ድለ

Vatican News

ክርስቶስ ሕያው እዩ! ሰዓበኒ/ብኒ ይብል ኣሎ! ትምህርቲ ወደመዝሙር - ንኽርስቶስ ምስዓብ

ሕይወት ወደመዝሙርነት ብአባ ተወልደ መብራህቱ
ብድምጺ ንምክትታል!

1.1.   ክርስቲያናዊ ሕይወት ብዓንዲ ርእሱ ሕይወት ወደመዝሙር ኢዩ!

ኩሉ ብክርስቶስ ዝኣምን ዘበለ፣ ወደመዝሙሩ ክኸውን ዝተጸውዐ ኢዩ፣

ክርስቶስ ‘መምህር’ ተባሂሉ ኢዩ ዝጽባዕ ዝነበረ፣ አኳ ደኣ አቲ ‘ብሉጽ መምህር’፣ ወደመዝሙር ምዃን አምበኣር ኩሉ ክርስትያን ክኽዕነ ዘለዎ ጸዋዕታኡ ኢዩ። ኢየሱስ ‘አቶም ናቱ’ (ዮሓ 13፡1) ተባሂሎም ዝፍለጡ ፍሉያት ደቀመዝሙር ኔሮሞ ኢዮም። አዚኣቶም ኣገልገልቲ ቃል ንክኾኑ ዘሰናደዎም ኢዮም ዝነበሩ (ግ.ሓዋ 6፡4)። ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ አዚኣቶም “ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፣ ንርኹሳት መናፍቲ ኪውጽእዎም፣ ንብዘሎ ሕማምን ድናሰን ኬሕውዩ፣ ሥልጣን ሃቦም” (ማቴ 10፡1)። ከምኡ ውን ድራር ፋሲካ ከብዕሉ እንክኸዱ፣ ኢየሱስ ንክልተ ካብ ደቀመዛሙርቱ ሰዲዱ፣ “መምህር ምስ ደቀመዛሙርተይ ድራር ፋሲካ ዝበልዓላ ቤት ኣጋይሽ ኣበይ እያ? ይብል ኣሎ” (ማር 14፡13-14) በልዎ ኢሉ ለኣኽዕም።

ተኸተልቲ ዮሓንስ መጥመቕ ውን ልክዕ ከማኡ ደቀመዛሙርቲ ዮሓንስ ተባሂሎም ይፍለጡ ነበሩ፣

ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ እዚ ከምዚ ይብል፣ “ሽዑ ኣብ መንጐ ደቀመዛሙርቲ ዮሓንስን ሓደ ኣይሁዳውን፣ ብዛዕባ ሥርዓት ምንጻሕ ክርክር ተላዕለ።” (ዮሓ 3፡25)። ኣብ ካልዕ ቦታ ድማ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዮሓንስ ናብ ኢየሱስ መጺኦም፣ “ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንጸውም ደቀ መዛሙርትኻ ደኣ ንምንታይ ዘይጾሙ?” ኢሎም ሓተትዎ።

ፈሪሳውያን ንባዕሎም ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ተባሂሎም ኢዮም ዝፍለጡ ኔሮም፣

እዚ ድማ ብዕላቶም እቶም ፈሪሳውያን፣ ብዛዕባ እቲ ዕውር ኮይኑ ዝተወልደ ደሓር ግና ኢየሱስ ዓይኑ ዝኸፈተሉ መንእሰይ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውያንን አቲ መንእሰይን ክርክር ምስ ኮነ፣ እቶም ኣይሁዳውያን ባዕላቶም ከምዚ በሉ “ወደ መዝሙሩ ንስኻ ኢኻ፣ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና።” (ዮሓ 9፡28)።

ስብከተ ወንጌል ንባዕሉ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ማለት ምዃኑ ኢና እንኣምን

ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ ወንጌ ክሰብኩ ክልእኮም እንከሎ፣ ከምዚ ዝስዕብ በሎም “እምበኣር ኪዱ እሞ፣ ንኹሎም ኣሕዛብ. . . እናእጥመቕኩም ደቀመዛሙርተይ ግበርዎም። . . . ዝኣዘዝኩኹም ኩሉ ኺሕልው ምሃርዎም።” (ማቴ 28፡19-20)። ከማኡ ድማ ጳውሎስና በርናባስን ናብ ደርበ ምስ ከዱ፣ “እናሰበኹ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ  ገብሩ።” (ግ.ሓዋ 14፡21) ዝብል ቃል ንረክብ።

