ድለ

መሥዋዕተ ቅዳሴ  ኣብ ቤተ ጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተ ጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ናብ ዓለማውነት ገጽና ሸተት ምስ እንብል ቀስ ብቀስ ልብና ካብ ኣምላኽ ይሽፍት! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሓሙስ ዕለት 13 ለካቲት 2020 ዓም ኣብ ቤተ ጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ናይቲ ውሩይ ንጉሥ እስራኤል ዝነበረ ጥበበኛ ሰሎሙን ቀስ ብቀስ ከመይ ኢሉ ካብ ኣምልኾ ከምዝረሓቀ ብምዝኽኻር ዓለም ቀስ ብቀስ ኣደንዚዙ ንልብና ካብ እግዚኣአብሔር ስለዘሸፍቶ ሓለዋ ቀጽል ክነካይድ ሓደራ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ 1ይ ነገስት 11 :4-12 ዝተወስደ ኰይኑ እቲ ብዝለዓለ ናህሪ ንንጉሥ ዳዊት ስዒቡ እግዚአብሔር እንታይ ክህበካ ምስ በሎ ጥበብ ብምሕታቱ ብዙሕ ዝተናእደ ንጉሥ ሰሎሞን ኣብ ፍጻሜ ኣብ እርጋኑ ኣንስቱ ደድሕሪ ካልኦት ኣማልኽቲ ስለዘዘንበላኦ ደድሕሪ ኣምላኽ ሲዶናውያንን ሚልኮም ብምኻድን፡ ጽያፍ ዓሞናውያንን ብምስዓቡን ክፉእ ከምዝገበረን ንኣምላኽ ኣቦኡ ዳዊት እግዚኣአብሔር ብዘይምስዓቡን ኣምላኽ ተቈጢዕዎ ‘እዚ ኣባኻ ስለ እተገብረ፡ ነቲ ዝአዘዝኩኻ ኺዳነይን ሕጋጋትን ድማ ስለ ዘይሐሎካዮ፡ ነዛ መንግስቲ ብርግጽ ካባኻ ቐዲደ ንጊልያኻ ኽህቦ እየ።
እዚ ግና ምእንቲ ኣቦኻ ዳዊት ብዘመንካ ኣይገብሮን፡ ካብ ኢድ ወድኻ እየ ዝቐዳ። ግናኸ ነታ መንግስቲ ብዘላስ ኣይቀዳን እየ፡ ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ዝሐሬኽዋ የሩሳሌምን ኢለ ንወድኻ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ’ ንዝበሎ የዘንቱ።

ቅዱስነቶም ከም ሰሎሙን ንሕና እውን በብቚሩብ ከመይ ኢልና ናብ ሓጢኣት ከምእነንደልሓጽ ንምዝኽኻር ዚኣክል ከምቲ ናይ ዘመን ሰሎሙን ጣዕታት ናይ ዘመንና ዝኾኑ ገንዘብን ከንቱነትን ሥልጣንን ስለዘታልሉና ምስዚኦም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምውራድ ልብና ከመይ ኢሉ ካብ ኣምላኽ ዝሽፍትን ኣብ መወዳእታ ደንዚዙ ናብ ክሕደት ከምዝበጽሕ ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ንጥበብ ሰሎሞን ኣድናቆት ካብ ዝሃባ ንግሥተ ሳባ ካብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ህያብ ሒዛ ዝመጸት ተፈላሳፊት ከም እትመስልን ካብቲ ብዙሕ ሕቶታትን ግድላትን ንሰሎሙን ዘቅረበቶ ንሳ ክሳብ ትድነቅ ሓንቲ ከየትረፈ ከምዝመለሸላ ዘኪሮም ክሳብ ክንድዚ ጥበብ ዝነበሮን ዝተነኣደን ሰብ እኳ እንተነበረ ቀስ ብቀስ ናብ ክሕደት ከምዝበጽሔ ገሊጾም።

ዘገምታዊ ክሕደት!

ቅዱስነቶም እንደገና ናብ ዘመን ሰሎሙን ምልስ ይብሉ እሞ ‘ኣብቲ ዘመን እቲ ብዙሓት ኣንስቲ ክትሕዝ ይከኣል ስለዝነበረ ሰሎሙን ብዙሓት ኣንስቲ ነበራኦ’ ኰይኑ ግን ካብቶም ካብአን ኣይትመርዓው ዝተባህለን ካልእ እምነታት ዝኽተላ ዝነበራ ስለዝተመርዓወ ኣብ መዋጥር ኣተዎ ቀስ ብቀስ ኣማልኽቶም ከምልኽ ድፍኢት ኣሕደራሉ እሞ ብኣንስቲ ዝተሰነፈ ልቡ ካብቲ ኩሉ ዝገበረሉ ሓደ ኣምላኽ ዘንቢሉ ደድሕሪ ኣማልኽቲ ኣንስቱ ከደ። እዚ ክሕደት እዚ ብሃንደበት ዝመጸ ብሓንቲ መዓልቲ ዝመጸ ኣይኮነን ቀስ ብቀስ እናኣደንዘዘ ዝሰዓበ እዩ። ናይ ሓንቲ መዓልቲ ሓጢኣት ወይውን ጌጋ ዘይኮነ ቀስ ብቀስ ሸተት ኢልካ ምንድልሓጽ እዩ ዘመልክት ኢሎም።

