ክርስቶስ ሕያው እዩ! ሰዓበኒ/ብኒ ይብል ኣሎ! ትምህርቲ ወደመዝሙር - ንኽርስቶስ ምስዓብ

ሕይወት ወደመዝሙርነት ብአባ ተወልደ መብራህቱ
መበል 24 ትምህርቲ ብድምጺ ንምክትታል!

መበል 24 ትምህርቲ

“ኦ ኢየሱስ ኦ መምህር መሓረና! በልዎ” (ሉቃ 17:11-19)

ክርስቶስ ከም ተልእኾኡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ክኸይድ እንከሎ ኣብ መገሻኡ ብሃንደበት ዓሰርተ ለምጻማት ሰባት ኣብ በረኻ ብርሑቕ ብማዕዶ ምስ ረኣይዎ፣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ብእምነት “ኦ ኢየሱስ፣ ኦ መምህር መሓረና” እናበሉ ልመናኦም የስምዑ።

እዞም ለምጻማት መን ኢዮም? ኣብ ግዜ ክርስቶስ፣ ኣብ መንጐ ኣይሁዳውያን ኣርባዕተ ዓይነት ሕይወት ደቂ ሰባት ከም ምዉታት ዝቑጸሩ ነይሮም። ንሳቶም ከኣ ከም፥ በተኽ ድኻታት፣ ለምጻማት (ምልቡሳት)፣ ዓይነ ስዉራን፣ ዕሸላት ሕጻናት ኢዮም ዝነበሩ።

ለምጻማት ካብ ከብዲ ዓዲ ወጺኦም ኣብ በረኻታትን በዓትታን፣ ኣብ ገማግም መሓይዛትን ዝነብሩ ካብ ሕብረተሰብ ዝተገለሉን ዝተወገኑን ኢዮም ዝነበሩ። ምኽንያቱ ከኣ ዘይንጹሓት ርኹሳት ስለዝሕሰቡ፣ ናብ ሰብ ኣይቀርቡን ኣብ ቤተመቕደስ ውን ኣይቅልቀሉን ኢዮም።

ኣብ እምነት ኣይሁድ ዝኾነ ሕማም ሳዕቤን ሓጢኣት ኢሎም ስለዝሓስብዎን ስለኣምንዎን ኩሎም ሕሙማት ከም ገብርቲ ሓጢኣት፣ ከም ጸላእቲ እግዚኣብሔር ኢዮም ዝቑጸሩ። ብፍላይ ከኣ ለምጻማት ዓቢ ኣብነት ሳዕቤን ሓጢኣት ኢይም ዝብልዎም ዝነበሩ።  መምህራን ኣይሁድ ከኣ ብግዲኦም ነዞም ለምጻማት ዝኾኑ ሰብት ከይትንክፍዎምን ምስ ዝኾነ ሰብ ከይራኸቡን ይምህሩ ነበሩ። ናብ ከብዲ ዓዲ እንተ ኣትዮም ከኣ ብዳርባ እምኒ ኣናወርወሩ “ኪዱ ናብ ቤትክም “እና በሉ ይሰጉዎም ነበሩ። ስለዚ ከኣ ኢዮም ካብ ዓዲ ወጾኦም በብዝመጽዎ ተኣኪቦም፣ ብማዕዶ እናጨርሑ “ኦ ኢየሱስ ኦ መምህር መሓረና” “ኣሕውየና፣ ደንግጸልና” እናበሉ ከብድኻ ብዝበልዕ ድምጺ ዘድሃዮም ዘስምዑ።

እዞም ሰብት እዚኣቶም ካብ ደቂ ዓዶምን ካብ ስድራቤቶምን ተስፋ ስለ ዝተቐብጹ ደንጋጺ ዘይብሎም ካብ ኣምላኽ ምሕረትን ሞትን ዝጽበዪ ሰባት ኢዮም። እንተኾነ ግን ኣብ ክርስቶስ ዓቢይ እምነትን፣ ዓቢይ ተስፋን፣ ዓቢይ ሓልዮትን፣  ዓቢይ ፍቕርን ብምሕዳር ድምጾም ኣልዒሎም ጥርዓኖም ከቕርቡ ዝተረኽቡ። ካብ ሓጢኣቶም ኪነጽሑ ካብ ሕማሞም ክፍወሱ ነቲ ሓኪም ናይ ነፍሲ መድሃኒት ይሓቱ። ንሕናኸ ሎሚ ጉድልነታን ሓጢኣትናን ውድቀትናን ተረዲእና “ኦ ኢየሱስ ኦ መምህር መሓረና” ክንብልዶ ንድፍር? እስኪ ብእምነት ብሓባት ብሓደ ስሙር ድምጺ ዓው ኢልና “ኦ ኢየሱስ ኦ መምህር መሓረና” ንበሎ።

·       ክርስቶስ ከኣ ልመናና ሰሚዑ ካብ ምንታይ ክምሕረኩም እንተ ዝብለና ካብ ምንታይ ምበልናዮ?

·       ኣሕዋተይ ብርግጽዶ ሓማምናን ቁስልናን ሓጢኣትናን ፈሊጥናዶ ኣሎና?

·       እስኪ ናብ መዓሙቕ ልብና ወሪድና ንቁስልናን ንሕማምናን ንፈትሽ፥

·       እዚ ስሙ ኣልዒልና ዝጸዋዕናዮ ጥምዕም ኢየሱስ፣ ወትሩ ኣብ መንበረ ታቦት ኮይኑ ዝጽበየና፣ ወግሐ ጸብሐ ብምስጢረ ቅዱስ ቁርባን እንቕበሎ ክርስቶስ ከም ዝምሕረና ንኣምንዶ?

·       እወ ካብ ሓጢኣትካ ካብ በደልካ ካብ ድኻምነትካ ካብ ዘፈንፍን ታሪኽ ሕይወትካ ከም ዝፍውስከ ትኣምንዶ?

·       ነዚ ኣብ መዓሙቕ ልብኻ ተዓጽዪ ዕረፍቲ ሕልና ዝኸልኣካ ዘሎ ሰላም ልብኻ ዝዘርገልካ ዘሎ ሓጢኣትካ፣ ክርስቶስ ጥራህ ከም ዝቕንጥጦ ትኣምንዶ?

 

እስከ ናብ ኣስተንትኖና ንመለስ፣ ክርስቶስ ነዞም ምሕረት ኪግበረሎም ዝሓተዎ ዘለዉ ዓሰርተ ለምጻማት ዝኾኑ ካልእ ነገር ከይተዛረበ “ኪዱ ርእስኹም ናብ ካህናት ኣርእዩ!” ይብሎም። እዚ ኣብ ስርዓት ኣይሁዳውያን ልሙድ ተርእዮ ኢዩ። ኣብ ዘሌዋውያን 14፡2-7 ንሓደ ለምጻም ምስ ነጽሐ ናብ ካህን ከይዱ ይርአ፣ ጥዕናኡ የምስክር ስለዝብል ኢዩ። እቲ ዘገርም ግና ኣብ ካህን ከይበጽሑ ኣብ መንገዲ ከለዉ ከም ዝነጽሑ ተረድኦም ብርግጽ ደው ኢሎም ተማጒቶም ክኾኑ ኣለዎም። እቶም ትሽዓተ ደቂ ሓደ ዓሌት ዝነበሩ ኣብ ባህልን ስርዓትን ዝኣምኑ ንሕጊ ኪፍጽሙ ብዘይ ሞሳ ኪከዱ ከለዉ፣ እቲ ኣንጻር ዓሌቶም ዝኾነ ሳምራዊ ግና ከመስግን ሞሳ ኪመልስ ናብቲ ዝራህርሓሉ ኣምላኽ ይምለስ። በቲ ዝተገብረሉ ምሕረት እና ኣመስገነ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ተደፊኣኡ ይሰግድ። “ክርስቶስ ከኣ እምነትካ ኢያ ዘሕወየትካ” ይብሎ። እወ ንዓና ውን ዝሓተትናዮ ዝለመናዮ ኪገብረልና እምነት የድልየና፣ ናይ ኣፍ ዘይኮነስ ናይ ልቢ ኣምነት የድልየና። “እቲ ብወልድ ዝእምን ናይ ዘልዓለም ሕይወት ኣለዎ።” “ብኣይ እመኑ በቦይ እመኑ” ኢዩ ዝብል፣ ስለዚ ብእምነት ቀሪብና፣ ብእምነት ዘድልየና ንሕተት።

እዞም ሕሙማት ሓደ ዘይኮነስ ዓሰርተ ለምጻማት ኢዮም ዝነበሩ። ሉቃስ ዓሰርተ ለምጻማት ክብል እንከሎ ንዓሰርተ ዓቢይ ትርጉም ስለዝህቦ ኢዩ። ዓሰርተ ከም ስርዓት ኣይሁዳውያን ምሉእ ቁጽሪ ኢዩ። ዓሰርተ ትእዛዛት ከምኡ ከኣ ፍጻሜ ምልኣት ኢዩ ዘስምዕ።

እዞም ዓስርተ ለምጻማት ከኣ ምልእት ናይ ሓደ ሕዝቢ ኢዮም ዘመልክቱ። ንሕዝቢ እስራኤል ወይ ንኹሉ ወዲ ኣዳም። እዞም ዓስርተ ለምጻማት ከኣ ከም ምልክት ኩነት ናይ ሓጢኣት ኢዮም። እዚ ከኣ ሕማቕ ዕድል ወድሰብ ከብ ኣምላኽን  ብጾቶምን ዝገጠሞምን፣ ፍሉይ ምልክት ምልእት ቁጽሪ ዝበልናዮን እምበኣር ኩላትና ካብ ጐይታ ብሓጢኣት ከም ዝተፈለና ሕጂ ግና ኩላትና ካብ ጐይታ ድሕነትን ምሕረትን ከም ዘድልየና ዘልክት ኢዩ።

እዞም ዓስርተ ለምጻማት ናይ ክልተ ዓሌት ሰባት ኢዮም ኔሮም ብሰንኪ ሕማም ከኣ እቶም ዘይቃደው ሕዝቢ ሓደ ከም ዝኾኑን ዕርክነት ከም ዝመስረቱ የረድእ። ኣምበኣር እዞም ሕሙማት ካብ ዓይኒ ወድሰብ ርሒቖም ክነብሩ ከለዉ፣ ካብ ዓይኒ እግዚኣብሔር ግና ኣይረሓቑን፣ ኣብ ሓሳብት ደቂ ሰባት ሓጥኣን ዘይድሕኑ ኩኑናት እንክግመቱ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚኣብሔር ምሕረት ዝረኸቡ ኢዮም። እዚ ዘመልክተልና ከኣ ነሕዋትናን ብጾትናን ብድኻምነት ከም በደለኛታትን ሓጥኣንን ቆጺርና ከይንውግኖምን ከይንፈርዶምን ኢዩ ዘስተምህረና።

ይቕጽል. . .

 

መበል 22 ትምህርቲ ብድምጺ ንምክትታል!

መበል 22 ትምህርቲ

“ጐይታ እምነት ወስኸና!” (ሉቃ 17:5-10)

እዛ ሎሚ እነስተንትና ዘሎና ሓረግ ሓዋርያት ካብ መዓሙቕ ልቦም ዘቕረብዎ ናይ ልመና ቃል እዩ። ሓዋርያት ቅድሚ እዛ ሓረግ እዚኣ ምባሎም ምሕታቶም ትርር ዝበለ ርእስኻ ዘንጸራሩ፣ በቲ ሓደ ኸኣ ዘፍርሕ ቃል ምስ ሰምዑ ኩሉ እቲ ክርስቶስ ዝበሎም ከኣ ርእሰ ምናኔ ዝሓትት፣ ዓቢ ናይ ገዛእ ርእስኻ ወፈያ ዝደሊ፣ ብኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ጽንክር ዝበለ ንኽትገብሮ ዝእግመካ መስዋእቲ ርእስኻ ዝሓትት ምዃኑ ምስተረድኡ ዘቕረብዎ ናይ ፍርሂ ቃል ኢዩ። ኣፎም ከፊቶም ከኣ “ጐይታይ እምነት ወስኸና!” በልዎ። ዘገርም እዩ፣ ሓዋርያት ንተግባርነት ትእዛዝ ጐይታኦም ኣብ ግብሪ ንኸውዕሉ ናብ ዝኾነ ካልእ ነገር ግልጽ ምልጽ ኣይበሉን። ነቲ ጐይታ ዝብሎ ዘሎ ክፍጽሙ ተመሊሶም ካብኡ ሓይሎ እምነት ይሓቱ። ኩሉ እቲ ጐይታ ዝበሎ ዝፍጽምሉ መሳርያ እምነት ምዃኑ ኣሚኖም ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንሱ ንብሕቱ ጥራሕ ወሃቢ ጸጋታት ምዃኑ ኣሚኖም ጸጋ እነት ወስኸና ክብሉ ዝሓተቱ።

“እምነት”

እምነት ማለት እንታይ ማለት ኢዩ?

እምነት ማለት ብሕጽር ዝበለ ብኣገላልጻ ካቶሊካዊ ትምህርቲ “እምነት” ሓደ ካብ መለኮታውያን ሓይላት እዩ። መለኮታውያን ሓይላት ዝበሃሉ ከኣ “እምነት፣ ተስፋ፣ ንቕሪ” ኢያቶም።

እምበኣር እነት ማለት ቃል ንቃሉ፣ ምቕባል፣ ተስፋኻ ኣባኡ ምውዳቕ፣ ሃይማኖት ምግባር ማለት ኢዩ። ብኻልእ ምንገዲ ከኣ እምነት ማለት፣ መልሲ ምሃብ፣ ምካብ፣ ስጉምቲ ወይ ተበግሶ ምውሳድ ማለት ኢዩ።

እዚ ኩሉ ዝበልናዮ ኣእምሮ ምስ ኣመነ፣ ምስ ተቐበለ፣ ምስ ረዓመ ዝግበር መልሲ ናይ ሰብእዊ መንነት ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ ኣእምሮ ብስካ ተመሪሑ ዝህቦ ማለት ኣይኮነን፣ እንታይ ድኣ ኣኣምሮ መንፈስና ብጸጋ እግዚኣብሔር ተመሪሑ ዝህቦ መልሲ ኢዩ። ኣብዚ ብእምነት ተምሪሕና ጽጋ እግዚኣብሔር ተምሊእና እንህቦ መልሲ ኣብቲ ዘይጭበጥን ዘይድህሰስን ዘይረአን ረቂቕ ዝኾነ ነገር ኢና። ማለት ካብ ርድኢት ወድሰብ ንላዕሊ ዝኽዕነ ነገር ብእነት ንምልስ።

እዛ እነት እዚኣ ኢያ ኸኣ ነዚ ድኺም ወድሰብ ነዚ ህያው ፈጣርን ከም መሳልል ኮይና እተራኽቦም።

እምባእር እነት መሰረቱ “ህያብ፣ ጸጋ” እግዚኣብሔር እዩ። እምነት ንኽርስቲያን ከኣ፣ ነቲ እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ወዱገቢሩ ዝገልጸልና ምስጢር ድሕነት፣ ፈቲኻ ብነጻ ምርጫኻ ተቐቢልካ፣ ጸኒዕካ ምሕላውን፣ ተጊህካ ምትግባሩን ኢዩ ዝገልጽ። ኣብ እምነት ክርስትና እንተ ተመልከትና እምነት ናይ ግልና ናይ ሓባርን ኮይና ኢና እንረኽባ። ማለት ብመጀመርታ ብግልኻ ትኣምን፣ ምስ ኣመንካ ከኣ ምስቶም ከማኻ ዝኣምኑ ትሓብር፣ በዚውን ማሕበር ኣመንቲ ተቕውም። ምስእቶም ውን ብጸጋ ምስጢረ ጥምቀት ትሓብር። እዛ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበትና ጸጋ ኣነት፣ ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኮይና ኣብ ሓጉስ ኣምላኽ ክንሳተፍን ክንመላለስን ትዕድመና።

ኣቐዲመ ከም ዝበልክዎ ኣምነት ከኣ ናጻ ህያብን ናጻ ጻውዒትን ኢዩ። ብሓይልን ብኣስገዳድን ዝእቶ ከኣ ኣይኮነን። ማለት ብግዲ ብጐነጽ ሕልናኻን መንፈስካን ከተቐበሎ፣ ኣእምሮኻ ከይረዓመሉ እቶ ተባሂልካ ዝእቶ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፣ “እምነት ነጻ ህያብ ኢዩ፣ እምነት ነጻ ምርጫ ከኣ ኢዩ።”

እምበኣር ኣብ ምድራዊ  ጐዕዞ ሕይወትና እቲ ዝበለጸ ህያብ እግዚኣብሔር ጸጋ እምነት እዩ። ነዚ ዝተዋህበና ጸጋ ኣምነት ዕቤቱን ጣዕሙን መቐረቱን ኣብ ሕይወትና ምስ ተሓትመ ነቲ ጽውዓና ብኣምልኽዕ መልሲ እናሃብና ነቲ ዘስተማቐርናዮ ሰናይ ነገር ነቲ ሰናይ ዝግብኦ ሓውና ከነካፍሎ ግዴታና ናይ ነፍሲ ወከፍና ኮይኑ ይስምዓን። ኣብ መንገዲ እምነትና ማሳና ክሕብር ከኣ ብሓላፍነት ንዕድሞ።

“ጐይታ እምነት ወስኸና!”

እስኪ ኩልና ብእምነት ከም ዘድልየና ኣምነት ከም ዝጐደለና ኣሚና ናብ ጐይታ ልብና ከፊትና ኣእዳውና ኣልዒልና “ጐይታ ኣምነት ወስኸና!” እናበልና እምነት ክህበና ንሕተቶ። ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝበልናዮ፥

·       ኣብ ቅድሚ ሓውና ንጹሓትን ኢንታ ጸይብሎምን ቅኑዓት፣ ኣብነታውያን ሰባት ክንክውን ንሓውና ካብ መዓንቀፊ እነድሕን ማለት ተግባርናን እምነትና ንሓውና ዝሃንጽ ናብ ቅንዕና ዝመልስ ኮኸውን እምነት ወስኸና ንበሎ።

·       ንዝበደለና ሓውና ብዓይኒ ምሕረትን ፍቕር ርሕራሔን ርኢና ምሒረካ ኣለኹ እቕረ ኢለልካ ኣለኹ ክንብል ጐይታ እምነት ወስኸና ንበሎ።

·       ኣብ ሕይወትና ብዙሕ ግዜ ገጢሙና ይኸውን ዝበደለና ዝዓመጸና ንዝጨከነልና ኣሕሊፉ ንዝሃበና. . . እቕረ ክንብለሉ ንበደሉ ክንምሕሮ ክንደይ ተሸጊርና ክንደይ ተጨኒቕና ንኸውን።

·       እዚ ንሓውኻ ምሕረት ምግባር፣ ብሰብእዊ ርዳኢት ምስ ኣንነትካን መንነትካን ስለዝተኣሳሰር ንኹሉ ናይ ስጋ ዘመድካ ስለዝተንክፍ ንምትግባሩ ንምሽናፉ ክንደይ ጽንኩር ምዃኑ ኩልና እንፈልጦ ሓቂ ኢዩ።

እኳ ደኣ ነቶም ኣብ ዓለም ዝርከቡ ኣሕዋትና ንዓና ዞም ብኹልንትናና ሰማያዊ ንጉስ ሕይወትና ዝመነና ገለ ገለ ሻዕ ንሓውና ምሕረት ምግባር ክንደይ ከም ዝብርትዓና ባዕልና ንፈልጦ። ነዚ ክበድ ተግባርነቱ ስለዝተረድኡ ሓዋርያት ከኣ እዚ ክርስቶስ በሎም ልዕሊ ዓቕሞም ምዃኑ ተረዲኦም ብመጀመርያ ብተግባርነቱ ዝኸውን “እምነት መስኸና!” ክብሉ ዝሓተቱ። ዝሓተትዎ እምነት ከኣ ንሓዎም ከይዕንቅፉን ብነደል ሓዎም ምሒሮም ማንቲ ክኽእሉን ኢዮም።

ሎሚ ንሓን እንሓቶም “እምነትከ!” ንምታይ ኢዩ? እቐዲምና ከም ዝበልናዮ እምነት “ናጻ ህያብ እግዚኣብሔር” ኢዩ፣ ኢልና ኔርና። ስለዚ እምነትና ንእምላኽ መልሲ ክንህበሉን ንብጻይና ክንሃንጸሉን ንሕና ምስ ኣምላኽና ክንሕጐሰሉን ኢዩ። ንእምነትና ብጌጋ ከይንጥቀመሉን ኣብ ዝይቦትኡ ከይነውዕሎን ጥንቁቕ ሓለዋ የድልየና።

ማለት እምነት ንጃህራን፣ ትምክሕትን፣ ንኽብርን፣ ስልጣንን ንረኣዩለይ ስምዑለይ ኣይወሃብን ኣይቦትኡን ከኣ ኢዩ።

እምበኣር ናይ ሎሚ እስተንትኖና ንሓይልን ብርታዔን እምነት ኪገልጽ እምነት ወስኸና ኢሎም ንዝሓተቱ ሓዋርያት ከምዚ ክብል መለሰሎም፣ “ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እነት እንተ ትህልወኩምሲ ነዚ ሳግላ ተምንቁስካ ኣብ ባሕሪ ተወርወር ምበልኩምዎ እሞ ንሱ ከኣ ምተኣዘዘኩም ነይሩ።” ይብሎም።

 

ብድምጺ ንምክትታል!

1.1.   ክርስቲያናዊ ሕይወት ብዓንዲ ርእሱ ሕይወት ወደመዝሙር ኢዩ!