1.2.  ሓቀኛ መንነት ወደመዝሙርት

ኣብዚ እርእስቲ እዚ ብዛዕባ ወደ መዝሙርነት ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት ከነልዕል ኢና፣

1ይ መደ መዝሙርነት ንገለ ገለ ሓቅታት ኣብ ምምሃር ጥራይ ዝተደረተ ኣይኮነን አኳ ደኣ ሓደ ፍሉይ ዝኽዕነ ሕይወት ኢዩ።

2ይ መደ መዝሙርነት ኣብ ገለ ደረጃታት ሕይወት ዝሓቶ ወደ መዝሙር ክኾኖን ክገብሮን ዘለዎ ናይ ሕይወት ግድነታት ኣለዎ።

ስለዚ እምበኣር ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱ ከም ዝስዕብ በሎም፣ “ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕክኩም ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም።” (ዮሓ 8፡31)። ስለዚ እምበኣር ጥራይ ምስማዕ ቅላት መምህር ንሓደ ወደመዝሙር ኣይገብሮን ኢዩ። አኳ ደኣ ኣብ ትምህርታቱ ጸኒዑ ክነብር ክኽእል ኣለዎ። አዚ ማለት ድማ ነቲ ትምህርቲ መምህርካ ናብ ተግባራዊ ሕይወት ምልዋጡ ኣብ ኣቶም ጸኒዕካ ምንባር ከኣ ማለት ኢዩ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ፣ “ንሓድ ሕድኩም ክትፋቐሩ፣ እወ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ጌርኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ክትፋቐሩ፣ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እተ ኣላትኩም በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኩሉ ክፈልጥ ኢዩ።” (ዮሓ 13፡34-35) ክብሎም እንከሎ ኣብነት ዝኾነና ተግባራዊ ትምህርቲ ኢዩ ሂቡና። ኣብዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገዳሲ ዝኽዕነ መንነት ወደ መዝሙር፣ ከምኡ ውን መሰረታዊ ሓቅነቱ ብምንባር፣ ብዘይ እዚ ናቱ ደቀ መዛሙርቲ ከም ዘይንኸውን ይገልጸልና። ብዛዕባ ሕይወት ክንደይ ብዙሕ ዝኾነ ትምህርትታት ክንደይ ዘይተማህሩ በዘየገድስ፣ ሰባት ኣብቶም ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ሕድሕዳዊ ዝኽዕነ ጥቡቕ ፍቕሪ አንተ ዘይረኣዩ፣ አዞም ደቀ መዛሙርቲ እዚኦም ኣርድእቲ ክርስቶስ ክበሃሉ ምንም መሰል የብሎምን። አዚ ድማ ኣገዳሲ ምልክቶም ኢዩ ዝነበረ።

ልክዕ ከምቲ ክርስቶስ ንነፍስወከፍና ዘፍቀረና፣ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ከማኡ ክኾኑ ይግደዱ። ንሳቶም ውን ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ክገብሩን፣ “ከምቲ ኢየሱስ ዝነበሮ ኺነብሩ ይግባእ።” (1 ዮሓ 2፡6)።

አዚ ድማ ነቶም ንሕና ደቂ ኣብረሃም ኢና ኢሎም ንዝጀሃሩ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ኢየሱስ እንታይ ከም ዝበሎም የዘኻኽረና፣ “. . . ውሉድ ኣብርሃም እንተ ትኾኑስ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም።” (ዮሓ 8፡39)። ስለዚ ሓቀኛ ወደመዝሙር እምበኣር፣ አቲ ናይ ሕይወት ወደ መዝሙር ዝኾነ ኣብ ተግባራዊ መነባብሮኡ ብዝግለጽ ኣካይዳኡ ኢዩ ዝፍለጥ። ንገዛእ ርእሱ ድማ ኣብቲ ዝተማህሮ ሓቅታት ጸኒኡ ብምንባር ነቲ መምህሩ ኣብ ምምሳል ዝጽዕር ምስ ዝኽከውብ፣ ናይ መን ወደ መዝሙር ብዃኑ በዚ ይፍለጥ።

