መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ንሕይወትና ትርጉም ዝህቦ ምስ ኣምላኽ ርክብ ምፍጣር እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 17 ጥሪ 2020 ዓም ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ሕማማት ነፍሲ ንክተሕዊ ምሕረት ምሕታት እዩ መድሓኒቱ፡ ርግጽ እዩ ሕማማት ሥጋና ክንፍውስ ኣድላዪ እዩ ኰይኑ ግን ጥዕና ነፍስና ኩነታት ልብና ክንሓሰበሉ ዘሎና ቀንዲ ጉዳይ እዩ’ እንክብሉ ሰቢኾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ማር 2.1 ኰይኑ ንሓደ መጻጉዕ መእተዊ ምስ ሰኣኑ ናሕሲ በሲዖም ኣብቲ ኢየሱስ ዝነበረ ቤት ምውሳዶምን ኢየሱስ ነቲ መጻጉዕ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ ምስ በሎ ዘልዓሎ ክትዕን ኣብ መወዳእታ ኢየሱስ ሥልጣኑ ንከርኢ ተንሥእ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ ከምዝበሎ ዝገልጽ ነበረ።

ሽሕ’ኳ ኣብቲ ኩነታት ብዙሕ ጸገም እንተ ፈጠረ ኢየሱስ ኣብዚ ፍጻሜ ዝምህረና ዓቢ ነገር ከምዘሎ ንሱ ከኣ ናብቲ መሠረታዊ ዝኾነ ነገር ይመርሓና። ንሱ ናይ እግዚአብሔር ሰብ እዩ በዚ ከኣ ሕሙማት የሕዊ ኰይኑ ግን ቀንዲ ተልእኮኡ ሕሙማት ብሥጋ ምፍዋስ ጥራይ ኣይነበረን ይምህሮም ነበረ ኰይኑ ግን ልዕሊ ማንም መምህር ብሥልጣን ይምህር በዚ ከኣ እቲ መሠረታዊ ክንዮ እዚ ምዃኑ ይሕብር።

“ነቲ መጻጉዕ ይጥምቶ `ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ` ከኣ ይብሎ። ካብ ሥጋዊ ሕማም ምሕዋይ ሓደ ትዕድልቲ እዩ። ከመይ ጥዕና ሥጋና ክንዕቅቦ ዘሎና ትዕድልቲ እግዚአብሔር እዩ። ጐይታ ግን ኣብዚ ፍጻሜ እዚ ጥዕና ልቢ ጥዕና ነፍሲ ክንሕልዎ ዘሎና ጉዳይ ምዃኑ ይምህረና።”

ምስ ኢየሱስ ምርኻብን ዝፈጥሮ ፍርህን!

ኢየሱስ ነዘን ቃላት እዚአን ነታ ከሲሶም ዘምጽእሉ ኣብ ዝሙት ዝተረኸት ሰበይቲ እውን ይብለን። ነታ ትበኪ ዝነበረት ሰበይቲ `ሓጢኣትኪ ተሓዲጉልኪ` ምስ በላ እቶም ካልኦት ይዕንቀፉ። እዚ ከኣ ኢየሱስ ብቀጥታ ኣብቲ ቀንዲ ጉዳይ ስለዝሓልፍ እዚ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ ሓይሊ እግዚአብሔር ምዃኑ ስለዝግንዘቡ የፍርሆም ነበረ። ኢየሱስ ኣተሓሒዙ ‘ደጊም ኣይትኣብስ/ሲ’ ክብል ነቶም ምሕረት ዝኣወጀሎም ይነግሮም። ንኣብነት ነቲ 38 ዓመት ዝሓመመ መጻጉዕ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካ ደጊም ኣይተኣብስ ኣይትንገር ይብሎ። ነታ ብዙሕ ትመራመር ዝነበረት ሳምራዊት ሰበይቲ ሰብኣይኪ ጸውዒ ክብል ናብቲ ቀንዲ ጉዳይ ይኣቱ።

