ኣብዚ ከቢድ እዋን እዚ ፍርሒ ንከነሽንፍ እጽሊ ኣሎኹ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ነቲ ስለ ሕሙማን ለበዳ ሕማም ኮረና ቫይረስን ካልኦትን ዘዕርግዎ ጸሎትን መሥዋዕትን ቅዳሴን ብምቅጻል ሎሚ ዕለት 26 መጋቢት 2020 ዓም እውን ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ ብቀጥታ ብመራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝተመሓላለፈ መሥዋዕተ ቅዳሴን ስግደት ቅዱስ ቊርባንን ቡራኬን ‘ስለእቶም በይኖም ኣብ ጽምዋ ዝርከቡ ሽማግለታትን እቶም ዕለታዊ ድራሮም ክምእርሩ ዝተገደዱ ሠራሕተኛታትን ንሓደጋ ምልባዕ ሕማም ኮቪድ 19 ዝተቃልዑ ኣገልገልቲ ማሕበረሰብን ንጸሊ` እንክብሉ ብጸሎት ከነሰንዮም ተማሕጺኖም። ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ከኣ ኣብ ልብና ተሓቢኦም ዘለው ጣዖታትና ደሊና ክንኣልዮም ከመይ ኣምልኾ ጣዖት ንጸጋ ኣምላኽ ከምእነጥፍእ ይገብረና ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ድሮ ሳልሳይ ሶሙን ኣቊጺሩ ዘሎ ብቀጥታ ብመራኸቢ ብዙሓን ዝመሓላለፍ ስለ እቶም ዝሓመሙን ካልኦትን ንምጽላይ ቅዱስነቶም ቅዳሴ ቅድሚ ምጅማሮም ንጸሎት ብዝዕድምን ዘጸናንዕን ቃላት ሂቦም።

ኣብዚ ዕለታት እዚ ብዙሕ ሥቃይ ከምኡ እውን ብዙሕ ፍርሒ ኣሎ። ብሕልፊ ናይቶም ኣብ ገዛኦምንስ ይኹን ኣብ ቤት ኣረጋውያን ወይውን ኣብ ሆስፒታል በይኖም ተሪፎም ዘለውን እንታይ ከምዝስዕብ ዘይፈልጡን  ኣረጋውያን ይከብድ። ከምኡ እውን ድራር ዕለቶም ዝምእርሩ ዝነበሩ ሠራሕተኛታት ካብ ሥራሕ ደው ብምባሎም ኣብ ደቆም ዝመጽእ ጥሜት ብምህሳብ ዝሳቀዩ ዘለው ፍርሂ። ኣብ መወዳእታ ናይ ነፍስወከፍና ናይ ኩልና ፍርሂ። ናይቶም ኣብ ኣገልግሎት ካልኦት ተጸሚዶም ዘለው ካብ ሕጂ ሕጂ እዚ ሕማም ይረኽበና ይኸ ውን ዝብሉ ፍርሂ። እምነት ምእንቲ ክህልወናን ነዚ ፍርሃት እዚ ንከነሸንፍ ጽንዓት ክህበናን ንጐይታ ንለምኖ ኢሎም።

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ኦሪት ዘጸአት 32.7 ዝተወስደ ኰይኑ ብዛዕባ እቲ እስራኤላውያን ሙሴ ናብ ሲና ደዪቡ ምስ ደንጐየ ጣዖት ምራኽ ሥርሓልና ኢሎሞ ካብ ባርነት ግብጺ ዘውጽኣና ኢሎም ክሰግዱ ምስ ጀመሩ ‘ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ በሎ፡ እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ በዲሉ እዩ እሞ፡ ኪድ ውረድ። ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መግዲ ብኡብኡ ኣግለሱ። ምራኽ ፍሲ ገበሩ፡ ሰገድሉን ሰውኡሉን ከኣ፡ ዎ እስራኤል፡ እቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዩም፡ ድማ በሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እዚ ህዝቢ እዚ እርእዮ ኣሉኹ፡ እንሆ፡ ህዝቡ ተሪር ክሳድ እዩ። ሕጂ ዅራይ ኣብኦም ኪነድድ እሞ፡ ክውድኦም ሕደገኒ። ንኣኻ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ፡ በሎ። ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ስለ ምንታይ ኵራኻ ኣብዚ ብዓብዪ ሓይልን ብጽንዕቲ ኢድን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ ይነድድ፧ ከመይከ ግብጻውያን፡ ኣብ ኣኽራን ኪቐትሎም፡ ካብ ገጽ ምድሪ ኸኣ ኬጽንቶም ንመከራ ኣውጽኦም፡ ኢሎም ዚዛረቡ፧ ካብቲ ነዳዲ ዅራኻ ደኣ ተመለስ፡ ካብቲ ንህዝብኻ ኽትገብሮ ዝሐሰብካዮ ኽፋእ ድማ ተጠዐስ። ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንእስራኤልን፡ ንኣታቶም፡ ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ። እታ እተዛረብኩላ ምድሪ ድማ ብዘላ ንዘርእኹም ክህቦ እየ፡ ንዘለኣለም ከኣ ኺርስተይዋ እዮም፡ ኢልካ ብርእስኻ ዝመሐልካሎም፡ ንባሮትካ ዘክር። እግዚኣብሄር ድማ ካብቲ ንህዝቡ ኺገብሮ ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ኽፉእ ተጣዕሰ” ዝብል ይርከቦ።  ናይ ዕለቱ ወንጌል እውን ካብ ወንጌል ዮሓንስ 31 ዝተወስደ ኰይኑ ጐ.ኢ.ክ ነቶም ዝኸስዎ ዝነበረ ሊቃውንቲ ሕጊ ኣነ ጉዳይ ኣቦይ እየ ዝገብር ዘሎኹ ንኣይ እንተዘይኣመንኩም ንሥራሐይ እመኑ። እንተ ንዓኩም ኣብ መወዳእታ ዝኸሰኩም ኣነ ኣይኮንኩን እቲ ብኣኡ ንምራሕ እትብልዎ ሙሴ እዩ ዝኸሰኩም ክብል ሰንበት ኣይሁድ ደፊርካ ሕሙማት ኣሕዊኻ ኢሎም ንዝኸሰስዎ ዝሃቦ መልሲ ዘመልክት ነበረ።

ቅዱስነቶም እዚ ኣምልኾ ጣዖት እስራኤላውያን ንዓና እውን በቶም ኣብ ውሽጢ ልብና ተሓቢኦም ዘሰሓሕቱና ጣዖታት ካብኦም ብዘይሓይሽ ንወድቅ ስለዝኾና እዚኦም ከኣ ነቲ እግዚአብሔር ዝሃበና ጸጋት ስለዘጥፍኡልና ወጊድ ንበሎም ከመይ ኣምልኾ ጣዖት ናብ ግጉይ እምነት ስለዝወስደና ጽጹይ መርመራ ሕልና ገርና ነዞም ተሓቢኦም ዘለው ጣዖታትና ኣውጺእና ንደምስሶም እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

“ኣብ ቀዳማይ ንባብ ክሕደት ሕዝቢ እግዚአብሔር ይረኤ። ሙሴ ሕግታት እግዚአብሔር ክቅበል ንጎቦ ሲና ከይዱ። እግዚአብሔር ነተን ብኣጻብዕቱ ዝተጻሕፋ ትእዛዛት ኣብ ጽላት እምኒ ገሩ ሃቦ። እቲ ሕዝቢ ግን ሙሴ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ጠፊኡ ኣበይ ከምዘበለ እውን ኣይንፈልጥን ንዓ ዝመርሑና ኣምላኽቲ ሥርሓልና ኢሎሞ። እቲ ኣብ ዝስዕብ ግዜ ካህን እግዚአብሔር ክኸውን ዘለዎ ኣሮን ከኣ ከም ድላይ ብወርቂ ምራኽ ሰሪሑ ጣዖት ገበረአሎም። ኣብ ናይ ዕለቱ መዝሙረ ዳዊት እውን 106.19 ‘አብ ሆሬብ ምራኽ ገበሩ፣ ንዝፈሰሰ ምስሊ ኸኣ ሰገዱሉ። ክብረቶም ንምስሊ ሳዕሪ ዚበልዕ ብዕራይ ለወጥዎ። አብ ግብጺ ዓብዪ ተግባር፣ ኣብ ሃገር ካም ተኣምራት፣ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዜፍርህ ነገር ዝገበረ ኣምላኽ፣ መድሓኒኦም፣ ረስዕዎ። ሽዑ ኼጥፍኦም ደልዩ ተዛረበ፣ ግናኸ ሙሴ፣ እቲ ሕሩዩ፣ ከየጥፍኦም ቊጥዓኡ ምእንቲ ኺመልስ፣ አብ ቅድሚ ገጹ አብ ማእከል ቈመ’ እናበለ ነዚ ፍጻሜ ይዝክሮ። ኣብዚ ግዜ እዚ ከኣ እግዚአብሔር ንሙሴ ‘እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ በዲሉ እዩ እሞ፡ ኪድ ውረድ። ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መግዲ ብኡብኡ ኣግለሱ። ምራኽ ፍሲ ገበሩ፡ ሰገድሉን ሰውኡሉን ከኣ፡ ዎ እስራኤል፡ እቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዩም፡ ድማ በሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እዚ ህዝቢ እዚ እርእዮ ኣሉኹ፡ እንሆ፡ ህዝቡ ተሪር ክሳድ እዩ። ሕጂ ዅራይ ኣብኦም ኪነድድ እሞ፡ ክውድኦም ሕደገኒ። ንኣኻ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ፡’ በሎ። እነሀ እምበር ጭው ዝበለ ክሕደት ኣቡኡን ኣዲኡን ዘፍልጠ ኣምልኾ ጣዖት። ካብ ሕያው እግዚአብሔር ናብ ጣዖት ምስጋር። ሙሴ ካብ ደብረሲና ክሳብ ዝምለስ እኳ ትዕግሥቲ ክህልዎም ክጽበዩ ኣይከኣሉን። ሓዲስ ነገር ክረኽቡ ብሂጎም ሥርዓተ ኣምልኽዕኣዊ ወኻዕኻዕ ብላዕ ስተ ሳዕሲዕ ዝብል ኣምር ደልዮም። ኣብዛ ኩነት እዚኣ ገለ ነጥብታት ከዘኻኽር እደሊ። ቅድሚ ዝኣገረ ዓቢ ናፍቆት ኣምልኾ ጣዖት ናይቲ ሕዝቢ ዘገርም እዩ። ብልቦም ነቶም ናይ ግብጺ ኣማልኽቲ ይሓስቡ ነሮም ናይ ጣዖት ክትምለስ ሕሰም ምንፋቅ ነቲ ሕያው እግዚአብሔር ብትዕግሥቲ ዘይምጽባይ ኰይኑ እዚ ናፍቆት እዚ ሕማም እዩ። ናትና ሕማም እውን እዩ። ሓራ እንክትወጽእ ካብ ጭንቀት ስለዝገርካ ብዓቢ ታሕጓስ ሓዲስ ሕይወት ይጅመር ኰይኑ ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ዕሚም እናበልካ ምጉርምራም ያኣቱ። ሕዝቢ እስራኤል እውን ብዓቢ ታሕጓስን ፍናንን ቀይሕ ባሕሪ ሰጊሮም ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኮይኖም ቁሩብ ምስ ከዱ ኣብ ምድረ በዳ ንእሽቶ ጽምኢ ካብ ሥጋ ምብላዕ ቁሩብ ክዕገሱ ኣይከኣሉን ነቲ ኣብ ግብጺ ዝበልዕዎ ዝነበሩ ናይ ሕሰም ሽጒርቲ ክናፍቁ ጀሚሮም ኣብ ግብጺ ጽቡቅ ከምዝነበሩ ሕጂ ግን ኩሉ ተሳኢኑ ኢልካ ምጉርምራም ኮነ። ኣምልኾ ጣዖት ሓሓርዩ እዩ ዝሃርም ነቲ ዝሓለፈ ጽቡቕ እትብሎ ጥራይ ከምእትዝክር ገሩ ነቲ ሕሰም ኣረሲዑ ሎሚ ዘሎካ ሠናይ ነገር ከምዘይትርኢ ይገብረካ። በዚኸስ እስራኤላውያን ነቲ ኣርዑት ባርነትን ሕሰምን ረሲዖም ጽቡቅ ከምዝነበሩ ክሓስቡ ጀሚሮም። ደሓር ካልኣይ ነገር ኣሎ! ኣምልኾ ጣዖት ንኩሉ ከምእተጥፍእ ይገብረካ። ጣዖት ናይ ምራኽ ሥርሓልና ምስ ኢሎም ንኣሮን ምስ ኣጨነቁሉ ዘሎኩም ወርቅን ብሩርን ኩሉ ሃቡ ኢልዎም። እዚ ወርቅን ብሩርን እዚ ግን እግዚአብሔር ልቢ ግብጻውያን ኣራሕሪሑ ኣብ መዓልቲ ጸገም ክኾኖም