ኩሉ ብክርስቶስ ዝኣምን ዘበለ፣ ወደመዝሙሩ ክኸውን ዝተጸውዐ ኢዩ፣

ክርስቶስ ‘መምህር’ ተባሂሉ ኢዩ ዝጽባዕ ዝነበረ፣ አኳ ደኣ አቲ ‘ብሉጽ መምህር’፣ ወደመዝሙር ምዃን አምበኣር ኩሉ ክርስትያን ክኽዕነ ዘለዎ ጸዋዕታኡ ኢዩ። ኢየሱስ ‘አቶም ናቱ’ (ዮሓ 13፡1) ተባሂሎም ዝፍለጡ ፍሉያት ደቀመዝሙር ኔሮሞ ኢዮም። አዚኣቶም ኣገልገልቲ ቃል ንክኾኑ ዘሰናደዎም ኢዮም ዝነበሩ (ግ.ሓዋ 6፡4)። ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ አዚኣቶም “ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፣ ንርኹሳት መናፍቲ ኪውጽእዎም፣ ንብዘሎ ሕማምን ድናሰን ኬሕውዩ፣ ሥልጣን ሃቦም” (ማቴ 10፡1)። ከምኡ ውን ድራር ፋሲካ ከብዕሉ እንክኸዱ፣ ኢየሱስ ንክልተ ካብ ደቀመዛሙርቱ ሰዲዱ፣ “መምህር ምስ ደቀመዛሙርተይ ድራር ፋሲካ ዝበልዓላ ቤት ኣጋይሽ ኣበይ እያ? ይብል ኣሎ” (ማር 14፡13-14) በልዎ ኢሉ ለኣኽዕም።

ተኸተልቲ ዮሓንስ መጥመቕ ውን ልክዕ ከማኡ ደቀመዛሙርቲ ዮሓንስ ተባሂሎም ይፍለጡ ነበሩ፣

ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ እዚ ከምዚ ይብል፣ “ሽዑ ኣብ መንጐ ደቀመዛሙርቲ ዮሓንስን ሓደ ኣይሁዳውን፣ ብዛዕባ ሥርዓት ምንጻሕ ክርክር ተላዕለ።” (ዮሓ 3፡25)። ኣብ ካልዕ ቦታ ድማ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዮሓንስ ናብ ኢየሱስ መጺኦም፣ “ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንጸውም ደቀ መዛሙርትኻ ደኣ ንምንታይ ዘይጾሙ?” ኢሎም ሓተትዎ።

ፈሪሳውያን ንባዕሎም ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ተባሂሎም ኢዮም ዝፍለጡ ኔሮም፣

እዚ ድማ ብዕላቶም እቶም ፈሪሳውያን፣ ብዛዕባ እቲ ዕውር ኮይኑ ዝተወልደ ደሓር ግና ኢየሱስ ዓይኑ ዝኸፈተሉ መንእሰይ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውያንን አቲ መንእሰይን ክርክር ምስ ኮነ፣ እቶም ኣይሁዳውያን ባዕላቶም ከምዚ በሉ “ወደ መዝሙሩ ንስኻ ኢኻ፣ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና።” (ዮሓ 9፡28)።

ስብከተ ወንጌል ንባዕሉ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ማለት ምዃኑ ኢና እንኣምን

ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ ወንጌ ክሰብኩ ክልእኮም እንከሎ፣ ከምዚ ዝስዕብ በሎም “እምበኣር ኪዱ እሞ፣ ንኹሎም ኣሕዛብ. . . እናእጥመቕኩም ደቀመዛሙርተይ ግበርዎም። . . . ዝኣዘዝኩኹም ኩሉ ኺሕልው ምሃርዎም።” (ማቴ 28፡19-20)። ከማኡ ድማ ጳውሎስና በርናባስን ናብ ደርበ ምስ ከዱ፣ “እናሰበኹ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ  ገብሩ።” (ግ.ሓዋ 14፡21) ዝብል ቃል ንረክብ።

1.2.  ሓቀኛ መንነት ወደመዝሙርት

ኣብዚ እርእስቲ እዚ ብዛዕባ ወደ መዝሙርነት ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት ከነልዕል ኢና፣

1ይ መደ መዝሙርነት ንገለ ገለ ሓቅታት ኣብ ምምሃር ጥራይ ዝተደረተ ኣይኮነን አኳ ደኣ ሓደ ፍሉይ ዝኽዕነ ሕይወት ኢዩ።

2ይ መደ መዝሙርነት ኣብ ገለ ደረጃታት ሕይወት ዝሓቶ ወደ መዝሙር ክኾኖን ክገብሮን ዘለዎ ናይ ሕይወት ግድነታት ኣለዎ።

ስለዚ እምበኣር ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱ ከም ዝስዕብ በሎም፣ “ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕክኩም ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም።” (ዮሓ 8፡31)። ስለዚ እምበኣር ጥራይ ምስማዕ ቅላት መምህር ንሓደ ወደመዝሙር ኣይገብሮን ኢዩ። አኳ ደኣ ኣብ ትምህርታቱ ጸኒዑ ክነብር ክኽእል ኣለዎ። አዚ ማለት ድማ ነቲ ትምህርቲ መምህርካ ናብ ተግባራዊ ሕይወት ምልዋጡ ኣብ ኣቶም ጸኒዕካ ምንባር ከኣ ማለት ኢዩ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ፣ “ንሓድ ሕድኩም ክትፋቐሩ፣ እወ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ጌርኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ክትፋቐሩ፣ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እተ ኣላትኩም በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኩሉ ክፈልጥ ኢዩ።” (ዮሓ 13፡34-35) ክብሎም እንከሎ ኣብነት ዝኾነና ተግባራዊ ትምህርቲ ኢዩ ሂቡና። ኣብዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገዳሲ ዝኽዕነ መንነት ወደ መዝሙር፣ ከምኡ ውን መሰረታዊ ሓቅነቱ ብምንባር፣ ብዘይ እዚ ናቱ ደቀ መዛሙርቲ ከም ዘይንኸውን ይገልጸልና። ብዛዕባ ሕይወት ክንደይ ብዙሕ ዝኾነ ትምህርትታት ክንደይ ዘይተማህሩ በዘየገድስ፣ ሰባት ኣብቶም ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ሕድሕዳዊ ዝኽዕነ ጥቡቕ ፍቕሪ አንተ ዘይረኣዩ፣ አዞም ደቀ መዛሙርቲ እዚኦም ኣርድእቲ ክርስቶስ ክበሃሉ ምንም መሰል የብሎምን። አዚ ድማ ኣገዳሲ ምልክቶም ኢዩ ዝነበረ።

ልክዕ ከምቲ ክርስቶስ ንነፍስወከፍና ዘፍቀረና፣ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ከማኡ ክኾኑ ይግደዱ። ንሳቶም ውን ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ክገብሩን፣ “ከምቲ ኢየሱስ ዝነበሮ ኺነብሩ ይግባእ።” (1 ዮሓ 2፡6)።

አዚ ድማ ነቶም ንሕና ደቂ ኣብረሃም ኢና ኢሎም ንዝጀሃሩ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ኢየሱስ እንታይ ከም ዝበሎም የዘኻኽረና፣ “. . . ውሉድ ኣብርሃም እንተ ትኾኑስ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም።” (ዮሓ 8፡39)። ስለዚ ሓቀኛ ወደመዝሙር እምበኣር፣ አቲ ናይ ሕይወት ወደ መዝሙር ዝኾነ ኣብ ተግባራዊ መነባብሮኡ ብዝግለጽ ኣካይዳኡ ኢዩ ዝፍለጥ። ንገዛእ ርእሱ ድማ ኣብቲ ዝተማህሮ ሓቅታት ጸኒኡ ብምንባር ነቲ መምህሩ ኣብ ምምሳል ዝጽዕር ምስ ዝኽከውብ፣ ናይ መን ወደ መዝሙር ብዃኑ በዚ ይፍለጥ።

ስለዚ እምበኣር ኢዩ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብነታት ናይቶም ደቀ መዛሙርቱ ክበሃሉ ዘይበቕዑ ክጠቕሰልና ዝተረኽበ፣

ንእብነት “ናባይ ዝመጽእ እንተሎ እሞ ኣቡኡን እዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፣ ሕይወቱ  ኽይተረፈትውን እንተ ዘይጸልአ፣ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን ኢዩ። መስቀሉ ጸይሩ ደድሕረይ ዘይስዕብ ዘበለ፣ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን ኢዩ። . . . ከምኡ ድማ ነፍስ ወከፍ ካባኹም ዘልዎ ዘበለ ኹሉ ዘይሓደገ ወደ መዝሙረይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።” (ሉቃ 14፡26-27፣ 33)።

በዚ ኸምዚ እምበኣር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ክኾኑ ዘለዎም በዚ መሰረት ኣንበረሎም፣ በዚ ከኣ ብኹሉ ልቦም ንአዑ ብምውፋይ ንዓለም ክምንንዋን፣ ልዕል ኣዕሩኽቶምን ኣዝማዶምን ንእምላኽ ከፍቅሩ ከም ዘለዎም ኣዘዞም።

ነዚ ሓሳብ እዚ ንምስፋሑ መደ መዝሙሩ ዝኾነ ጴጥሮስ ከምዚ ክብል ይሓቶ፣ “. . . እንሆ ንሕና ኹሉ ሓዲግና ስዒብናካ ኣሎ፣ አንታይ ኮን ክንረክብ ኢና?” (ማቴ 19፡27)፣ ጐይታ ውን ትመሳሳሉ ብዝኽዕነ መንፈሳዊ ትምህርቲ ከምዚ ክብል መለሰሉ፣ “ስለ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ፣ ኣሕዋት፣ ኣሓት፣ ኣቦ፣ ኣደ፣ ሰበይቲ፣ ውሉድ፣ ግርሁ ዝሕደገ ኹሉ ሚእቲ ዕጽፊ ኺረክብ ኢዩ፣ ናይ ዘልዓለም ሕይወትውን ክወርስ እዩ።” (ማቴ 19፡29)

ስለዚ ኸስ ምእንቲ ጐይታ ኢልካ ኩሉ ምሕዳግ መሰረታዊ ኩነት ናይ ሓደ ሓቀኛ ወደ መዝሙር እንክኸውን፣ ወይ ድማ እንተ ወሓደ ብዘይ ዝኽዕነ ጣዕሳ ንኹሉ ክትገድፍ ብልብኻ ድልው ምዃን ኢዩ።

ምእንቲ እዚ ኢዩ ውን ጐይታና ካልእ ኣገዳሲ ኩነት፣ “ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዝርኢ፣ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን ኢዩ።” (ሉቃ 9:62) ክብል እንደጋና ክገልጸልና ዝተረኽበ። ወደ መዝሙር ጐይታና ንምዃን ፍጹም ጽንዓት ይሓትት፣ ብዘይ ዝኽዕነ ተጉላባነት ንድሕሪት ዘይምጥማት። አዚ ድማ ምእንቲ ጐይታን፣ ተልእኽዑን ምሉእ ተወፋይነት ዝሓትት ብምዃኑ ኢዩ። ስለዚ ኢዩ እምበኣር ጐይታ ውን ከምዚ ዝበለ፣ “መስቀሉ ጸይሩ ደድሕረይ ዘይስዕብ ዘበለ፣ ወደ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ።” (ሉቃ 14፡27)።

ካልኦት ኣገደስቲ ግድነታት ወደ መዝሙር ኣለዉ፣ አዚኣቶም ድማ ‘ተጸምዶን ፍጽምናን’ ኢያቶም፣

ኩሉ እቲ ወደ መዝሙር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን ዝደሊ ዘበለ፣ ንኹሉ እቲ ዝሰምዑን ዝተማህሮን ዘበለኩ ኩሉ ክፍጽሞ ዘለዎ ግድነቱ ምዃኑ ክግንዘብ ይግባእ። ነዚ ድማ ነቲ ብቃል ዝተማህሮ ኣብ ግብሪ ብምፍጻም ተግባራዊ ወደ መዝሙር ብዃን የድልዮ። ነቶም ቃል ሰሚዕና ደሓር ግና ንርስዑም እንተ ደኣ ኽዕይና እንታይ ጥቕሚ ኣለዎም? ወይ ጥራይ ንሓበሬታ ኢልና ኣጽኒዕናዮም ውን እንተ ሃሎና እንታይ ኢዩ ሞያኦም? ነዚ ብምፍላጥ ገለ ናብ ቅዱሳን መንፈሳውያን ኣቦታት ዝኸዱ ዝነበሩ ቀዳሞት ክርስቲያን ንዝብልዎ ቃል ክንዝክር ንኽእል፣ “ኦ ኣቦይ ክነብሮ ዘሎኒ ቃል ኣስተምህሩኒ!” ይብሉ ነበሩ። ከመይ እቲ ቃል ሕይወት ንኣዐቶም መንፈሳዊ መግቢ ኢዩ ዝነበረ። ነቲ ቃል ብምቅባል ድማ ንመንፈሳም ይምግብዋ ነበሩ። ብኣኡ ብምንባር ድማ ካብኡ ብዙሕ ጥቕሚ ይረኽቡ። ፍልጠት ጥራይ ዝኾነ ጥቕሚ ኣይኮነ ዝነበሮም አኳ ደኣ ኣብቲ ተግባራዊ ዝኽዕነ ሕይወቶም ብርታዐን ሓይልን ይኾኖም ነበረ።

2ይ ክፋል ብድምጺ ንምክትታል!

2ይ ትምህርቲ

ውሳጣዊ ሕይወት ወደ መዝሙር

ኣብ ዘመና ነዞም ሓደ ቢልዮን ኣቢልና እንኸውን ካቶሊካውያን እንክሓስብ፣ እቲ ብቐዳምነት ጦብላሕ ዝብለና ሓሳብ እንተሎ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ዝበዝሐ ክርስቲያን ናይ ሰንበትን ነዓላትን ክርስቲያን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ሓቂ ኢዩ፣ ናይ ሓቂ ክርስቲያን ዝኾኑ ይርከቡ ኢዮም፣ እንተኾነ ግን ሓቀኛ ብዝኾነ መምዘኒ ምስ እንዕዘብ እዚ ንኡስ ወለዶ፣ ክርስትና ዘይተረድኦ ኢዩ ዝመስል፣ ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ኣገልግሎታትን ስብከታትን ዝሰሓቡ ዘለዉ ኣይመስሉን፣ ስለዚ ናብ ካልእ ኣቢሎም ክኸዱን ኣንፈቶም ክቕይሩን ይረኣዩ ኣለዉ። እዚ ኩነት እዚ ክፍወስ ብስለት ቃል ኣምላኽ ኣብዚ ንኡስ ወለዶ ክንሰርልኡ ዘለና ይጽንሓለይ ዘይብሉ ተልእኾ ጓሶት ነፍሳት ኢዩ። እዚ ድማ ብሓልዮትን ፍቕርን ምስ ዝስርሓሉ ልቢ ወለዶና ዘይርታዕ ኣይኮነን።

ልክዕ ኢዩ፣ ሰባት ሎሚ ብዛዕባ ውሳጣዊ ሕይወቶም ገለ ጸገም ከም ዘለዎም ጽቡቕ ርዳኢት የብሎምን። ብዛዕባ እዚ ነገራት’ዚ ውን ናብ ጓሶቶምን ካህናቶምን ብምኻድ ምኽርን ሓገዝን ክሓቱ ኣይርከቡን። እዃ ደኣ ብኣንጻሩ ናብ ምሁራት ስነ-ኣእምሮን ካልኦት ሰብ ሞያን ምኻድ ይሰልጦም ኣሎ። እንተኾነ ግና እቲ ሓቂ፣ ሓንሳእ ውሳጣዊ ሕይወትና እንተ ደኣ ተሓዲሱ፣ ኩሉ ኩነትና ዝቕየር ምዃኑ ኢዩ። ነዚ ድማ እቲ ብሰባት ዝርከብ ለውጢ ዘይኮነስ፣ እቲ ካብ ኣምላኽ ዝኾነ ምሕዳስ ኢዩ ነዙይ ዝገብሮ።

ክርስቶስ ባዕሉ፣ ኣብ ነብስወከፍ ሰብ መሰረታዊ ለውጢ ንኽህሉ ኣስተምሂሩና ኢዩ፣ አዚ ምሕዳስ አዚ ድማ ካብቲ ውሳጣዊ ዝኾነ ሕይወትና ክጅምር ይግባእ። ጴጥሮስን እቶም ሓዋርያትን ኣብታ ቀዳመቲ መዓልቲ ናይታ ሓዳስ ቤተክርስቲያን ነዚ ኢዮም ዘስተምሃሩ፣ እቶም ሕዝቢ ንጴጥሮስ “እሞ እንታይ ንግበር?” ቢሎም ምስ ሓተትዎ፣ “ተነስሑ፣ ሕድገት ሓጢኣት ምእንቲ ክትረኽቡ ኸኣ ነፍስወከፍ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ይጠመቕ።” እንክብል መለሰሎም (ግ. ሓዋ 2፡37-38)። ስለዚ እምበአር እቶም ሽዑ ነዚ መጸዋዕታ እዚ መልሲ ዝሃቡ፣ ኣብ ውሳጣዊ ሕይወቶም ለውጢ ስለ ዝመጸ ኣብ ተግባራዊ ሕይወቶም ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ቁጠባዊ ሕይወቶም ከይተረፈ ሓድሽ ዝኾነ ኩነት ተፈጥረ። ዘለዎም ዘበለ ኩሉ ኣምጺኦም ኣብ እግሪ ሓዋርያት ከንብርዎ ተአረኽቡ፣ ወላሓደ’ኳ ካብኣቶም እዚ ናተይ ኢዩ ክብል ዝኽእል ኣይነበረን። ነፍስወከፍ ነቲ ኣለኒ ዝብሎ ኩሉ ብገዛእ ፍቓዱ ብደስታ ነታ ሓዳስ ማሕበር ከወፊ ተረኽበ፣ በዚ ድማ ኩሎም ነቲ ዝኣከብዎ ብማዕረ ተኻፊሎም ይነብሩ ስለዝነበሩ፣ ወላ ሓደኳ ካብእቶም እዚ ጐዲሉኒ ዝብል ኣይነበሮምን።

እዚ ዘሎናዮ ዘመንውን ከምዚ ዝመሰለ ብምሕዳስ ውሳጣዊ ሕይወት ዝርከብ ሓዲሽ ሕብረተሰብ የድልዮ ምሕላው ኩልና እንኣምኖ ሓቂ ኢዩ። ኣምላኽ ናብቲ ውሳጣዊ ሕይወትና ኣቢሉ ምስ ዝኣቱ፣ ኣብ ውሳጥዊ ሕይወትና ብዝርከብ ምሕዳስ ነቲ ደጋዊ ሕይወትናውን ከይተረፈ ኢዩ ዝጸልዎ። እንተ ኾነ ግን ክርስቲያናዊ ሃይማኖትና እንተ ደኣ ናይ ሰንበትን በዓላትን ጥራይ ኮይኑ ምስ ዝተርፍ፣ ዕምቈት ዘይብሉን ባዶን ኮይኑ ኢዩ ዝርከብ።

ብመልክዕን ምስልን ኣምላኽ ዝተፈጠርካ ምዃን ማለት እንታይ ማለት ኢዩ?

ኣምላኽ፣ ኣብ ገጽ እቲ ቀዳማይ ሰብ ኡፍ ቢሉ ሕይወት አንክህቦ፣ ነፍስ ወከፍ ሰብ ነቲ ኣብ ልቢ ኣምልኽ ዘሎ ሃብቲ በረኸት፣ ማለት ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ፍስሓ፡ ክብሪ፡ ትዕግስቲ፡ ንጽሕናን ሓድነትን ንኸስተማር ዕድል ረኸበ። ምኽንያቱ ነዞም ሃብታት እዚኣቶም ጽቡቕ ጌርና ኢና እንፈልጦም፣ ወላኳ በቲ ዝተመዛብዐ ጐኑ እንተኾነ፣ ገለ ካብ ኣምላኽ ዝኾነ ነገር ኣባና ከም ዘሎ በዚ ክንግንዘብ ንኽእል ኢና። ነዚ መልክዕ ኣምላኽ እዚ ከኣ ኣብቶም ሕጻናት ጽብቕ ጌርና ክንግንዘቦ ይከኣል። እቶም ኣብ ዓቕሚ ኣዳም ዝበጻሕና ሰባት ኣብ ገለ ግዜ ሕሱር ዝኾነ ተግባር ንገብር፣ ብጣዕሚ እነሕዝን ሰባት ኮይና ኢና ከኣ እንርከብ። ኣተሓሳስባና ድማ ኣብ ገዛእ ርእስና ጥራይ ዝተሓጽረ ኮይኑ ይተርፍ እሞ ምስ ኣምላኽ ምንም ርክብ ዘይብሎም ሰባት ንኸውን። እንተኾነ ግን ካብዚ ንላዕሊ ንዝኾነ ክብሪ ኢና ተፈጢርና። በዚ ኩነትና እንክንግንዘቦ ወላ ሓደኳ ካባና ነቲ ምልአተ ሃብቲ ናይቲ ኣባና ዘሎ ባህሪ ተፈጦሮና ብምልኣት ዝተመኮሮ ዘሎ ኣይንመስልን። እንተኾነ ግና ከም መጠን ውሉድ ኣምላኽ ምዃና፣ ወላ ሓደ ካልእ ፍጡር ከስተማቕሮ ዘይክእል ትመኩሮ ሕይወት ኣሎና። ካብ ግምትና ንላዕሊ ብዝኾነ ፍቕሪ ስለዘፍቅረና ድማ፣ ነቲ እንኮ ወዱ ብምልኣኽ ኣድሓነና። ቅዱስ ሐዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ዝጸሓፋ፣ “ንመላእኽቲ ከም እንፈርድዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?” ይብለና (1 ቆሮ 6፡3)። አዚ ኸኣ ናይ ጸዋዕታናን ምሕራይናን ዓሚቑ ዝኾነ ትርጉሙ እንታይ ምዃኑን፣ ብመልክዕን ኣርኣያን እግዚኣብሔር ምፍጣር ከምይ ምዃኑን ኢዩ ዝገልጸልና።

እግዚኣብሔር ንሰማያትን ምድርን ነቲ ኩሉ ኣብእቶም ዝርከብ ኩሉን ፈጠረ። ከምኡ ድማ ሓደ ፍሉይ ነገር ፈጠረ፣ ሓደ ምስጢራዊ ዝኾነ ዘደንቕ ነገር፣ አዚ ድማ ሰብኣውነትና ኢዩ። ኣምላኽ ብምስሉን ኣርኣያኡን ፈጢሩና ኣብ ገነትውን ኣንበረና፣ ምኽንያቱ ንሱውን ኣባና ክነብር ስለዝደለየ። ቅዱስ መጽሓፍ ከም ዘስተምህረና፣ ኣምላኽ ብኢድ ሰብ ኣብ ዝተገረ ቤተ መቕደስ ኣይነብርን ኢዩ (ግ. ሓዋ 17፡24) ዝብለና፣ ንሕና ግና ባዕሉ ዝፈጠረና ቤተ መቕደሱ ኢና (1 ቆሮ 6፡19)።

ሓደ ቅዱስ ኣቦ “ዕሽነት እቲ ዝዓበየ ሓጢኣት ኢዩ!” ይብሉ ነበሩ። እዚ ማለቶም ግን ምስኪን ኣእምሮ ምሓዝ ማለቶም ኣይኮነን ዝነበረ፣ አኳ ደኣ መንፈሳዊ ባዶነት፣ ከምኡውን ዝሞተ ሕልና ምህላውን፣ ኣብ ውሽጥኻ ድምጺ ኣምላኽ ንምስማዕ ጽን ዘይምባልን ማለቶም ኢዩ ዝነበረ።

ሎሚ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ኢዮም ብዛዕባ ሃብቲ ሰብኣዊ ልባናን ግንዛቤ ዘለዎም።  ልባትና ዓበይቲ ነገራት ክምኰር ዝተፈጥረ ኢዩ፣ ዝበዛሕና ግና ነቲ ኣባና ዘሎ ዕሽነትን መንፈሳዊ ባዶነትን እንተ ደኣ ተሳጊርና እንታይ ከም ዝጸንሓናውን ምንም ኣፍልጦን እምነትን የብልናን። ቅዱስ ጳውሎስ ግና ከምዚ ይብለና፦

“ከምቲ ብዝሒ ክብሩ፣ መንፈሱ ብውሽጥኹም ብሓይሊ ምእንቲ ኼበርትዓኩም እጽሊ እሎኹ። ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ክሓድር፣ ኣብ ፍቕሪ ሱር ክትሰዱን ክትስረቱን፣ ምስ ኩሎም ቅዱሳን ዄንኩምውን ምግፍሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቁመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል ምእንቲ ክትክእሉ፣ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ኸትፈልጥዋ፣ ክሳብ ኩሉ ምልእት ኣምላኽ ከኣ ምእንቲ ኽትመልኡ፣ እጽሊ እሎኹ።” (ኤፌ 3፡16-19)።

ፍቁራት ኣሕዋተይን ኣሓይተይን! ነዛ ሓንቲ ጥቕሲ እዚኣ ጽቡቕ ጌርና እዃ እንተ ንርድኣ፣ መላእ ወንጌል ብሓንሳእ ምተረድኣና ኔሩ። ኣብዚ ጊዜ አዚ ግን ብኹሉ ምልኣት ጸጋ ኣምላኽ ንቕሓት ዘሎና ኣይንመስልን፣ ከምኡ ኢልና እኳ ክንሓስብ ብጣዕሚ ኣጸጋሚ ነገር ኢዩ። እንተ ኾነ ግን እዚ ጸሎት ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ከነቓቕሓናን፣ ሓደ ጦብላሕታ ኣብ ውሽጥና ክፈጥረልና ይባእ።

እግዚኣብሔር ንእስራኤላውያን ከምዚ ይብሎም፦

“እዝንኹም ናባይ ጽለዉ እሞ ንዑ ስምዑ፣ ብሕይወት ክትነብሩ ኢኹም፣” (ኢሳ 55፡3)።

ብኹለንትናኻ ናብ ኣምላኽ ገጽካ ተመሊስካ ምኽኣል ብጣዕሚ ኣገዳሲ ዝኽዕነ ነገር ኢዩ፣ ከምኡ ውን ኣምላኽ ከም ዝዛረበካ ምእማን ቁምነገር ኢዩ። ብኩሉ ኩነትና ኣምላኽ ንኽዛረበና ኣብ ዘሎና ቅሩብነት ኢዩ ዝምርኰስ። ንነዊሕ ጊዜ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝብለና ዘሎ ክንሰምዕ አንተ ዘይከኣልና፣ ኣብ መንጐናን ኣብ መንጐ ሰማያትን ገለ ጸገም ኣሎ ማለት ኢዩ፣ ምናልባት ካብ ፍቕሪ ኣሕዋት ጐዲሉና ከይንህሉ፣ ወይ ውን ምስ ብጻይና ኣብ ኣንጻርነት ተጸሚድና ንርከብ ከይንህሉ። እዚ እንተ ኾይኑ እቲ ጸገምና ድማ፣ ኣስተውዒልናን ነቒሕናን ናብ ኣምላኽ ንመለስ ንነሳሕ፣ ምጽባይና ንኸንቱ ከይከውን።

