ድለ

2018.09.21 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ማርታ 2018.09.21 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ማርታ  (Vatican Media)

ጐይታ ካበይ ከምዝሓረየና ንዘክር! ር.ሊ.ጳ

ከምቲ ልሙድ ሎሚ ንግሆ ዕለት 21 መስከረም 2018ዓምፍ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ናይ ሎሚ ሥርዓተ ኣምልኾና ብዛዕባ ሕርየት ማቴዎስ ይዛረበና። እቲ መጸበሓዊ ዝነበረ ማቴዎስ ምስ ተሓርየ ሓዋርያ ይኸውን። ንጸዋዕታ ኣምላኽ ብሠለስተ ቃላት ክንገልጾ መደብ ምሕረት ሕርየት ምግባር እየን` እንክብሉ ሰቢኾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ በዓለ ቅዱስ ማቴዎስ ሓዋርያ ዘኪራ እንክትውዕል ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ካብ ማቴ 9.9 ዝተወስደ ኮይኑ ‘ኢየሱስ ካብኡ ምስ ሐለፈ፡ ማቴዎስ ዚብልዎ ሰብኣይ ኣብቲ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣየ እሞ፡ ስዐበኒ፡ በሎ። ተንሲኡ ኸኣ ሰዐቦ። ኰነ ድማ፡ ኣብ ቤቱ ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠ፡ እንሆ፡ ብዙሓት መጸበሓውያንን ሓጥኣንን ምስ ኢየሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ። ፈሪሳውያን ከኣ ርእዮም ንደቀ መዛሙርቱ፡ መምህርኩምሲ ስለምንታይ እዩ ምስ መጸበሓውያንን ሓጥኣንን ዚበልዕ፧ በልዎም። ኢየሱስ ግና ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን። ኣነ ሓጥኣን እምበር፡ ጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ምሕረት እፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ዚብል እንታይ ምዃኑ፡ ኪዱ ተምሀሩ፡ በሎም’ ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ቅዱስ ማቴዎስ ቅድሚ ሕርየቱ መጸበሓዊ ግዙእ ገንዘብ ጥራይ ዘይኮነስ ንሕዝቡን ሃገሩን ግብሪ እናኽፈለ ነቲ ጨቋንን ጸላእን ሕዝቡ ዝኾነ መንግሥቲ የገልግል ብምንባሩ ከዳዕ እውን ይብልዎ ነሮም። ኢየሱስ ከኣ ነዚ ሰብ እዚ እዩ ሰዓበኒ ኢሉ ዝጽውዕን ሓዋርያ ዝገብሮን። ከም ናይ ማቴዎስ ነታ ሳምራዊት ሰበይትን ካልኦት ሓጢኣተኛታትን እናሓረየ ሓዋርያቱ ይገብሮም ከምዝነበረ ይምልከት።

“ኣብ ሕይወት ቤተክርስትያን እንተተመልከትናውን ብዝሓት ክርስትያን ካብ ዝተሓተ ቦታ ተመሪጾም ቅዱሳን ዝኾኑ ቊጽሮም ብጣዕሚ ብዙሕ እዩ። እዚ ሕርየት እዚ ንሕና ክርስትያን ወትሩ ኣብ ሕልናና ክንሕዞ ዘሎና ኮይኑ ነፍሲ ወከፍና ኣነስ ካበይ እየ ተሓርየ ክርስትያን ንምዃን ካበይ ተመሪጸ ዝብል ንመዋዕልና ምሉእ ከሰንየና ኣለዎ። ኣብ’ዚ ዝኽሪ እዚ መሠረትና ካበይ ምዃኑን ሓጢኣተኛታት ምዃናን ክንዝክር ልዕሊ ኩሉ ከኣ ጐይታ ብምሕረቱ ሓጢኣትና ይቅረ ክብልን ኣብ ሕይወት ክርስትና ክጽወዓናን ሓዋርያኡ ክኸውን ከምዝልእኸንን ወትሩ ክዝክሮ ዘሎኒ እዩ።”

ማቴዎስ መሠረቱ ኣይዘንገዔን!

ከምቲ ኣብ ወንጌል ዝሰማዕናዮ ማቴዎስ ጐይታ ምስ ጸዎዕን ሓረዮን ክዳውንተይ ክቅይር ክጸባበቅ ኣይበለን ንብጾቱ ኣነ ቅድሚ ኩሎም ዝተሓረኹ ሓዋርያ እየ ክብል ኣይተረኽበን እኳ ደኣ ካብታ ዝተጸወዓላ ጀሚሩ መዋዕሉ ምሉእ ንኣገልግሎት ወንጌል የወፊ።