ስለዚ እምበኣር ኢዩ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብነታት ናይቶም ደቀ መዛሙርቱ ክበሃሉ ዘይበቕዑ ክጠቕሰልና ዝተረኽበ፣

ንእብነት “ናባይ ዝመጽእ እንተሎ እሞ ኣቡኡን እዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፣ ሕይወቱ  ኽይተረፈትውን እንተ ዘይጸልአ፣ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን ኢዩ። መስቀሉ ጸይሩ ደድሕረይ ዘይስዕብ ዘበለ፣ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን ኢዩ። . . . ከምኡ ድማ ነፍስ ወከፍ ካባኹም ዘልዎ ዘበለ ኹሉ ዘይሓደገ ወደ መዝሙረይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።” (ሉቃ 14፡26-27፣ 33)።

በዚ ኸምዚ እምበኣር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ክኾኑ ዘለዎም በዚ መሰረት ኣንበረሎም፣ በዚ ከኣ ብኹሉ ልቦም ንአዑ ብምውፋይ ንዓለም ክምንንዋን፣ ልዕል ኣዕሩኽቶምን ኣዝማዶምን ንእምላኽ ከፍቅሩ ከም ዘለዎም ኣዘዞም።

ነዚ ሓሳብ እዚ ንምስፋሑ መደ መዝሙሩ ዝኾነ ጴጥሮስ ከምዚ ክብል ይሓቶ፣ “. . . እንሆ ንሕና ኹሉ ሓዲግና ስዒብናካ ኣሎ፣ አንታይ ኮን ክንረክብ ኢና?” (ማቴ 19፡27)፣ ጐይታ ውን ትመሳሳሉ ብዝኽዕነ መንፈሳዊ ትምህርቲ ከምዚ ክብል መለሰሉ፣ “ስለ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ፣ ኣሕዋት፣ ኣሓት፣ ኣቦ፣ ኣደ፣ ሰበይቲ፣ ውሉድ፣ ግርሁ ዝሕደገ ኹሉ ሚእቲ ዕጽፊ ኺረክብ ኢዩ፣ ናይ ዘልዓለም ሕይወትውን ክወርስ እዩ።” (ማቴ 19፡29)

ስለዚ ኸስ ምእንቲ ጐይታ ኢልካ ኩሉ ምሕዳግ መሰረታዊ ኩነት ናይ ሓደ ሓቀኛ ወደ መዝሙር እንክኸውን፣ ወይ ድማ እንተ ወሓደ ብዘይ ዝኽዕነ ጣዕሳ ንኹሉ ክትገድፍ ብልብኻ ድልው ምዃን ኢዩ።

ምእንቲ እዚ ኢዩ ውን ጐይታና ካልእ ኣገዳሲ ኩነት፣ “ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዝርኢ፣ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን ኢዩ።” (ሉቃ 9:62) ክብል እንደጋና ክገልጸልና ዝተረኽበ። ወደ መዝሙር ጐይታና ንምዃን ፍጹም ጽንዓት ይሓትት፣ ብዘይ ዝኽዕነ ተጉላባነት ንድሕሪት ዘይምጥማት። አዚ ድማ ምእንቲ ጐይታን፣ ተልእኽዑን ምሉእ ተወፋይነት ዝሓትት ብምዃኑ ኢዩ። ስለዚ ኢዩ እምበኣር ጐይታ ውን ከምዚ ዝበለ፣ “መስቀሉ ጸይሩ ደድሕረይ ዘይስዕብ ዘበለ፣ ወደ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ።” (ሉቃ 14፡27)።