እወ ፍቁራት ኣሕዋተይን ኣሓተንይን ሓቂ ኢዩ፣ ድሕሪ ቁሩብ ናይ ጽሞና ደቓይቕ ካብ ኣምላኽ መልሲ ንጽበ ማለት ኣይኮነን። ገለ ገለ እዋናት ኢየሱስ ንባዕሉውን ክሳብ ክንደይ ጊዜ መልሲ ይጽበ ከም ዝነበረ ምሕሳብ የድሊ። እንተ ኾነ ግን ሕይወትና ናይ ክርስቶስ እናኾነት ማዕረ ዝተረኽበትሉ፣ ምስኡ ዘሎና ሕብረት ውን እና ዓሞቐ ይኸይድ፣ ቅልጡፍ መልሲ ውን ክንረክብ ንጅምርን፣ ንሱውን ንኣዑ ቕሩባት ምዃና ስለዝፈልጥ፣ ብዝለዓለ ብቕዓት ኣብ ኣገልግሎቱ ከውዕለናን ደቀ መዛሙርቱ ክገብረናን ይርከብ።

 

3ይ ትምህርቲ

ውሳጣዊ ሕይወት ወደ መዝሙር

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ትምህርቶም ብዛዕባ ንኣምላኽ ጽን ዝብል ልቢ እንከስተምህሩ፦

“ኣምላኽ ጽን እንካብ ዝብሎ ልቢ ንላዕሊ፣ ማለት ንገዛእ ርእሱ ካብ ነገራት ብምርሓቕ ገጹ ናባኡ መሊሱ ቃሉ ንምስማዕ ጽን ኣንካብ ዝብል ልቢ ኣብሊጹ ደስ ዘብሎ ነገር የብሉን። እዚ ድማ እንካብ ኩሉ ስጋዊ ባህግታትን፣ ርኽሰትን ሕስድናን ወይ ውን ጽልእን ቅርሕንትን፣ ከምኡውን እንካብ መንፈስ ሓሶትን  ብምርሓቕን እንካብ ኩሉ ናይ ኣምላኽ ዘይኮነ መስፈስ ብምልቓቕ ናብ ኣማላኽ ምቕራብ ይደሊ።” ይብሉና።

ሰባት ጥዑያትን ሕጉሳትን ምስ ዝኾኑ፣ ከምኡ ውን ብቁጠባዊ መዳያቶም ምስ ዝረጋግኡ ብዙሕ ጊዜ ብመንፈሶም ዝሑላትን ድንዙዛትን ኮይኖም ይርከቡ። እንተኾነ ግን ጥዕና ምስ ዝስእኑን ነገራት ከጨንቕዎም ምስ ዝጅምሩ ናብ ኣምላኽ ክምለሱን ንእምላኽ ክደልዩ ይርከቡ። ሓቂ ኢዩ፣ ዋላእኳ እዞም ነገራት እዚኣቶም ናብ ጸሎት እንተ መለስዎም፣ ውሽጣዊ መንነቶም ንኣምላኽ ኣብ ምሃብ ግና ፍርሒ ዘለዎም ኮይኖም ይርከቡ።

ወላ እኳ ኣብቲ ሕማቕ ግዜ ጥራይ ይኹን አቲ ንምላኽ ምድላይና ዘገንዝበና ሓቂ እንተለዎ፣ እቲ ውሽጣዊ መንነትና ናይ ኣምላኽ ጽምን ጥምሜትን ከም ዘልዎ ኢዩ። እወ ንኹሉ ፍርሕናን ዘይምርግጋእናን ናብ ኣማላኽ ከነቕርቦ ጽቡቕ ነገር ኢዩ፣ ንኹሉ ሕማምናን ስቓይናን ናባኡ ከነምጽኦም ኣሎና። እንተ ኾነ ግና እዚ እኹል ኣይኮነን፣ እዃ ደኣ ነቲ ውሳጣዊ ዝኾነ መንነትና ማለት ልብናን መንፈስናን ንኣምላኽ ከነርክቦ ይባእ። ማለት በዚ መንገዲ ኣብ ቅድሜኡ ትሕት ምስ እንብልን ኩለንትናናን ብምልእት ንዓኡ ወፊና ምስ እንርከብ -ውሽጣዊ መንነትና ንኣምላኽ ካብ ምዕጻው ምስ እነቛርጽ፣ ሽዑ ኣምላኽ ንሓገዝና ደው ክብል ክንርኦ ኢና። መጀመርያ ጥራሕና ዝኾና ኮይኑ ይስምዓ ይኸውን፣ እንተ ኾነ ግን ብጸጋኡ ምሉኣት ኮይና ከም እንከብ ኢዩ ዝገብረና።

“ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ዘድሊ ንዕቤት ኣምላኽ ምዝካርን ንዓኡ ምንባርን ኢዩ። መዓልታዊ ክልተ ወይ ሰለስተ ምዕራፋት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ምንባብ ጀምር። እዚ ድማ ንዕቤት ኣምላኽ፣ ጐይታ ሰራዊት ንምርኣይ የዒንትኻ ክኸፍተልካ ኢዩ። በዚ ድማ ንግላዊ ዕጋበትን ሓጎስን ሃሰስ ምባል ክሳብ ክንደይ ሕሱር ምዃኑ ከገንዝበካ ኢዩ።” (ር/ሊ ጳጳሳት በነዲክቶስ)

ፍቁራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን! ዲያቢሎስ ንብጾትካ ክትጸልእ እንክፍታተነካ፣ ኣብ ውሳጣዊ ጽሞናኻ ጽናዕን ሓልዎን። ኣብ ውሳጣዊ መንፈስካ ነዚ ጽልኢ እዚ ከም ዘይትደልዮ ክርድእካ ኢዩ። ኣብዚ ኩነት እዚ ጽቡቕ ከም ዘይስምዓካ ርዱእ ነገር ኢዩ፣ እንተኾነ ግና ብሽጥኻ ፍጹም ጽሞና ክትገብር ፈትንን፣ ወላ አኳ እምነትካ ደጋጊሙ ብመንፈስ ጥርጥር እንተ ተፈተነ፣ ኣምላኽ ከም ዘፍቅረካን ንሓገዝካ ደው ከም ዝብልን ዘክር። በዚ ድማ ፍርሕኻ ቀስ ብቀስ ክሽነፍ ክትሪኦ ኢኻ።

ብኣንጻሩ ግና ንስምዒታትካ ብኻልኦት ስምዒታት ክትቃለሶም እንተ ደኣ ተረኺብካ፣ ናብ ዝዓመቘ ምንፈስ ጥርጥን ምድንጋራትን ኢኻ እተምርሕ። ንስምዒታትካ ከምቲ ንስኻ ትደልዮ ክትቃንዮም ዘይከኣል ኢዩ፣ እንተ ኾነ ግን ኣብ ኣምላኽ ክትተኣማመን ኣድላዪ ኢዩ። ኣምላኽ ምሽጣዊ  መንፈስካን ስምዒታትካን ይርዳእ ኢዩ፣ ስለዚ ውን ናብት መንፈስ ህድእትን ሰላምን ክቓንየካ ኢዩ። ጥራይ ብኣምላኽ ተኣማመን።

ውሽጣዊ ጽሞና ከመይ ኢልካ ይርከብ ኢልካ ትሓትት ትኸውን፣ ኢየሱስ ብዛዕባ ጸሎት ንዝበሎ ዘክር፣ ብጣዕሚ ኣገዳዚ ትምህርቲ ኢዩ። “ንስኻ ግና ክትጽሊ ከሎኻ፣ ናብ ቤትካ እቶ፣ ማዕጾኻ ዓጺኻ ናብቲ ብስዉር ዘሎ ኣቦኻ ጸሊ። እቲ ብስውር ዝርኢ ኣቦኻ ድማ ብግልጺ ኪፈድየካ እዩ።” (ማቴ 6፡6)። ንገዛእ ርእስኻ እንካብ ስምኢታትካን ስጋዊ ባህግታትካን ክትፈልዮ እንተ ደኣ ክኢልካን ናምላኽ ኣብዚ ነጻነት እዚ ክትረኽቦ ፈቲንካ ውሳጣዊ ሰላም ክትረክብ ኢኻ።

ኣብዚ ንዋሕቲ ልማዳዊ ጸሎታት ኣይኮኑን ዘድልዩና፣ እኳ ደኣ ኣብዚ ኩነት እዚ ኢየሱስ ባዕሉ ካብ ከምዚ ዛበለ ጸሎት ክንቁጠብ ከም ዘለና የጠንቅቐና። እንተ ደኣ ውሳጣዊ ሰላምን ጽሞናን ከይሓዝና ኣብ ከምዚ ዝመስለ ምንፈሳውነት ኣቲና ክርስቲያናዊ ተግባር ምዃኑ ተሪፉ ኣረሜናዊ ተግባር ኮይኑ ኢዩ ዝርከብ።

ናይ ጸሎት ሕይወትካ ወትሩ ህያው ኮይኑ ኮይኑ ክርከብ ስርሓሉ። እንተኾኑ ሓይሊ ተጠቂምካ ብግዲ ዘይኮነስ፣ ብነጻነት ርግእ ኢልካ እትገብሮ ዝፍተወካ ህይወት ክኸውን ኣለዎ። ሕይወት ጸሎትካ ህያው እንተደኣ ኮይኑልካ፣ ሓዊ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥኻ ክቀጻጸል ክርከብ ኢዩ፣ እዚ ድማ ናብቲ ሓቀኛ ዝኾነ ናይ ወደመዝሙር ሕይወት ከእተወካ ኢዩ።

ብዘይ ግላዊ ናይ ጸሎት ሕይወት ህያዋን ኮይና ክነብር ዘይከኣል ኢዩ። ማዕረ ንሕይወትና ማይ ዘድልየና ጸሎት ኣገዳዊ ኩነት መንፈሳዊ ሕይወትና ኢዩ። ኩልና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተረኺብና እነሕልፎ ናይ ጽሞና ግዜ የድልየና ኢዩ። ኢየሱስ ብዙሕ ግዜ ደጋጊሙ ዘስተምሃረና ብዛዕባ እዚ ዓይነት ናይ ጸሎት ሕይወት ኢዩ ዝነበረ። ንሱ ብንጹር ናይ ጸሎት ሕይወትና ስዉርን ግላውን ክኸውን ከም ዘልዎ ኢዩ ኣስተምሂሩና፣ ኣፍደገና ክንዓጹን ብዛዕባኡ ክንዛረብን ኣይግባእን ኢዩ። ብሓቂ ድማ ግላዊ ሕቡእ ናይ ጸሎት ሕይወት ልክዕ ከምቲ ማሕበራውን ናይ መላእ ቤተ ክርስቲያን ጸሎት ኣገዳስን ሸለል ክበሃል ዘይከኣል ክፍሊ መንፈሳዊ ሕይወትና ኢዩ።

ኣብ ጸሎትና ዝባዕባ ዘገድሱናን ዘድልዩናን ነገራት ብዙሕ ጊዜ ነሕልፍ፣ ብእንጻሩ ግና ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮን ክንኮኖ ዘሎና ግን ብዙሕ ግዜ ንህባ ኣይንመስልን። እቲ ዝበለጸ ግና ጸሎና ናብቲ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻምን ብቅኑዕ መንፈስ ተደሪኽና ውን ኣምላኽ ካባና እንታይ ከም ዝደሊ ኣብ ምሕታት ኣቢልና ምስ እነቕንዖ ቅልጡፍ መልሲ ንረክብ። አዚ ማለት፡ ኣምላኽ ወትሩ ደስ ዘብሎ ሰባት ከም ፍቓዱ ጌሮም እንክጽልዩ እንከለዉ ኢዩ፣ ስለዚ ኣብ ኮነ ኩነት ሃሊና ከምቲ ኣንደልዮን እንሓስቦን ዘይኮነስ፣ ኣብ ዘሎናዮ ኩነት ፍቓድ ኣምላኽ ክግለጽን ፍቓዱ ንምፍጻም ጽንዓትን ሓይልን ክህንበና ክንጽል ይግባእ።

ኣምላኽ ፍቓዱ ኣባናን ኣብ ምድርናን ክፍጸም ዝጽልዩ ሰባት ኢዩ ዝደሊ፣ ወላ ሓደዃ ብዛዕባ እዚ ዝግደስ እንተ ዘይሃልዩ ግና ፍቓዱ ኣባናን ዓለምና ከይተፈጸመ ይተርፍ። እንተ ኾነ ግና ፍቓዱ ብምድላይን፣ ሃሰስ ኣብ ምባልን ኣእዳዎም ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ዝዝርግሑ ምስ ዝርከቡ ግና ኣምላኽና ኣብ ዘመናን ሕይወትናን ዓለምና ክሰርሕ ይርከብ። ኩሉ ነገር ብባዕሉ ኢዩ ዝኸውን ንሕና ዘይተጸበናዮ ኢዩ ዝኸውን ኢልካ ምሕሳብ ጊጉይ ኣተሓሳስባ ኢዩ። ኢየሱስ “ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማያት ዝኾነ ከማኡ ውን ኣብ ምድሪ ይኹን።” (ማቴ 6፡10) ቢልና ክንጽሊ ኣስተምሂሩና ኢዩ።

ስለዚ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብቲ ግላዊ ሕይወትና ውን ከይተረፈ ክግለጽ ክንጽሊ ይግብእና። ምኽንያቱ እቲ ክፉእ ጸላኢና ደጋጊቡ ካብቲ ቅኑዕ መንገድና ከዘንብለና ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን። ሕላዊኻ ዘይታኸስ ጸላኢኻ ውን ስለ ዘይታኸስ ኢዩ፣ ስለዚ መዓልታዊ ናብ ኣምላኽ ገጽና መሊስና ልብና ከሓድሰልና ክንሓቶ ይግባእ። እንተኾነ ግና ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ጥራይ ኣይኮነን ክንጽሊ ዝግብእና ብዛዕባ መላእ ዓለምናን፣ ኩሎም ደቂ ሰባትን፣ ኩሎም ሃገራትን፣ ብፍላይ ድማ ምእንቲ ቤተ ክርስቲያንን ጓሶት ንፍሳትን ክንጽሊ ግዴታ ውን ኣሎና።  

4ይ ክፋል ብድምጺ ንምክትታል!

4ይ ትምህርቲ

ሕይወት ንስሓ ወደ መዝሙር

ቅዱስ ወንጌል ብጸዋዕታ ንስሓ ኢዩ ዝጅምር። ንስሓ ማለት ምሕዳስ፣ ክለንትናዊ ለውጢ ምግባር ማለት ኢዩ። ኣብ ላዕሊ ዝነበረ ንታሕቲ እንክኸይድ፣ እቲ ኣብ ታሕቲ ዝነበረ ድማ ናብ ላዕሊ እንክመጽእ፣ ከምኡ ውን አቲ ቀዳማይ ዝነበረ ዳሕረዋይ፣ እቲ ዳሕረዋይ ዝነበረ ድማ ቀዳማይ ክኸውን እንከሎ ማልት ኢዩ። ንኹሉ ነገር ድማ ከምቲ ኣምላኽ ዝርእዮ ጌርካ ምርእይ ኢዩ ዘስምዕ። አዚ ክኸው ድማ ኩለንትናና ክሕደስ ኣለዎ፣ ኩሉ ናይ ባዕልና ዝኾነ ኣተሓሳስባ ከብቅዕ እሞ ከም ሓሳብ ኣምላኽ ክንሓስብ ክንክእል ኢዩ ዘመልክተልና። ስለዚ እምበኣር ሕይወት ንስሓ ማለት ብሕጽር ዝበለ፣ ንኣምላኽ ማእከል ናይ ኣተሓሳስባናን ስምዒታትናን ጌርና ምጉዓዝ ማለት ኢዩ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ንሰባት ከድሕን ኢዩ ዝመጸ፣ እንተ ኾነ ግና ቅድሚ ዝኣገረ ክንስሑን ክስዕብዎን ኢዩ ዝጸውዐ። ብዙሓት ክርስቲያን በቲ ተስፋ ድሕነቱ ይምሰጡ ኢዮም፣ እንተ ኾነ ግና ኣብ ሕይወት ንስሓ ክእትዉ ኣይደልዩን ኢዮም። እቲ ዘሕዝን ድማ እቶም ቀንዲ ጸላእቲ ኢየሱስ ዝነበሩ ዘይኣመትንቲ ዘይኮኑስ፣ እቶም ናይ ሃይማኖት ሰባት ምባሮም ኢዩ። ኣብ ግዜ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ወንጌል እናኣበሰረ ኣብ ምድሪ እስራኤል ኣብ ዝነበረሉ ዘመን፣ እቶም ዝሰቐልዎ ወተሃደራት ኣይኮኑን እቶም ቀንዲ ጸላእቱ ዝነበሩ፣ እኳ ደኣ እቶም ናይ እምነት ሰባት ዝኾኑ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፣ እቶም ናይ ንስሓ መጸዋዕታኡ ዝተጸልኦም ሰባት ኢዮም ዝነበሩ።

ዮሓንስ መጥመቕ ኣብ ምድረበዳ ይሁዳ ምስ ተገልጸ፣ ንሰባት ናብ ንስሓ ክመጹን በእምሮኦምን ልባቶምን ክሕደውሱ ኢዩ ዝጽውዕ ዝነበረ። ንሱ ነቶም ናብኡ ይመጹ ዝነበሩ ሰባ ብዝኾነ ነገር ከዘናግዖም ኣይደለየን፣ እኳ ደኣ ብንጹር ካብ ኣምላኽ ክሳብ ክንደይ ርሒቖም ከም ዘለዉ ኢዩ ዝገልጸሎም ዝነበረ (ማቴ 3: 7-8)። ዮሓንስ ጥራይ ግን ኣይኮነን ብዛዕባ ንስሓ ዝሰበኸ። ኢየሱስውን ባዕሉ ካብታ ቀዳመይቲ ትምህርቱ ክሳብ መወዳእታ ኣርእስቲ ስብከታቱ ብዓንዲ ርእሱ ንስሓ ኢዩ ዝነበረ።

ሰባት ግና እቲ ብዮሓንስ መጥመቕ ዝቐርበሎም ዝነበረ መጸዋዕታ ይፍተዎም ኣይነበረን (ማቴ 3: 2)፣ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኢያ እሞ ተነስሖ!” ክብሎም እንከሎ፣ እንታይ ይብሎም ከም ዘሎ ይግንዘብዎ ኣይነበሩን። ንስሓ ማለት ድማ ንፍስኻ ምሕሳም ማለት ኣይኮነ፣ ወይ ውን ብኻልኦት ክትፍረድ ርእስኻ ንኻልኦት ኣሕሊፍካ ምሃብ ማለት ውን ኣይኮነን። ንስሓ ማለት ካብ ብልሽውናን ክፍእትን ምርሓቕ ከማኡ ውን ካብ ሕማቕ ሰብኣዊ ስስዐን ወጺእካ፣ ብምሉእ ልብኻ ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ማለት ኢዩ።

እቲ ብሓቀኛ ናይ ንስሓ ሕይወት ዝሓለፈ ሰብ ድማ ልቡ ከም ስምዒ ብፍቕሪ ኣምላኽ ዝመኸኸን፣ ንክፍእትን ሓጢኣትን ብፍጹም ዝተጸየፈን ኢዩ ዝኸውን። ስለዚ እቲ ሕመረት ናይ ንስሓ እቲ ንሕና እንገብሮ ተግባር ዘይኮነስ፣ እቲ ኣብ መስቀል እንሪኦ ሓቀኛ ፍቕሪ ኢዩ። ማእከል ወይ ቁምነገር ሕይወት ንስሓ ናይ ሓደ ወደመዝሙር እምበኣር “ኣምላኽ” ክኸውን ይግባእ። እቲ ምስ ኣምላኽ ንእንገብሮ ዕርቂ ዝመርሓና ድማ ናይ መስቀል ፍቕሪ ክኸውን ኣለዎ።

“ኩላትና ብኸቢድ ዝኾነን ስቓይ ዝበዝሖን ናይ ንስሓ መሰናኽል ክንሓልፍ ናይ ግንድን ኢዩ። ነዚ ድማ ከም ሓደ መቕጻዕቲ ዘይኮነስ ከም ሓደ ጸጋ ጌርና ክንቅበሎ ይግባኣ ከምይ ንነጻነትና ዝመጽእ ክድዝኾነ።” (ር/ሊ/ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16)

ብሓቂ ንስሓ እንታይ ምዃኑ ተረዲኡና ዶ ኣሎ? ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን!

ሰብ ኣብ ንስሓ ምስ ዝኣቱ፣ ማንም ሰብ ከስተውዕሎ ክሳብ ዝኽእል ኣብቲ ሕይወቱ ብዙሕ ዝኾነ ለውጢ ኢዩ ዝገብር። ኩሎም ቅዱሳን ኣብ ሕይወቶም ነጥበ መቐይሮ ዝኾኖም እንተ ኣልዩ፣ እታ ድርኩኺት ናይ ንስሓ ዝተሳገሩላ ዕለት ኢያ። ካብዛ ዕለት እዚ ጀሚሮም ድማ ካልእ ሰብ ኮይኖም ዝተረኽቡላ፣ ሕይወት ንስሓ ዝጀመሩላ ዕለት ክንዲ ዝኽዕነት ኢያ።

ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን፣ ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ነዛ ዕለት እዚኣ ረኺብኩማ ዶ ኣሎኹም?

ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ደኣ ንኣምን ኮይና፣ ሓይሊ መስቀሉ ውን ዘተኣማምነና እንተደኣ ኮይኑ፣ ክሳብ ክንደይ ክፉእትን ሓቲኣተኛታትን ኔርና ብዘየገድስ ሕድገት ሓጢኣት ክንረክብ ኢና። እንተኾነ ግና ብሕያውነት ኣምላኽ ክንጻወት ኣይግባኣን ኢዩ። ኣምላኽ ብነፍስወከፍ ምስ ሰይጣንን ሓጢኣትን እንገብሮ ሸለልትነን ወለቕ ዘለቅ ምባልናን ኢዩ ዝፈርደና።

ኣብ ሕይወት ነፍስ ወከፍና፣ ኣምላኽ ቀረባና ዝኾይኑ ዝስምዓና ግዜያት ኣሎ። ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ራኢይ ዮሓንስ እንረኽቦ (ራኢ 2-3) ኢየሱስ ክርስቶስ ብዮሓንስ ሓዋርያ ኣቢሊ ኣንካብ ሰማያት ነተን ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት ይዛረበን። ንነፍስወከፍ ቤተክርስቲያን ድማ እንታይ ክትገብር ከም ዘለዋን ስለምንታይ ክትንሳሕ ከም ዘድልያን ይነግራን፣ ንንስሓ ድማ የተባብዓን።

ኣምላኽ ብሓቂ መወዳእታ ዘይብሉ ሕያውነት ዘለዎ ኣምላኽ ኢዩ። ሓንሳባ ናብ ሓደ ሰብ ምስ መጸ፣ እንደገና ውን ይመጽእ ኢዩ፣ ንሳልሳይ ራብዓይ ሓምሻይ ግዜውን ይመጽእ ኢዩ፣ ግን ከኣ ከይመጸውን ክተርፍ ይከኣል ኢዩ። ኣብቲ ናትና ንቃሉ ዘሎና ምስማዕን ዘይምስማዕን ኢዩ ዝምርኰስ።

ስለዚ ኣምበኣር ገዛእ ርእስና መሊኽና ክንእል ብርቱዕ ዝኾነ ድላይ ክህልወና የድሊ፣ ንሕና ዝኾና ንኹን ኣምላኽ ናብ መዓሙቕ ውሻጠና ኢዩ ዝጥምት። አቲ ሓደስቲ ፍጥረት ክገብረና ዝኻል ሓይሊ እንረኽበሉ ኩነት እንተ ኣልዩ ድማ፣ ንገዛ ርእስና ኣብ ቅድሚ ብርሃን ኣማላኽ ከነቐምጣ አንከሎና ኢዩ። ግናኸ ንሱ ክምርምረናን ናብ ብርሃኑ ኣቢልና ክንወጻ ዘይንደሊ እንት አደኣ ኮይና ሕይወይና ኣብ ሓደጋ ኢያ እትርከብ።

ወድሰብ ናብ ንስሓ እንክኣቱ፣ እቲ ዝበለጸን ዝኸበረን ሕይወት ኢዩ። ኣምላኽ ናብታ እትንሳሕ ነፍስ ብጣዕሚ ቀረባ ኢዩ! ነቲ ተሪር ናይ እምኒ ልቢ ናብ ናይ ስጋ ልቢ ይቕይሮ፣ ከምኡ ውን ንኹሉ ስምዒታትን፣ ሓሳብትን፣ ድሌታትን ክቓንዮ ፍጹም ድሌቱ ኢዩ። ወድሰብ ነቲ ናይ ንስሓ ዕድሉ እንተ ደኣ ተጠቂሙሉ ብኩሉ ወገናት ሕይወቱ ይሕደስ።

 

