኑ ንዘክር ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ትማሊ ሰንበት በዓለ ሆሳዕና ብዘይንቡር ኣብ ባዶ ኣብያተክርስትያን ኣብ ገገዛኻ ብመስኮት ተለቪዥንን ካልእ መራኸቢ ብዙሓንን ብኣግራሞት ቅድሚ ሕጂ ዘይኮነ ድሕሪ ሕጂ እውን ኣይግበሮ ብዝብል ሃረርታ ብመንፈስ በዓለ ሆሳዕና ከምዘኽበረት እንክምልከት ሎሚ ሶሙነ ሕማማት ጀሚራ። ቅዱስነቶም እዚ ጸገም እዚ ካብ ዝገሃድ ጀሚሮም ዕለት ዕለት ብመስኮት ተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን እናተቀልቀሉ ዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሎሚ እውን ስለ እቶም ብዙሓት ዘንጊዖሞም ዘለው ግን ከኣ ብጽቅጥቅጥን ካልእ ጸገማትን ቀንዲ ተኣፈፍቲ ግዳይ ናይዚ ለበዳ ዝኾኑ ኣብ ፈቀዶኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ስለዝርከቡ እሱራት ከምዝጽልዩ መኽፈቲ ቅዳሴኦም ከምዚ ክብሉ ኣጋዊሖም።

“ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለምና ዝርከብ ዓቢ ጸገም የተሓሳስበኒ። ሎሚ ኩልና ስለ እቲ ዓቢ ጽቅጥቅጥ ኣጓኒፍዎም ዘሎ ኣብያተ ማእሰርቲ ክንጽሊ ምደለኹ። ጽቅጥቅጥ ኣብ ዘለዎ ብዙሕ ሰብ ኣሎ ኣብዚ ለበዳ ለብዒ ሕማም ወሪሩሉ ኣብ ዘሎ ግዜ ከኣ ዓቢ ሓደጋ እዩ ሳዕቤኑ ጥፍኣት እዩ። ስለእቶም ኣብ ሓላፍነት ዝርከቡ እውን ንጸሊ! ቅኑዕ መንገዲ ፍትሒ ረኺቦም ነዚ ጸገም እዚ ፍትሕ ክረኽቡን ቅኑዕ ውሳኔታት ክገብሩን እግዚአብሔር ከብርሃሎም ንጸሊ ኢሎም።”

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ወንጌል ዮሓንስ 12 ዝተወስደ ኰይኑ ማርያም ሓውቲ ኣልኣዛር ንኣእጋር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብክቡር ሽቶ ገራ ክትደርዞን ብጸጒራ ክትደርዞን ዝረኣዩ ኣይሁድ ክዕንቀፉ ይሁዳ ከኣ እዝስ ተሸይጡ ንድኻታትዶ እምበይምኾነን ክብል ጐይታ ግን ንቀብሩ ከምዝገበረቶን ድኻታት ወትሩ ምሳና ከምዘለውን ይገልጽ። ይሁዳ ነዚ ዝበለ ይብል ዮሓንስ ወንጌላዊ ድኻታት ዓጢጦሞ ዘይኮነስ ተሓዝ ገንዘብ ስለዝነበረ ክሰርቅ ደልዩ እዩ ይብል። ቅዱስነቶም ነታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ `ድኻታትሲ ወትሩ ምሳኹም ኣለው` ንእትብል ቃል መንቀሊ ብምግባር ሎሚ ከም ሎሚ እውን ሕፍረት ጐልቢብዎም ተሓቢኦም ዘለውስ ይኹኑ ብግህዶ እንርእዮም ድኻታት ንዓለምና መሊኦማ ኣለው። ንሕና ግን ብሸለልትነትን ንኣይ ይጥዓመኒ ብዝብል መንፈስን ስለዝዖርና ክንርእዮም ንኽእል የሎናን። ብዙሓት ድኻታት ፍትሒ ብዝጐዶሎ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ኣማሓድራ ዓለምና ይሳቀዩ ኣለው። ብዙሓት ድኻታት ብሕፍረት ተጐቢኦም ተተሓቢኦም ኣብ ናይ ካሪታስ መመገብን ረድኤት ዝረኽቡሉን ይኸዱ ኣለው። እንተኾነ ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብታ መወዳእታ ፍርዲ መምዘኒና እዞም ድኻታት እዚኦም እዮም ከመይ ኢየሱስ ንሓደ ነዞም ድኻታት ዝገበርናዮ ንዓዑ ከምዝገበርናዮ ብምግላጽ ድኻታት ገጽታ ናቱ ከምዝውክሉ ይገልጽ ብማለት ነዚ ዝስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

