ጐይታ ካበይ ከምዝሓረየና ንዘክር! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ በዓለ ቅዱስ ማቴዎስ ሓዋርያ ዘኪራ እንክትውዕል ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ካብ ማቴ 9.9 ዝተወስደ ኮይኑ ‘ኢየሱስ ካብኡ ምስ ሐለፈ፡ ማቴዎስ ዚብልዎ ሰብኣይ ኣብቲ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣየ እሞ፡ ስዐበኒ፡ በሎ። ተንሲኡ ኸኣ ሰዐቦ። ኰነ ድማ፡ ኣብ ቤቱ ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠ፡ እንሆ፡ ብዙሓት መጸበሓውያንን ሓጥኣንን ምስ ኢየሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ። ፈሪሳውያን ከኣ ርእዮም ንደቀ መዛሙርቱ፡ መምህርኩምሲ ስለምንታይ እዩ ምስ መጸበሓውያንን ሓጥኣንን ዚበልዕ፧ በልዎም። ኢየሱስ ግና ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን። ኣነ ሓጥኣን እምበር፡ ጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ምሕረት እፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ዚብል እንታይ ምዃኑ፡ ኪዱ ተምሀሩ፡ በሎም’ ዝብል ነበረ።
ቅዱስነቶም ቅዱስ ማቴዎስ ቅድሚ ሕርየቱ መጸበሓዊ ግዙእ ገንዘብ ጥራይ ዘይኮነስ ንሕዝቡን ሃገሩን ግብሪ እናኽፈለ ነቲ ጨቋንን ጸላእን ሕዝቡ ዝኾነ መንግሥቲ የገልግል ብምንባሩ ከዳዕ እውን ይብልዎ ነሮም። ኢየሱስ ከኣ ነዚ ሰብ እዚ እዩ ሰዓበኒ ኢሉ ዝጽውዕን ሓዋርያ ዝገብሮን። ከም ናይ ማቴዎስ ነታ ሳምራዊት ሰበይትን ካልኦት ሓጢኣተኛታትን እናሓረየ ሓዋርያቱ ይገብሮም ከምዝነበረ ይምልከት።
ማቴዎስ መሠረቱ ኣይዘንገዔን!
ከምቲ ኣብ ወንጌል ዝሰማዕናዮ ማቴዎስ ጐይታ ምስ ጸዎዕን ሓረዮን ክዳውንተይ ክቅይር ክጸባበቅ ኣይበለን ንብጾቱ ኣነ ቅድሚ ኩሎም ዝተሓረኹ ሓዋርያ እየ ክብል ኣይተረኽበን እኳ ደኣ ካብታ ዝተጸወዓላ ጀሚሩ መዋዕሉ ምሉእ ንኣገልግሎት ወንጌል የወፊ።
ስለዚኸስ ይብሉ ቅዱስነቶም ስለዚከስ ዝኽሪ መበቆልና ክህልወና ግድን እዩ። እዚ ዝኽሪ እዚ ኣብ ምሉእ መዋዕል ሕይወት ሓደ ሓዋርያን ክርስትያንን ከሰኒ ኣለዎ።
ንዓና ልግሲ ክጎድለና ይኽእል ንጐይታ ግን ፈጺሙ ኣይጎድሎን!
እቲ ጸገም ንሕና ብዙሕ ግዜ ኩነታትናን መበቆልናን ረሲዕና ወይውን ሓቢእና ናይ ካልኦት ጥራይ ንጥምት ሓጢኣቶም እናዘርዘርና ብዛዕባኦም ንዛረብ ንሓሚ። እዚ ልማድ እዚ ኣየሰጉመናን። እኳ ደኣ ኣብ ክንዳኡ ሓጢኣትና ዘኪርና ገዛእ ርእስና እንተንኸስስን ጐይታ ካበይ ስሒቡ ከምዘውጸኣናን ከምዝሓረየናን ብምዝካር ክነስተንትን ይሓይሽ። ጐይታ ክሓሪ እንከሎ ንሓደ ዓቢ ዕላማ እዩ ዝሓርን ዘሰናዱን። ክርስትያን ምዃን ልዕሊኡ ምንም ዘየሎ ዓቢ ነገር እዩ። ብጣዕሚ ጽቡቅ እዩ። እቲ ጸገም ናይ ውድቀት ብዙሕ ግዜ ካባና እዩ ከመይ ንሱ ምስ ሓረየናን ኣሰናደወናን ሓንሳእ ሓንሳእ ካብኡ ንርሕቅ ኣብ ፍርቂ ጉዕዞ ነቋርጽ። ልግሲ ብዙህ ግዜ ይጐድለና ጐይታ ግን ወትሩ ለጋስ ስለዝኾነን ይጽበየና ስለዘሎን ናብኡ ንመለስ።
ዕንቅፋት ሊቃውንቲ ሕጊ!
ማቴዎስ ጐይታ ሰዓበኒ ክብል ምስ ጸውዖ ንኢየሱስ ምእንቲ ክኽተል ንዝነበሮ ኩሉ ጠንጢኑ ንገንዘቡስ ይኹን ንካልእ ዘፍቅሮ ዝነበረ ገዲፉ። ዓቢ በዓል ገሩ ከኣ ነዕሩኽቱ ኩሎም ዓዲሙ ምስ መምህር ከብዕሉ የኽእሎም። እቲ መኣዲ መጸበሓውያንን ሓጥኣንን ይመልእዎ ዝገደደ ከኣ ኢየሱስ ኣብ ማእከሎም ነበረ።
ምሥጢረ ምሕረትከስ ልቢ እግዚአብሔር እዩ!
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ዝተዓንቀፉ ‘ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር ጥዑያት ኣይኮኑን። ምሕረት እምበር መስዋዕቲ ኣይደልን። ኣንክብል ንምሕረት ኣምላኽ ንክትረድኦ ምሥጢር እግዚአብሔር ምሕረት ምዃኑ እዚ ከኣ እቲ ዓቢይን ጥዑምን ዝኾነ ልቢ እግዚአብሔር እዩ። ናብ ልቢ እግዚአብሔር ክትበጽሕ እንተደኣ ደሊኻ ንመንገዲ ምሕረት ተኸታተል ብድሕሪኡ ብምሕረቱ ከታትየካ ኣፍቅደሉ’ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።