ኣብዚ ከቢድ እዋን እዚ ፍርሒ ንከነሽንፍ እጽሊ ኣሎኹ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን
ድሮ ሳልሳይ ሶሙን ኣቊጺሩ ዘሎ ብቀጥታ ብመራኸቢ ብዙሓን ዝመሓላለፍ ስለ እቶም ዝሓመሙን ካልኦትን ንምጽላይ ቅዱስነቶም ቅዳሴ ቅድሚ ምጅማሮም ንጸሎት ብዝዕድምን ዘጸናንዕን ቃላት ሂቦም።
ኣብዚ ዕለታት እዚ ብዙሕ ሥቃይ ከምኡ እውን ብዙሕ ፍርሒ ኣሎ። ብሕልፊ ናይቶም ኣብ ገዛኦምንስ ይኹን ኣብ ቤት ኣረጋውያን ወይውን ኣብ ሆስፒታል በይኖም ተሪፎም ዘለውን እንታይ ከምዝስዕብ ዘይፈልጡን ኣረጋውያን ይከብድ። ከምኡ እውን ድራር ዕለቶም ዝምእርሩ ዝነበሩ ሠራሕተኛታት ካብ ሥራሕ ደው ብምባሎም ኣብ ደቆም ዝመጽእ ጥሜት ብምህሳብ ዝሳቀዩ ዘለው ፍርሂ። ኣብ መወዳእታ ናይ ነፍስወከፍና ናይ ኩልና ፍርሂ። ናይቶም ኣብ ኣገልግሎት ካልኦት ተጸሚዶም ዘለው ካብ ሕጂ ሕጂ እዚ ሕማም ይረኽበና ይኸ ውን ዝብሉ ፍርሂ። እምነት ምእንቲ ክህልወናን ነዚ ፍርሃት እዚ ንከነሸንፍ ጽንዓት ክህበናን ንጐይታ ንለምኖ ኢሎም።
ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ኦሪት ዘጸአት 32.7 ዝተወስደ ኰይኑ ብዛዕባ እቲ እስራኤላውያን ሙሴ ናብ ሲና ደዪቡ ምስ ደንጐየ ጣዖት ምራኽ ሥርሓልና ኢሎሞ ካብ ባርነት ግብጺ ዘውጽኣና ኢሎም ክሰግዱ ምስ ጀመሩ ‘ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ በሎ፡ እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ በዲሉ እዩ እሞ፡ ኪድ ውረድ። ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መግዲ ብኡብኡ ኣግለሱ። ምራኽ ፍሲ ገበሩ፡ ሰገድሉን ሰውኡሉን ከኣ፡ ዎ እስራኤል፡ እቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዩም፡ ድማ በሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እዚ ህዝቢ እዚ እርእዮ ኣሉኹ፡ እንሆ፡ ህዝቡ ተሪር ክሳድ እዩ። ሕጂ ዅራይ ኣብኦም ኪነድድ እሞ፡ ክውድኦም ሕደገኒ። ንኣኻ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ፡ በሎ። ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ስለ ምንታይ ኵራኻ ኣብዚ ብዓብዪ ሓይልን ብጽንዕቲ ኢድን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ ይነድድ፧ ከመይከ ግብጻውያን፡ ኣብ ኣኽራን ኪቐትሎም፡ ካብ ገጽ ምድሪ ኸኣ ኬጽንቶም ንመከራ ኣውጽኦም፡ ኢሎም ዚዛረቡ፧ ካብቲ ነዳዲ ዅራኻ ደኣ ተመለስ፡ ካብቲ ንህዝብኻ ኽትገብሮ ዝሐሰብካዮ ኽፋእ ድማ ተጠዐስ። ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንእስራኤልን፡ ንኣታቶም፡ ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ። እታ እተዛረብኩላ ምድሪ ድማ ብዘላ ንዘርእኹም ክህቦ እየ፡ ንዘለኣለም ከኣ ኺርስተይዋ እዮም፡ ኢልካ ብርእስኻ ዝመሐልካሎም፡ ንባሮትካ ዘክር። እግዚኣብሄር ድማ ካብቲ ንህዝቡ ኺገብሮ ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ኽፉእ ተጣዕሰ” ዝብል ይርከቦ። ናይ ዕለቱ ወንጌል እውን ካብ ወንጌል ዮሓንስ 31 ዝተወስደ ኰይኑ ጐ.ኢ.ክ ነቶም ዝኸስዎ ዝነበረ ሊቃውንቲ ሕጊ ኣነ ጉዳይ ኣቦይ እየ ዝገብር ዘሎኹ ንኣይ እንተዘይኣመንኩም ንሥራሐይ እመኑ። እንተ ንዓኩም ኣብ መወዳእታ ዝኸሰኩም ኣነ ኣይኮንኩን እቲ ብኣኡ ንምራሕ እትብልዎ ሙሴ እዩ ዝኸሰኩም ክብል ሰንበት ኣይሁድ ደፊርካ ሕሙማት ኣሕዊኻ ኢሎም ንዝኸሰስዎ ዝሃቦ መልሲ ዘመልክት ነበረ።
ቅዱስነቶም እዚ ኣምልኾ ጣዖት እስራኤላውያን ንዓና እውን በቶም ኣብ ውሽጢ ልብና ተሓቢኦም ዘሰሓሕቱና ጣዖታት ካብኦም ብዘይሓይሽ ንወድቅ ስለዝኾና እዚኦም ከኣ ነቲ እግዚአብሔር ዝሃበና ጸጋት ስለዘጥፍኡልና ወጊድ ንበሎም ከመይ ኣምልኾ ጣዖት ናብ ግጉይ እምነት ስለዝወስደና ጽጹይ መርመራ ሕልና ገርና ነዞም ተሓቢኦም ዘለው ጣዖታትና ኣውጺእና ንደምስሶም እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።
እንክብሉ ስብከቶም ምስ ፈጸሙ ድሕሪ ቊርባን እቶም ብኣካል ክቆርቡ ዘይክእሉ ብመራኸቢ ብዙሓ ዝተኸታተልዎም ናይ ሃረርታ ቊርባን ንኽገብሩ ብሓባር ናይ ሃረርታ ቊርባን ደገሙ። ኣብ መወዳእታ ንሓጺር ግዜ ስግደትን ኣምልኾን ቅዱስ ቊርባን ኣብጺሖም ንኩሎም ብቅዱስ ቊርባን ባረኾም ብጸሎተ እግዚእትነ ማርያም ተሰናበቱ።