ዘውሃቦም እዩ ነሩ። ነዚ ውህበት ኣምላኽ ዝኾነ ነገር ተጻይ ኣምላኽ ጣዖት ንምሥራሕ ተጠቂሞምሉ። እዚ ከኣ ዝገደደ እዩ። እዚ ግን ኣባናውን ኣሎ። ናብ ኣምልኾ ጣዖት ገጾም ዝወስዱና ዝምባሌታት ክዕብልሉና እንከለው ናብኦም ከምእንጠብቅን ካብ እግዚአብሔር ከም እንርሕቅን ዝገብሩና እቶም ካብ እግዚአብሔር ለሚና ዝረኽብናዮም ውህበታት እዮም። በቲ ንሱ ዝሃበና ኣእምሮን ድላይን ፍቅርን ልብን ገርና ጣዖት ነምልኽ። ምናልባት ሓደ ካባኹም ‘እወ ኣባቴ! ኰይኑ ግን ኣነ ኣብ ገዛይ ጣዖት ዝበሃል የብለይን እኳ ደኣ መስቀል ክርስቶስ ስእሊ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ወዘተ’ ክብለኒ ይኽእል። ኣብ ገዛኻ ኣይኮነን ዝብለካ ዘሎኹ ኣብ ልብኻ ኢለ እምለሰሉ። ሎሚ ኩልና ኣብ ልብና ክንገብረና ዘሎና ሕቶ ከኣ እዚ ኰይና ኣብ ልበይ ዘሎ ጣዖት እንታይ ኮን ይኸውን ካብ ሕያው ኣምላኽ ኣርሒቁ ጽቡቅ ከምዝስመዓኒ ዝገብር ጣዖት እንታይ ኣሎ ናይ ሕልና መርመራ ንግበር። ምናልባት ከምቲ ናይ ራሄል ካብ ቤት ኣቦኣ ክትከይድ እንከላ ሓቢላ ኣብቲ ኮረሻ ናይ ገመል ኣማልኽቲ ጣዖት ሒዛ ዝተጓዕዘት ንሕናውን ዝጐራሕና መሲሉና ገለ ኣማልኽቲ ጣዖት ኣብ ልብና ሓቢእና ከይንህሉ። ንሎሚ ዘቅርበልኩም ሕቶኸስ ጣዖተይ እንታይ እዩ! ናይ ረኣዩኒ ስምዑኒ ዝብል መንፈስ ዓለምዶ ይኸውን ምናልባት ሕዝቢ እስራኤል ብወርቂ ዝተሰርሔ ጣዕዋ ዝደለዩ ክዘናግዑ ከይመስለና ንከምልኹ ንክሰግዱሉ እዩ። ኣምልኾ ጣዖትከስ ናብ ግጉይ ኣምልኾ ይወደካ። ስለዝኾነ ከኣ መንፈስ ዓለም ነቲ ብመንፈስ ክተኽብሮ ዝግበኣካ መፈሳዊ ክብረ በዓል ናብ ዓለማዊ በዓል ለዊጡ መንፈሱ ኣጥፊኡ ናብ ኣምልኾ ጣዖት ይቅይሮ። ንኣብነት ናይ ሓደ መርዓ በዓል ንሕሰብ ከም ክርስትያን ምሥጢረ ተክሊል ነቶም ሓደስቲ መርዑት ዝለዕለ ጸጋ ሓቢርካ ናይ ምንባርን ኣብ እግዚኣአብሔር ብልቢ ክተቅርቦ ዘሎካን ክንሱ ዳርጋ ትያትር ክመስል ከመይ ኢሎም ከምዝሰኣሉን ከምዝኽደኑን ካልእን ክትርኢ እንከሎ ሓደ ትያትር ኰይኑ ይረኣየካ እዚ ጭው ዝበለ መንፈስ ዓለም ኣምልኾ ጣዖት እዩ። ትያትር ምኽታም መዝገብ ቃል ኪዳን ከኣ ካልእ ጉድ ኰይኑ ቈጺርካ ዘይውዳእ እሞ ከኣ ኣብ ገሊኡ ስርሕ ፍንጥሕ ዝኾነ መርዓ። ሎሚ እምበርእርከስ ንኩልና ዘቅርባ ሕቶ እዚኣ እያ ነፍሲወከፍና ኣብ ሕልናና ተመሊስና ንመልሳ፣ ጣኦታተይ ኣየኖት ኮን ይኾኑ! ነፍሲወከፍና ነናትና ኣሎና! እትስዕብ ሕቶ ኣበይ ሓቢአዮም ኣሎኹ! ኢልና ነስተንትን። ጐይታ ጣዕታትና እነለልየሉ ጸጋ ክህበና ንለምኖ ክነባርሮም እንተዘይከኣልና እውን ኣብ ሓደ ጸግዒ ክንዓጽዎም ሓግዘና ንበሎ።”

እንክብሉ ስብከቶም ምስ ፈጸሙ ድሕሪ ቊርባን እቶም ብኣካል ክቆርቡ ዘይክእሉ ብመራኸቢ ብዙሓ ዝተኸታተልዎም ናይ ሃረርታ ቊርባን ንኽገብሩ ብሓባር ናይ ሃረርታ ቊርባን ደገሙ። ኣብ መወዳእታ ንሓጺር ግዜ ስግደትን ኣምልኾን ቅዱስ ቊርባን ኣብጺሖም ንኩሎም ብቅዱስ ቊርባን ባረኾም ብጸሎተ እግዚእትነ ማርያም ተሰናበቱ።

ብድምጺ ንምክትታል!
26 March 2020, 12:50
ንኩሉ ኣንብብ >