“ሓደ ሓዋርያዊ ሡር መሠረቱ መበቆሉ መረበቱ ክርስዕ እንከሎን ንሥልጣንን ሽም ንምርካብን ሃነፍነፍ ክብል እንከሎን ካብ ጐይታ ይርሕቅ ሓደ ሸቃላይ ዕሱብ ይኸውን። ምናልባት ጽቡቅ ክሰርሕ ይኽእል ኮይኑ ግን ሓዋርያ ኣይኮነን። ብዙሕ መደባት ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ክሕንጽጽ ይኽእል ብዙሕ ምንቅስቃስትን ሥርሓትን ከካይድ ይኽእል ኮይኑ ግን ንኢየሱስ ከመሓላልፍ ኣይክእልን ምናልባት ሓደ ሸቃጣይ ክንብሎ ንኽእል። ብስም መንግሥቲ ኣምላኽ ዝሽቅጥ ከመይ ካበይ ከምዝመጸ ዘንጊዑ ኣሎ።”

ስለዚኸስ ይብሉ ቅዱስነቶም ስለዚከስ ዝኽሪ መበቆልና ክህልወና ግድን እዩ። እዚ ዝኽሪ እዚ ኣብ ምሉእ መዋዕል ሕይወት ሓደ ሓዋርያን ክርስትያንን ከሰኒ ኣለዎ።

ንዓና ልግሲ ክጎድለና ይኽእል ንጐይታ ግን ፈጺሙ ኣይጎድሎን!

እቲ ጸገም ንሕና ብዙሕ ግዜ ኩነታትናን መበቆልናን ረሲዕና ወይውን ሓቢእና ናይ ካልኦት ጥራይ ንጥምት ሓጢኣቶም እናዘርዘርና ብዛዕባኦም ንዛረብ ንሓሚ። እዚ ልማድ እዚ ኣየሰጉመናን። እኳ ደኣ ኣብ ክንዳኡ ሓጢኣትና ዘኪርና ገዛእ ርእስና እንተንኸስስን ጐይታ ካበይ ስሒቡ ከምዘውጸኣናን ከምዝሓረየናን ብምዝካር ክነስተንትን ይሓይሽ። ጐይታ ክሓሪ እንከሎ ንሓደ ዓቢ ዕላማ እዩ ዝሓርን ዘሰናዱን። ክርስትያን ምዃን ልዕሊኡ ምንም ዘየሎ ዓቢ ነገር እዩ። ብጣዕሚ ጽቡቅ እዩ። እቲ ጸገም ናይ ውድቀት ብዙሕ ግዜ ካባና እዩ ከመይ ንሱ ምስ ሓረየናን ኣሰናደወናን ሓንሳእ ሓንሳእ ካብኡ ንርሕቅ ኣብ ፍርቂ ጉዕዞ ነቋርጽ። ልግሲ ብዙህ ግዜ ይጐድለና ጐይታ ግን ወትሩ ለጋስ ስለዝኾነን ይጽበየና ስለዘሎን ናብኡ ንመለስ።

ዕንቅፋት ሊቃውንቲ ሕጊ!

ማቴዎስ ጐይታ ሰዓበኒ ክብል ምስ ጸውዖ ንኢየሱስ ምእንቲ ክኽተል ንዝነበሮ ኩሉ ጠንጢኑ ንገንዘቡስ ይኹን ንካልእ ዘፍቅሮ ዝነበረ ገዲፉ። ዓቢ በዓል ገሩ ከኣ ነዕሩኽቱ ኩሎም ዓዲሙ ምስ መምህር ከብዕሉ የኽእሎም። እቲ መኣዲ መጸበሓውያንን ሓጥኣንን ይመልእዎ ዝገደደ ከኣ ኢየሱስ ኣብ ማእከሎም ነበረ።

“ሊቃውንቲ ሕጊ ተዓንቂፎም። ንሓዋርያት ጸዊዖም ከኣ ‘ከመይ ኢሉ እዩ መምርኩም ነዚ ዝግበር! ምስዞም ሰባት እዚኦም ዝበልዕ! ምስዞም ዘይንጹሓት ብምብላዕ ንሱ እውን ክልከም ከምዝኽእል ኣይፈልጥን ድዩ። ክብሉ ምስ ሰምዖም ኢየሱስ ‘ኪዱ ምሕረት እምበር መሥዋዕቲ ኣይኮነን ዘድልየኒ’ ዝብል እንታይ ምዃኑ ተመሃሩ ይብሎም። ምሕረት እግዚአብሔር ንኩሎም ሃሰስ ይብል ንኩሎም ይምሕር። ንሱ ዝሓታ ‘እሺ ሕራይ ጐይታ ሓግዘኒ’ ንክትብሎ ጥራይ እዩ።”

ምሥጢረ ምሕረትከስ ልቢ እግዚአብሔር እዩ!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ዝተዓንቀፉ ‘ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር ጥዑያት ኣይኮኑን። ምሕረት እምበር መስዋዕቲ ኣይደልን። ኣንክብል ንምሕረት ኣምላኽ ንክትረድኦ ምሥጢር እግዚአብሔር ምሕረት ምዃኑ እዚ ከኣ እቲ ዓቢይን ጥዑምን ዝኾነ ልቢ እግዚአብሔር እዩ። ናብ ልቢ እግዚአብሔር ክትበጽሕ እንተደኣ ደሊኻ ንመንገዲ ምሕረት ተኸታተል ብድሕሪኡ ብምሕረቱ ከታትየካ ኣፍቅደሉ’ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

21 September 2018, 18:14
ንኩሉ ኣንብብ >