መሥዋዕተ ቅዳሴ ር.ሊ.ጳ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ር.ሊ.ጳ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (ANSA)

ጐይታ እቲ ብዓጸቦ ጥሜት ዝሳቀ ዘሎ እቲ ዝሓመመን ዝተኣሥረን ሓውና ኣብ ልብና ኣበይ ኣሎ ይብለና ኣሎ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ብዛዕባ ኣቤልን ቃኤልን ዝዛረብ ክፍሊ ብምጥቃስ ‘ኣበይ ኣሎኻ! ሓውኻ ኣበይ ኣሎ! ነቲ ጐይታ ነቦና ኣዳም ከማኡ ንቃኤል ዘቅረበን ሕቶታት ንነፍሲወከፍና ነቅርበን እንክብሉ ሰቢኾም!

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ትኽ ብትኽ ነተን ሕቶታት ብምድጋም ‘ጐይታ ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና ኣበይ ኣሎ ሓውኻ’ ትብል ሕቶ የቅርበልና ኣሎ። እዚ ሓው እዚ መን እዩ ኢልና ንከይንደናገር ከኣ ነቲ ጐይታ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ 25 ኣብ መጨረሻ ፍርዲ ጠምየ ነረ እናበለ ዝዝርዝሮ ብምዝካር እዚ ኣበይ ኣሎ ዝበሃል ዘሎ ሓውና ሓሚሙ ዝሳቀ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝበጽሖ ዘይብሉ ብዕጸቦ ጥሜት ዝሳቀ ወዘተ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ሕቶ እግዚአብሔርን መልሲ ቃኤልን ምልስ ይብሉ እማ እታ ሕቶ እግዚኣአብሔር ትሓቂ ኰይና ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ንዓኣ ዚኣመሰላ ኣሻዃት ሕቶታትን ከም ናይ ኣቤል ምኽኒት ዝበዝሖ ቀሚሽ ኣደይ ሓንኲልኒ ዚዓይነቱ መልስታትን ብዙ ኣሎ ኢሎም። እዚ ከምዚ ዓይነት ሕንከትን ሕፍረትን ከምዝውሕጠካ ዝግበር ሕቶታት ከም ቃኤል ኣነ እንታይ እፈልጥ ብዛዕባ ሕይወት ሓወይ እንታይ የእትወኒ ኣነዶ ጓሳኡ ኰይነ እናበልካ ምናልባት አእዳውካ ክትሓጽብ ሒዅ ይበሃል። ከም ቃኤል ካብ ገጽ እግዚኣአብሔር ክትሃድም ይጸዓር።

ዘዕጠጥን ዘዕነንን ሕቶታት!

እዚ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ኣብ ሓዲስ ኪዳን እውን ንረኽቦ፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱስ ጴጥሮስ ሰለስተ ግዜ ተፍቅረኒዶ ክብሎ እንከሎ ኣብ መወዳእታ እንታይ ከምዝምልሽ እውን ይጠፍኦ ንስኻ ትፈልጥ ከኣ ይብል። ካልእ ነአአ ትመሳሰል ንሓዋርያት ሰባት መን ይብሉኒ ክብል ይጸንሕ እሞ ንስኹምከ መን ትብሉኒ ይብሎም።

“ኣበይ ኣሎ ሓውካ ትብል ሕቶ እግዚአብሔር ንቃኤልከስ ብዙሕ ነገር ስለትቊስቊስ ከባድ እያ ሕይወት ሓውካ መነባብሮኡ ዘሎካ ኣኽብሮት ወዘተ ክትሃድመሉ ኢድካ ክትሓጽበሉ ዘይከኣል በዳሂ ሕቶ እዩ።”

ቅዱስነቶም ብብዙሕ ኣብነታት ምስ ጠቀሱ ነታ ክብልዋ ዝደለዩ ቶጒ ኣቢሎማ ‘እዚ ኩሉ ዕጥይጥይ ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ዘይጥዑይ ኩነት ይገልጽ’ እንክብሉ ነቱ ጉዳይ እናፈለጥና ወሰን ወሰን ዕንክሊል ብማለት ክንሃድሞ ንእንፍትን ፍቅሪ ብጻይ ኣግህድ ኣቢሎም `ሓውና ኣብ ልብና ኣበይ ኣሎ ይብለና ኣሎ!’ እንክብሉ ኣብ ልብና ቦታ ኣለውዶ የብሉን ዝዓይነቱ ሕቶ የቅርቡ እሞ ነቲ ንሕና እንህቦ ናይ ዕጻይ ምጻይ መልሲ ይትንትኑ!