5ይ ትምህርቲ

ሕይወት ንስሓ ወደ መዝሙር

ኣብ ዘመን ክርስትና ዘደንቕ ተኣምራት ኣሎ እንተ ተባህለ፣ ሓደ ሰብ ብንስሓ ክምለስ እንከሎ ኢዩ። ኣምላኻ ኣብ ሕይወት ንስሓ ንዘሎ ምእመን ቀረባኡ ኢዩ። እቲ ናይ እምኒ ልቢ ናይ ስጋ ልቢ ይኸውን፣ ኩሉ ስምዒታቱን፣ ሓሳባቱን  ምንፈሳዊ ሕይወቱን ይቕየር። ሕይወት ንስሓ ኣጽኒዑ ዝሓዘ ወደመዝሙር፣ ብኹለንትናኡ ንክርስቶስ ንምምሳል ኣብ መስርሕ ዕቤትን ምንፈሳዊ ብስለትን ዝርከብ ዘሎ ኢዩ።

ብኽርስቶስ ኢየሱስ ሓደስቲ ፍጥረት ክንከውን ኢና ተጸዊዕና፣ ነዚ ሓድሽ ዝኾነ ሕይወት ክንለብሶ ይግብኣና፣ ከምኡውን ካብ ዝነበረና ኣረጊት ሕይወትና ክንልወጥ የድልየና። እንተኾነ ግን ዝልውጠናን ዝሕድሰና ኣምላኽ ባዕሉ ኢዩ። ከምኡ ውን ናብቲ ንሕና እንሓስቦን እንደልዮን ኩነት ዘይኮነስ፣ ናብ ዘይተጸበናዮን ዝበለጸን ዝኸበረን ኩነት ኢዩ ዝልውጠና። ስለዚ ናይ ገዛ ርእስና መንፈሳዊ ዕቤትናን፣ ናይ ባዕላና ዝኾኑ ድሌታትን ሓሳባትን ዕላማታትን ኩሎም ከብቅዑ ይግባእ። ነፍስወከፍ ክቡር ዝኾነ ዊንታታትና ከምኡ ውን ክንበጽሖም ኣሎና ቢልና ዝሓንጸጽናዮም መደባትና ምእንቲ እዚ ኣምላኽ ዝህበና ሓዲሽን ክቡርን መንነት ከም መስዋዕቲ ክንከስሮም ይግባእ።

ቅዱስ ኣቡና ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግናዊ ንመንእሰያት እንከስተምህሩ፦

ኢየሱስ ክርስቶስ ንጹሕ ዝኾነ ልብን ፍጹም ዝኾነ ነጻነትን ከም ዝህበኩም ርግጸኛ ኢየ። ኣብ መጀመርያ ናብኡ እናቐረብኩም ኣብ ዝመጻእኩምሉ፣ ብሰንኪ ሓጢኣትኩም ክስን ወቐሳን ክስምዓኩም ኢዩ፣ ይኹን እምበር ኣብ መወዳእታስ ዓሚቑ ሓጐስን ሰላምን ኢኹም ትረኽቡ። ንኣምላኽ ምድላይኩም ንሕይወት ከካብዶ ኣይግባእን፣ ብሓቀኛ ዝኾአነ ልቢ ትደልይዎ ምህላውኩም ይፈልጥ ኢዩ፣ ተስፋን ትብዓትን ውን እምነየልኩም።

ሓጢአተኛ ሰብ ብዛዕባ እቲ ዝነበሮ ዘሎ ኩነት ሕይወት ንቁሕ አይኮነን። ቅዱስ መጽሓፍ ድማ ከምዚ ይብሎ፡ “…ካብ ድቃስ እትብራበሩሉ እዋን በጺሑ ኢዩ፤…” (ሮሜ 13፡11)። በዚ ሓሳብ እዚ እምበአር ንስሓ ወድሰብ ናብ ገዛእ ርእሱ ዝምለሰሉ ኩነት ኢዩ። ወይ ድማ ወድሰብ ናብቲ ናይ መጀመርያ ባህሪኡ ዝምለሰሉ፤ ማለት ልቢ ናብቲ ሓቐኛ ስምኢታታ፣ ሕልና ድማ ናብቲ ቅኑዕ ተግባራታ እትምለሰሉ ኩነት ኢዩ። ኣብቲ ዛንታ ንስሓ ናይቲ ጥፉእ ወዲ ከምዚ
ዝብል ንረክብ፡ “ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ …”(ሉቃ.15፡17)። እዚ ማለት ነቒሑ፣ ተበራቢሩ፣ ናብቲ ሓቐኛ አተሓሳስባን መንፈሳዊ ርድኢትን ተመሊሱ ማለት ኢዩ።

. . . ጣዕሳን ጸጸትን ንልብና ንኣምላኽ ከም ዝኽፈት ኢዩ ዝገብረልና። ናይዚ ተመኩሮ እዚ ከቢድ ኢዩ፣ እንተኾነ ግን ድሕሪ ምስጋርካ ተመሊስካ ንድሕሪት ክትጥምቶ ከለኻ ግና ብሉጽን ናይ ብርሃን ግዜ ከም ዝነበረ ሽዑ ኢኻ ተስተብህለሉ። ንስሓ እምበኣር በቃ ኣብ ሓዘን ሓጢኣትን ምሕረት ዘይርከቦ ጣዕሳን ምንባር ማለት ኣይኮነን፣ አኳ ደኣ ዝተሰብለ ልቢ ሕዝካ ናብ ኣምላኽ ቀሪብካ ኣምላኽ ክዝንነካ ድልው ምዃን ማለት ኢዩ። (ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ)

. . . ንሓቀኛ ንስሓ ድልዋት ክትኮኑ ናይ ወትሩ ጸሎተይ ኢዩ፣ ምኽንያቱ ኣብ ኣንጻር ድኻምነትን ውድቀትን መሪር ናይ ጥፍኣት ሕይወትን እትገብርዎ ቃልሲ እቲ እንኮ ተስፋኹም ንሱ ክንድ ዝኾነ። ኣምላኽ ምስ ተንከፎ ዘይመክኽ ተሪር ልቢይ ዝበሃል ፍጹም የልቦን፣ እንተ ደኣ ብፍቕሩን ብናይ ምሕረቱ ሓይልና ተተንኪፍካ ምንም ዝጽግመካ ነገር የልቦ፣ ኣጆኻ ልብኻ ንኣምላኽ ክፈትሉ። (ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ)

በቲ ዝገበርካዮ ሓጢአት ምጥዓስ ምሕዛን እቲ ቀንቲ ምስጢር ናይ ንስሓ ኢዩ። በቲ ዝበደልካዮ ምሕዛን ማለት ብሓቂ ምልክት ጣዕሳ ኢዩ። ነቲ ዝገብርካዮ እንተዘይ ተጠዓስካሉ ንስሓኻ ትርጉም የብሉን ማለት ኢዩ። ምኽኒያቱ ሓጢአት ምግባር ማለት ከምቲ ቅ.ጳውሎስ ዝብሎ “ከምብሓዲስ እንተ ወደቑ ንወልደ እግዚአብሔር እዮም ከም ብሓድሽ ዚሰቕልዎን ዘላግጹሉን ዘለዉ።” ይብል። ስለዚ በዚ ክፉእ ተግባርናን ብሓጢአትናን ምሕዛን እታ እንኮ መንገዲ ናብ ዕርቂ እተምርሓና ኢያ።

ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ወሓዚ ማይ ኢዩ፣ ናብ ዝዓመቆሉ ናብ ትሕት ዝበለ ቦታ ኢዩ ዝውሕዝ። ሓቂ ኢዩ ብገዛእ ሓይልናን ክእለትና ባዕልና ንርእስና ትሕት ክንብል ዘይከኣል ኢዩ። ገዛእ ርእስና እንክጥምት ብቕዓትናን ክእለትና መን ምዃናን ርኢና ንምካሕ ንኸውን፣ ንመነትና ግና ኣብ ቅድሚ ኩሉ ከኣልነት ኣምላኽን፣ ፍቕሩን፣ ንጽሕናኡን፣ ሓቅነቱን ምስ ኣቆምናያ ግና መነትና ሻቡ ኢዩ ዝረኣየና። ሓንሳብ ነቲ ኣባና ዘሎ ጸልማትን ሓጢኣትን ብነጸብራቕ ብርሃን ኣምላኽ ምስ ረኣናዮ፣ ናይ ንስሓ ጸዋዕታ ኢየሱስ ክርስቶን እንታይ ምዃኑ ክርድእና ኢዩ። ካብ ኣምላኽ ተፈሊኻ ምንባር ውን ክሳብ ክንደትይ ከቢድ ምዃን ሻቡ ኢና ክንግንዘብ ንኽእል። ብሓቂ ድማ ንስሓ ሓጢኣትካ ካብ ምእማን ንላዕሊ ኮይኑ፣ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ገጽካ ምላላስ ማለት ውን ኢዩ። ከምኡ ውን ወላ እኳ ክንዕርዮ ክንክሕሶን ዘይከኣል እኳ አንተኾነ ነቲ ብሓቲኣት ዘዕኖላዮን ዘብረስናዮን ንምክሓስ ድልው ምዃን ውን ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ንስሓ ማለት ነቲ ክምሕርን ናጻ ክገብረና ንዝኻል ኣምላኽ ኩለንትናና ሂብና ምኽእል ማለት ኢዩ። ንሓጢኣትና ምስትንትናን ምሕሳብን ምእማንን ጽቡቕ ነገር ኢዩ፣ ግናኸ ኣብኡ ኣይኮነን ዝዛዘም ንስሓ አኳ ደኣ ነዚ ነገራት እዚ ጥራይ ምሕሳብ ጭንቐትን ምረትን ጥራይ ኢዩ ዝፈጥረልካ። አኳ ደኣ ካብዚ ብዝለዓለ ምሕረትን ፍቕርን ኣምላኽ ምዝካር የድሊ። ኣምላኽ ብምሕረቱ ካብ ወርሕ ጸሓይን ዘንጸባርቕ ንጽሕና ክህበካን ብምሕረቱ ናጻ ከም ዝገብረካብ ምሕሳብ የድሊ።  ሓሬት ንዘለዎ ማይ ጸጸኒሕካ እንተ ዘረግካዮን በጽበጽካዮን ኣብ ውሽቱ ምንም ክረኣየካ ኣይክእልን ኢዩ፣ ማዕረ ዘናወጽካዮን ዘዘረክካዪን እቲ ማይ ክጸሪ ኣይካልን ኢዩ። ስለዚ ህድእ ኢልካ ሱቅ በል፣ እቲ ማይ ክጸርን ከንጸባርቕን ዳግም ክትሪኦ ኢኻ። ኣብ ሕይወትካ ድማ ነጸብራኽ ክርስቶስ ክትርኢ ክትካል ኢኻ። ጥራይ ኣብ ፍቕሩን ምሕረቱን ተኣማመን።

 

ብድምጺ ንምክትታል!

6ይ ትምህርቲ

መንፈሳዊ ልምምድ ወደመዝሙር

“… ንሠናይ ግብሪ ዘበለ ዝተዳለዉ ኪኾኑ፡ ንሓደ እዃ ስሙ ኸየጸልሙ፡ ሰላማውያን ምቕሉላትን፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብትሕትና ዚነብሩ ኪኾኑ ኣዘኻኽሮም…” (ቲቶ. 3፡1-3)

ሕይወር ወደመዝሙር ኣብ ሃይማኖት ብዙሕ ትምህርትዊ ሃበሬታ ወይ ብዙሕ ፍልጠት ዘለካ ምዃን ጥራይ አይኮነን። ጥራይ ፍልጠት ንገዛእ ርእሱ አኻሊ አይኮነን። ሓደ ብዛዕባ እምነቱን መንፈሳውያን ሓይላትን ጽቡቕ ዝኾነ ኣፍልጦ እንተ ኣልይዎ፣ ኩሉውን እንተ ፈለጠ ኣብ ሕይወቱ ግን ዘይነብሮ እንተኾነ፣ እዚ ፍልጠት እዚ እታይ ይጠቕሞ?

· ብዙሕ ነንብብ ብዙሕ ውን ንሰምዕ፤ እንተኾነ ግን እቲ ዘድሊ እቲ እንነብሮ ሕይወት ኢዩ እቲ ኣገዳሲ።

ኣብ ነፍስወከፍ ቅድሴ፣ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ብዙሕ ይንበበልና ካብ መልእኽታት ጳውሎስ፡ ካብ መልእኽትታት ሓዋርያት፡ ካብ ግብረ ሓዋርያት፡ ከምኡ ውን ካብ ወንጌል ይንበበልና። ከምኡ ምስ ናይ ዕለቱ በዓልን ዘሎናዮ ኩነትን ብምዝማድ ስብከት ንሰምዕ። ከምኡ ውን አብ ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ መደባት ዝተፈላለዩ ንባባትን ትምህርትታትን ንሳተፍ፤ ብተወሳኺ ድማ ባዕልና ካብ ነንብቦም መንፈሳዊ ንባባትን፣ ንባብ ቅዱስ መጽሓፍን እንሳተፎም መዳባት ትምህርተ ክርስቶስን ብዙሕ ክንፈልጥ ንርከብ። እንተኾነ ግን ናይዚ ኩሉ ውጽኢት አብ ሕይወትና ይግለጽ ዶ? ወይስ ብፍልጠት ጥራይ ዓጊብና ንኸይድ? ወላስ ነቲ ዝፈለጥናዮ አብ ሕይወት ክነብሮ ተገዳስነት አለና ዶ? ከም ትምህርቲ ጐይታና እንተ ደአ ኾይኑ፡ ምስጋና ንኡ ይኹን! “… እዘን አነ ዝነግረኩም ዘሎኹ ቃላት ከአ መንፈስ እየን፣ ሕይወት ውን ኢየን” (ዮሓ.6፡63)። ጽቡቕ እምበኣር፣ አዚ ኣብ ልብና ዝተዘርአ ቃል መዓስ ኢዩ ኣባና ሕይወት ኮይኑ ዝግለጽ?

· ብመንገዲ መንፈሳዊ ልምምድ ፍልጠት ናብ ተግባር ይልወጥ ርድኢት ከአ ሕይወት ይኸውን።

ብዙሓት ሰባት ናብ ቤተክርስቲያን ይኸዱን፡ ይንስሑን ይቆርቡን ከምኡ ውን የገልግሉ። እንተኾነ ግን ብኣንጻሩ
ቀዋሚ ዝኾነ ድኽመታት መንነቶም ኮይኑ ንዓመታት ብዘይ ዝኾነ ልውጢ ክጕዓዙ ይርከቡ። ንምንታይ ግን??
ምናልባት ነዞም ድኽመታት እዚአቶም ፍሉይ ዝኾነ ተገዳስነት ብምግባር ክልወጡ ኣብ መንፈሳዊ ልምምድ ብምእታው ውጽኢት ብምጽባይ ተግባራዊ ዝኾነ ተበግሶ አይገበሩን ማለት ኢዩ።

ብዙሕ ግዜ ኣብ ገለ ገለ ሓጢአት ደጋጊምና ንወድቕ እሞ ናብ ንስሓ ብምእታው ግን ምንም ለውጢ ኣይንገብርን። እቲ ኩነት እቲ ሓጢአት ምዃኑ ፈሊጥናዮ ከነብቅዕ ንስሓሉውን እንተኾነ ግን ኣብኡ ጠንቀላዕላዕ እናበልና ንቕጽል። እዚ ድማ ተግባራዊ ዝኾነ ልምምድ ወሲድና ነዞም ድኽመታት እዚአቶም ክንሓድጎም ኢልና ዘይምፍታና ኢዩ። ስለዚ እምበአር አብዚ ዘድልየና መንፈሳዊ ልምምድ ኢዩ፡ ማለት ሓደ ወደመዝሙር ምስ ገዛእ ርእሱ ኣብ ሓደ ተግባራዊ ዝኾነ ልምምድ ክኣቱ ይግባእ። አዚ ድማ ወይ ሓጢአት ንድሕሪት ክሓድግ ወይ ሓደ መንፈሳዊ ሓይሊ ክድልብ ወይ ድማ አብ ምንፈሳውነት ዕቤት ከርኢ ተበግሶ ምስ ዝገብር አብ መንፈሳዊ ልምምድ ክጽመድ ይግብኦ።

በዚ ድማ ነቲ መንፈሳዊ ዝኾነ ፍልጠቱ ናብ ሕይወት ይቕይሮ። ከምኡ ውን ነቲ መንፈሳዊ ሃረርታኡ ናብ ተግባራዊ ሕይወት ብምንባር . . .ኣብ መንፈሳዊ ልምምድ፡ ብመጀምርያ መን ምዃኑ ብንጹር ይፈልጥ ከምኡ ውን እቶም ጌጋታቱ ካበይ ከም ዃኖም ይድህስ ምኽኒታቶምን ምንጮምን ውን ይንርዳእ። ነዚ ምስ ምስ ፈለጠ ድማ ኣንጻር ሓጢኣት ደው ክብልን ንዘጓንፍዎ ዕንቅፋታትን ብኸመይ ክሰግሮም ከም ዘለዎ ጭቡጥ ዝኽዕነ መንፈሳዊ መረዳእታ ይረክብ ማለት ኢዩ። ስለዚ ከም መጠን ደቀመዛሙርቲ ኢየሱስ አብ ደረጃ ፍልጠት ጥራይ ደው ክንብል የብልናን ወይ ውን ብውሳጣዊ ናይ መንፈስ ስምዒታት ጥራይ ክንዓግብ ውን ኣኻሊ ኣይኮነን።

· ኣብ መንፈሳዊ ልምምድ ሓደ ምስ ርእሱን ምስ ኣምላኽን ኢዩ ዝቃለስ. . .

ንተግሳጽ ናይ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ምስ እንሰምዕ ከምዚ ዝስዕብ ይብለና፦ “ምስ ሓጢአት ክትቃለሱ ከሎኹም
ገና ደምኩም ክሳዕ ምፍሳስ እትበጽሑ አይተቓወምኩምን” ይብለና (ዕብ.12፡4)። ምስ ርእስና ብኸምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ልምምድ ብምውሳድ ንቃለስ ዶ? ኣብ ከምዚ እዋን እዚ ድማ ኣብቲ ሰብኣዊ ክእለትና ጥራይ አይንውከልን ምስቲ ልምምድና ብጸሎት ጾምን ተጋድሎን ብምግባር ካብ ላዕሊ ሓገዝን ደገፍን ክንሓትት ይግባእ፣ ከመይ ጎይታና ኢየሱ ክራቶስ ባዕሉ “ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ አይትኽእሉን ኢኹም” ኢዩ ዝብለና (ዮሓ.15፡5)። ከምኡ ውን ኣብ ኹሉ እንገብሮ  መንፈሳዊ ልምምዳት መሪሕነትን ሃገዝን ናይ ሓደ ምኹርን መንፈሳዊ ዝኾነ ኣበነፍሲ ክንረክብ ይግባእ። ምኽኒያቱ ቅዱስ መስሓፍ ከምዚ ይብለና፦ “… ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ” (ምሳ.3፡5)።

· ቅዱስ መጽሓፍ ውን ኣብነታት ናይ መንፈሳዊ ልምምዳት የዘንትወልና ኢዩ።

ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ ከምዚ ይብል፦ “ትሕት ምባል እፈልጥ፣ ሕልፍን ትርፍን ዘለካ ምዃን እፈልጥ፣ ኣብ ጽጋብ
ኮነ አብ ጥሜት፣ ብሃብቲ ኮነ ብድኻምነት፤ ኣብ ኵሉን ብዅሉን ልሙድ ኢየ” (ፍሊጵ.4፡12)። እንደገና እውን
ከምዚ ቀጺሉ “…ብተመኵሮ ገዛእ ርእሶም ዘላምዱ ብጹሓት ኢዮም” (ዕብ.5፡14)።

ኩሎም ቅዱሳን ብምንፈሳዊ ልምምድ ዝሓለፉ ኢዮም ዝነብሩ!

ብዛዕባ ነቢይ ሙሴ ከምዚ ዝብል ነንብብ፡ “ሙሴ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ካብ ዘሎ ሰብ ብትሕትና ዝመልአ ሰብ ነበረ”
(ዘኍ.12፡3)። ከምኡ ኮይኑ ዶ ተወሊዱ ኢልካ ዶ ትሓስብ ትኸውን ፍቁር ሓወይ?! አይፋሉን! እኳ ደአ ናይ አገልግሎት ሕይወቱ ብዓመጽ ኢዩ ዝጀመሮ፡ ነቲ ግብጻዊ ምስ ቀተሎ አብ ሑጻ ቀቢሩ ኢዩ ዝሓብኦ (ዘጸ.2፡12)። እንተኾነ ግን አምላኽ ናብ ምድረበዳ ብምውሳድ ከም ጓሳ ኮይኑ እና አገልገለ ሕያዋይ፣ ጥዑም፣ ህዱእ፣ ርጉእ ንኽከውን ንኣስታት 40 ዓመታት ኣሰልጠኖ።

ቅዱስ ዮሓንስ እቲ ጐይታና ዘፍቅሮ ወደመዝሙር ውን ከምዚ ክብል ክብል ንረኽቦ “… እምላኽ ፍቕሪ ኢዩ፤ እቲ አብ ፍቕሪ ዝነብር ከአ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ እምላኽ ውን አብኡ ይነብር” (1ዮሓ4፡16) ቅዱስ ዮሓንስ ግን ንሕይወቱ ፈቃር ኮይኑ ዝጀመራ ዶ ይመስለካ? ኣይፋልኑ! እንታይ ደአ ንሱን ሓዉ ያዕቆብን ጨካናት ኢዩም ዝነበሩ። ኣተዓባብያኦም ውን ከይተረፈ አብቲ ጽኑዕ ዝኾነ ቤት ትምህርቲ ናይ ዮሓንስ መጥምቅ ኢዮም ተማሂሮም ዓብዮም (ማቴ.3፡7-11)። ብሰብኪ እዚ እውን ጐይታና ባዕሉ ደቂ ነጐድጓድ ዝብል ስም ሂብዎም ነበረ (ማር.3፡17)።
ብተመሳሳሊ መንገዲ ኵሎም ቅዱሳን ናብቲ ዝለዓለ ደረጃ ቅድስና ውን ብሓንሳብ አይኮኑን ዝበጽሕዎ፤ እንታይ ደአ
ብምንፈሳዊ ልምምድን ቃልስን ኢዮም ሕያውቶም ንክርስቶስ ኣብ ምምሳል ዝተረኽቡ።

7ይ ትምህርቲ

መንፈሳዊ ልምምድ ወደመዝሙር

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀመዛሙርቱ ኣብቲ ፈላሚ ዝኾነ ሕይወት ተልእኾኦም፣ ተግባራዊ ዝኾነ አገልግሎት መታን ክለማመዱ ናብ ካልኦት ከተማታት ይልእኮም ነበረ፤ ንሳቶም ንዝተዋህቦም ተልእኾ ድሕሪ ምፍጻም፣ ናብ መምህሮም ተመሊሶ ኩሉ ኣብ ጐዕዞኦም ናይ ዝገበርዎ አገልግሎት ጸብጻብ የቕርቡሉ ነበሩ። ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አጋንንቲ ስለዝተአዘዝዎም ውን ተሓጒሶም ከዘንትዉሉ ንረኽቦም። ጐይታ ግን ነዚ ጌጋ እዚ ከምዚ ክብል አሪምዎ “. . . ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለዝተጻሕፈ ደአ እምበር፡ መናፍስቲ ስለዝተመልኩልኩም አይትተሓጐሱ።” በሎም (ሉቃ.10፡20)።

ከምኡ ውን ኣብ ካልእ ኩነት ከምዚ ክብል ፍልይ ዝብለ ልምምድ ይህቦም፡ ማለት ከገድሶም ዘለዎ አብ መንጐኦም እቲ ዝዓበየ መን ኢዩ ክበሃሃሉ ዘይኮነስ ትሕትና ክላመዱ የስተምህሮም፡ ከምዚ ድማ በሎም፦ “ኣባኻትኩም ግና ከምዚ አይኮነን፣ እቲ ኻባኻትኩም ኪዓቢ ዚደሊ አገልጋሊኹም ይኹን። እቲ ኻባኻትኩም ሓለቓ ኪኸውን ዚደሊ ልኡኽኩም ይኹን። ከመይ ወዲ ሰብ እውን እንተኾነ ኬገልግልን ሕይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኪህብን ደአ እምበር ኬገልግልዎ ኢሉ አይመጸን” በሎም (ማቴ.20፡26-28)።

