ጐይታ እቲ ብዓጸቦ ጥሜት ዝሳቀ ዘሎ እቲ ዝሓመመን ዝተኣሥረን ሓውና ኣብ ልብና ኣበይ ኣሎ ይብለና ኣሎ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ትኽ ብትኽ ነተን ሕቶታት ብምድጋም ‘ጐይታ ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና ኣበይ ኣሎ ሓውኻ’ ትብል ሕቶ የቅርበልና ኣሎ። እዚ ሓው እዚ መን እዩ ኢልና ንከይንደናገር ከኣ ነቲ ጐይታ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ 25 ኣብ መጨረሻ ፍርዲ ጠምየ ነረ እናበለ ዝዝርዝሮ ብምዝካር እዚ ኣበይ ኣሎ ዝበሃል ዘሎ ሓውና ሓሚሙ ዝሳቀ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝበጽሖ ዘይብሉ ብዕጸቦ ጥሜት ዝሳቀ ወዘተ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።
ቅዱስነቶም ኣብቲ ሕቶ እግዚአብሔርን መልሲ ቃኤልን ምልስ ይብሉ እማ እታ ሕቶ እግዚኣአብሔር ትሓቂ ኰይና ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ንዓኣ ዚኣመሰላ ኣሻዃት ሕቶታትን ከም ናይ ኣቤል ምኽኒት ዝበዝሖ ቀሚሽ ኣደይ ሓንኲልኒ ዚዓይነቱ መልስታትን ብዙ ኣሎ ኢሎም። እዚ ከምዚ ዓይነት ሕንከትን ሕፍረትን ከምዝውሕጠካ ዝግበር ሕቶታት ከም ቃኤል ኣነ እንታይ እፈልጥ ብዛዕባ ሕይወት ሓወይ እንታይ የእትወኒ ኣነዶ ጓሳኡ ኰይነ እናበልካ ምናልባት አእዳውካ ክትሓጽብ ሒዅ ይበሃል። ከም ቃኤል ካብ ገጽ እግዚኣአብሔር ክትሃድም ይጸዓር።
ዘዕጠጥን ዘዕነንን ሕቶታት!
እዚ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ኣብ ሓዲስ ኪዳን እውን ንረኽቦ፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱስ ጴጥሮስ ሰለስተ ግዜ ተፍቅረኒዶ ክብሎ እንከሎ ኣብ መወዳእታ እንታይ ከምዝምልሽ እውን ይጠፍኦ ንስኻ ትፈልጥ ከኣ ይብል። ካልእ ነአአ ትመሳሰል ንሓዋርያት ሰባት መን ይብሉኒ ክብል ይጸንሕ እሞ ንስኹምከ መን ትብሉኒ ይብሎም።
ቅዱስነቶም ብብዙሕ ኣብነታት ምስ ጠቀሱ ነታ ክብልዋ ዝደለዩ ቶጒ ኣቢሎማ ‘እዚ ኩሉ ዕጥይጥይ ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ዘይጥዑይ ኩነት ይገልጽ’ እንክብሉ ነቱ ጉዳይ እናፈለጥና ወሰን ወሰን ዕንክሊል ብማለት ክንሃድሞ ንእንፍትን ፍቅሪ ብጻይ ኣግህድ ኣቢሎም `ሓውና ኣብ ልብና ኣበይ ኣሎ ይብለና ኣሎ!’ እንክብሉ ኣብ ልብና ቦታ ኣለውዶ የብሉን ዝዓይነቱ ሕቶ የቅርቡ እሞ ነቲ ንሕና እንህቦ ናይ ዕጻይ ምጻይ መልሲ ይትንትኑ!
ናይ ዕጻይ ምጻይ መልስታት!
ቅዱስነቶም ቀጺሎም ሎሚ ጐይታ ንነፍሲወከፍና ‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ’ እንክብል ይሓተና ኢሎም።
ቅዱስነቶም ዝተፈላለየ ኣብነታት እናምጽኡ ነቲ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ 25 ኣብ መወዳእታ ፍርዲ ኣበይ ጠሚኻ ወይ ተኣሲርካ ርኢካ ምስ በልዎ ጐይታ ካብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምዎ ንዓይ ከምዝገበርክምዎ ንዝብል ብምጥቃስ እዛ ኣበይ ኣሎ ሓውካ ትብል ንዝጠመየ ንዝሓመመ ንዝጸምኤ ንዝተኣስረ ወዘተ ንኩሎም ኣሕዋትና ስለእትምልከት ብዕጻይ ምጻይ እንሓልፈ ሕቶ ኣይኮነን ንመልሽ እንክብሉ ምስ ኣዘኻኸሩ ነዚ ምስ ዘይንምልስ ሓጢኣት ስለዝወረና ሓጢኣት ከኣ ናብ ሕፍረት ገጹ ስለዝወስድ ግድን ክንሕባእ ንፍትን ኢሎም።
አበይ ኣሎኻ! ኣበይከ ኣሎኻ !
ነዚ ክትሕባእ ምፍታን ቅድሜና ኣቦና ኣዳም ስለዝገበሮ ነታ ነቦና ኣዳም ዝቀረበት ሕቶ እውን ክንዝክራ ከምዝግባአና ከምዚ ክብሉ ኣጠንቂቆም።