ካልኦት ኣገደስቲ ግድነታት ወደ መዝሙር ኣለዉ፣ አዚኣቶም ድማ ‘ተጸምዶን ፍጽምናን’ ኢያቶም፣

ኩሉ እቲ ወደ መዝሙር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን ዝደሊ ዘበለ፣ ንኹሉ እቲ ዝሰምዑን ዝተማህሮን ዘበለኩ ኩሉ ክፍጽሞ ዘለዎ ግድነቱ ምዃኑ ክግንዘብ ይግባእ። ነዚ ድማ ነቲ ብቃል ዝተማህሮ ኣብ ግብሪ ብምፍጻም ተግባራዊ ወደ መዝሙር ብዃን የድልዮ። ነቶም ቃል ሰሚዕና ደሓር ግና ንርስዑም እንተ ደኣ ኽዕይና እንታይ ጥቕሚ ኣለዎም? ወይ ጥራይ ንሓበሬታ ኢልና ኣጽኒዕናዮም ውን እንተ ሃሎና እንታይ ኢዩ ሞያኦም? ነዚ ብምፍላጥ ገለ ናብ ቅዱሳን መንፈሳውያን ኣቦታት ዝኸዱ ዝነበሩ ቀዳሞት ክርስቲያን ንዝብልዎ ቃል ክንዝክር ንኽእል፣ “ኦ ኣቦይ ክነብሮ ዘሎኒ ቃል ኣስተምህሩኒ!” ይብሉ ነበሩ። ከመይ እቲ ቃል ሕይወት ንኣዐቶም መንፈሳዊ መግቢ ኢዩ ዝነበረ። ነቲ ቃል ብምቅባል ድማ ንመንፈሳም ይምግብዋ ነበሩ። ብኣኡ ብምንባር ድማ ካብኡ ብዙሕ ጥቕሚ ይረኽቡ። ፍልጠት ጥራይ ዝኾነ ጥቕሚ ኣይኮነ ዝነበሮም አኳ ደኣ ኣብቲ ተግባራዊ ዝኽዕነ ሕይወቶም ብርታዐን ሓይልን ይኾኖም ነበረ።

2ይ ክፋል ብድምጺ ንምክትታል!

2ይ ትምህርቲ

ውሳጣዊ ሕይወት ወደ መዝሙር

ኣብ ዘመና ነዞም ሓደ ቢልዮን ኣቢልና እንኸውን ካቶሊካውያን እንክሓስብ፣ እቲ ብቐዳምነት ጦብላሕ ዝብለና ሓሳብ እንተሎ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ዝበዝሐ ክርስቲያን ናይ ሰንበትን ነዓላትን ክርስቲያን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ሓቂ ኢዩ፣ ናይ ሓቂ ክርስቲያን ዝኾኑ ይርከቡ ኢዮም፣ እንተኾነ ግን ሓቀኛ ብዝኾነ መምዘኒ ምስ እንዕዘብ እዚ ንኡስ ወለዶ፣ ክርስትና ዘይተረድኦ ኢዩ ዝመስል፣ ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ኣገልግሎታትን ስብከታትን ዝሰሓቡ ዘለዉ ኣይመስሉን፣ ስለዚ ናብ ካልእ ኣቢሎም ክኸዱን ኣንፈቶም ክቕይሩን ይረኣዩ ኣለዉ። እዚ ኩነት እዚ ክፍወስ ብስለት ቃል ኣምላኽ ኣብዚ ንኡስ ወለዶ ክንሰርልኡ ዘለና ይጽንሓለይ ዘይብሉ ተልእኾ ጓሶት ነፍሳት ኢዩ። እዚ ድማ ብሓልዮትን ፍቕርን ምስ ዝስርሓሉ ልቢ ወለዶና ዘይርታዕ ኣይኮነን።

ልክዕ ኢዩ፣ ሰባት ሎሚ ብዛዕባ ውሳጣዊ ሕይወቶም ገለ ጸገም ከም ዘለዎም ጽቡቕ ርዳኢት የብሎምን። ብዛዕባ እዚ ነገራት’ዚ ውን ናብ ጓሶቶምን ካህናቶምን ብምኻድ ምኽርን ሓገዝን ክሓቱ ኣይርከቡን። እዃ ደኣ ብኣንጻሩ ናብ ምሁራት ስነ-ኣእምሮን ካልኦት ሰብ ሞያን ምኻድ ይሰልጦም ኣሎ። እንተኾነ ግና እቲ ሓቂ፣ ሓንሳእ ውሳጣዊ ሕይወትና እንተ ደኣ ተሓዲሱ፣ ኩሉ ኩነትና ዝቕየር ምዃኑ ኢዩ። ነዚ ድማ እቲ ብሰባት ዝርከብ ለውጢ ዘይኮነስ፣ እቲ ካብ ኣምላኽ ዝኾነ ምሕዳስ ኢዩ ነዙይ ዝገብሮ።