ምዕዶ ብዛዕባ መንፈሳዊ ልምምድ፦

· ስለዚ እምበአር ብሃይማኖታዊ ፍልጠትና ጥራይ ክንዓግብ የብልና፣ ብዝበለጸ ደአ ኣብ ተግባራውነት ክንግደስ አለና ማለት ኢዩ፣ እዚ ንምግባር ድማ ንትእዛዛት ጐይታና አብ ግብሪ ንምውዓል መንፈሳዊ ልምምድ ከነዘውትር አለና። ጐይታና ነቲ አብ እምባ ኮይኑ ዝመሃሮ ዓንቀጽ ብጹዓን ምስ ዛዘመ ከምዚ በሎም፦ “ነዘን ቃላተይ ሰሚዑ ዝፍጽመን ኵሉ፥ ቤቱ አብ ከውሒ ዝሠርሐ ጥበበኛ ሰብኣይ ይመስል። . . . ነዘን ቃላተይ ሰሚዑ ዘይፍጽመን ኵሉ ኸአ ቤቱ አብ ሑጻ ዝሠርሐ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል” (ማቴ.7፡25-26)። ስለዚ እምበአር ጐይታና እቲ ዘገድስ ነቲ ዝሰማዕናዮ አብ ግብሪ ምውዓል ከም ምዃኑ የረድኣና አሎ ማለት ኢዩ።

ከም እንደገና እውን ቀጺሉ ከምዚ ክብል የስተምህረና፦ “ፍቓድ እቲ አብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ደአ እምበር፥ ጐይታይ! ጐይታይ! ዚብለኒ ኵሉ ግና መንግሥተ ሰማይ ኣይኣቱን ኢዩ” (ማቴ.7፡21)። በዚ ምኽኒያት እዚ ድማ አብ ግዜ ጸሎተ ወንጌል ካህን ፦ “ብጸሎትን ቅዱሳን፣ ቃል ቅዱስ ወንጌልካ ንምስማዕን ንምፍጻም፣ ብቑዓት ግበረና።” ክብል ይጽሊ። እምበአር ከም ትዕዛዛት ጐይታናን ትምህርቲ ወንጌል ክንነብርን ተግባራዊ ክርስትና ንምንባርን ኣብ መንፈሳዊ ልምምድ ክንጽመድ የድልየና።

· መንፈሳዊ ልምምድ ዝገብር ሰብ ብዛዕባ ድሕነት ነፍሱ ዝነቕሐ ጥንቁቕ ወደመዝሙር ኢዩ።

ዕለት ርእሱ ንምፍላጥ መርመራ ሕልና የዘውትር፣ ንቃላት መምህሩ ወትሩ ኣብ ቅድሚኡ ብምግባር ንድኽመታቱን ጌጋታቱ ይፍትሽ እሞ ካብኣቶም ክገላገል ተግባራዊ ዝኾነ ተበግሶታት የካይድ። ምኽንያቱ ሓደ ወደመዝሙር ገዛእ ርእሱ ብምፍላጥን ርእሱ ብምምርማርን እንተ ደኣ መንፈሳውነት ዘይኮስኮ፣ ሕይወቱ ክእርምን ንክርስቶስ ኣብ ምምሳል ኣብ ዘካይዶ ጉዕዞ መሰረት ኣልቦ ክንቱ ድኻም ኮይኑ ኢዩ ዝተርፍ። “ንሓኪምሲ ሕሙማት ደአ እምበር ጥዑያት አየድልይዎን ኢዮም” (ማቴ.9፡12)። ካልእሲ ይትረፍ ወደመስሙር ካልኦት እኳ ንጉድልነትናን ድኻምነትናን ክገልጹልና እንከለዉ ክንሕጐስ ደኣ እምበር ክንሓርቕ ኣይግብእናን፣ ምኽንያቱ ክንዕርሞም ዘሎና ድኹም ጐድንና ክንዲ ዘመልከቱልና፣ ጽባሕ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከይሓፈርና ሎሚ ብምሕረቱ ምፍዋስ ብጸጋኡ ድማ ምድልዳል ስለዘድልየና። ስለዚ እምበኣር ዕለት ዕለት ብዝበጸ ንምዕባይ ሕደ ወደመዝሙር ንሕይወቱ አብ ቅድሚ ብርሃን ትእዛዛት እግዚአብሔር ብምግባር ነፍስወከፍ ስጉምታቱ ክግምግም ይግባእ።

· ኣብዚ ኩነት እዚ ክንጥንቀቐሎም ዘለዉ ዝንባሌታት እንተ ኣለዉ፣ ብዛዕባ ርእሰ ምምጽዳቕን ምኽኒታት ምፍጣን ኢዩ። ንድኽመታትና ብዘይ ምንም ተጉላባነት ክንቅበሎምን ድኻምነትና ክንእመነሎምን ይግባእ። ሓደ ሰብ ርእሱ ዘመጻድቕ እንተ ደአ ኮይኑ አብታ ዘለዋ ኢዩ ዝተርፍ ምምሕዝያሽ ክገብር ውን አይክእልን ኢዩ፥ ምኽኒያቱ ንርእሱ ቅኑዕን ንጹሕን ጌሩ በደል ዘይብሉ ጌሩ ስለዝግምት ኢዩ። እቲ ብዛዕባ ርእሱ ብቕንዕና ዝግምግምን ንኽመጻደቕ ኢሉ ምኽኒታት ዘይደልን ወደ መዝሙር ግና ንድኽመታቱ ክእመንን ክእርሞምን አየጸግሞን ኢዩ።

· መንፈሳዊ ልምምድ ክትጅምር ከሎኻ እምበኣር ብመጀመርታ ደረጃ ልዕሊ ኹሉ ጻጋ እግዚአብሔር ከም ዘሰንየካ ርግጸኛ ኩን። ኣብ መንፈሳዊ ልምምዳትና አምላኽ ብፍጹም ንበይንና አይገድፈናን ኢዩ። ናባኡ ክትበጽሕ ኢልካ ንትስኻ አብ ተጸምዶ ስለ ተእትዋ ዘሎኻ፣ አማልኽ ምሳኻ ኮይኑ ክሰርሕ ይርከብ ደኣ ኣምበር በይንኻ ኣይገድፈካን ኢዩ። ስለዚ ወላ እኳ ነዚ መፈሳዊ ልምምድካ ሰይጣን ከዕንዎ ኢሉ እንተ ፈተነ ብሓይልኻ ዘይኮነስ ጸጋ እግዚአብሔር ክሳብ መወዳእታ ከም ዝድግፈካ ተኣማመን።

ኣብ ምንፈሳዊ ልምምድ እቲ ዝዓበይ ቁምነገር፣ ነዚ ጉዕዞ መንፈሳዊ ልምምድ እዚ ሓንሳእ ምስ ጀመርካ ንድሕሪት ዘይምምላስ ወይ ውን ዘይምስልቻው ከምኡ ውን አብ መንፈሳዊ ልምምዳትካ ካብ ድንዛዘ ጥንቃቐ ክንገብርን
ብዝተኻእለ መጠን ጽኑዓት ክንከውን የድልየና። በዚ መንገዲ እዚ እዮም ኩሎም ቅዱሳን ናብ ቅድስና ክበጽሑ ዝኸአሉ። በዚ ከምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ልምምድ ክንጉዓዝ እንተ ዘይከአልና ንድሕነት ነፍስና አይተገደስና አለና ማለት ኢዩ። ማለት ናይ ስም ክርስቲያን ወይ ከአ ናይ አፍ ክርስትያን ኮይና አለና ማለት ኢዩ።

ልዕሊ ኵሉ ድማ አብ ጸሎት ምጽማድ እቲ ምንም መተካእታ ዘይብሉ ናይ ሓደ ወደመዝሙር ግድነት ኢዩ። ብዘይ ጸሎት ድሕነት የልቦን። ጸሎት መስኖ ናይ ጸጋ ክንድ ዝኾነ ኩሉ እቲ ንድሕነትና ዘድልየና ዕጥቅን ስንቕን ብመንፈዲ ጸሎት ጥራሕ ኢና ክንረኽቦ እንኽእል።

 

8ይ ትምህርቲ

ፈተናታት ሕይወት ወደመዝሙር

መጽሓፈ ጥበብ ሲራክ ወዲ ኢያሱ (2፡1) “እንታ ወደይ! ንእግዚኣብሔር ከተገልግል እንተ ደኣ ኴንካ፣ ገዛእ ርእስኻ ንፈተና ኣዳሉ።” ይብለና። ስለዚ ወደመዝሙር ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ቃል መምህሩ ወትሩ ንፈተና ድልው ክኸውን ኣለዎ። ፍቑራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን፣ ኣብዚ ኣብ ሕይወት ወደመዝሙት እንፈብሮ ዘሎና ኣስተንትኖ እቲ ዝገብፍሐን ዝዓመቖን ክፍሊ ሎሚ ንጅምሮ ኣሎና። ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ሰሙናት ዝረኣናዮ ኣብ ሕይውት ወደመዝሙር መእተዊ ዝኾነና ሓሳባት፣ መነቃቕሒ ዝኾኑ ክፍልጣትን ኢና ተገንዚብና። ሃየ እምበኣር ሎሚ፣ ነቲ ቃልሲ ምንፈሳዊ ሕይወትና ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመርኲስና ንመርምሮ።

ናይ ማዕበል ዓለም!

ኩሉ ግዜ ንክርስቶስ ክንስዕብ ኣብ እንብገሰሉ፣ እንክንጕዓዝ፡ ክንጐዪ፡ እንክንጋደል ማዕበል አሎ። ንቕድስና እንክትነቅሕ፡ ኣብ ጸጋ እንክትዓቢ፣ ፍረ ከነፍርን፡ ንድሕነትና እንክንጽዕር፡ ማዕበል አሎ። ምውጻእና ምእታውና፣ ምግልጋላና ኣብ ገዛእ ውሳኔና ክኸውን ምስ ዝጅምር ማዕበል አሎ። ኣብዚ ኩነት እዚ ዘድልየና ባህሪ “ናብ እግዚብሄር ምቕራብን፣ ናብኡ ምእዋይን ኢዩ!”በቃ። ማለት “ኦ ጐይታ አድሕነና!” ምባል ኢዩ። ቅዱስ ዳዊት ሓደ እዋን “ኦ እግዚብሔር፣ ቅኑዕ ሰብ ተሳኢኑ፣ ካብ ማእከል ደቂ ሰብ’ውን እሙናት ጠፊኦም ኢዮም እሞ ኣድሕነኒ!” ክብል ተማህለለ። ዝገርም ኢዩ!

በብዘመኑ ኣብ ሕይወት ክርስትና ከምዚ ዝበለ ሽግር ከይገጠመካ ዝሕለፍ ዘመን የለን። ነፍስ ወከፍና ነናትና ዝኾነ ማዕበል አለና። እዚ ድማ ካልእ አይኮነ ንቅድሚት ገጽካ ክትግስግስ ከለኻ ክትሳገር እንከለኻ ኢዩ። ንድሕሪት ኣንክትምለስ ሽግር የሎን። ንድሕሪት እንክትምለስ ማዕበል አይለዓልን ኢዩ። ዝረኸብካዮ እንክትስእኖ፡ ዝጸገብካዮ እንክጠምዮ፡ ብመንፈሳውነትካ ድሕሪት እንክትምለስ፣ ናይ ጸሎት ግዜኻ እንክትገድፎ፣ አገልግሎት እንክስልችወካ ማዕበል የለን። ማዕበልካ ባዕሉ ንሱ እቲ እቲ ንድሕሪት ምምላስካ ኢዩ። ንቅድሚት ብምኻድ ምስጋር እንክትጅምር ግን ኩሉ ግዜ ማዕበል አሎ። እቲ ጽድፍድፍ አብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ንቅድሚት ገጽካ ኣብ ምግስጋስ ዘሎ ምቕድዳም ኢዩ። ዲያብሎስ ኩሉ ግዜ ክቕድመካ ኢዩ ዝጽዕር፣ ንኽቅድመካ ዝገብሮም ቃልስታት ድማ፣ ኣብ ታሪኽ ግልጺ ኮይኖም ኢና እንረኽቦም።

ሕዝቢ እግዚብሔር ናብ ግብጺ ብዝተሰደደሉ ግዜ፡ ንከንአን (ንምድሪ-ተስፋ) ሒዞማ ዝነበሩ፤ ጠንቆልቲ፡ ኣጋንንቲ ዝጐቱ፡ ርኩሳን መናፍቲ ዝጽውዑን ክፉአትን ኢዮም ሒዞማ ዝነበሩ። ቀዲሞም ነታ ሃገር ሒዞም። ደሓር እቶም ሰብ እታ ሃገር ተሰዲዶም በርዑት ባርነት 430 ዓመት ምሉእ ይሳወዩ ነበሩ። ኩሉ ግዜ ክፉእ ክቅድም ኢዩ ዝፍትን። ግን ልዑል እግዚአብሔር ስሙ ዝተመስገነ ይኹ! ወላ እኳ እንተ ቀደመ መንገዱ ይስበር ኢዩ። እቲ ዋና ናትና ነገር “ተንስእ!” ምባል ኢዩ። “ነዚ እባ ረአ! ድምጽኻ እባ አስምዓና!” ምባል ኢዩ ናትና እጃም።

ክንደይ ካባታትና ሎሚ ሰይጣን ቀዲሙና ማዕበል አልዒሉ፡ ንሕና ድማ አብ ጫፍ ናይቲ ማዕበል ኮይና፦ ገሌና ተዳሂልና አለና ­ ገሌና ድማ ኣብ ጉድኣቱ ኣቲና፣ ካብ ጉድኣትና ንምምላጥ ንቃለስ አለና። ­ ገሌና ስጋዊ ሜላ፡ ስጋዊ ጥበብ የዋጽአና ኢዩ ኢልና ንቃለሶ አለና። ገሌና ከአ ብጸጋ ተቐቢልናዮ እንከነብቅዕ፤ ኣይ እዚ ናይ ዓለም፡ ወይ ናይ ናብራ፡ ወይ ናይ ግዜ ኩነታት ኢዩ ኢልና፣ ኣፍና ሒዝና፡ ናይ ድኻም ትንፋስ እና ኣስተንፈስና ኮፍ ኢልና አለና። ­ ገሌና ግን “ኦ ጐይታ አድሕነና!” ምባል ጀሚርና አለና። እንተ ኾነ ግን በካይዳ ይኹን በነባብራ ሓደ ስልዘይኮና፡ ኩሉ ግዜ ጸላኢ ምቕዳሙ አየቋርጽን ኢዩ። ቀዲሙ ማዕበል የልዕል። ንቕድሚት አብ እንጕዓዘሉ ካልእ ዝዓበየ ሽግር መንገድታት ይዕጸዉና።

ወንጌል ማርቆስ (4፡35-ፍ)

“በታ መዓልቲ  እቲኣ ምድሪ ምስ መሰየ፣ ንደቀመዛሙርቱ “ናብ ማዕዶ ንሳገር” በሎም። ነቶም ሕዝቢ ኣፋንዮም ድማ ኣብታ ኢየሱስ ዝነበራ ጃልባ ኣትዮም ምስኣቶም ወሰድዎ፣ ካልኦት ጃለቡ ኸኣ ኣብኡ ነበራ። ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ተላዕለ፣ እታ ጃልባ ክሳዕ እትመልእ ድማ እቲ ማዕበል ኣብታ ጃልባ ይጻፋዕ ነበረ። ኢየሱስ ከኣ ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረ። ደቀመዛሙርቱ ድማ ኣተንሲኦም፣ “መንምህር፣ ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን ኢኻ?” በልዎ።

እዚ ማዕበል እዚ ዝነብረ ናብቲ ዝኸዱሉ ዓላማ ወይ ክበጽሕዎ ናብ ዝደልዩ ቦታ ንኸይበጽሑ ኢዩ ዝነበረ። ናብቲ ትደልዮ ንከይትበጽሕ ጸላኢ ብጣዕሚ ኢዩ ጥንቃቐ ዝገብር! ንናይ ተፈጥሮ ኩነታት ብምኽታል ኣሳጉማኻን ኣካይዳካን ብምዕዛብ መጥቃዕቲ የውርደልካ። ኣብዚ ጐይታ ምስኦም አሎ፣ ደቀ መዛሙርቲ አለዉ፣ ክሳገርዎ ናብ ዝደልዩ ቦታ እና ተጓዕዙ ኢዮም። ግን ማዕበል ተላዒሉ፣ እቲ ማዕበል ብጣዕሚ ሓያል ኢዩ፣ ማለት ዘጥሕል፣ ዝዕፍንን፣ ዝቐትልን ኢዩ፣ ካብ ታሪኽ ወጻኢ ዝገብር ውን ኢዩ፣ ንሞት ዘቀራርብ ኢዩ፣ ብጣዕሚ ሓደገኛ ማዕበል ኢዩ። ግን ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ደቂሱ ነበረ፣ ከም ሰብ! የዕርፍ ነበረ ይብለና እቲ ቅዱስ ቃሉ።

ንሳቶም ግን ብዙሕ ተጨነቑን ተበሳጨዉን! ኩሉ ግዚ ብዘይ እግዚአብሔር ምስ እንኸውን ንጭነቕ ንበሳጮ ኢና። ኣብ ዝባን ደቅ ሰባትን፣ ኣብ ጥበብ ደቅሰብን ዝወደቐ ትውልዲ ክጭነቕ ክበሳጮ ናይ ግድን ኢዩ። ካልእሲ ይትረፍ ነታ ዕለታዊ ህይወቱ እኳ መንገዲ ጠፊእዎ ሓዚኑ ተኪዙ፣ ኣብ ናብራኡ ናይ ክፉአት መናፍስቲ መጻወዲያ ሒዝዎ ክሳቐ ይነብር አሎ። ኣብ ሸቶኡ ከይበጽሐ፣ ዕድሉን፡ ግዜኡን፡ ዘመኑን፡ ዕድሜኡን፡ ታሪኹን፡ ናይ ህይወቱ ብጽሒት ከይረኸበ በቃ ብኸምኡ ክጭነቕ ይነብር አሎ። ነቲ ምስኦም ዝነብረ ጐይታ ዘንግዕዎ! ኣብ ግዜ ሽግር ጥራይ ግን አይኮኑን ንጐይታኦም ዝፈለጥዎ፣ ዝፈለጥዎስ ኣቐዲሞም ኢዮም።

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ግዜ ሽግር ጥራይ ኢና እንፈልጦ ንጐይታና። አይተረድአናን እምበር እቲ ቀዳማይ ሽግርና እኳ እዚ ኢዩ! ብግዜ ሽግር ጥራይ ንኣምላኽ እንተ ጸዋዕናዮ እንታይ ዋጋ ኣለዎ፣ ንሳቶም ግን ኣቐድም አቢሎም ኢዮም ዝፈልጥዎ። ተሰናድዮምሉ ኢዮም፣ ምስኡ ኢዮም ዝጕዓዙ ዘለዉ። እንተ ኾነ ግን ምስኡ እና ተጓዕዙ ተፈጥሮ እና ኸድዖም መጺኡ። እታ ሰዓት ናይ መከራን ጭንቅን ናይ ማዕበል ግዜ ኮይናቶም። ካብዚ ንደሓር “መምህር!” በልዎ። ኣጸዋውዓኡ ከይተረፈ ይፈልጥዎ ኢዮም። ንናይ ስሙ ክብሪ ይፈልጥዎ ኢዮም፡ ንዝገብሮ ናይ ምሕረትን ናይ ርሕራሔን ድንቂ ተግባራቱ ልቦናኦም በከፊሉ ይአምን ኢዩ። ከፊሉ ግና እቲ ማዕበል አናዊጽዎ ኣብ ጭንቀት ይርከብ አሎ። ንሕና ግና እነቐድሞ ስለዘይንፈልጥ ኩሉ ግዜ፣ ኣብ መነባብሮና በረኸት ስኢና፣ ሰላም ስኢና፣ ፍቕሪ ስኢና፣ ንናይ ስሙ ሓይሊ ረሲዕና፣ ናይ ኣእዳውና በረኸት ብጸላኢ ተታሒዞም፣ ውሽጣዊ ምስትውዓልና ደንዚዙ፣ ተዓዚምና ንሳቐ አለና።

እምበአር ከስ “መምህር” ምስ በልዎ፣ ነገራት ክቕየር ጀሚሩ፣ መምህር ንምባል ድማ ወደ መዝሙር ምዃን ኢዩ ዘድሊ!

ብድምጺ ንምክትታል!

9ይ ትምህርቲ

ፈተናታት ሕይወት ወደመዝሙር

“መምህር” ምስ በልዎ፣ ነገራት ክቕየር ጀሚሩ፣ መምህር ንምባል ድማ ወደ መዝሙር ምዃን ኢዩ ዘድሊ!

“መምህር” ምስ በልዎ፣ ናይ ምድሓን ሓይሊ ኣብ ኢዱ ከም ዘሎ ውሽቶም ይኣምን ኢዩ። ሕጂ አማራጺ አየድልዮን ኢዩ፣ ናብዝን ናብትን ዝብሉሉ ግዜ ውን የብሎምን። ናይ ምንባሮም ሕጊ ከብቅዕ ንእሽቶይ ኢዩ ተሪፍዎ ዘሎ። ስለዚ እምበአር “ኣድሕነና” ክብሉ ተረኽቡ። መድሓኒ ምዃኑ አመኑ! ካብዚ ቐጺሎም ነቲ ሳልሳይ ዝኾነ ድምጾም አስምዑ! ዘሕዝን ኢዩ እቲ ናይ መጨረሻ ናይ ተስፋ ምስአን ምልክት ኢዩ ዘርኢ፣ ቀውጢ ሰዓት ኢዮም ዘመልከቱ።

“ክንጠፍእ ግድና ዶ የብልካን!” በሉ፣ እንተ ዘየድሓንካና ክንጠፍእ ኢና! በቃ ክብሉ ጀመሩ።

ከም መጠን ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ  ሎሚ ውን እንተኾነ ክንብሎ ዝግብኣና እዚ ኢዩ።

ከመይ? እዚ ኣብ ዘመና ንሪኦ ዘለና ምልክታት ከምዚ ዘብል ዶ አይኮነን?

“ክንጠፍእ ኢና!” እኳ ኢዮም ዝበሉ።

ንሳቶም ምንባርና ተሪፉ ዘይምህላውና ክመጽእ ኢዩ፣ ምድሓና ተሪፉ ጥፍኣትና ክኽሰተ ኢዩ፣ ዓሳ ክበልዓና ኢዩ፣ ናይ ባሕሪ ኣራዊት ክረኽቡና ኢዮም፣ ክንጠፍእ ኢና ኢዮም ዝበልዎ። ኣብቲ ቦታ እቲ ብዙሕ ኣሸገሪ ዝኾኑ ነገራት አለዉ። ድሕሪ ምግልባጦም ብማይ ተዓፊኖም ናብ ጥልቂ ክወርዱ ኢዮም። እዚ ኩሉ መከራ ኣብ ቅድሚኦም ተጻዊዱ አሎ። እዚ ኩሉ ሽግር ዝመጾም ግን ንቕድሚት ክግስግሱ ከለዉ ክሳገሩ እንክደልዩ ኢዮም። ንቕድሚት እንተ ዘይከዱ እቲ ማዕበል ውን አይምተላዕለን ኔሩ። ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት ውን ልክዕ ከምዚ ኢዩ።

ናብ ቅድሚት ገጽካ ምኻድ እንክትጅምር፣ ማዕበል አሎ። ክሳገር ሕይወተይ ከመዓራሪ፣ ሕይወተይ ከመሓሽ፣ ክንሳሕ፣ ምስ መንፈስ ቅዱስ ርክብ ክፈጥር እንክትብል፣ ናይ ግንድን ኢዩ ማዕበል ክለዓል። ምጽላይ፣ ምንብርካኽ፣ ምስጋድ፣ እንክትጅምር ማዕበል ኣሎ። ኣብዚ ግዜ እዚ “አድሕነና!” ምባል እንተ ደአ ዘይለመድና፣ ኣብ ኢድ ጸላእትና ንአቱ። ሎሚ እኳ ብብዙሕ መንገዲ “ኣድሕነና!” ክንብለሉ ዝግብእ ሰዓትን ወቕትን ኢና በጺሕና ዘለና።

ካብ ነገር ማዕበል፣ ካብ ናይ ተንኮል ማዕበል፣ ካብ ናይ ግፍዒ ማዕበል፣ ካብ  ናይ ጠንቆልትን አስመተኛታትን ማዕበል፣ ካብ ናይ ክፍኣት ማዕበል፣ ካብ ናይ አምልኾ ጣኦት ማዕበል፣ ካብ ሓሳደትን፣ ካብ ናይ ዓይኒ ሓሳዳት ማዕበል፣ ካብ ናይ መናፍቕነት ማዕበል፣ ካብዚ ኩሉ “ኣድሕነና!” ክንብለሉ ዝግብአና ግዜን ዘመንን ሎሚ ኢዩ። እንተ ዘይኮይኑ ግን ክንጠፍእ ኢና! በቃ!