“ናይ ዕለቱ ወንጌል 'ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ ብየሱስ ይኣምኑ ነበሩ እሞ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ንኣልኣዛር ድማ ኪቐትልዎ ተማኸሩ` ብዝብል ሓረግ ይዛዘም። ኣብ ዝሓለፈ ኣስተንትኖና እቲ ፈተናታት ከመይ ኢሉ ቀስ ብቀስ ከምዝተጐሃሃረ ክሳብ ብእምኒ ክ ወግርዎ ኣእማን ምልዓሎም ንኢየሱስ ክቀትልዎ ምድላዮም ርኢና ሎሚ ከኣ ነቲ ንሱ ካብ ምውታን ዘተንሥኦ ኣልኣዛር እውን ክቀትልዎ ይደልዩ ከመይ ምስክር ሕይወት ስለዝነበረ። ብዝኾነ ኣነ ሎሚ ኣብ ሓንቲ ቃል ኢየሱስ ከተኩር ምደለኹ። በዓለ ፋሲካ ክንገብር ሽድሽተ መዓልቲ ተሪፉና ኣሎ። ሎሚ ኣብ ድርኲዂት ሕማት ኣሎና። ኣብዚ ዕለት እዚ እዩ እምበኣር ማርታ ክተገልግል ላዕልን ታሕትን ክትብል ማርያም ሓፍታ ከኣ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ኰይና እናሰምዔትን እናኣስተንተነትን እግሩ ብዓቢ ናይ ምፍናው ሓዘን ክቡር ሽቶ ትደፍኣሉ። ዓቢ ኣፋፈት ኣስተንትኖ ተርሑ እንተ ይሁዳ ንድኻታ ዘይኮነ ልቡን ቀልቡን ኣብቲ ገንዘብ ብምግባር የስተንትን። ነዚ ዮሓንስ ወንጌላዊ 'እዚ ዝበለ፡ ሰራቒ ስለ ዝዀነ እዩ እምበር፡ ንድኻታት ሐልዩሎም ኣይኰነን። ማሕፉዳ ምስኡ ነበረ፡ ካብቲ ኣብኡ ዝኣተወውን የልዕል ነበረ' እንክብል ኣብ ኁልቊ 6 ይገልጾ። እዚ ናይ ዘይእሙን ኣመሓዳሪ ታሪኽ ወትሩ እዩ ዝደጋገም ኣብ ዝተሓተ ምሕደራስ ይኹን ኣብ ዝለዓለ ምሕደራ ሎሚ እውን ኣሎ። ካልእስ ይትረፍ ብዛዕባ ገሊኤን ናይ ረድኤት ማሕበራት እሞ ንሕሰብ እዚ ብስም ረድኤት ዝቆመ ማሕበራት ብዙሕ ሠራሕተኛታት ውሃ ዘበል ትሕተ ቅርጺ ሒዛ ናብቶም ድኻታት እንተበጽሔ 40% ኣቢሉ ይዕደል ከመይ እቲ 60% ንደሞዝ ይበሃል። እዚ ሓደ ካብቲ ኣኣላፍ መንገድታት ገንዘብ ድኻታ ንምውሳድ እንጥቀመሉ እዩ። እንተኾነ እታ ኢየሱስ `ድኻታትስ ወትሩ ምሳኹም ኣለው' እትብል መልሲ እስከ ነስተንትና። እኳ ደኣ ብዙሓት ድኻታት ንርኢ ኣሎና። ዘይረኣዩ ብሕፍረት ተሓቢኦም ዘለው ድኻታት እውን ካብኦም ዘይውሕዱ እዮም። ነቶም ዝረኣዩስ ይኹን ዘይረኣዩ ከኣ ኣይነቅልበሎምን ዳርጋ ኣይርእዮምን ከመይ ሸለልትነትን ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ስምዒትን ኣሸኒፉና ዳርጋ ድኻታት የለውን ኢልና ምናልባት ገለ ንጣር ክንብል ንኽእሕዶ ወይውን ነስተዋሕዶ። እንተ እቲ ሓቂ ግን ኣብ ዓለምና ሎሚ ብዙሓት እኳ ደኣ ብጣዕሚ ብዙሓት ድኻታት ኣለው። በቲ ካልእ ጐድኑ ከኣ ዋላ ምህላዎም እኳ እንተዘይከሓድና ከም ሽልማት ሓንቲ ከተማ ገርካ ብምሕሳብ ክሳብ ሓውልታት ድኻታት ምህናጽ ከኣ ይረኤ። እቲ ዝዓበየ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ድኻታት ግን ፖሎቲካውን ቊጠባውን ፍትሒ ምጒዳል ኰይኑ ከምቲ ጸብጻባት ዘመልክቶ ኣብ ኢድ ቁሩባት ሃብታማት ዘይተኣደነ ሰልዲ እንክህሉ ኣብ ኢድ እቶም እልፊ ኣእላፋት ዝኾኑ ድኻታት ግን ጥር ትብል ሳንቲም እውን ዘይምህላው እዩ። እዚ ድኽነት እዚ ከኣ ብዙሓት ድኻታት ግዳይ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ምሕደራውን ፍትሒ ምጒዳል ብዓለምለኸ ደረጃ የመልክት። እቲ ዘሕዝን ወላውን ቊሩብ ደሞዝ ዘለዎም ድኻታት ሠራሕተኛታት ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ደሞዝ ዝበጽሖም ክጻወርዎ ስለዘይክእሉ ብሕፍረት ተዋሒጦም እንተስ ጸልማት ተጐልቢቦም እንተስ መንነቶም ሓቢኦም ኣብ ፈቀዶ ናይ ካሪታስ ረድኤት ዝዕደሎ ካብ መግቢ ክሳብ ክዳንን ካልእ ኣስበዛን ክልምኑ ይረኣዩ። ኣብዚ እታ ናይ ጐይታ ቃል `ድኻታት ወትሩ ምሳኹም ኣለው` እትብል ቅጅል ትብለካ። እንተኾነ ኣብ ሕልናና ምልስ ኢልና ኣነ ነዞም ድኻታት እዚኦም እርእዮምዶ! ድኻታት ኣብ ከባቢየይ ከምዘለው ይስቈረንዶ! ልዕሊ ኩሉ ከኣ እቶም ብሕፍረት ተዋሒጦም ግን ብድኽነት ዝሕቀዩ ዘለው ኣስተውዕለሎምዶ! ክሳብ ደሞዝ ናይ መወዳእታ ወርሒ ክበጽሑ ዝጽገሙ አስተውዕለሎምዶ ኢልና እስከ ንሕሰብ። ኣብ ብወነስ ኣየርስ እንከሎኹ ሓደ ግዜ ሓደ ፋብሪካ ዝነበረ እሞ ዝተሓድገ ፍርስራስ ህንጻ ነበረ ገሊኦም መጺኦም ከኣ ኣብቲ ፍርስራስ ገዛውቲ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ሓደ 15 ዝኾኑ ሥድራቤታት ይነብሩ ኣለው ኢሎምኒ። ንክርኢ ከይደ። ምስ ሕጻናት ዘለው ሥድራቤታት ነቲ ዑና ፋብሪካ ተመቃቂሎም ነፍሲወከፎም ገለ ጽቡቅ ናይ ገዛ ንብረት ተለቪዥን ዝሓዙ ደሓን ንብረት ዝነበሮም ይመስሉ ኰይኑ ክራይ ገዛ ክኸፍሉ ብዘይምኽኣሎም ንብረቶም ጠርኒፎም ኣብቲ ዖን ምስ ደቆም ይነብሩ ነሮም። ክራይ ገዛ ክኸፍሉ ዘይክእሉ ሓደስቲ ድኻታትከስ ናብኡ ይኸዱ ነሮም። እዚ ፍትሒ ዝጐደሎ ቊጠባዊ ምሕደራ ዘስዓቦ ነበረ። ብዙሓት ከምኦም ዚኣመሰሉ ኣብ መወዳእታ ዓለም ሚዛን ፍርድና ዝኾነ መሊኦም ኣለው። ከመይ ሽዑስ ይኹን ሕጂ ኣብ ሕልናና ኢየሱስ ዘቅርበልና ሕቶ ምስ ድኽታት ርክብካ ከመይ ነበረ! ዝብላዕዶ ሂብካዮም! ምስ ተኣስሩኸ ገለ በጺሕካዮምዶ! ኣብ ሆስፒታል ዘለው ሕሙማትከ ገለ ኣይበጻሕካዮምን! ገለ ሓንቲ መበለት ወይውን ዘኽታም ኣይሓገዝካንዶ! ከመይ ኣብቲ ቦታ እቲ ኣነ ኣብኡ ነረ` ክብለና እዩ። በዚ ከኣ ኢና ክንፍረድ። በቲ እንነብሮ ናይ ቅንጦት መንባብሮ ወይውን እንገብሮ ጒዕዞን ነካይዶም ኣኼባታትን ኣይኮናን ክንፍረድ። ምስ ድኻታት ብዝነበረና ርክብ ኢና ክንፍረድ። ሎሚ ከም ሎሚ ንድኻታት ሸለል እንተኢላን ጐሲናዮም እንተሓሊፍና ዝገደደ ከኣ የለውን ክሳብ ምባል እንተበጺሕና ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ጐይታ ከምኣ ክገብረና እዩ። ስለዚኸስ ጐይታ ኢየሱስ `ድኻታት ወትሩ ምሳኹም ኣለው` ክብለና እንከሎ ኣነ ወትሩ ምሳኹም ኣሎኹ እዩ ዝብለና ዘሎ። እዚ ኮሙኒስታ ምዃን ኣይኮነን ሕመረት መልእኽቲ ወንጌል እዩ። በዚ ከኣ ኢና ክንፍረድ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
06 April 2020, 11:40
ንኩሉ ኣንብብ >