ናይ ዕጻይ ምጻይ መልስታት!

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ሎሚ ጐይታ ንነፍሲወከፍና ‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ’ እንክብል ይሓተና ኢሎም።

“ሓውኻ ኣበይ ኣሎ እንድዒ ዋእ ሃውካ ደኣ ጠምዩ እንድዩ ዘሎ እወ ኮይኑ ግን ብርግጽ ኣብቲ ኣብ ቊምስናና ዘሎ ናይ ግብረሠናይ ማሕበር ካሪታስ ዝብላዕ ይህብዎ እዮም እናበልካ ዝወሃብ ናይ ዕጻይ ምጻይ መልሲ። ጽንሕ ኢልካ እቲ ሓደ ሓውካ ሓሚሙ ዘሎኸ ኣበይ ኣሎ ብርግጽ ኣብ ሆስፒታል ኣሎ ኣይ ተጋጊኻ ኣብ ሆስፒታል ቦታ የለን ንምዃኑ ዘድሊ መድሓኒትከ ይህልዎዶ ብዝብል ሕቶ ምስ ተወጠርካ ከኣ እዚ ናይ ግሉ ጒዳይ እዩ ኣነ ኣብ ናይ ግሉ ጉዳይ ክኣቱ ኣይደልን እናበልካ ኣእዳውካ ክትሓጽብ ዝግበር ፈተነ እውን ኣሎ። እቲ ዝተኣስረ ሓውካኸ ኣበይ ኣሎ ምስ ተባሃልካ ፈራዲ ተቀዪርካ ከምታ ግብሩ ኣብኣ ይርከባ ወዘተ ጐይታ ግን እቲ ብወሃብቲ ሥራሕ ዝምዝመዝ ሃውካ ብጸሊም ዝሰርሕ ሓውካ ወዘተ ኣበይ ኣሎ እዩ ዝብለካ ዘሎ።”

ቅዱስነቶም ዝተፈላለየ ኣብነታት እናምጽኡ ነቲ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ 25 ኣብ መወዳእታ ፍርዲ ኣበይ ጠሚኻ ወይ ተኣሲርካ ርኢካ ምስ በልዎ ጐይታ ካብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምዎ ንዓይ ከምዝገበርክምዎ ንዝብል ብምጥቃስ እዛ ኣበይ ኣሎ ሓውካ ትብል ንዝጠመየ ንዝሓመመ ንዝጸምኤ ንዝተኣስረ ወዘተ ንኩሎም ኣሕዋትና ስለእትምልከት ብዕጻይ ምጻይ እንሓልፈ ሕቶ ኣይኮነን ንመልሽ እንክብሉ ምስ ኣዘኻኸሩ ነዚ ምስ ዘይንምልስ ሓጢኣት ስለዝወረና ሓጢኣት ከኣ ናብ ሕፍረት ገጹ ስለዝወስድ ግድን ክንሕባእ ንፍትን ኢሎም።

አበይ ኣሎኻ! ኣበይከ ኣሎኻ !

ነዚ ክትሕባእ ምፍታን ቅድሜና ኣቦና ኣዳም ስለዝገበሮ ነታ ነቦና ኣዳም ዝቀረበት ሕቶ እውን ክንዝክራ ከምዝግባአና ከምዚ ክብሉ ኣጠንቂቆም።

“ኣዳም ብሕፍረት ተዋሒጡ ፈሪሁ ተሓብኤ። ንሕና እዛ ሕፍረት እዚኣ እንትትስመዓና ክንደይ ጽቡቅ ነሩ። ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ኣበይከ ኣሎኻ ! እዚ ጉዳያት እዚ ዘይዓጠካኸ ኣብ ኣየናይ ዓለም ትነብር! ካብ ክ ውንነትን ካብ ሓቅን ክትሕባእ ኢልካ ኣይትፈትን። ብተኣማንነትን ብታሕጓስን ብክፉት ልቢ ነዘን ሕቶ ጐይታ መልስ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
18 February 2019, 16:48
ንኩሉ ኣንብብ >