ዘጥፍኡና ሰባትን ዲያብሎስን ብሓደ ሓቢሮም አብ ወራር ኢዮም ተዋፊሮም ዘለዉ። ሎሚ ከም ሎሚ ናይ ሕስድና ሓይሊ ንምግላጽ፣ ንናይ ክፉእ መንፈስ ማእሰርቲ፡ አብ ህይወት ደቅሰባት፤ ብስቓይ ተገሊጹ ንምርአይ ዝናፍቑ ሰባት ሎሚ ውሑዳት አይኮኑ። ኣዝማድና እኳ እንተኾኑ፣ ብመንፈስ ካብ ዝተለወጡል ግዜ ጀሚሮም፣ ኣብ ኢድ ጸላኢ ካብ ዝወደቑሉ ግዜ ጀሚሮም፣ ሠናይ ንምሕሳብ ሓይሊ ይኹን ዓቕሚ፣ ሕያውነት ይኹን መንፈሳዊ ሓይል ክህልዎም አይክእልን ኢዩ። ስለዚ ኩሉ ብናይ ሕስድና ዓይኒ ዝጠማመትን ዝተናኾልን፣ ብክፉእ ጸላኢ ዝሕሰድን ናይ በረኸት ታሪኹ ከም ዝፈርስ ኣብ ዝግበረሉ ግዜን ሰዓትን ደው ኢልና ከም ዘለና መረጋገጺ ዘድልዮ አይኮነን። ንምንታይ እንተ ደኣ ኢልና? ኩሉ እቲ ተተሓሒዝናዮ ዘለና ኩነት ናይ ሕይወትና ናይ ዓለምና ኣካይዳን ነዚ ነገር እዚ ግልጺ ጌሩ ስለዘርእየና።

“ኦ! ጐይታ ኣድሕነና” ክንብለሉ ዝግብኣና ግዜ ሎሚ ኢዩ። ኣሕዋተይ!

ናይ እግዚአብሔር ድሕነት እንተ ዘየሎ፣ ኣብ ኢድ ውጽኢት ፋብሪካ ወዲቕና፣ ናይ ብዙሕ ነገራት መፈተንተንታን፣ ሰብነትና ከይተረፈ ካልእ ካልእ ነገራት ዝስርሓሉ ኩነት ኮይና ኢና ክንተርፍ። ካብ ናይ መናፍቲ መጥቃዕቲ፣ ካብ ናይ ዲያብሎስ ማዕሰርቲ፣ ካብ ናይ ክፉእ ሓይሊ ምትሃት፣ ብዘይ እግዚአብሔር ዘድሕነና ወላ ሓደ ሓይሊ የልቦን። ብዘይካኡ ዝሕግዘና ድማ ሓደኳ የለን።

ነዚ ማዕበላት ናይ ዘመና እንሳገረሉ ሕይሊ እነረጋጽ ብናይ ሳይንስ ዓለም ተደጊፍካ ዘይኮነስ፣ ብናይ ልዑል ኣምላኽ ስምን ሓይልን ተወኪልና ኣብ እንነብሮ ናይ ጸሎት ሕይወት ኢዩ ዝረጋግጸልና። ንናይ ዘመና ምልክታት አንቢብና ክንክእል ካብኡ እንመልቈሉ መንፈሳዊ መረዳእታ ክህልወና ናብ እግዚአብሔር እንቐርበሉ መንገዲ ወይ ሕይወት አምልኾ ከድልየና ኢዩ።

“ኦ ጐይታ አድሕነና ጠፋእና!”፦ ብኽፉእ መንፈስ ተአሲርና፣ በእዳው ሓሳዳት ተተብቲብና፣ የዒንቶም ክፉእ መልእኽትታት ብመሓላልፉ፣ ንኽፉእ ተግባራት ብዝገልጹ፣ ስነልቦና ብዘናውጹ፣ ንናይ ሕይወት መንገዲ ብዘጸልምቱ፣ ሰባትን መናፍስት እና ተሸቍረርና እንነብረሉ ዘለና ሰዓት፣ ንብዙሓት ሰባት ግልጺ ብዘይኮነ መንገዲ እንክጥቃዕ እነብረሉ ዘለና ኩነት ኢዩ። እምበርከ ሎሚ “ኦ ጐይታ አድሕነና!” ዘብል ኩነት ዶ አይኮነን?

ማዕበል ዶ የብልናን ኢና?

አለና እኳ! ማዕበል አሎ! እቲ ናይ ሓዋርያት ዝነበረ ማአዕበል፣ ናይ ተፈጥሮ ናይ ባሕሪ ማዕበል ኢዩ ዝነበረ። ከከም ዘመኑ ንደቀ መዛሙርቱ ዝገጥሞም ሽግራት፣ ከከም ግዜኡ እዚ ናይ ሓዋርያት ማዕበል መርአያ ኢዩ ዝኸውን። እቲ ወንጌል እቲ ነቲ ዘመን እቲ ጥራይ ዘመልክት አይኮነን። እቲ አውያት እቲ፣ ነቲ ዝሓለፈ ግዜ ጥራይ ዝኽውን አይኮነን። ነቶም ኣብ ነፍስ ወከፍ ክርስቲያናዊ ሕይወት ዝመጹ ሽግራት መገናዘቢ ወይ አብነት ኢዩ። ኣብቲ ወቕቲ እቲ ወይ ኣብቲ ባሕሪ እቲ ጥራይ ዝኸውን ኩነት ጥራይ አይኮነን።

ኣብ ናትና ልቢ’ውን ሎሚ ብዙሕ ዝዓይነቱ ማዕበላት አሎ’ኳ። ግን ናብ መን ነእዊ?

አብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ጐይታ፣ ሎምውን እኳ ኣብ ዙርያና አሎ! ብናይ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ተባሪኽና፣ ናብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን እነሀለ መጺእና፣ ተአኻኺብና አለና።

እሞኸ ድምጽና እንታይ ይኹን? “ኦ ጐይታ አድሕነና ጠፋእና!” ኢዩ ክኸውን ዘለዎ።

ብድምጺ ንምክትታል!

10ይ ትምህርቲ

“ደቂ ሰባት ንወዲሰብ መን’ዮ ይብልዎ?” (ማቴ.16።13)

ማቴዎስ ወንጌላዊ ነዛ ጽሑፍ እዚኣ ከቕርባ እንከሎ። ዳርጋ ክርስቶስ ፍርቂ ናይ ተልእኮኡ ምስ በጽሓ ዘቕረባ ትመስል፣ ምኽንያቱ ድሕሪ ምዕራፍ 16 ዘለዉ ጽሑፋት ትምህርቲ ሓዘል ድኣ እምበር። ኣብ ተእምራትን ድንቂ ነገራትን ዘለዎም ቅድሚ ምዕርፍ 16 ዘሎ እዩ፣ እዚ ዘረድኣና ከኣ መልሲ ናይ ሓዋርያት ኢዩ፣ ክርስቶስ ንሓዋርያት “ደቂ ስባት ንወዲ ሰብ መን ኢዩ ይብልዎ።” ኢሉ ይሓቶም፣ ንሳቶም ከኣ “ገሊኦም ዮሓንስ መጥመቕ። ገሊኦም ኤልያስ። ገሊኦም ኤርምያስ። ወይ ከኣ ሓደ ካብ ነብያት” ኢዩ ይብሉ በልዎ። ስለዚ ፍሉይነት ክርስቶስ ብዘደንቕ ነገራት ከምብብዎ ከምዝከኣሉ ኢዩ ዘረድኣና፣

ክርስቶስ ነዛ “ንወዲ ሰብ ሰባት መን’ዩ ይብልዎ” ኢሉ ዝሓተታ ሕቶ ኢየሱስ ኣብ ሓሳቡ ዝነበረ፣ መንነት ደቀመዛሙርቱ ንምንጻርን ንምፍላጥን ይመስል፣ ምስቲ ሓፋሽ ሕዝቢ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ናቶም መግለጺ ዝሰማማዕን ዘይሰማማዕን ንምፍላጥ ይመስል፣ “ሰባት ንወዲ ሰብ መንዩ ይብልዎ?” 

ሀ. እተን ንጽቡቅ ዝጥምታ ኣዒንቲ ንወዲሰብ መን’ዩ ይብለኦ?

ለ. እተን ንጽቡቕ ገልቢጠን ዝርእያ ኣዒንቲ ንወዲሰብ መን’ዩ ይብለኦ?

ሐ. እቶም ምስጢር ክርስቶስ ዝፈልጡ ሓዋርያትከ ንወዲ ሰብ መን’ዩ ይብልዎ?

መ. ባዕሉ ኢየሱስ ‘ከ ንርእሱ መን’የ ይብል?

ሀ. እተን ንጽቡቕ ዝጥምታ ኣዒንቲ

እቲ ሓፋሽ ሕዝቢ ነቲ ክርስቶስ ዝገብሮ ዝነበረ ዘደንቕ ተግባራት ተኣሚኑ ንናይ ክርስቶስ ፍልዩነት ከንብቦ ክኢሉ ኢዩ፣ እቲ ሓዋርያት ዝሃብዎ መልሲ ከኣ ድምጺ ናይቲ ሕዝቢ ኢዩ፣ እቲ ድምጺ ደቂ ሰባት በቲ እትገብሮ ዘሎኻ ዘደንቕ ተግባራት ተገሪሞም ኣለው፣ ካብዚ ተበጊሶም ከኣ ምስቶም ምሩጽ ሕይወት ዘሎዎም። ኣብ ታሪኽና ታሪኽ ደቂ እስራኤል ፍሉይ ቦታ ዘለዎም ብሉጻትን ምርኡያትን ሰባት እዮም ዘመሳስሉኻ ዘለዉ፣ በቲ እትገብሮ ፍሉይ ዝኮነ ተግባራትካ ስምካ ኣብኦም ዓቢ ኮይኑ ኣሎ፣ ብእኻ ኪድነቑን ኪግረሙን እዮም ዝስምዑ ዘለዉ፣ ንፍሉይነትካ ስለ ዝተረድኡ ከኣ ኣባኻ ዓቢ እምነት ኣሕዲሮም ኣለው፣ ንግስነትካ ድማ ይጽበዩ ኣለው፣ እዚ መልሲ እዚ ናይቶም ገርሀይናታትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ሕልናን፣ ኣዒንቶምን ከኣ ንሰናይ ነገር ጥራሕ ኪርእያ ዝተዓደማ መልሲ ናይቲ ሓፋሽ ሕዝቢ ኢዩ፣ እዚ ሓፋሽ ሕዝቢ ከምዚ ኮይኑ ክምልስ ዝበቕዐ ደድሕሪ ክርስቶስ ብምስዓብ ንኹሉ ተግባራት ክርስቶስ ርእዮም ድሕሪ ምእማኖም ኢዮም ዝነበረ።

ለ. ኣዒንቲ እተን ንጽብቕ ናብ ሕማቕ ገልቢጠን ዘንብባ

እዚኣቶም’ከ ንወዲ ሰብ መን’ዩ ይብልዎ፣ እዚኣቶም ምሁራት ሕግን ፈሪሳውያንን ሊቓነ ካህናትን ኢዮም እዚኣቶም ከኣ ብዙሕ ኢዮም ዝብሉኻ። ነቲ ኣብ ምእከል ደቂ ሰባት እትገብሮ ዘሎኻ ተግባራት ዕጹብ ነገር ኮይኑዎም ኣሎ። ምርዳእ ስኢኖሞ ኣለዉ፣ በቲ እትገብሮ ዘሎኻ ትምህርቲ ከኣ ስቓይ ሕልና ኴንካዮም ኣሎኻ፣ እዚኣቶም ንሕይወትካ ብከምዚ ይገልጽዎ፣ ገሊኦም “መፍረሲ ሕጊ ሙሴ” ይብሉኻ። ገሊኦም ከኣ “ስርዓት ዓበይቲ ዘየኽብር”። ገሊኦም ከኣ “ንሰንበት ዝጥሕስ”። ገሊኦም ከኣ “ዓርኪ ሓጥኣንን ኣመናዝርን መኽፈልቲ ቀረጽን”፣ እቲ ዝገደደ ከኣ “ወዲ እግዚኣብሔር ኢየ” ብምባልካ ኣቆጢዕዎም ኣሎ፣ ስለዚ እዞም ብጸጋማይ ክንፊ ዘለዉ ንሕይወትካ ኣይተቐበልዎን። ብዙሕ ከኣ ሕይወትካ ኣሰኪፍዎም ኣሎ። ልዕሊ ኩሉ፣ ኩሉ ሰብ ደድሕሬኻ ብምስዓቡ፣ ሰጊኦም ኣለዉ። ብኸመይ ከምዝሕዙኻን ከምዝኸሱኻን ከኣ ይበላሓቱ ኣለዉ፣ ነዚኣቶም መንነትካ ምስጢር ኮይኑዎም ኣሎ፣ ነዚ ኩሉ ትገብሮ ዘሎኻ ዘደንቕ ተግባራትን ትምህርትን ብናይ መን ስልጣን ትገብሮ ከምዘሎኻ ምፍላጡ ሓርቢትዎም ኣሎ፣ ሕሉፍ ሓሊፍዎም እዚ እቲ ውዲ ጸራባይ’ዶ ኣይኮነን? ኣሕዋቱስ ምስና’ዶ ኣየለውን? እናበሉ የጕረምርሙ ኣሎዉ።

እዞም ከምዚ ኢሎም ዝፈርዱ ዘሎዉ ንክርስቶስ ደቂ ዓዱ ኢዮም ዝነበሩ። ነቲ ክርስቶስ ዝገብሮ ዝነበረ ዘደንቅ ተኣምራት ብኣዒንቶም ዝረኣዮ፣ ብኣእዛኖም ዝሰምዑ ኢዮም። እንተኮነ ግና ንክርስቶስ ኪቕበልዎን ኪኣምንዎን ኣይከኣሉን፣ እዚኣቶም ኣብ ዳሕራይ ኣሳቐይቱን ቀተልቱን ፈረድቱን ኪኮኑ ኢዮም። እስኪ ናብ’ዛ እትስዕብ ንሕለፍ፦

ሐ. ደቀመዛሙርተይ (ንስኻትኩም)’ከ ንወዲሰብ መን’ዩ ትብልዎ

ኢየሱስ ከምዚ በሎም፦ “ዝኸበርኩም ደቀመዛሙርተይ መልሲ ናይዞም ክልተ ወገን ሰሚዐዮ ኣሎኹ፣ ንስኻትኩም’ከ ንዓይ መን ኢዩ ትብሉኒ? ንስኻትኩም ኣነ ዝሓረኽኩም ኢኩም፣ ትምህርተይ ዝተቐበልኩም፣ ብኣይ ዝኣመንኩም፣ ምሳይ እትበልዑ ምሳይ እትድቕሱ፣ ምሳይ እትዉዕሉ ብቐረባ እትፈልጡኒ፣ ንተግባራተይ ብቐረባ እትምልከትዎን እትፈልጥዎን፣ ንስኻትኩምከ ንዓይ መን’ዩ ትብሉኒ?”

ቃል ሓዋርያት፣ ሽዑ ስምዕን ጴጥሮስ ከምዚ ክብል መለሰሉ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላክ ኢኻ” በሎ፣  ክርስቶስ ኪፈልጥዎ ዝደለየ ኣይመስልን። ነታ መልሲ ከኣ ካብ ኣቦ ካብ ሰማይ ከም ዝተዋህበቶ ይሕብሮ፣ ብዝኾነ ኮይኑ ንካልእ ሰብ ከይነግሩ የጠንቕቖም፣ ሽሕ’ኳ ክርስቶስ ንመልሶም ካብ ሰማይ ከምዝተዋህቦን ይግለጽ እምበር። ካብቲ ልቢ ገቢሮም ዝሰምዕዎን ዝኽተልዎን ዝነበሩ ሕይወት መምህሮም ገለ ነገር ከምዘጽንዑ ዘጠራትር ኣይኮነን። ከምቲ ፍሉይነት ጸዋዕትኦም ከኣ ነቲ ፍሉይ ጸዋዒኦም ኪፈልጥዎን ከለልይዎን የግዲ ኢዩ።

መ. ባዕሉ ክርስቶስ ንርእሱ ኣነ መን እየ ይብል

ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ደቂ ሰባት መን ኢዮም ዝብሉኒ ኢሉ ኪውከሶም እንከሎ ብሓቂ ብዛዕባ ርእሱ ኪፈልጥ ስለዝደለየ ድዩ? ሰባት መን ከምዝብልዎ ስለዝጠፍኦ ድዩ? ክርስቶስ ብሓቂ ድዮ ብዛዕባ ርእሱ ጠፊእዎ?

ክርስቶስ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ብምኳኑ ብዛዕባ ርእሱ ዝጠፍኦ ነገር ከምዘይብሉ ኩልና እንኣምኖ ሓቂ ኢዩ። ይኩን እምበር ከም ሰብ ኮይኑ ኪሓቶም እንከሎ ሰብኣዊ መልሲ ከምዝጽበ ርግጽ ኢዩ፣ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንኩነታት ደቀመዛሙርቱ ኣብ ወዲሰብ ንዘለዎም ግንዛቤ ንምርኣይ ዘቕረቦ ሕቶ ይመስል። ክርስቶስ ከምቲ ጴጥሮስ ዝበሎ ኮይኑ፣ ዝበዝሕ ግዜ ግና ባዕሉ ካብ ትምህርቱ ኣነ ከምዚ እየ ብምባል መንነቱን እንታይነቱን ገሊጹ ኣሎ፣ ኩሉ ከኣ ሓቂ ኢዩ፣ ፍቁር ሓወይ ወደመዝሙር ሓቂ ኮይኑ ዶ ኮይኑ ረኪብናዮ? ንስኻ ናይ ዘመና ወደመዝሙርከ ንኢየሱስ መን ኢዩ ትብሎ?

ብድምጺ ንምክትታል!

መበል 11 ትምህርቲ

“ብክርስቶስ ውጹኣት ሓራ ኢና” (ገላ. 5፡1)

       “ብሓርነት ምእንቲ ክንነብር ክርስቶስ ሓራ ኣውጺኡና ኢዩ፣ ስለዚ ጽንዑ ከም ብሓዱሽውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ፣” /ገላ. 5።1/

          ዝኸበርኩም ኣሕዋተይ ኣብ ብሉይ ኪዳን እንተተመልከትና እስራኤላውያን ብመሪር ናይ መግዛእቲ ኣርዑት ንልዕሊ 400 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ትሕቲ ንጉስ ፎርዖን መሪር ናይ ባርነት መግዛእቲ ከምዘሕለፉ ታሪኽ የዘንትወልና። ኣብዚ ናይ መግዛእቶም ዓመታት መግዛእቲ ምስ መረሮም ናብቲ እንኮን ዘለኣዓለማውን ዝኮነ ኣምላኽ ኣቦታቶም ከም ዝጠርዑን ኣውያቶም ከም ዘዕረጉን ነንብብ። ኣብ መጨረሽታ ድማ እቲ የዋህ ፈጣሪኦም ንኣውያቶምን ንስቅያቶምን ሰሚዑን ርእዩን፣ ካብዚ ናይ ባርነት ሃገር ከውጽኦም ንነብዪ ሙሴ ልኢኹ ሓራ ከም ዘውጽኦም፣ ኩልና እንፈልጦ ታሪኽ ኢዩ። እንተኮነ ግን እዞም ብሓያል ቅልጽም እግዚኣብሔር ካብታ ናይ ባርነት ሃገር ናብታ ናይ ናጽነት ሃገር ኪጓዓዙ እንከለዉ በቲ ዝገጠሞም ፈተና ተሸኒፎም፣ ብዙሓት ካብኣቶም ናብ ግብጺ ኪምለሱ ሃረር ዝበሉን ንሙሴ ከም ዘጉረምሮሙሉ ነንብብ። እምበርከ እዞም ናብ ግብጺ ኪምለሱ ሃረር ዝብሉ ዘለዉ ሰባት፣ ኣብ ግብጺ እንታይ ጽቡቕ ነገራት፤ ኣብ ግብጺ እንታይ ሰናይ ሕይወት ስለ ዝገደፉ ኢዮም። ናይ እዚኣቶም’ስ ዘገርም ኢዩ፣ ነቲ ጭቈና ነቲ ባርነት ነቲ ስቓይ ሃረር ይብልዎ፣ ካብ ሓርነት ንባርነት ሃረር ይብሉ፣ ካብ ናጽነት ኣርዑት ባርነት ይናፍቑ፣ እዞም ሰባት እዚኣቶምሲ ሽሕ’ዃ ብኣካል ናብ ግብጺ እንተዘይተመልሱ ብሓሳብ ግን ድሮ ናብ ባርነት ግብጺ ስለ ዝተመለሱ ነታ ምድሪ ተስፋ ከይወርሱ ኣብ ምድሪ በዳ ሞይቶም ድኣ ተረፉ፣

          ኣሕዋተይ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ግን ዘገርም ኢዩ፣ ነዞም ቀዳሞት ኣቦታትና ብመስተንክራዊ ኢዱ ገቢሩ። ብነብዪ ካብ ምድሪ ባርነት ሓራ ከውጽኦም እንከሎ ንዓና ንዳሕረዎት ደቁ ግን ነቲ ዘፍቅሮ እንኮ ወዱ ልኢኹ ካብ ናይ ኃጢኣት ባርነት ናብ ሕይወት ናጽነት ኣሰጋገረና፣ ከመይ ጌሩ ኣሰጋጊሩና እንተበልና ክርስቶስ ኣምላኽ ክንሱ ባህሪ ሰብ ለቢሱ ከማና ሰብ ብምዃን ንሕይወቱ ኣብ ክንዳና በጃ ብምሕላፍ ሓራ ኣውጽኣና፣ ነዚ እንከስተንትን ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ይብል።

ንሱ ብባህሪኡ ኣምላኽ እዃ እንተ ኾነ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ማዕርነት ኣይገድፍን ኢሉ ኣይተኸራኸረን፣ እንተኾነ ሰብ ብምዃን መልክዕ ባርያ ብምውሳድ ብገዛእ ፍቓዱ ገዛእ-ርእሱ ድኻ ገበረ፣ ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳዕ ሞት ኣረ’ኳ ድኣ ክሳብ ኣብ መስቀል ሙማት ተኣዘዘ” (ፊል. 2።6-8)

ብምጽኣቱ ከኣ እቲ ዝዓበየ ፍቕሪ ገለጸልና። ብግብሪ ከኣ መንገዲ ድሕነት፣ መንገዲ ዘለኣለማዊ ሕይወት ኣስተምሃረና። ቀጺሉ ከኣ ብጥዑም ቃላቱ ከምዚ ይብል፣ “ኣነ ብርሃን ዓለም ኢየ” “ኣነ ናይ ሕይወት እንጌራ ኢየ፣” “ኣነ ኡነተይና ጉንዲ ወይኒ ኢየ፣” “ኣነ ሕያዋይ ጓሳ ኢየ፣” ኣነ መንገድን ሓቅን ሕይወትን ኢየ”. . . ወዘተ፣ እናበለ ባዕሉ ክርስቶስ ብዛዕባ መንነቱ ኣስተምሃረና። እቲ ዘገርም ከኣ ነቲ ኢሳያስ ነቢይ ብዛዕባኡ ዝተነበዮ ቃል፣ ክርስቶስ ከምዚ ኢሉ ምድጋሙ ኢዩ።   

“ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ መንፈስ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕለይ ኣሎ። ንምሩዃት ምምላስ፣ ንዕዉራት ምርኣይ፣ ንጉፋዓት ምውጻእ ሓራ ከበስሮም ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሔር ኪሰብኽ ለኣኸኒ” (ሉቃ. 4፡18-19)።

