ድለ

ቤትኣልቦ ብማሕበረሰብ ሓገዝ ይገበረሎም ቤተክርስትያን ከኣ ትቀበሎም! ስለኦም እጽሊ ኣሎኹ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ኣብዚ ሕሱም ግዜ ምስ ሕዝቦም ብመንፈስ ዘለዎም ቅርበትን ብጸሎት ምስናይን ብምቅጻል ሎሚ ሰሉስ ዕለት 31 መጋቢት 2020 ዓም ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ ዓለም ምሉእ ብመራኸቢ ብዙሓን ዝተኸታተልዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ስለ እቶም መሕደሪ ኣልቦ ቤት ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ጸልዮም። ኣብቲ ዘቅረብዎ ስብከት ከኣ ብዛዕባ ኢየሱስ ስቁል እንከነስተንትን ጐይታ ንከድሕነና ንኩሉ ሓጢኣትና ከምእተሸከሞ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን

 ንሎሚ መእተዊ ቅዳሴ ካብ መዝሙረ ዳዊት 26/7 ዝተወስደ ‘ብእግዚኣብሄር ተሰፎ፣ በርትዕ፣ ልብኻ ቀጥ ይበል፣ ኣጆኻ፣ እወ፣ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር’ ዝብል ምስ ተዘመረ ቅዱስነቶም ነቲ ቅዳሴ ስለዝመነመን ከምዝዕርጉ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ኣብዚ ኩሉ ኣብ ውሽጢ ገዛ ይኹን ተባሂሉ ዝእዘዘሉ ዘሎ ግዜ ስለእቶም ገዛ ዘይብሎም ቀዋሚ መንበሪ ቦታ ዘይብሎም ንጸሊ! ነዚኦም ቤትኣልቦ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ማሕበረሰብ ንክሕግዞም ትብዓት ክህልዎም ቤተክርስትያን ከኣ ክትቅበሎም ንለምን ኢሎም።”

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ኦሪት ዘኁልቊ 21.4 ዝተወስደ ኰይኑ 'ካብ ከረን ሆር ንምድሪ ኤዶም ኪዞሩ ንባሕሪ ኤርትራ ኣቢሎም ተጓዕዙ፡ ነፍሲ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብመገዲ ዓቕሊ ኣጽበበት። እቲ ህዝቢ ድማ፡ ኣብዚ እንጌራ የልቦን፡ ማይ ድማ የልቦን፡ ነዚ ፈኲሽ እንጌራ ኸኣ ነፍስና መንያቶ እያ እሞ፡ ኣብ በረኻ ኽንመውትከ ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣደየብኩምና፧ ኢሎም ኣብ ኣምላኽን ኣብ ሙሴን ተዛረቡ። እግዚኣብሄር ከኣ ዚነዱ ኣትማን ናብ ህዝቢ ሰደደ። ነቲ ህዝቢ ድማ ነኸስዎ፡ ካብ እስራኤል ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ሞተ። ሽዑ እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ መጺኦም፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርና፡ ነዞም ኣትማን ኬርሕቐልና ንእግዚኣብሄር ለምነልና፡ በሉ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ለመነ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ ዚነድድ ተመን ንኣኻ ግበር፡ ኣብ ባላ ድማ ስቐሎ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እተነኽሰ ዘበለ ናብኡ እንተ ጠመተ፡ ኪሓዊ እዩ። ሙሴ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ተመን ገበረ፡ ኣብ ባላውን ሰቐሎ። ኰነ ኸኣ፡ ገለ ተመን ንሰብ እንተ ነኸሰ፡ ናብቲ ተመን ኣስራዚ ምስ ዚጥምት ይሐዊ ነበረ' ዝብል ነበረ። ናይ ዕለቱ ወንጌል እውን ዮሓንስ 8.21 ዝተወስደ ብዛዕባ ኢየሱስ ንኣይሁድ ንሱ ናብ ኣቦኡ ከምዝኸይድ ንሶም ደልዮም ከምዘይረኽብዎ ኣብ ሓጢኣቶም ስለዝሞቱ ከኣ ናብቲ ንሱ ዝኸዶ ኽኸዱ ከምዘይክእሉ ዝገልጽ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ ምልክት ሃበና ምስ በልዎ ወዲሰብ ምስ ተሰቅለ ንሰማይ ሓፍ ምስ በለ ኢልዎም ምርዳእ ሰኣንዎ ንሱ ግን ብዛዕባ እቲ ንድሕነት ደቂሰባት ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ክኸፍሎ ዝነበሮ መሥዋዕቲ ዝገልጽ ነበረ። ቅዱስነቶም ነዚ ኩሉ ብሓንሳእ ኣጠቃሊሎም ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