“ኣንስቲ ንልቡ ካብ ጐይታ ከምዘልግስ ገበራኦ እግዚአብሔር ከኣ በዚ ጉዳይ እዚ ‘ልብኻ ካባይ ሸፊቱ’ ክብል ይወቅሶ። እዚ ጸገም እዚ ኣብ ሕይወትና እውን የጋጥም እዩ። ምናልባት ኣባና እንተተመልከትና ቀታል ሰብ የብልናን ወይውን ከምቲ ዳዊት ንጉሥ ምስ ሰይቲ ኦርያ ዝገበሮ ዓቢ ሓጢኣት ከምዝገበረ ዝዝከሮ ኣይህሉን። እሞኸ ደኣ ኣበይ ኣሎ እቲ ሓደጋ እንተ ኢልና! ቀስ ብቀስ ኣብ ሓጢኣት ምንድልሓጽ መደንዘዚ ልቢ ኰይኑ ከይተረደኣካ ሸተት ትብል እሞ ናብ ናይ ዘመንና ጣዕታት ዝኾኑ ስልጣንን ገብዘብን ከንቱነትን ትወድቅ እሞ ንእግዚአብሔር ትርስዕ። እዚ ብሰላሕታ ስለዝፍጸም ብጸጋ እግዚኣአብሔር እንተዘይኮኑ ክትወጽእ ኣሸጋሪ እዩ ንዝነበረካ ኩሉ ተጥፍእ። ስለዚ ካብ ዓለማውነት ንጠንቀቅ ምስ ሰይጣንን ምስ እግዚኣአብሔር ተሰማሚዕና ክነብር ኣይንኽእልን ኢና።”

ኣብ ሓደ ግዜ ምስ ሰይጣንን ምስ እግዚአብሔርን ምስምማዕ ኣይከኣልን!

ኣብ ናይ ዕለቱ ጸሎት መዝሙረ ዳዊት 105 (106) ‘ምስ ኣህዛብ ተሓባበሩ፣ ግብርታቶም ከኣ ተማህሩ እምበር፣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞም፣ ነህዛብ ኣየጽነትዎምን። ንጣኦታቶም ኣገልገሉ፣ ንሳቶም ከኣ መፈንጠርያ ዀንዎም። ሽዑ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ህዝቡ ነደደ፣ ንርስቱ ኸኣ ፈንፈኖ’ ዝብል ክፍሊ ወላ እቲ እሙን ዝበሃል እውን ክወድቅን ብእግዚአብሔር ክፍንፈን ከምዚኽእልን ዝገልጹ ቅዱስነቶም ሓዲኡ ምምራጽ እምበር ንዓለምን ንጐይታን ብሓደ ግዜ ክነሐጉስ ኣይንኽእልን ኢሎም። ነቲ እንነብሮ ሕይወት ሓጢኣት ጥዑይ ንምምሳል ብዙሕ እንጽዕር እውን ካብዚኦም ኣይንሓይሽን ኢሎም።

“ስለዚኸስ ቀስ ብቀስ ናብ ዓለማዊ ሕይወት ሸተት ኢልና እንወድቆ ዓቢ ሓጢኣት እዩ። ምናልባት እወ ኣባቴ ኰይኑ ኩሎም ከምኡ እዮም ዝገብሩ ብዙሕ ጸገም የብሉን ደሓን’ ክትብሉ ትኽእሉ። ኰይኑ ግን እዘን ቃላት እዚአን ኣብቲ ኣምላኽ ንዘሎና እምነት ብምኽሓድ እየን ዝጸድቃ። ኣብዚ ኩሉ ዘብጽሕ ከኣ ናይ ዘመንና ጣዖት ዝበልናዮም ገንዘብን ሥልጣንን ከንቱነትን እዮም። ሽዑ ቃል ኣምላኽ ይርሳዕ ፍቅሪ እግዚአብሔር ይቅህም። ኣምልኾ ይተርፍ። ስለዚኸስ ንዲኣያብሎስን ንእግዚአብሔርን ብሓባር ክነሐጒስ ዘይከአል እዩ።”

ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጢኣት ደው ከብለና ዝኽእል ፍቅሪ እግዚአብሔር ጥራይ እዩ እሞ ካብ ንጉሥ ሰሎሙን ተማሂርና ጸጋኡን ፍቅሩን ክህበና ንለምን።

ብድምጺ ንምክትታል!
13 February 2020, 16:35
ንኩሉ ኣንብብ >