ክርስቶስ ባዕሉ፣ ኣብ ነብስወከፍ ሰብ መሰረታዊ ለውጢ ንኽህሉ ኣስተምሂሩና ኢዩ፣ አዚ ምሕዳስ አዚ ድማ ካብቲ ውሳጣዊ ዝኾነ ሕይወትና ክጅምር ይግባእ። ጴጥሮስን እቶም ሓዋርያትን ኣብታ ቀዳመቲ መዓልቲ ናይታ ሓዳስ ቤተክርስቲያን ነዚ ኢዮም ዘስተምሃሩ፣ እቶም ሕዝቢ ንጴጥሮስ “እሞ እንታይ ንግበር?” ቢሎም ምስ ሓተትዎ፣ “ተነስሑ፣ ሕድገት ሓጢኣት ምእንቲ ክትረኽቡ ኸኣ ነፍስወከፍ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ይጠመቕ።” እንክብል መለሰሎም (ግ. ሓዋ 2፡37-38)። ስለዚ እምበአር እቶም ሽዑ ነዚ መጸዋዕታ እዚ መልሲ ዝሃቡ፣ ኣብ ውሳጣዊ ሕይወቶም ለውጢ ስለ ዝመጸ ኣብ ተግባራዊ ሕይወቶም ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ቁጠባዊ ሕይወቶም ከይተረፈ ሓድሽ ዝኾነ ኩነት ተፈጥረ። ዘለዎም ዘበለ ኩሉ ኣምጺኦም ኣብ እግሪ ሓዋርያት ከንብርዎ ተአረኽቡ፣ ወላሓደ’ኳ ካብኣቶም እዚ ናተይ ኢዩ ክብል ዝኽእል ኣይነበረን። ነፍስወከፍ ነቲ ኣለኒ ዝብሎ ኩሉ ብገዛእ ፍቓዱ ብደስታ ነታ ሓዳስ ማሕበር ከወፊ ተረኽበ፣ በዚ ድማ ኩሎም ነቲ ዝኣከብዎ ብማዕረ ተኻፊሎም ይነብሩ ስለዝነበሩ፣ ወላ ሓደኳ ካብእቶም እዚ ጐዲሉኒ ዝብል ኣይነበሮምን።

እዚ ዘሎናዮ ዘመንውን ከምዚ ዝመሰለ ብምሕዳስ ውሳጣዊ ሕይወት ዝርከብ ሓዲሽ ሕብረተሰብ የድልዮ ምሕላው ኩልና እንኣምኖ ሓቂ ኢዩ። ኣምላኽ ናብቲ ውሳጣዊ ሕይወትና ኣቢሉ ምስ ዝኣቱ፣ ኣብ ውሳጥዊ ሕይወትና ብዝርከብ ምሕዳስ ነቲ ደጋዊ ሕይወትናውን ከይተረፈ ኢዩ ዝጸልዎ። እንተ ኾነ ግን ክርስቲያናዊ ሃይማኖትና እንተ ደኣ ናይ ሰንበትን በዓላትን ጥራይ ኮይኑ ምስ ዝተርፍ፣ ዕምቈት ዘይብሉን ባዶን ኮይኑ ኢዩ ዝርከብ።

ብመልክዕን ምስልን ኣምላኽ ዝተፈጠርካ ምዃን ማለት እንታይ ማለት ኢዩ?