እንታይ እዩ እዚ መሠረታዊ ወይውን ቀንዲ ውራይ እንተኢልና ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ እዩ። ንሕና ብዙሕ ግዜ ነዚ ጉዳይ ረሲዕና ነቲ ምንጪ ህላዌናን መሠረትናን ዝኾነ ምስ እግዚአብሔር ክህልወና ንዘለዎ ርክብ ንዝንግዕ ንክንረኽቦ ንምኻድ እውን ንፈርህ። ኰይኑ ግን ሰውነትና ቊሩብ ክቅንጥወና እንከሎ ፈውሲ ደሊና ዘይንፍንቅሎ እምኒ የለን ኣየናይ ሓኪም ኣየናይ ፈውሲ ይጠቅም ኢልና ላዕልን ታሕትን ንብል። ኰይኑ ግን ብዛዕባ መንፈሳዊ ጥዕናና ኩነታት ጽርየት ልብና ንሓስበሉዶ!

“ኣብዚ ክትሕግዘና እትኽእል ሓንቲ ቃል ኢየሱስ ኣላ፣ ንሳ ኸኣ ‘ወደይ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ’ ትብል እያ። ነዚ ናይ ሓጢኣትና ምሕረት መድሃኒት ሓሲብናሉዶ ንፈልጥ! እስኪ ናብ ሕልናና ምስል ኢልና `ንእግዚአብሔር ምሕረት ክሓተሉ ዘሎኒ ጉዳይ ኣብ ልበይ ኣሎዶ`። ነዛ ሕቶ እዚኣ መብዛሕትና እወ እወ ኩልና ሓጢኣተኛታት ኢና ምሕረት የድልየና ንብል። እዚ ሓፈሻዊት ርእይቶ እዚኣ ከኣ እቲ ጉዳይ ሓይሊ ከምዘጥፍእ ይገብሮ። እቲ ትንቢታዊ ቃል ኢየሱስ መሠረታዊ ጉዳይ ኰይኑ ሓይሊ ዝለበሰ እዩ። ሃየ እምበኣር ሎሚ እውን ግዜ ኣሎና ኢየሱስ ንነፍሲወከፍና ‘ሓጢኣትካ ክሓደገልካ እደሊ ኣሎኹ’ ይብለና ኣሎ። እዚ ምሕረት እዚ ንጥዕና ልብና ንመፈሳዊ ሕይወትና ፈውሲ እዩ።”

ምሕረት - ንመንፈሳዊ ጥዕና ዝኸውን ፈውሲ

ቅዱስነቶም ናብ ቀንዲ ጸገምና ይኣትው እሞ እቲ ብዙሓት ካባና ኑዛዜ ክበሃል እንከሎ እንታይከ ክናዘዝ እየ ኢልና ንጭነቀሉ ኩነት `ሕልና ሓጢኣት ስለዝጐደልና እዩ` ክብሉ ይገልጽዎ እሞ ነቲ ሕማም ነፍሲ ዝኾነ ሓጢኣት ዘሕዊ መድሃኒት ኣሎ እዚ ከኣ ምሕረት ይበሃል ኢሎም።

“ኢየሱስ ገርሀይና ብዝኾነ መንገዲ ናይ ሕይወና መሠረታዊ ነገር ይምህረና። እቲ እንሃርፎ ጥዕና ንክልቲኡ ዘጠቃለለ ማለት ጥዕና ነፍስን ጥዕና ሥጋን እዩ። ከምቲ ንጥዕና ሥጋና ብዙሕ ንግደሰሉ ጥዕና ነፍስና እውን ንሓልዎ። ክንሓዊ እንተደለና ከኣ ናብቲ ከሕውየና ዝኽእል ሓቲኣትና ክሓድገልና ናብ ዝኽእል ንኺድ። ኢየሱስ ነዙ ጉዳይ እዚ እዩ መጺኡ ሕይወቱ ከኣ ምእንት`ዚ ወፍዩ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
17 January 2020, 16:37
ንኩሉ ኣንብብ >