ድለ

ስለ ሓድነት ኤውሮጳን ስለ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ንግሆ ንግሆ ካብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ ምስ ቁሩባት ሰባት ብተለቪዥንን ብመራኸቢ ብዙሓንን ናብ ምሉእ ዓለም ዘቅርብዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 29 ሚያዝያ 2020 ዓም ስለ ሓድነት ኤውሮጳ ኣቅሪቦም ኣብ ስብከቶም ካብ ዘረባን ሓሳብን ሓሊፍና ተግበርቲ እንኾነሉ ጸጋ ንለምን ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ በዓል ቅድስት ካተሪና ዘስየና እንክትዝክር እዚኣ ድንግልን ሊቅ ቤተክርስትያንን ዝኾነት ቅድስት ጠበቃ ኤውሮጳ እውን ብምዃና ቅዱስነቶም ስለ ሓድነት ኤውሮጳ ንክንጽሊ ከምዚ ክብሉ ኣብ መባእታ ቅዳሴ ኣዘኻኺሮም።

“ስለ ኣህጉር ኤውሮጳ ንጸሊ! ስለሓድነት ኤውሮጳ ንጸሊ! ነፍሲወከፍ ነባሪ ኤውሮጳ ከም ሓውን ሓፍትን ብሓብር ንቅድሚት ንኽግስግሱ ስለ ኤውሮጳዊ ሕብረት እውን ንጸሊ።”

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ 1ዮሓ 1.5 ዝተወስደ ኰይኑ 'እግዚኣብሔር ብርሃን ምዃኑን ኣብኡ ኸኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከም ዜብሉን፡ እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘሎና መልእኽቲ እዚኣ እያ። ምስኡ ሕብረት አሎና፡ ኢልናስ ኣብ ጸልማት እንተ ተመላለስና፡ ንሕሱ፡ ሓቂውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና። ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት አሎና፡ ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሓና እዩ። ሓጢኣት የብልናን፡ እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ አሎና፡ እታ ሓቂውን ኣባና የላን። ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኪብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ። ሓጢኣት ኣይገበርናን፡ እንተ በልና፡ ሓሳዊ ንገብሮ፡ ቃሉውን ኣባና የሎን' ዝብል ይርከቦ። ክምኡውን ናይ ዕለቱ ወንጌል ማቴ 11.25 'ዎ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ እዚ ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሐባእካዮ፡ ንሕጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ ኤመስግነካ አሎኹ' ዝብል ይርክቦ። ቅዱስነቶም ካብዚ ብምብጋስ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

“ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ዮሓንስ ብዙሕ ንጽጽር ኣሎ። ኣብ መንጎ ብርሃንን ጸልማትን ኣብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን ኣብ መንጎ ሓጢኣትን ንጽሕናን ዘሎ ፍልልይ ብመልክዕ ንጽጽር የቅርበልና። በዚ ከኣ ወትሩ ሓቀኛታት ክንከውን ጭቡጥ ነገር ክህልወና እምበር ምስ ኢየሱስ ኣሎኹ እናበልና ግብርና ጸልማት እንተኾነ ዘይከውን እዩ ከመይ ንሱ ብርሃን ስለዝኾነ ግብሪ ጸልማት ቦታ የብሉን። ሓዲኡ ክትሕዝ ግድን እዩ ኣብ መንጎ ብርሃንን ጸልማትን ጽልግልግ ዝብል ጨዓይ ዝኾነ ኩነት ምናልባት ኣብ ክልቲኡ ዘሎኻ ኰይኑ ክስመዓካን ክትቀስንን ይከኣል። እንተኾነ እዚ ከምዚ ዓይነት ኣቍዋም ናይ ክድዓት ኣቍዋም እዩ። ሓዲኡ ምሓዝ የድሊ ወይ ብርሃን ወይ ጸልማት ሓዝ። ሓዋርያ ዮሓንስ ቀጺሉ ሓጢኣት የብልናን እንተበልና ንሕሱ ሓቂ እውን ኣባና የላን ይብለና ከመይ ኩልና ሓጢኣተኛታት ስለዝኾና። ኣብዚ ግን ካልእ ሓደጋ እውን ኣሎ። ዒራ ኩልና ሓጢኣተኛታት እናበልካ ደሓንዶ ውዒልካ ደሓንዶ ሓዲርካ እትብል ክትመስል ክትደጋግሞን ሓቀኛ ስምዒት ሓጢኣት ክትጠፍእን ዝገደደ ክሕደት እዩ። ሓጢኣትና ቁጽሩን ዓይነቱን ፈሊጥና ኣነ ሓጢኣተይ እዝን እዝን እዩ ክብል ክኽእል ኣሎና። ሓቂ ኣባና ክትህሉ እንተዀይና ዝጭበጥ ነገር ክህልወና የድሊ። ሓሶት ከም ንፋስ እዩ ዝጭበጥ ነገር የብሉን። ሓጢኣትካ ብሃሰሰ ለባም ክትናዘዝ ዘይከኣል እዩ፣ ከም ሓደ ናይ ሓሳብ ነገር ተቈጢዔ ሓስየ ወዘተ እናበልካ ብዘይ ምንም ጣዕሳ ናይ ሓጢኣት ስምዒትን ምቊጻር ዋጋ የብሉን። ቅድሚ ዝኣገረ ሓጢኣተኛ እየ በዲለ እየ ዝብል ክስቈረካ ካብኡ ኣነ እዚ ብምፍጻም ሓጢኤ በዲለ ምባል የድሊ። ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ኢየሱስ ኦ ጐይታ ሰማይን ምድርን ዝኾንካ ኣቦይ ነዚ ነገራት እዚ ካብ ጥበበኛታትን ሊቃውንትን ሰዊርካ ንናእሽቱ ስለዝገልጽካዮ አመስግነካ ኣሎኹ ይብል። እዚ ዝገልጸልና እንተልዩ ናኣሽቱ ንጹሓት ዝኾኑ ሕጻናት ከምዚ ናትና ጥውይውይ ከይበሉ ጭቡጥ ዝኾነ ነገር እዮም ዝዛረቡን ዝገብሩን እምበር ንፋስ ዝኾነ ዝጭበጥ ዝተሓዝ ዘይብሉ ነገር ኣይዛረቡን። ብግህዶ ነቲ ነገራት ከምዘሎ ስለዘቅርብዎ ሓንሳእ ሓንሳእ ክሓብኡ ንገንሖም ወይውን ምቅባሎም ይኸብደና ከመይ እቲ እግዚአብሔር ዝገልጸሎም ንጽሕና ስለዝውንኑ። ኩሉ ግዜ ትዝ ዝብለኒ ጉዳይ ሓደ ሕጻን ኣሎ። ምስ ሓውትኖኡ ስለዝተባእሰ ብዘይመጠን ከምዝሓዘነ ክነግረኒ ይመጽእ። ኣነ ኸኣ ዋእ እንታይ ደኣ ገርካ እብሎ። ኣነ ኣብ ገዛ ነረ ኲዕሶ ክጻወት ክኸይድ ደልየ ኣደይ ኣብ ገዛ ኣይነበረትን ሓውትኖይ ከኣ ንስኻ ካብ ቤት ኣይተወጽእን ኢኻ ዕዮ ገዛኻ ክትሠርሕ ኣሎካ ኢላትኒ። ክንከራኸር ምስ ጸናሕና ባዕልኺ ትፈልጢ ወላ ናብቲ ሓደ ዓዲ ዘይትኸዲ ኢለ ገዲፈያ ከይደ ይብለኒ። ብሓቂ ዓቢ ትምህርቲ ጆግራፍ ዝነበሮ ገርሂ ቈልዓ እዩ እቲ ሓደ ዓዲ ኣበይ ምዃኑ እውን ሓቢሩኑ። ሕጻናት ከምዚ እዮም! ገርሂ ጭቡጥ ነገር ዝዛረቡ እዮም። ንሕና እውን ከምኦም ክንከውን ኣሎና። ትሕትና ዝጭበጥ መንፈሳዊ ሓይሊ ስለዝኾነ ትሕትና ተላቢስና ክንዲ ኩልና ሓቲኣተኛታት ኢና ኢልና ዘይጭበጥ ነገር ንዛረብ ኣነ ሓጢኣተኛ እየ እዝን እዝን ፈጺመ ክንብል ክንክእል ኣሎና። ብሓቂ ከምዚ ምስ እንገብር ከኣ ንኢየሱስ ቁሊሕ ኢልና ንምጥማት ሕፍረት ይስመዓና በዚ ከኣ መሓረኒ ጐይታይ ንብል ብትሕትና። ሓቀኛ ኩነት ሓጢኣተኛ ክኾኑ ዘይብሉ ሓዋርያ ዮሓንስ 'ሓጢኣት የብልናን፡ እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ አሎና፡ እታ ሓቂውን ኣባና የላን።