ንሕይወትና ትርጉም ዝህቦ ምስ ኣምላኽ ርክብ ምፍጣር እዩ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ማር 2.1 ኰይኑ ንሓደ መጻጉዕ መእተዊ ምስ ሰኣኑ ናሕሲ በሲዖም ኣብቲ ኢየሱስ ዝነበረ ቤት ምውሳዶምን ኢየሱስ ነቲ መጻጉዕ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ ምስ በሎ ዘልዓሎ ክትዕን ኣብ መወዳእታ ኢየሱስ ሥልጣኑ ንከርኢ ተንሥእ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ ከምዝበሎ ዝገልጽ ነበረ።
ሽሕ’ኳ ኣብቲ ኩነታት ብዙሕ ጸገም እንተ ፈጠረ ኢየሱስ ኣብዚ ፍጻሜ ዝምህረና ዓቢ ነገር ከምዘሎ ንሱ ከኣ ናብቲ መሠረታዊ ዝኾነ ነገር ይመርሓና። ንሱ ናይ እግዚአብሔር ሰብ እዩ በዚ ከኣ ሕሙማት የሕዊ ኰይኑ ግን ቀንዲ ተልእኮኡ ሕሙማት ብሥጋ ምፍዋስ ጥራይ ኣይነበረን ይምህሮም ነበረ ኰይኑ ግን ልዕሊ ማንም መምህር ብሥልጣን ይምህር በዚ ከኣ እቲ መሠረታዊ ክንዮ እዚ ምዃኑ ይሕብር።
ምስ ኢየሱስ ምርኻብን ዝፈጥሮ ፍርህን!
ኢየሱስ ነዘን ቃላት እዚአን ነታ ከሲሶም ዘምጽእሉ ኣብ ዝሙት ዝተረኸት ሰበይቲ እውን ይብለን። ነታ ትበኪ ዝነበረት ሰበይቲ `ሓጢኣትኪ ተሓዲጉልኪ` ምስ በላ እቶም ካልኦት ይዕንቀፉ። እዚ ከኣ ኢየሱስ ብቀጥታ ኣብቲ ቀንዲ ጉዳይ ስለዝሓልፍ እዚ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ ሓይሊ እግዚአብሔር ምዃኑ ስለዝግንዘቡ የፍርሆም ነበረ። ኢየሱስ ኣተሓሒዙ ‘ደጊም ኣይትኣብስ/ሲ’ ክብል ነቶም ምሕረት ዝኣወጀሎም ይነግሮም። ንኣብነት ነቲ 38 ዓመት ዝሓመመ መጻጉዕ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካ ደጊም ኣይተኣብስ ኣይትንገር ይብሎ። ነታ ብዙሕ ትመራመር ዝነበረት ሳምራዊት ሰበይቲ ሰብኣይኪ ጸውዒ ክብል ናብቲ ቀንዲ ጉዳይ ይኣቱ።
እንታይ እዩ እዚ መሠረታዊ ወይውን ቀንዲ ውራይ እንተኢልና ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ እዩ። ንሕና ብዙሕ ግዜ ነዚ ጉዳይ ረሲዕና ነቲ ምንጪ ህላዌናን መሠረትናን ዝኾነ ምስ እግዚአብሔር ክህልወና ንዘለዎ ርክብ ንዝንግዕ ንክንረኽቦ ንምኻድ እውን ንፈርህ። ኰይኑ ግን ሰውነትና ቊሩብ ክቅንጥወና እንከሎ ፈውሲ ደሊና ዘይንፍንቅሎ እምኒ የለን ኣየናይ ሓኪም ኣየናይ ፈውሲ ይጠቅም ኢልና ላዕልን ታሕትን ንብል። ኰይኑ ግን ብዛዕባ መንፈሳዊ ጥዕናና ኩነታት ጽርየት ልብና ንሓስበሉዶ!
ምሕረት - ንመንፈሳዊ ጥዕና ዝኸውን ፈውሲ
ቅዱስነቶም ናብ ቀንዲ ጸገምና ይኣትው እሞ እቲ ብዙሓት ካባና ኑዛዜ ክበሃል እንከሎ እንታይከ ክናዘዝ እየ ኢልና ንጭነቀሉ ኩነት `ሕልና ሓጢኣት ስለዝጐደልና እዩ` ክብሉ ይገልጽዎ እሞ ነቲ ሕማም ነፍሲ ዝኾነ ሓጢኣት ዘሕዊ መድሃኒት ኣሎ እዚ ከኣ ምሕረት ይበሃል ኢሎም።