ናብ ዓለማውነት ገጽና ሸተት ምስ እንብል ቀስ ብቀስ ልብና ካብ ኣምላኽ ይሽፍት! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ 1ይ ነገስት 11 :4-12 ዝተወስደ ኰይኑ እቲ ብዝለዓለ ናህሪ ንንጉሥ ዳዊት ስዒቡ እግዚአብሔር እንታይ ክህበካ ምስ በሎ ጥበብ ብምሕታቱ ብዙሕ ዝተናእደ ንጉሥ ሰሎሞን ኣብ ፍጻሜ ኣብ እርጋኑ ኣንስቱ ደድሕሪ ካልኦት ኣማልኽቲ ስለዘዘንበላኦ ደድሕሪ ኣምላኽ ሲዶናውያንን ሚልኮም ብምኻድን፡ ጽያፍ ዓሞናውያንን ብምስዓቡን ክፉእ ከምዝገበረን ንኣምላኽ ኣቦኡ ዳዊት እግዚኣአብሔር ብዘይምስዓቡን ኣምላኽ ተቈጢዕዎ ‘እዚ ኣባኻ ስለ እተገብረ፡ ነቲ ዝአዘዝኩኻ ኺዳነይን ሕጋጋትን ድማ ስለ ዘይሐሎካዮ፡ ነዛ መንግስቲ ብርግጽ ካባኻ ቐዲደ ንጊልያኻ ኽህቦ እየ።
እዚ ግና ምእንቲ ኣቦኻ ዳዊት ብዘመንካ ኣይገብሮን፡ ካብ ኢድ ወድኻ እየ ዝቐዳ። ግናኸ ነታ መንግስቲ ብዘላስ ኣይቀዳን እየ፡ ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ዝሐሬኽዋ የሩሳሌምን ኢለ ንወድኻ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ’ ንዝበሎ የዘንቱ።
ቅዱስነቶም ከም ሰሎሙን ንሕና እውን በብቚሩብ ከመይ ኢልና ናብ ሓጢኣት ከምእነንደልሓጽ ንምዝኽኻር ዚኣክል ከምቲ ናይ ዘመን ሰሎሙን ጣዕታት ናይ ዘመንና ዝኾኑ ገንዘብን ከንቱነትን ሥልጣንን ስለዘታልሉና ምስዚኦም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምውራድ ልብና ከመይ ኢሉ ካብ ኣምላኽ ዝሽፍትን ኣብ መወዳእታ ደንዚዙ ናብ ክሕደት ከምዝበጽሕ ገሊጾም።
ቅዱስነቶም ንጥበብ ሰሎሞን ኣድናቆት ካብ ዝሃባ ንግሥተ ሳባ ካብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ህያብ ሒዛ ዝመጸት ተፈላሳፊት ከም እትመስልን ካብቲ ብዙሕ ሕቶታትን ግድላትን ንሰሎሙን ዘቅረበቶ ንሳ ክሳብ ትድነቅ ሓንቲ ከየትረፈ ከምዝመለሸላ ዘኪሮም ክሳብ ክንድዚ ጥበብ ዝነበሮን ዝተነኣደን ሰብ እኳ እንተነበረ ቀስ ብቀስ ናብ ክሕደት ከምዝበጽሔ ገሊጾም።
ዘገምታዊ ክሕደት!
ቅዱስነቶም እንደገና ናብ ዘመን ሰሎሙን ምልስ ይብሉ እሞ ‘ኣብቲ ዘመን እቲ ብዙሓት ኣንስቲ ክትሕዝ ይከኣል ስለዝነበረ ሰሎሙን ብዙሓት ኣንስቲ ነበራኦ’ ኰይኑ ግን ካብቶም ካብአን ኣይትመርዓው ዝተባህለን ካልእ እምነታት ዝኽተላ ዝነበራ ስለዝተመርዓወ ኣብ መዋጥር ኣተዎ ቀስ ብቀስ ኣማልኽቶም ከምልኽ ድፍኢት ኣሕደራሉ እሞ ብኣንስቲ ዝተሰነፈ ልቡ ካብቲ ኩሉ ዝገበረሉ ሓደ ኣምላኽ ዘንቢሉ ደድሕሪ ኣማልኽቲ ኣንስቱ ከደ። እዚ ክሕደት እዚ ብሃንደበት ዝመጸ ብሓንቲ መዓልቲ ዝመጸ ኣይኮነን ቀስ ብቀስ እናኣደንዘዘ ዝሰዓበ እዩ። ናይ ሓንቲ መዓልቲ ሓጢኣት ወይውን ጌጋ ዘይኮነ ቀስ ብቀስ ሸተት ኢልካ ምንድልሓጽ እዩ ዘመልክት ኢሎም።
ኣብ ሓደ ግዜ ምስ ሰይጣንን ምስ እግዚአብሔርን ምስምማዕ ኣይከኣልን!
ኣብ ናይ ዕለቱ ጸሎት መዝሙረ ዳዊት 105 (106) ‘ምስ ኣህዛብ ተሓባበሩ፣ ግብርታቶም ከኣ ተማህሩ እምበር፣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞም፣ ነህዛብ ኣየጽነትዎምን። ንጣኦታቶም ኣገልገሉ፣ ንሳቶም ከኣ መፈንጠርያ ዀንዎም። ሽዑ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ህዝቡ ነደደ፣ ንርስቱ ኸኣ ፈንፈኖ’ ዝብል ክፍሊ ወላ እቲ እሙን ዝበሃል እውን ክወድቅን ብእግዚአብሔር ክፍንፈን ከምዚኽእልን ዝገልጹ ቅዱስነቶም ሓዲኡ ምምራጽ እምበር ንዓለምን ንጐይታን ብሓደ ግዜ ክነሐጉስ ኣይንኽእልን ኢሎም። ነቲ እንነብሮ ሕይወት ሓጢኣት ጥዑይ ንምምሳል ብዙሕ እንጽዕር እውን ካብዚኦም ኣይንሓይሽን ኢሎም።
ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጢኣት ደው ከብለና ዝኽእል ፍቅሪ እግዚአብሔር ጥራይ እዩ እሞ ካብ ንጉሥ ሰሎሙን ተማሂርና ጸጋኡን ፍቅሩን ክህበና ንለምን።