` እንክብል ኩልና ሓጢኣተኛታት ከምዝኾና ይገልጸልና። ኣብዚ ግን እንተዘይተጠንቂቅና ነዛ ኩልና ሓጢኣተኛታት ኢና እትብል ዳርጋ ደሓንዶ ሓዲርካ ወይውን ደሓንዶ ውዒልካ ብዘምስል ኣገባብ ሱቅ ኢልና ክንደጋግማ ኣብ ውሽጥና ግን ቅሱናት ኰና ክንመላለስ ንኽእል። ስለዚኸስ ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ኣነ ሓጢኣተኛ እየ እዝን እዝን በዲለ ክንብል ክንክእል በቲ ዝገበርናዮ ኸኣ ብልቢ ክንጠዓስ የድሊ። ንነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ብሽሙ ክንጽውዖ የድሊ እምበር ብኣልማማ ሓጢኣተኛታት ኢና ኢልና ንነግራት ኣይብርሃን ኣይጸልማት ኣይሓቂ ኣይሓሶት ብዝኾነ መንገዲ እወ ከምትፈልጥዎ እናበልካ ምሽፍፋን ክህሉ የብሉን። ከም ሕጻናት ንኹን። ትማሊ ካብ ካራቫጆ ዝበሃል ዓዲ ሓደ መንእሰይ ዝጸሓፈለይ መልእኽቲ ተቀቢለ። እንድርያስ ይበሃል። ብዛዕባ ጉዳያቱ የዘንቱ። ናይ ሕጻናት መልእክታት ጥዑማት እየን። ቅዳሴ ብተለቪዥን ከምዝተኸታተለ ይነግረኒ። ሓንቲ ነቀፌታ ከኣ የቅርበለይ። ንስኹም ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን ክትብለና እንከሎኹም ሕማም ለበዳ ስለዘሎ ክንተናኽፍ ኣይፍቀድን እዩ ኢሉኒ። ነቲ ንስኹም እዞም ቁሩብ ቁራቦ ምሳይ ትሰምዑ ኣራእስኩም ብምድናን ሰላም ከምትበሃሃሉ ኣየስተውዓለን ግን ሕጻናት ከምኡ እዮም ትኽ ብትኽ እያ። ንሕና እውን ምስ ጐይታ ከምዚ ናይ እንድርያስ ዓይነት ሓርነት ክህልወና እሞ ጐይታ ኣነ ኣብ ሓጢኣት ኣሎኹ ሓግዘኒ ክንብል ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀዳማይ ተኣምር ዓሳ ምስ ኣጋጠሞ ጐይታይ ኣነ ሓጢኣተኛ እየ ካባይ ረሓቅ ዝበሎ ማለት እዩ (ሉቃ 5.8)። እዚ ቅንዕና እዚ ክህልወና ክንደይ ጽቡቅ ይመስለኩም። ከመይ ሠይጣን ኩሉ ግዜ ኣይምውቃት ኣይዝሑላት ኰና ኣይጸሊም ኣይጻዕዳ ኣይብርሃን ኣይጸልማት ኣይሕያዎት ኣይጨካናት መንጎ መንጎ ኰና ክነብር እዩ ዝደሊ። ከምዚ ዓይነት ሕይወት ከኣ ንጐይታ ኣየሐጒሶን እዩ። ካብዚ ኩሉ ክንወጽእ ካብ ሓሶት ክንድሕን ከስ `ሓጢኣትና ክንናዘዝ ንሱ ኸኣ እሙንን ጻድቅን ስለዝኾኖ ክምህረና እዩ` (1ዮሓ 1,9)። ብሓቂ እንተተናዘዝና እዩ ዝምሕረና። መንፈሳዊ ሕይወት ብጣዕሚ ቀሊል እዩ እንተኾነ ንሕና ጥውይውይ ክንብል ንኩሉ ንሓላልኾ ኣብ መጨረሽታ ኸኣ ሓቀኛ ኑዛዜ ንክንገብር ንጽገም። ንጐይታ ነዛ ጸጋ ናይ ገርህነት ንለምኖ ከም ሕጻናት ገርሀይናታት ኰና ነታ ዘላ ተጒ ክነብላ ንሱ እውን ዘረባኡ ንጽር ስለዝኾነ ከም ሕጻናት ምስ እንኸውን ከኣ ነዚ ሓቂ ስለዝገልጸልና ልዕሊ ኩሉ ከኣ ወትሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከምዘሎና እንርድኣሉ ጸጋ ይዓድለና።”

ብድምጺ ንምክትታል!
29 April 2020, 10:20
ንኩሉ ኣንብብ >