“ርግጽ እዩ ተመን ደስ ዝብል ፍጥረ ኣይኮነን ወትሩ ምስ ሕማቅ ነገር ምስ ኣተሓሓዝናዮ ኢና። ኣብ ግልጸት እውን እንተኾነ እቲ ኣብ ዓለም ሓጢኣት ከእቱ ዲያብሎስ ዝተጠቅሞ እንስሳ ተመን እዩ። ኣብ ራእዩ ለዮሓንስ ከኣ ብቀጥታ ንሰይጣን `እቲ ናይ ጥንቲ ተመን' ካብ ቀደም ጀሚሩ ዝናኸስ መርዙ ዝነዝሕ ዘዕኑ ዝቀትል ኢሉ የቅርቦ። በዚ ከኣ ንከውድቅ ኣይሓምቅን እዩ። ጽቡቅ ነገር ክትመክር እንተደሊኻ ኣይትዕውትን ሃለውለው ይብሎም ሕማቅ ነገር ስለዘቅርበልና ግን ንቅበሎ። ኣብ ቀዳማይ ንባብ ዝሰማዕናዮ ከኣ ዓወት ናይቲ ተመን እዚ እዩ መርዚ ዘይምጽዋር ጉዕዞ በረኻ። ደኺሞም ነበሩ ተጻይ ኣምላኽን ተጻይ ሙሴን ተዛረቡ። መቸም ሕዝቢ እስራኤል ጽግም ክብሎም እንከሎ ዝደጋግምዋ መዝሙር ሓንቲ ነበረት፣ ስለምታይ ካብ ግብጺ ኣውጻእኩምና ኣብዚ ክንመውት ነዚ ፈኲስ መግቢ መና ነፍስና ጸሊኣቶ ወዘተ (ዘፀአ 21.4-5) እናበሉ ኣጒረምረሙ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዘስተንተናዮ ኣብቲ ባርነት ጽቡቅ ከምዝበበሩ ይገልጹ። ኣብዚ ግዜ እዚ ጐይታ ይቊጣዕ መርዛማት ኣትማን ይሰደድ እንደገና ኸኣ ምስ ተጣዕሱ ንሙሴ ካብ ኣስራዚ ተመን ክሰርሕ ኣብ ባላ ክስቅሎ ብተመን ዝተነኽሰ ዘበለ ናብኡ ክጥምት እሞ ኪሓዊ ምዃኑ ይገልጾ። ምናልባት እዚ ፍጻሜ እዚ ከም ኣምልኾ ጣዖትዶ ኣይኮንን ዝብል ሓሳብ ክቅጀለና ይኽእል። ከመይ ምስሊ ተመን ከም ሓደ ጣዖት ደሓር ጠሚትካዮ ትሓውየሉ ወዘተ ኢልካ ክትጠራጠር ይከኣል እዩ። እቲ ቀንዲ መልእኽቱ ግን እዚ ትንቢት እዩ። ነቲ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዝሰማዕናዮ 'ንወዲ ሰብ ልዕል ምስ ኣበልኩምዎ፡ ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር እምበር፡ ኣነ ምዃነይን ካብ ርእሰይ ሓንቲ ኸም ዘይገብርን፡ ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም' (ዮሓ 8.28) ነቲ ልዕል ዝበለ ኣብ መስቀል ልዕል ዝበለ ኢየሱስ የመልክት ከምቲ ሙሴ ንተመን ዝሰቀለ ኢየሱስ እውን ኣብ መስቀል ተቂሉ ንመስቀሉ ዝጠመተ ኩሉ ይሓዊ። ምናልባት ንመስቀል ክርስቶስ ክንጥምት እዚ ኩሉ ሥቃይሲ ሓዶ ይኸውን እቲ ቅ.ጴጥሮስ `ንሓጢኣትና ኩሉ ተሸከሞ ለበሶ` (1ጴጥ 2,24) ቢልካ ምእማን ኰይኑ ንስኻ ግን ሓጢኣተኛ ምዃንካ ኣምላኽ ከምዝስቀል ምግባርካ ኣሕዚኑካ ዳግም ብምሕጣእካ ሓሲብካ ናብቲ መስቀል ኣተኲርካ ጠምት እሞ ስለይ ሓጢኣት ኰንካ ሓጢኣተይ ለቢስካ ብማለት ነቲ ምሥጢረ ድሕነት ኣስተንትን እምበር ነቲ ኩነትን ሊቃውንቲ ሕጊ ዝገበርዎ ሕነን ረስዕ ሓጢኣትና ኢየሱስ ለቢስዎ ኣብቲ መስቀል ከምቲ ብኣምሳል ኣስራዚ ኣብ ባላ ዝተሰቅለ ተመን ገርካ ኣስተንትን። ንመስቀል ኢየሱስ በዚ መንገዲ እዚ ንምጥማቱ ንመሃርል ናይ ድሕነት ብርሃን ምዃኑ ንገንዘብ፣ ንለይስሙላ ዝተገብረ መስቀል ኣይኮነን ኤሎሂ ኢሎሂ ላማ ሰበቅታኒ (ማቴ 27 ማር 15) እናበለ እንክግዕር እንክሳቀ ቀሊል ኣይኮነን። ነዚ ጉዳይ እዚ ክርድኦ ፈጺምና ኣይንኽእልን ዓቅምና ምስትንታን ምጽላይ ብምሉእ ልቢ ምስጋና ምቅራብ ጥራይ እዩ እንክብሉ ስብከተኦም ዛዘሙ።”

 

31 March 2020, 12:56
ንኩሉ ኣንብብ >