እናበለ ዕላማ ምጽእቱ ብግልጺ ኣበሰረና። በዚ ምጽኣቱ በዚ በዅሪ ስብከቱ ብርሃን ጽድቂ፣ ብርሃን ሓቂ ኣብ መላእ ዓለም ኣብርሀ። መጋረጃ ጸልማት ቀንጢጡ፣ ግብሪ ሰይጣን ቀሊዑ ማዕጾ ድሕነት ከፈተልና። እቲ ዘገርም ክርስቶስ ነዚ ዘይነጽፍ ሓርነት፣ ዘይቅህም ብርሃን ሓቂ እንከበስረና ጠበንጃ ወይ ዓሻክር ኣየሰለፈን። ኣብ መጋባእያ ፍርዲ ነገሩ ኣየቕረበን። እንታይ ድኣ ንሓርነት ክእውጅ ዘልዓለን ጠበናጁ ፍቕርን ሓቅን ጥራሕ ኢየን ዝነበራ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ሕይወት ከድሕን ሕይወት ክኸፍል ግዲ ስለዝነበሮ፣ ስለ ሓርነትና ስለ ድሕነት ነፍስና ንኽብርቲ ሕይወቱ ስለና በጃ ኣሕለፈ፣ “ኣምላኽ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” (ዮሓ. 3፡16) ይብለና። እወ ክርስቶስ ብሕሉፍ ፍቕሪ ስለዘፍቀረና፣ ኣምላኽ ክንሱ ንዓና ከድሕን ስጋና ይለብስ፣ ብኣምላኽነቱ ሰብ ምዃን መሪጹ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ካብ ናይ ሓጢኣት ባርነት ሓራ ከውጽኣና ስቓይ መስቀል ይቕበል። ስለ ሓርነትና ኣብ ጌተሰማኒ ብጻዕሪ ይጽሊ፣ ስለና ኣብ መጋብኣያ ፍርዲ ይቐውም፣ ስለና ብዘይ ወዓሎ በደል ንሞት ይፍረድ። ስለና ስቓይ መስቀል ዘይግብኦ ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ ሕይወቱ የሕልፈልና። እዚ ኢዩ ከኣ እቲ ምስክር ዘየድልዮ ሕይው ፍቕሪ መድሓኒና፣ በዚ ፍቕሪ እዚ ኢና ከኣ ካብ ባርነት ሓጢኣት ናብ ሓርነት ጽድቂ ዝተሳገርና። ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዚ ይብል “ካብ ሓጥኣት ርሒቕና ብጽድቂ ምእንቲ ክነብር ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሸንከረ ሰብነቱ ጾሮ፣ ብመስቀሉ ኢኹም ዝደሓንኩም” (1ጴጥ. 2፣24) ይብለና።

          ኣሕዋተይ እወ ንኹሉ ነቲ ኣዳም ካብ ዝፍጠር ዝተፈጸመ ሓጢኣት ደቂ ኣዳም ኣብ ሰብነቱ ብምጻር ስለና ስለ ሓጢኣት ስቓይ መስቀል ተቐቢሉ። ደሙ ብምፍሳስ ከኣ ነቲ ዘነውር ሓጢኣትና ኣንጽሖ፣ ካብ ናይ ኣዳም ሓጢኣት ሓራ ኣውጽኣና፣ እዚ ኩሉ ዝተቐበለ ከኣ ብፍቕርና ኢዩ። እዚ ዘይነጽፍ ፍቕሩ ከኣ ኣብ መስቀል ገለጸልና። “ክርስቶስ ንሕይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ ንፍቕሪ በዚ ኢና ንፈልጣ” (1ዮሓ. 3፣16)

እናበለ ቅዱስ ዮሓንስ ንፍቕሪ ክርስቶስ ይገልጸልና። ክርስቶስ ስለ ሓርነትና ንሕይወቱ ከይበቐቐ በጃና ስለ ዘሕለፋ ንፍቅሩ በዚ ኢና እነስተማቕራ። ነዚ ንጹሕ ፍቕሪ እዚ ስለ ዘስተማቐርና ከኣ ውጹኣት ሓራ ኢና፣ ሓርነትና ከኣ መስቀል ክርስቶስ ኢዩ። እዚ ብደም ክርስቶስ ዝተዋህበና ሓርነት ንሓጢኣት ኣሸኒፍካ፣ ንፍሕሶ ሰይጣን ቈሪጽካ፣ ኣብ ርእሲ ሞትን ኣብ ርእሲ ሓጢኣትን ብትብዓት ብዓወት ምጭዳር እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ እንከመልክት ከምዚ ይብል “እቲ በራሲ ዘይምብራስ እቲ መዋቲ’ውን ዘይሙማት ምስ ለበሰ ሽዑ ሞት ብዓወት ተዋሕጠ። ዝብል ቃል ጽሑፍ ክፍጸም ኢዩ፣ ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፣ ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ምውጋእካ፣ ሞት ብሓይሊ ሓጢኣት ጌራ ትወግእ። ሓጢኣት ከኣ ካብ ሕጊ ሓይሊ ትረክብ። ግናኸ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ገይሩ ዓወት ዝሃበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።”(1ቆሮ. 15፣ 54-57)። እወ ሓርነትና ካብ ሞት ሓጢኣት ብዓወት ምትንሳእ ኢዩ። እዞም ብክርስቶስ እንኣምን ካብዚ ናይ ባርነት ሰንሰለት ሓራ ኮይና ኢና። ድሕሪ ደጊም ሞት ኣብ ርእስና ስልጣን የብላን። ምኽንያቱ ብክርስቶስ ካብ ሓጢኣትና ሓራ ወጺና ኢና። እንተ ኮነ ግን እዚ ሓርነት እዚ ዝተዋህበና፣ ንሕና ስለ ዘፍቀርዮ ዘይኮነስ፣ እግዚኣብሔር ኣቦ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና ኢዩ። “ኣምላኽ ንፍቕሩ ብወዱ ብሕይወት ምእንቲ ክንነብር ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ ፍቕሩ ገለጸልና፣ ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና ንሓጢኣትና ከርሕቕ ኢሉ ንወዱ ስለ ዝሰደደልና ኢዩ። እምበር ንሕና ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኮነን፣”(1ዮሓ. 4። 9-10) እናበለ ዕላማ ፍቕሩ ይገልጸልና፣ እዚ ብእግዚኣብሔር ዝተዋህበና ፍቕሪ ድማ ብሓይሊ ኢየሱስ ንሓጢኣት ከምዘይንእዘዛን። ንሞት ከምዘይንጥዕማን ገበረና። ምኽንያቱ “ብሓርነት ክንነብር ክርስቶስ ሓራ ኣውጺኡና ኢዩ፣” ዝብል ቃል ቅዱስ ጳውሎስ እሙን ስለዝኾነ ኢዩ። እንተኮነ ግን ኣሕዋተይ ካብዚኣ ቅጽል ኣቢሉ ከምዚ ይብል። “ስለዚ ጽንዑ ከምበሓዱሽ’ውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ” እናበለ ተመሊስና ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ሓጢኣት ከይንቑረን የጠንቅቐና፣ ምኽንያቱ ሓርነትና ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፣ ብደም ክርስቶስ ስለ ዝኾነ ኢዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ንሓርነትካ ምሻጥ ንናጽነትካ ምጥፋእ ቀሊል ክኽውን ከሎ ሳዕቤኑ ግን መዳርግቲ የብሉን። እቲ ካብዚ ዝበርተዐ ድማ ኣብ ሓርነትካ ጸኒዕካ ካብ ዝሓዝካዮ መትከል ከይተነቓነቕካ ንሓርነትካ እናዓቀብካ ንቅድሚት ምስጓም ኢዩ። ንሕና ከኣ ነዚ ኢና ክንመርጽ ዝተጸዋዕና፣ ምኽንያቱ ዝተዋህበና ሓርነት ብደም ክርስቶስ ስለዝኾነ መዳርግቲ የብሉን።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

መበል 12 ትምህርቲ

“ሎሚ ምሳኻ ኣብ ቤትካ ኪውዕል ኢየ፣” (ሉቃ.19። 1-7)

“ዝወዓለም ይንገርካ ዝወደቐን ይምከርካ” ዝብል ምስላ ዓበይቲ ኣሎ። ንስኻ ከኣ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ እቶም ምስቲ ጥዑም መድሓኒ ዓለም ዘለዎም ጥቡቕ ርክብን ዓሚቕ ፍቕርን ከዕልሉን ኪሰብኩን ሰሚዕካ ትኽወን። ካብዚ ብዘይፍለ ከኣ ኣብ መጻሕፍቲ ብምንባብ ብዛዕባ እቲ ዘገርምን ዘደንቕን ፍጻሜታት ድሕነትን መግለጺ ፍቕርን ሰሚዕካ ትኸውን። ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ዘሎ ተግባራት ኢየሱስ ብምስማዕ፣ ምስቲ ማእከል ናይቲ ወንጌል ዝኮነ ክርስቶስ ክትራኸብ ልብኻ ክንደይ ግዜ ደፋፊኡካ ይኸውን?

ካብዚ ተበጊስካ ንክርስቶስ ምርካብን፣ ንክርስቶስ ምርኣይን፣ ንክርስቶስ ምፍላጥን፣ ንድምጹ ምስማዕን ካብ ድቃስካ ተበራቢርካ’ዶ ትኸውን? ብኸመይ ከም እትረኽቦ ብልቦናን ብጥበብን ሓሲብካ’ዶ ትኸውን? ፍሉይነት ኢየሱስከ ንዓኻ ኣገዳስነቱ ኣስተንቲንካዮዶ ትኸውን? በል ሎሚ ምስ ዘኬዎስ ኢና ክንራኸብ። ዘኬዎስ ኩነታት ኢየሱስ ምስ ሰምዐ፣ እዚ ፍሉይ ሰብ እዚ መን ኢዩ ኢሉ ተሃንጥዩ ኪረክቦ ኪርእዮ፣ ኪሰምዖ ድቃስ ይስእን። ናብቲ ክርስቶስ ዝመላለሰሉን ዝርከበሉን ኢዩ ዝበሎ ቦታ ከይዱ ሃሰስ ይብሎ፣ ንክርስቶስ የናድዮ ኣእዛኑ ድምጹ ኪሰምዓ፣ ኣዒንቱ ቁመና ኢየሱስ ኪርእያ ሃሰስ ይብል። እንተኮነ ብትዕድልቱ ከምዚ ዝሓስቦ ሓሳባት ልቡ ኪሰምረሉ ኣይከኣለን እቲ ዘገርም ግና ምስ ትዕድልቱ ተማሪሩ ንድሕሪት ኣይተመልሰን፣ ተስፋ ከኣ ኣይቆረጸን። ነቲ ዘበገሶ ዕላማ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ መንገዲ ይቅይር ይበላሓት። ኣብ ማእከል እቲ ዕሙር ሕዝቢ ኮይኑ ላዕሊ ታሕቲ ይብል። ነታ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረት ዓባይ ኦም (ሳግላ) ደይቡ ንሱ ንላዕሊ ክርስቶስ ብትሕቲኡ ኪሓልፍ ኣብ ሳግላ ይድይብ። ዘገርም ብልሓትን ጥበብን፣ ድሌትን ሃረርታን ኢዩ። እንታይ ኮን ኢዩ ንዘኬዎስ ከምኡ ኮይኑ ክግደስ ዝድርኾ ዘሎ?

ዝኸበርኩም ፍቁር ሓወይን ፍቅርቲ ሓፍተይን ዘኬዎስ ትርእይዎዶ ኣሎኹም? ብኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ኢዩ ተቓጺሉ? ኣብ ልቡ እንታይ ኢዩ ዘሎ? ነቲ ወሩይ ኢየሱስ ኪርኢ ይጭነቕ፣ ንቆሞናኡ ኪርኢ ይህወኽ፣ ድምጹ ንኺሰምዕ የዕገርግር። ከም ዝፍለጥ ዘኬዎስ ብዓል ስራሕ ኢዩ ነይሩ፣ ድሃይ ክርስቶስ ምስ ሰምዐ ግና ንኩሉ ዋኒኑ ስራሑ ሓዲጉ ኢዩ ናብ ክርስቶስ ኪጐዪ እንርእዮ ዘሎና። ቆራጽ ውሳኔ ብምውሳድ ከኣ ነቲ ዕለታዊ ስራሑ ገዲፉ ንክርስቶስ ኪረክብ ናብ ጐደናታትን ቀራና መንገድታትን ሃሰስ ይብሎ፣ ድሌት ልቡ ድማ ይሰምረልሉ። ኣብ ክርስቶስ ዝሓልፈሉ ጐደና ይበጽሕ፣ ንክርስቶስ ግና ኣብ ቅድሚኡ ኮይኑ ክርእዮ ኪረኽቦ ኣይከኣለን፣ ዘኬዎስ ንክርስቶስ ንኸይርእዮ ዝዓግቶ ዝጸገሞ እንታይ ኮን ይኸውን ኢልኻ ትሓስብ? እቲ ግርህ ኢልካ እትምልሶ ቁመቱ ሓጺር ስለዝነበረ ኢዩ፣ ንዓይ ግን ኣይመስለንን። ብርግጽ ከኣ ኣብ ማእከል እቲ ዕሙር ሕዝቢ ስሉኽ ስሉኽ ኢሉ ኣብ ጥቓ ኢየሱስ ንምቛም  ዝጽግሞ ኣይምሃለወን፣ በቲ ሓደ መዳይ ከኣ ዝኮነ ሓይሊ ናብ ክርስቶስ ንከይቀርብ ዝኽልክል ኣይነበረን። ይኹን እንበር ንዓይ ከምዝመስለኒ ንሱ ዝኣምነሉ ንሕልና ልቡ ዘርዓሞ ዋልታን ዕርድን ኮይኑ ዝጋረዶ ሓደ ውሽጣዊ ሓይሊ ኣብ ልቡ ኢዩ ነይሩ።  እዚ ከኣ ኮንቱነቱ ሕሱር ዕለታዊ ስራሑ ኢዩ። ትፈልጦ ትኸውን ዘኬዎስ ሓደ ካብቶም ባህሎምን ውርሻ ዓዶምን ጥሒሶም ዕሱባት ገዛእቲ ሮማውያን ኮይኖም ምስ ሮማውያን ሓቢሮም ዝሰርሑ ሓደ በዓል ውዕለት ኢዩ ነይሩ። ምስ ገዛእቲ፣ ምስ ባዕዳዊ ሓይሊ፣ ምስቶም ዘይተሓርዩ፣ ምስቶም ዘይተገዝሩ ስለ ዝሓበረ፣ ብደቂ ዓዱን መራሕቲ ሃይማኖትን ፍንፉንን፣ ከም ሓደ ሓጥእን ዝተረግመን ተወሲዱ፣ ካብ ደቂ ዓዱ ዝተገለለ ኢዩ። ንርእሱ ከኣ ከም ሓደ ሓጥእን መፍረሲ ሕግን ስለ ዝቆጸራ፣ ናብ ክርስቶስ ቀሪቡ ኪትንክፎን ምስኡ ኪዋሳእን መሰልን ዕድልን ከም ዘይብሉ ኢዩ ንርእሱ ቆጺርዋ፣ እዚኣ ከኣ ማዕጾ ድሕነት ኮይናቶ።

ብርግጽ ከኣ ንርእሱ ከም መፍረሲ ሕጊ ስለ ዝኣመነ ኢዩ፣ ናይ ድሕነት ተግባራት ዝተፈጸመሉ። ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ሕጊ፣ ኣብ ኣይሁዳዉያን ደቂ ዓዱ ኩኑንን ፍንፉንን፣ ናይ ድሕነት ተስፋ ዘይብሉ ክሓድን ጠላምን ሰብ ኢዩ። እንተ ብዓይኒ ክርስቶስ ግና ፍሉይን ኣገዳስን ሰብ ኮይኑ ኢዩ ተረኺቡ። ምኽንያቱ  “ንሓኪም ሕሙማት እምበር ጥዑያት ኣየድልይዎን ኢዮም”። ስለዚ ኢዩ ከኣ ኣዒንትን ልብን ልሳንን ኢየሱስ ነዚ ሓመደ ግዳም ሕዝቢ ሰንጢቐን በቲ ንዑቕን ርሱዕን ሓጥእን ፍጡር ወዲ ኣዳም ይማረኻ፣ ኣዒንቱ ኣቶኲረን ናብኡ ይጥምታ፣ መሓውሩ ኣቓልቦ ኪገብራ ደው ይብላ፣ ልሳኑ ከኣ ናይ ተስፋ ቃላት ትናገር።

ኣንታ ፍቑር ሓወይ ንድሕሪት ተመሊስካ ነቲ ፍጻሜ’ሞ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ይግበር ከም ዘሎ ገቢርካሞ ሕሰቦ፣ ንዓይ እዃ ዝገርመኒ እቲ ውሽጣዊ መንፈሳዊ ስሕበት ናይ ክርስቶስ ኢዩ። እዚ ጥዑም ክርስቶስ ኣብ ልቡ እንታይ ኢዩ ተሰሚዕዎ? ዘኬዎስ ንልቢ ኢየሱስ ብምንታይ ኢየ ተኪፍዎ? ኢየሱስ ኣብ ልቢ ዘኬዎስ እንታይ ኢዩ ኣንቢቡ? እቲ ማግኔታዊ ፍቕሪ ሓጥኣን ኣብ ልቢ ኢየሱስ ዘሎ እንታይ ኢዩ ምስጢሩ? ብርግጽ ተልእኾ ኢየሱስ ድሕነት ሓጥኣን ዓሌት ኣዳም ምዃኑ ደጋጊመ የዘኻኽረካ። ትዝክር እንዲኻ እታ ደም ዝፈሳ ዝነበረት ሰበይቲ፤ እቲ ኣብኣ ዝተፈጸመ ድሕነት ካብዚ ዝዓቢ ኢዩ። ማግኔታዊ ፍቕሪ ሓጥኣን ዘብለኒ ዘሎ ከኣ እቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ፍሉይ ፍጻሜታት ኢዩ፣

እሞ ፍቑር ሓወይ ነቲ ሕያዋይ ጓሳ ካብተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ ኢዱ ዘለዋ መጓሰ እታ ዝጠፍኣት እንኮ በጊዕ ኣዝያ ከም እተገድሶን ከም እተሻቕሎን ተረዲኡካ ኪኽውን ተስፋ እገብር። ነዚ ከመልክት ኢዩ እቲ መዘምር “ድሕነት እምበር መስዋዕቲ ኣይደልን ኢየ” ዝበሎ። በል ናብቲ ተፍጻሚ ድሕነት እሞ ንመለስ፣ እቲ ማግኔታዊ ፍቕሪ ሓጥኣን ልቢ ኢየሱስ፣ ከምዚ ኪብል ቃል ተስፋ የስምዕ፣ “ዘኬዎስ ሎሚ ኣብ ቤትካ ኪውዕል ይግብኣኒ ኢዩ’ሞ ንዓ ቀልጢፍካ ውረድ” (19። 5)፣

- ኣንታ ፍቁር ሓወይ እቲ ብቀቢጸ ተስፋ ዝተሓመሰ ዘኬዎስ ነዚ ቃል እዚ ምስ   ሰምዐ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ተሰሚዕዎ ይኸውን?

- እቶም ንዘኬዎስ ከም ሓጥእ ዝቈጽርዎን ዝፈልጥዎን’ከ ከመይ ዝበለ ዕንቅፋት ተሰሚዕዎም ይኸውን?

ነቲ ዝጽውዕ ዘሎ ፍቑር ኢየሱስ’ከ ከመይ ዝበለ ፍስሓ ተሰሚዕዎ ይኸውን?

መልሲ ናይዞም ሰለስቲኦም ሓሳባት ኣብኡ ኣሎ፣

እቲ ቀዳማይ መልሲ፦ “ቀልጥፉ ወረደ ተሓጒሱውን ተቐበሎ” ቀልጢፉውን ኣብ ንስሓ ኣተወ፣ ከምዚ ክብል ድማ ካብ መዓሙቕ ልቡ ንስሓኡ ደርጐሐ፣ “ጐይታይ እንሆ ፈረቓ ጥሪተይ ንድኻታት እህብ ገለ ዝዓመጽክዎ እንተሎ’ውን ኣርባዕተ ዕጽፊ እፈድዮ” በለ፣ ፍቑር ሓወይ ዘኬዎስ ብዙሕ ስለ ዝተፈቕረን ቁጽርን ስፍርን ዘይብሉ ምሕረት ስለ ዝተገብረሉን ልቡ ሓጐስ መሊኡ ቤቱ ብኽብሪ ኣንጠብጢቡ፣ ዓሚቝ ዝኮነ ንስሓን ካሕሳን ይገብር።

እቲ ካልኣይ መልሲ።- ዓይኒ ትዓዘብቲ ግና ኣይኣመናን ኣይተለወጣን እቲ ምስጢር ኣይተረድኣን። እቲ ድሕነት እውን ኣይተንከፈንን። ብተግባር ኢየሱስ ተዓንቀፉ፣ ከምዚ ድማ በሉ “ኣብ እንዳ ሓጥኣን ሰብኣይ ኪውዕል ኣተወ፣ ኢሎም ኩላቶም ኣዕዘምዘሙ” እቲ ጽሓፋይ ኩሎም ኢዩ ዝብል ዘሎ፣ መን ይፈልጥ ሓዋርያት ውን ኣጉሮምሪሞም ይኾኑ።

እቲ ስልሳይ መልሲ።- እቲ ብማግኔታዊ ፍቕሪ ሓጥኣን ዝተቓጸለ ልቢ ኢየሱስ ብሓጐስ ከምዚ በለ “ሎሚ ነዛ ቤት እዚኣ ድሕነት ኮነላ። ከመይ ንስኻውን ወዲ ኣብርሃም ኢኻ” በሎ።

          ወልደ እግዚኣብሔር ከኣ ንኹሉ ዓሌት ወድሰብ ከድሕን ኢዩ መጽኡ፥ ስለዚ ድሕነት ረኺብካ ኣሎኻ። ካብ ሎሚ ንድሓር ከኣ ኣብ ደንበ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ተጸንቢርካ ኣሎኻ፣ ኣጆኻ ተሓጐስ ኣብ መንገዲ ድሕነት ጸኒዕካ ተመላለስ።

          ኣሞ ፍቁር ሓወይ እዚ ተግባር ድሕነት ዕቤቱን ዕምቆቱን መርሚርካዮ ‘ዶ? ንዓኻ ውን ካብዚ ናይ ዘኬዎስ ዝዓቢ ግብረ ድሕነት(ተኣምራት) ተገይሩልካ ኢዩ፣ እሞ ከም ዘኬዎስ ብግብርኻን ሓጢኣትካን ተጣዒስካ ምሕረት’ዶ ሓቲትካ፣ ካሕሳ ሓጢኣትካ’ኸ ዕጽፊ’ዶ ኪሒስካ፣ ይኣኽለካ በል ተንስእ ዝተገብረልካ ምሕረትን ዝተዋህበካ ፍቕርን ሞሳ ክትመልስ ዕዳ ኣሎካ፣ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ነቲ ዘፍቀረካ ጥዑም ክርስቶስ ብዅለንትናካ ንዕኡ ኣፍቂርካ። ኣብ ፍቕሪ ክትነብር። ብፍቕሪ ዓቢድካ ኣሰር ኣሰሩ ክትስዕብ ተዓዲምካ ኣሎኻ፣ ሎሚ ክርስቶስ ነቲ ኩሉ ድኹም ተግባራትካን ናይ ሓጢኣት ውድቀትካን ከይዓጀቦ (ከይዓጠጦ) ንዓ ካብ ሳግላ ውረድ ሎሚ ኣብ ቤትካ ክውዕል ኢየ፣ ይብለካ ኣሎ’ሞ ንኽቡር ጋሻኻ ክትቅበል ተሰናዶ፣ ተቐረብ፣ ምሳሕ ኣሰናዱ።

ኣስተውዕል፥ ኣብ ቤትካ ዝብል ቃል ኣዕሚቝካ መርምሮ፣ ቤትካ ከኣ መዓሙቕ ልብኻ ኢዩ፣ ስለዚ ኣብ ልብኻ ካልኦት ዕዱማት ከይህልው ቤትካ ፈትሽ። ዓለም ሰይጣን ስጋ መዘናጊዒኦም ገይሮሙኻ ከይግልው ኣድቂቕካ ልብኻ ፈትሽ፣ ኪገርመካ ክርስቶስ ካብዞም ኩሎም ሰባት ንዓኻ ኣፍቂሩ ምሳኻ ኪውዕል ንዓኻ ኢዩ መሪጹ ዘሎ’ሞ፤ ክቡር ጋሻኻ ከይክዕበካ ተዓጢቕካ ተቐበሎ፣ ሎሚ መዓልቲ ዓወትካ መዓልቲ ምሕረትካ፣ መዓልቲ ጣዕሳኻ መዓልቲ ካሕሳኻ መዓልቲ ምጽንናዕካ ትኹን።

ብድምጺ ንምክትታል!