ኣምላኽ፣ ኣብ ገጽ እቲ ቀዳማይ ሰብ ኡፍ ቢሉ ሕይወት አንክህቦ፣ ነፍስ ወከፍ ሰብ ነቲ ኣብ ልቢ ኣምልኽ ዘሎ ሃብቲ በረኸት፣ ማለት ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ፍስሓ፡ ክብሪ፡ ትዕግስቲ፡ ንጽሕናን ሓድነትን ንኸስተማር ዕድል ረኸበ። ምኽንያቱ ነዞም ሃብታት እዚኣቶም ጽቡቕ ጌርና ኢና እንፈልጦም፣ ወላኳ በቲ ዝተመዛብዐ ጐኑ እንተኾነ፣ ገለ ካብ ኣምላኽ ዝኾነ ነገር ኣባና ከም ዘሎ በዚ ክንግንዘብ ንኽእል ኢና። ነዚ መልክዕ ኣምላኽ እዚ ከኣ ኣብቶም ሕጻናት ጽብቕ ጌርና ክንግንዘቦ ይከኣል። እቶም ኣብ ዓቕሚ ኣዳም ዝበጻሕና ሰባት ኣብ ገለ ግዜ ሕሱር ዝኾነ ተግባር ንገብር፣ ብጣዕሚ እነሕዝን ሰባት ኮይና ኢና ከኣ እንርከብ። ኣተሓሳስባና ድማ ኣብ ገዛእ ርእስና ጥራይ ዝተሓጽረ ኮይኑ ይተርፍ እሞ ምስ ኣምላኽ ምንም ርክብ ዘይብሎም ሰባት ንኸውን። እንተኾነ ግን ካብዚ ንላዕሊ ንዝኾነ ክብሪ ኢና ተፈጢርና። በዚ ኩነትና እንክንግንዘቦ ወላ ሓደኳ ካባና ነቲ ምልአተ ሃብቲ ናይቲ ኣባና ዘሎ ባህሪ ተፈጦሮና ብምልኣት ዝተመኮሮ ዘሎ ኣይንመስልን። እንተኾነ ግና ከም መጠን ውሉድ ኣምላኽ ምዃና፣ ወላ ሓደ ካልእ ፍጡር ከስተማቕሮ ዘይክእል ትመኩሮ ሕይወት ኣሎና። ካብ ግምትና ንላዕሊ ብዝኾነ ፍቕሪ ስለዘፍቅረና ድማ፣ ነቲ እንኮ ወዱ ብምልኣኽ ኣድሓነና። ቅዱስ ሐዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ዝጸሓፋ፣ “ንመላእኽቲ ከም እንፈርድዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?” ይብለና (1 ቆሮ 6፡3)። አዚ ኸኣ ናይ ጸዋዕታናን ምሕራይናን ዓሚቑ ዝኾነ ትርጉሙ እንታይ ምዃኑን፣ ብመልክዕን ኣርኣያን እግዚኣብሔር ምፍጣር ከምይ ምዃኑን ኢዩ ዝገልጸልና።

እግዚኣብሔር ንሰማያትን ምድርን ነቲ ኩሉ ኣብእቶም ዝርከብ ኩሉን ፈጠረ። ከምኡ ድማ ሓደ ፍሉይ ነገር ፈጠረ፣ ሓደ ምስጢራዊ ዝኾነ ዘደንቕ ነገር፣ አዚ ድማ ሰብኣውነትና ኢዩ። ኣምላኽ ብምስሉን ኣርኣያኡን ፈጢሩና ኣብ ገነትውን ኣንበረና፣ ምኽንያቱ ንሱውን ኣባና ክነብር ስለዝደለየ። ቅዱስ መጽሓፍ ከም ዘስተምህረና፣ ኣምላኽ ብኢድ ሰብ ኣብ ዝተገረ ቤተ መቕደስ ኣይነብርን ኢዩ (ግ. ሓዋ 17፡24) ዝብለና፣ ንሕና ግና ባዕሉ ዝፈጠረና ቤተ መቕደሱ ኢና (1 ቆሮ 6፡19)።

ሓደ ቅዱስ ኣቦ “ዕሽነት እቲ ዝዓበየ ሓጢኣት ኢዩ!” ይብሉ ነበሩ። እዚ ማለቶም ግን ምስኪን ኣእምሮ ምሓዝ ማለቶም ኣይኮነን ዝነበረ፣ አኳ ደኣ መንፈሳዊ ባዶነት፣ ከምኡውን ዝሞተ ሕልና ምህላውን፣ ኣብ ውሽጥኻ ድምጺ ኣምላኽ ንምስማዕ ጽን ዘይምባልን ማለቶም ኢዩ ዝነበረ።

ሎሚ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ኢዮም ብዛዕባ ሃብቲ ሰብኣዊ ልባናን ግንዛቤ ዘለዎም።  ልባትና ዓበይቲ ነገራት ክምኰር ዝተፈጥረ ኢዩ፣ ዝበዛሕና ግና ነቲ ኣባና ዘሎ ዕሽነትን መንፈሳዊ ባዶነትን እንተ ደኣ ተሳጊርና እንታይ ከም ዝጸንሓናውን ምንም ኣፍልጦን እምነትን የብልናን። ቅዱስ ጳውሎስ ግና ከምዚ ይብለና፦

