ቤትኣልቦ ብማሕበረሰብ ሓገዝ ይገበረሎም ቤተክርስትያን ከኣ ትቀበሎም! ስለኦም እጽሊ ኣሎኹ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን
ንሎሚ መእተዊ ቅዳሴ ካብ መዝሙረ ዳዊት 26/7 ዝተወስደ ‘ብእግዚኣብሄር ተሰፎ፣ በርትዕ፣ ልብኻ ቀጥ ይበል፣ ኣጆኻ፣ እወ፣ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር’ ዝብል ምስ ተዘመረ ቅዱስነቶም ነቲ ቅዳሴ ስለዝመነመን ከምዝዕርጉ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ኦሪት ዘኁልቊ 21.4 ዝተወስደ ኰይኑ 'ካብ ከረን ሆር ንምድሪ ኤዶም ኪዞሩ ንባሕሪ ኤርትራ ኣቢሎም ተጓዕዙ፡ ነፍሲ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብመገዲ ዓቕሊ ኣጽበበት። እቲ ህዝቢ ድማ፡ ኣብዚ እንጌራ የልቦን፡ ማይ ድማ የልቦን፡ ነዚ ፈኲሽ እንጌራ ኸኣ ነፍስና መንያቶ እያ እሞ፡ ኣብ በረኻ ኽንመውትከ ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣደየብኩምና፧ ኢሎም ኣብ ኣምላኽን ኣብ ሙሴን ተዛረቡ። እግዚኣብሄር ከኣ ዚነዱ ኣትማን ናብ ህዝቢ ሰደደ። ነቲ ህዝቢ ድማ ነኸስዎ፡ ካብ እስራኤል ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ሞተ። ሽዑ እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ መጺኦም፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርና፡ ነዞም ኣትማን ኬርሕቐልና ንእግዚኣብሄር ለምነልና፡ በሉ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ለመነ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ ዚነድድ ተመን ንኣኻ ግበር፡ ኣብ ባላ ድማ ስቐሎ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እተነኽሰ ዘበለ ናብኡ እንተ ጠመተ፡ ኪሓዊ እዩ። ሙሴ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ተመን ገበረ፡ ኣብ ባላውን ሰቐሎ። ኰነ ኸኣ፡ ገለ ተመን ንሰብ እንተ ነኸሰ፡ ናብቲ ተመን ኣስራዚ ምስ ዚጥምት ይሐዊ ነበረ' ዝብል ነበረ። ናይ ዕለቱ ወንጌል እውን ዮሓንስ 8.21 ዝተወስደ ብዛዕባ ኢየሱስ ንኣይሁድ ንሱ ናብ ኣቦኡ ከምዝኸይድ ንሶም ደልዮም ከምዘይረኽብዎ ኣብ ሓጢኣቶም ስለዝሞቱ ከኣ ናብቲ ንሱ ዝኸዶ ኽኸዱ ከምዘይክእሉ ዝገልጽ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ ምልክት ሃበና ምስ በልዎ ወዲሰብ ምስ ተሰቅለ ንሰማይ ሓፍ ምስ በለ ኢልዎም ምርዳእ ሰኣንዎ ንሱ ግን ብዛዕባ እቲ ንድሕነት ደቂሰባት ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ክኸፍሎ ዝነበሮ መሥዋዕቲ ዝገልጽ ነበረ። ቅዱስነቶም ነዚ ኩሉ ብሓንሳእ ኣጠቃሊሎም ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።