“ከምቲ ብዝሒ ክብሩ፣ መንፈሱ ብውሽጥኹም ብሓይሊ ምእንቲ ኼበርትዓኩም እጽሊ እሎኹ። ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ክሓድር፣ ኣብ ፍቕሪ ሱር ክትሰዱን ክትስረቱን፣ ምስ ኩሎም ቅዱሳን ዄንኩምውን ምግፍሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቁመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል ምእንቲ ክትክእሉ፣ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ኸትፈልጥዋ፣ ክሳብ ኩሉ ምልእት ኣምላኽ ከኣ ምእንቲ ኽትመልኡ፣ እጽሊ እሎኹ።” (ኤፌ 3፡16-19)።

ፍቁራት ኣሕዋተይን ኣሓይተይን! ነዛ ሓንቲ ጥቕሲ እዚኣ ጽቡቕ ጌርና እዃ እንተ ንርድኣ፣ መላእ ወንጌል ብሓንሳእ ምተረድኣና ኔሩ። ኣብዚ ጊዜ አዚ ግን ብኹሉ ምልኣት ጸጋ ኣምላኽ ንቕሓት ዘሎና ኣይንመስልን፣ ከምኡ ኢልና እኳ ክንሓስብ ብጣዕሚ ኣጸጋሚ ነገር ኢዩ። እንተ ኾነ ግን እዚ ጸሎት ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ከነቓቕሓናን፣ ሓደ ጦብላሕታ ኣብ ውሽጥና ክፈጥረልና ይባእ።

እግዚኣብሔር ንእስራኤላውያን ከምዚ ይብሎም፦

“እዝንኹም ናባይ ጽለዉ እሞ ንዑ ስምዑ፣ ብሕይወት ክትነብሩ ኢኹም፣” (ኢሳ 55፡3)።

ብኹለንትናኻ ናብ ኣምላኽ ገጽካ ተመሊስካ ምኽኣል ብጣዕሚ ኣገዳሲ ዝኽዕነ ነገር ኢዩ፣ ከምኡ ውን ኣምላኽ ከም ዝዛረበካ ምእማን ቁምነገር ኢዩ። ብኩሉ ኩነትና ኣምላኽ ንኽዛረበና ኣብ ዘሎና ቅሩብነት ኢዩ ዝምርኰስ። ንነዊሕ ጊዜ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝብለና ዘሎ ክንሰምዕ አንተ ዘይከኣልና፣ ኣብ መንጐናን ኣብ መንጐ ሰማያትን ገለ ጸገም ኣሎ ማለት ኢዩ፣ ምናልባት ካብ ፍቕሪ ኣሕዋት ጐዲሉና ከይንህሉ፣ ወይ ውን ምስ ብጻይና ኣብ ኣንጻርነት ተጸሚድና ንርከብ ከይንህሉ። እዚ እንተ ኾይኑ እቲ ጸገምና ድማ፣ ኣስተውዒልናን ነቒሕናን ናብ ኣምላኽ ንመለስ ንነሳሕ፣ ምጽባይና ንኸንቱ ከይከውን።

እወ ፍቁራት ኣሕዋተይን ኣሓተንይን ሓቂ ኢዩ፣ ድሕሪ ቁሩብ ናይ ጽሞና ደቓይቕ ካብ ኣምላኽ መልሲ ንጽበ ማለት ኣይኮነን። ገለ ገለ እዋናት ኢየሱስ ንባዕሉውን ክሳብ ክንደይ ጊዜ መልሲ ይጽበ ከም ዝነበረ ምሕሳብ የድሊ። እንተ ኾነ ግን ሕይወትና ናይ ክርስቶስ እናኾነት ማዕረ ዝተረኽበትሉ፣ ምስኡ ዘሎና ሕብረት ውን እና ዓሞቐ ይኸይድ፣ ቅልጡፍ መልሲ ውን ክንረክብ ንጅምርን፣ ንሱውን ንኣዑ ቕሩባት ምዃና ስለዝፈልጥ፣ ብዝለዓለ ብቕዓት ኣብ ኣገልግሎቱ ከውዕለናን ደቀ መዛሙርቱ ክገብረናን ይርከብ።

ይቕጽል. . .

22 September 2020, 23:00