መበል 13 ትምህርቲ

“ሎሚ ምሸት ኣብ መንግስተይ ምሳይ ክትኣቱ ኢኻ”

ብዛዕባ ሓደ ሓጢኣተይና ኪሓስብ እንከለኹ ኣብ ኣእምሮይ ብተደጋጋሚ እትመጸኒ፡ እዛ ቃል ክርስቶስ ኢያ፣ “ንሓኪም ሕሙማት እንበር ጥዑያት ኣየድልይዎን” እትብል ቃል ኢያ። እዛ ቃል እዚኣ ንኹሉ ቁስሊ ደቅሰባትን ድኻምነትን ሓጢኣትን እትፍውስ ዘይትውዳእ መድሃኒት ኢያ። ብሓቂ ከኣ ነቲ ዝተበላሸወን ዝዓነወን ክብሪ ወድሰብ እትመልስ፣ ናይ ተስፋ ቃል ኢያ። ብርግጽ ከኣ ክርስቶስ ሓኪም ናይቲ ብሓጢኣት ዝተበላሸወን ዝሓመመን ወድሰብ ምዃኑ እትገልጽ ናይ ምሕረት ተስፋ ኢያ። ነዛ ቃል እዚኣ ቀው ኢልና ምስ እነስተንትና እቲ ናይ ክርስቶስ ተልእኾ ድሕነት ወዲ-ኣዳም ይጽናሓለይ ዘይብሃሎ ጉዳይ ምዃኑ በሪሁ ይረኣየና። ነዛ ኣልዒልናያ ዘሎና ኣርእስቲ ቅድሚ ምስትንታና ብዛዕባ ዘኬዎስ ዝሓለፈ ሰሙና ኣስተንቲና ኢና። ነቲ ኣብ ቤት ዘኬዎስ ዝተገብረ ድሕነት ኣስተንቲናን ኣስተማቒአናን ክጸግቦ ኣይከኣልናን። ሎሚ ድማ ነዛ ኣርእስቲ ናይ ድሕነት ጸጋ እንታይ ምዃኑ ከነስተንትን ኢና። ናይ ክልቲኤን ፍጻሜ ድሕነት ድማ ተመሳሳሊ መስርሕ ኮይኑ ኢና እንረኽቦ፣ “ሎሚ ኣብ ቤትካ ኪውዕል ኢየ፣” “ሎሚ ምሸት ኣብ መንግስተይ ምስይ ኢኻ” እዘን ክልተ ሓሳባት ድማ ነጥበ መቐይሮ ሕይወት ናይቶም ክልቲኦም ኣብ ክርስቶስ ዓቢ እምነት ዘሕደሩ ሰባት፣ ህጹጽ ናይ ድሕነት ኣዋጅ ኢየን ዝነበራ። ኣየ ክንደይ ተዓዲሎም የብለካ!

እምበኣር ናብ ኣርእስትና ንመለስ፦ ኣርባዕቲኦም ወንጌላውያን ነዞም ክልተ ሰረቕቲ ብየማነ ጸጋም ክርስቶስ ተሰቒሎም ዝነበሩ፣ ብዛዕባ ሕይወቶም ብሓጸርቲ ቃላት ብምጥቃስ፣ ዘረፍትን ሰረቕትን ክብሉ ይጠቕስዎም። ብሕሰም ተግባሮም ዕጫ ሞት ከም ዝተፈርዶምውን የዘንትዉ። ካብዚ ሓሊፍካ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝወረዶ ግፍዕን ውርደትን፣ ጭካነን ሞትን ስቕለትን ከምዓቕሞም ከዘንትዉ እንከለዉ፣ ብዛዕባ እዞም ክልተ ከተርቲ ግና ብዙሕ ዝዝረብ የልቦን። እንታይ ኢዩ እቲ ምስጢር? ገበነይናታት ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ ድዮም? ኣብ መስቀል ምማቶም ከም ግቡእ መቕጻዕቶም ድዩ ተወሲዱ? ጸሓፍቲ ወንጌል ዘገድሶም ክርስቶስ ጥራሕ ስለዝነበረ ድዩ? እስከ ኩሉ ከም ቅቡል ንውሰዶ፣ እንተኮነ ግን ንሳቶም ሰባት ብምዃኖም እቲ ንክርስቶስ ዝስምዖ ዝነበረ ስቅያት ኣይስምዖምን ድዩ? ብዙሕ ግዜ ኣብ ሕይወትና ከም እንምልከቶ፣ ናይ ዝፈጸምናዮ ጉዳይ ሓላፍነት ምውሳድ ግብእና ብምዃኑን፣ ናይቲ ዝወርደካ መቕጻዕቲ ረዲኻ ምቕባልን፣ ናቱ ሓያል ሓይሊ ከምዘለዎ ኣይንስሕቶን ኢና። ኣብ ግዜ ሞት ግና ዘይጽወር ፍርዲ ኢዩ። ግቡኤይ ኢዩ ኢልካ ምቕባል ውን ንሞት ምቕባል ከቢድ ኢዩ። ዝኮነ ኮይኑ ግን የግዲ ኢዮም ብስቃዮም ከማርሩ ብዕድሎም ኪራገሙ፣ ንስቃዮም ብኣውያት ኪጭድሩ፣ ካብ ሕይወት ርሒቆም ስለ ዝጸንሑ። እቲ መሪር ስቓይ ምስ ወረዶም ብተስፋ ቁርጸት ኪሕመሱ። ብሞት ርዒዶም ከንቐጥቅጡ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ፣ ብዘይ ዕላም ኪነብሩ ጸኒሖም ብዘይ ዕላማ ከኣ ክሞቱ? ኣብዛ ናይ መጨረሽታ ምድራዊት ሕይወቶም ኣብ መስቀል ተንጠልጢሎም ኣብ ኣፍ ሞት ኮይኖም፣ ንመኣዝናት ሕይወት ዝፍትሽ ዕድል ኣእምሮ ኣይረኽቡን፣ ሕይወት ኪውዳእ ትንፋስ ክትሓልፍ ስቓይ ከዕርፍ ኪሞቱ ይህወኹ ይኾኑ።

ኣብ ተስፋ ቁርጸትን ድነ ሞትን ኮይኖም፤ ነቲ ኣብ ምእከሎም ተሰቒሉ ዝነበረ ቅኑዕ ኢየሱስ፣ ልክዕ ከምቶም ደቂ ዓዶም ውሳጣዊ መንነቶም ክሕባእ ኣይከኣለን፣ ብፍላይ ከኣ እቲ ብጸጋም ዝነበረ፣ ወላኳ ምስቲ ዝነበሮ ተስፋ ቁርጸትን ድነ ሞትን ከምኡ ክብል እንተኸኣለ። እቲ ዝገርም ግን እዚ ሰብ እዚ ናጻ ነይሩ እንተዝኽውን፣ ምስቶም ደቂ ዓዱ ኮይኑስ ንኢየሱስ ማዕረ ክንደይ ምገፍዖን(መሳቐዮ) ነይሩ? ኣነን ንስኻትኩምን ኣብ ቦታ ኢየሱስ ኮይና እንታይ ምበልናዩ? “ንስካውን ነዚ ብምባልካ ብግዴኻ ኣብ በደል ደቂ ዓድኻ ኢድ ኣሎካ፣ ብቓላትካ ድማ ንርእስኻ ኮኒንካ ኢኻ” ምበልናዮ።

ናብቲ ብዓል የማን ዝነበረ እሞ ንመለስ፣ ከም ሓደ ሓጥእ ነዚ ሰብ እዚ ክሓስብ እንከሉ ወትሩ ይጸናናዕ፣ እዚ ሰብ እዚ እቲ ናይ መጀመርታ ብመስቀል ክርስቶስ ዝኣመነን ብደም ክርስቶስ ዝተጠምቐን ሰብ ኢዩ። እዚ ሰብ እዚ ብስቕያትንን ትዕግስትን ኢየሱስ ዝተማረኸ፣ ብቃላት መስቀል ክርስቶስ ዝተሰብከ ሰብ ኢዩ፣ እዚ ሰብ እዚ ኣብ መጨረሽታ ሰዓት ብክርስቶስ ካብ ሓጢኣቱ ሓራ ዝኮነ ሰብ ኢዩ፣ እዚ ሰብ እዚ ስቓይን ሞትን ክርስቶስ ንድሕነት ደቂ ኣዳም ከምዝኮነ ዝኣመነ ሰብ ኢዩ፣ እዚ ሰብ እዚ ክርስቶስ ሞይቱ ከምዘይተርፍ ዝኣመነ ቀዳማይ ምእመን ኢዩ፣ እዚ ሰብ እዚ ዳግማይ ምጽኣት መንግስቲ ክርስቶስ ከምዘሎ ዝኣመነ ሰብ ኢዩ፣…ወዘተ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋተይን ኣሓተይን ከመይ ዝበለ ናይ እምነት ቃላት ኢና እንሰምዕ ዘሎና? ነቲ ዓቕሚ ዘይብሉ መሲሉ ዝተሰቕለ ክርስቶስ እናረኣየን እናሰምዐን፣ ኪንዮው እቲ ስቓይን ውርደትን ናይ ሞት ፍርድን ሓሊፉ፣ ነቲ ኪብጻሕ ዘይከኣል ኪንዮው መስቀል ዘሎ እምነት፣ ኪንዮው ሞት ዘሎ ድሕነት፣ ኪንዮው ስቓይ ዘሎ ተስፋ ይርዳእ። ኣብ ስቓይ ኮይኑ፦ ነቲ ምስኡ ዝሳቐ ዘሎ ክርስቶስ ሓሊፉ፣ ንዕላማን ተልእኮን ክርስቶስ ይርዳእ፣ ንስቓይ ክርስቶስ ሕሊፉ ንግስነትን ዓወትን ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሞት ይኣምን። ንክርስቶስ ከኣ ከም መድኃንን ምንጪ ኩሉ ሕይወትን ንጉስ ኩሉ ፍጥረትን ተረዲኡ፣ ነቲ ዝነበሮ ህሞት ሰጊሩ ኣብ ምጽኣቱ ገለ ክፍሊ እንተረኸበ ብእምነት ይላቦዎ፣ “በጃኻ ኣብ መንግስትኻ ኣብ ምጽኣትካ ተዘከረኒ!” ይብል። ብርግጽ እዚ ሰብ እዚ ብስቓይ ክርስቶስ ልቡ ተተንኪፉ፣ ብኽፍእ ተግባሩ ርዒሙ፣ ነቲ ወሰን ዘይብሉ ምሕረትን ትዕግስትን ክርስቶስ ኪርዳእ ዝበቕዐ ብዓል ጸጋ ኢዩ። ብተፈጥርኡ ልባምን መስተውዓልን ኪኸውን ኣለዎ፣ ከምቲ ወንጌላውያን ዝብልዎ እቲ ስራቒ ኢዩ ዝነበረ፣ ብርግጽ ከኣ ወሓለ ሰራቒ ኪኸውን ኣለዎ፣ ምኽንያቱ ብምስትውዓልን ጥበብን ብልሕን ንመንግስተ ሰማይ ከይተረ ዘሪፍዋን ሰሪቕዋን ኢዩ። እወ ኣብ ሓጺር ሰዓታት በቛራጭ መንገዲ መጺኡ ሰርቕዋ፣ ንከምዚ ከኣ እዮም ኣቦታት “ካብ ጉይይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ” ዝብሉ፣ ክሳድ ሒዙ።

እዚ ሰብ እዚ ነቲ ዝተዋህቦ ጸጋ ድሕነት ተቐቢሉ ንሕይወቱ ከድሕን ምሕረት ምስሓተተ። እቲ ዘገርም ናይቲ ልመናኡ መልሲ ብቅጽበት ሰሚኡ፦ ብምሕረትን ፍቕርን ዝቕበል ፈቃር ኢየሱስ በለሰሉ። ኣቐዲምና ከም ዝተመልከትናዮ እዚ ሰብ እዚ ሓጥእን ዘራፍን ሰራቕን ኢዩ፣ ሳዕቤኑ ከኣ እንሆ ብደቂ ዓዱ ንሞት ተፈሪዱ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ኣሎ። ክርስቶስ ግና ሕሉፍ ሕይወቱ ከይዓጠጦን (ከይዓጀቦን) በቲ ዝገበሮ ናይ ተኣምኖ ቃላት፣ ንብምልኡ ሕሉፍ ታሪኽ ሕይወቱ ብዓይኒ ምሕረት ይጥምቶ። ነቲ ብነብይ ዝተባህለ ቃላት የዘኻኽረካ “ምሕረት እምበር መስዋዕቲ ኣይብህግን፣” “ኣነ ምሕረት ኢየ ዝፈቱ፣” “ክዳንኩም ዘይኮነ ልብኹም ቅደዱ፣” “ሓደ ሰብ ምሉእ ሕይወቱ ሓጥእ እንተገበረ ኣብ መጨረሽታ እንተተጣዕሰ እምሕሮ፣” “ንሓኪም ሕሙማት እምበር ጥዑያት ኣየድልይዎን፣” …ወዘተ፣ እዚ እዩ እምበኣር ምሕረት ኣምላኽና ዘረድእና፣ ምሕረት ኢዩ ከኣ መንነቱ፣ “ምሕረተኛ ኣቦ” ኢልና ከኣ ንጽውዖ፣ ምሕረተኛ ወልድ ‘ውን ንብሎ።

እምበኣር ምሕረተኛ ክርስቶስ፣ ነዚ ሓጥእ ይምሕሮ፣ ብምሕረቱ ከኣ ወራሲ መንግስተ ሰማያት ይገብሮ፣ ብርግጽ ክርስቶስ ነዚ ሰራቒ እዚ እቲ ናይ መጨረሽታ ዝሰበኾን ዝለወጦን ዝመሓሮን ሰብ ኢዩ። እዚ ሰራቒ እዚ እቲ ብክርስቶስ ኣብ መጨረሽታ ንድምጺ ክርስቶስ ሰምዑ ኣብ ክርስቶስ ዝኣምነን ንክርስቶስ ኪስዕብ ዝወሰነን ኪኸውን ኣለዎ። ነዚ ኢዩ ከኣ ክርስቶስ “ቀዳሞት ዳሕረዎት፦ ዳሕረዎት ቀዳሞት ኪኾኑ ኢዩም” ዝበለ።

እንሆ እምበኣር እቲ ምሕረተኛ ክርስቶስ ኣብ ከቢድ ስቓይን ኣብ ኣፍ ሞትን ኣንከሎ ከምዚ ይብሎ፦ “ሎሚ ምሸት ምሳይ ኣብ መንግስተ ሰማያት ክትኣቱ ኢኻ፣” ብምባል ቃል ተስፋ ኣስመዖ።

ኣስተውዕል እሞ ፍቁር ሓወይ ሎሚ ምሸት ኢዩ ዝብል ዘሎ! ቅድሚ ኣዳም፣ ቅድሚ ኖህ፣ ቅድሚ ኣብርሃም፣ ቅድሚ ይስሓቅ፣ ቅድሚ ያዕቆብ፣ ቅድሚ ዮሴፍ፣ ቅድሚ ሙሴ፣ ቅድሚ ኣሮን፣ ቅድሚ ነብያት፣ ቅድሚ ዳዊት፣ ቅድሚ ኩሎም ምሕረተይና ክርስቶስ እንታይ ዘይገብር ኣሎ። እንታይ’ከ ይጽግሞ፣ እንታይ ኢዩ ግና እቲ ምስጢር ዓወት።

ትሑት ልቢ ዝሓትት ምሕረት!

ብድምጺ ንምክትታል!

መበል 14 ትምህርቲ

“ረቢ ኣበይ ኢዩ ሰፈርካ” (ዮሓ. 1: 38)

ደቂ ሰባት ብዙሕ ግዜ ነቲ ኣብኦም ዘይርከብ ዘደንቕ ነገራት፣ ንኣብ ካልኦት ዝርከብ ጸጋታት ብድፍረት ብቕኑዕ ሕልና ብጽሩይ መንፈስ፣ ብርትዒ ኪምስክሩን ኪእምኑን ይእግሞም ኢዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ክልተ ተመሳሰልቲ ሓላፍነትን ፍልጠትን ስልጣንን ዘለዎም ሰባት ሃንደፍ ኢሎም ብዛዕባ ሕድሕዶም ክምስክሩ ዕጹብ ነገር ኢዩ።

ኣብቶም ብኣምላኽ ዝተጸውዑ ግና ብኣንጻሩ ኢዩ፣ ምኽንያቱ ንርእሶም ብምትሓት ኣብኦም ዘሎ ሓይሊ ሰናያት ከም ከንቱ ብምቝጻር። ነቲ ኣብ ብጻዮም ዘሎ ሓይሊ ጸጋታት ከድንቁን ኪምስክሩን ይርከቡ። ከምዚ ዝገብሮም ከኣ ሓደ ነገር ኣሎ፣ እዚ ኣብኦም ዘሎ ፍሉይ ትዕድልቲ ምንጩን መበቆሉን ናይ መን? ካብ መን? ከም ዝኮነ ስለዝፈልጡ ኢዮም።

እስኪ ንቅ. ዮሓንስ መጥመቕ ንመልከቶ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኢዩ ነቲ ብድሕሪኡ ዝመጸ ቅድሚኡ ግና ዝነበረ ክርስቶስ መድኃኔ ዓለም ምስ ረአየ፣ ብሓጸርትን ጥልቂ ዝኮነ ትርጉም ዘለውን ቃላት ገቢሩ፣ ነቲ ኩሉ ተልእኾ ወዲ ኣምላኽ ብዓውታ ከምዚ እናበለ ይምስክር “እንሆ ገንሸል ኣምላኽ” ኪብል ደፈረ። እዘን ሓጸርቲ ቃላት ነቶም ሰዓብቱ ዝሃበን ናይ ምስክርነት ቃላት ኢየን። ከም ኣዘራርባ ዮሓንስ መጥመቅ፣ እንሆ እቲ በጃ ሓጢኣት ዓለም ዝሓልፍ ገንሸል ኣምላኽ፣ እንሆ እቲ ከም መስዋዕቲ ድሕነት ሕይወቱ በጃ ዝሓልፍ። እዚ ገንሸል ዝብል ቃል ክትሰምዕ እንከሎኻ፣ ነቲ ብመሪሕነት ሙሴ ኣብ ምድሪ ግብጺ፣ በጃ በኹሪ ደቂ እስራኤል ዝሓለፈ ሓላል ገንሸል የዘኻኽረካ። እወ ደም እቲ ገንሸል ንሞት ዘባረረ ንቦኽሪ ወዲ እስራኤል ካብ ሞት ዘድሓነ፣ በጃ ዝሓለፈ ኣምሳል ክርስቶስ ምዃኑ ትዝ ይብለካ። ቃል ዮሓንስ መጥመቕ ከኣ ነዚ ኢዩ ዘስምዕ። እዚ እትርእይዎ ጐበዝ፣ ምእንቲ ሓጢኣት ደቂ ኣዳም በጃ ዝሓልፍ ገንሸል ኣፋሲኻ ኢዩ። ደቂ መዛምርቱ ነዚ ቃል ምስ ሰምዑ ብርግጽ ደንጺይዎም፣ ኣርሚምዎም ክኾኑ ኣለዎም፦ ምኽንያቱ ብዘይነግፈረግ፣ ብዘይ ውልውል ንክርስቶስ ኪስዕብዎ ኢና እንርኢ። እቲ ዘገርም ግና ነቲ ካብ ደቂ ሰባት ብሕይወቱን ብኣነባብራኡን ተደኒቖም መሪሕ ናይ ሕይወቶም፣ ይጠቕመና ኢዩ ኢሎም ኩሉ ሓዲጎም ዝሰዓብዎ ዮሓንስ ሕድግ ኣቢሎም ናብ ክርስቶስ ገጾም ይጥምቱ። ነቲ ምርኡይ ሕይወት ዝነበሮ ብደቂ ዓዱ ዝተመስከረሉ፣ ኢየሱስ እዃ ከምዚ ኪብል ዘድነቖ “ካብ ኣንስቲ ካብ ዝተወልዱ ሓደ እኳ ከማኡ ዘየልቦን” እናበለ ዕቤቱ ዘድነቆ፣ ገዲፎሞ ደድሕሪ ክርስቶስ ብምስዓብ “ረቢ ኣበይ’ዩ ሰፈርካ” ኪብሉ ተወከስዎ። እቲ ብተባዕ ቆራጽን ውሳኔኦም ዝተገረመ ወዲ ኣምላኽ ከኣ ኪስዕብዎ ምስረኣየ “ግልጽ ኢሉ እንታይ ትደልዮ ኣለኹም” በሎም። ኣብ ባህልና “ግልጽ” ምባል ብዙሕ መግለጺ ኣለዎ፣ ናይ ኣድናቖት ናይ ተግሳጽ፣ ናይ ንዕቀት ከስምዕ ይኽእል፣ ኣብ ወንጌል እንተተመልከትና’ውን ተመሳሳሊ መግለጺ ኣለዎ፣ እምበኣር ኢየሱስ ብኣድናቆት ግልጽ ኢሉ ኪሓቶም ንሰምዖ። ንሳቶም ከኣ ንዝሓተቶም ሕቶ መልሲ ከይሃቡ ነቲ ኣብ ልቦም ዝህውኾም ዝነበረ ብዛዕብኡ ንምፍላጥ፣ ተመሊሶም ንሕቶኡ ብሕቶ ይምልስሉ። ንሕናስ ክንስዕበካ፣ ክንክተለካ፣ መሪሕ ናይ ሕይወትና ክንገብረካ ንደሊ ኣሎና እሞ “መምህር ኣበይ ኢዩ ሰፈርካ?” እስኪ ንገረና ኪብሉ ይውከስዎ።

እስኪ ንሕና ውን ሎሚ ኣብ ዘመነ ክልተ ሽሕን 20 ዓመተ ምህረት ኮይና ነቲ ረብሓናን ርስትናን ንያትናን ኢልና እንሕበነሉ ዓለም ብገዛእ ድሌትናን ናጽነትናን ገዲፍና ዝመጻና፣ ንክርስቶስ ከም መሪሕን፣ ወናኒ ሕይወትን፣ ንጉስ ነፍስናን ብምቑጻር ንዓለም ዝመነንና፣ ንክርስቶስ ደጊምና ነዛ ሕቶ ደጋጊምና ንሕተቶ፣ “ኦ መድኃኔ ዓለም ኣበይ ኢዩ ሰፈርካ?” ኣበይ ኢየ ዝረኽበካ? ኣበይ ኢዩ ምቅማጥካ? እናበልና ንሕተቶ።

ሎሚ ድሕሪ ክልተ ሽሕ ዓመት ኣብዚ ዘለናዮ ኮይና ሓቲትና እንረኽቦ መልሲ እንታይ ኮን ኪኸውን ምኻኣለ? ነቲ ብግዙፍ ኣብ መሬት እስራኤል እናመረሸ ዝሰብኽ ዝነበረ መድኃኒ ዓለም፣ ብዓይነ ስጋ ክንረኽቦ ምሕሳብ ግን የዋህነት ጥራሕ ኢዩ ኪኸውን ዝኽእል። ኪንዮ እዚ ግዙፍ ነገር ሓሊፍና ግና ብዓይኒ ሕልናናን ብዓይኒ እምነትን ንናይ ክልተ ሽሕ ዘመን ብዕምቈት ሰንጢቕና ክንበጽሖን ክንረኽቦን እንኽእል ግና መንፈስ ሓቂ ኣሎና። ናይ ሕቶና ጭቡጥ መልሲ ክንጽበ ከኣ የግዲ ኢዩ። ካብቲ ብጽምኢ ፍቕሪ ደቂ ሰባት ልቡ ዝተቓጸለ። ስለ መሰልን ድሕነትን ደቂ ሰባት ኪብል ሰማያዊ ክብሩ ሓዲጉ፦ ንዓና ዝመሰለ ጥዑም ፈቃር ክርስቶስ ዘየወላውል ርትዓዊ ዝኮነ መልሲ ከምዝህልወና ንኣምን ኢና፣ እንጽበዮ መልሲ ግና ሓድሽ ኣይኮነን ነቲ ንሰዓብቲ ዮሓንስ መጥመቕ ዝተዋሃቦም መልሲ ኢዩ ዝወሃበና፣ “ንዑ ረኣዩ” እዚ ቃል እዚ መልስን ጸዋዒትን ኢዩ፣ “ንዑ ረኣዩ፣ ንዑ ሰዓቡ፣ ንዑ ጠዓሙ” እናሰዓብካ፣ ደድሕሪኡ እናኸድካ ነቲ ንሱ ዝገብሮን ዝብሎን ዝነበሮን ምርኣይ፣ እዛ ጸዋዕታ እዚኣ ናይ ናጽነት ጸዋዕታ ኢያ።

ብዘይ ግዴታ፣ ብዘይ ጸቕጢ፣ ብፍቃድካ ብምርጫኻ ነቲ ዝግበኣካ ካብ ሓደግካ፣ ንዓይ ካብ መሪጽካ ርኸብ ኣይትስኣን ንዑ ስዓቡኒ፣ ንዑ ተኸተሉኒ፣ ንዑ ኣርክቡኒ ይብለና። ክትፈልጥዎ ዘሎኩም ግና “ኣዕዋፍ ሰማይ ዘጽልላሉ ጨንፈር፣ ወኻሩ ዘዕርፍሉ ጐዳጉዲ ኣለወን፣ ወድሰብ ግና ነዛ ርእሱ ዘጸግዓላ እዃ ይብሉን፣” ነዚ ፈሊጥኩም ብእምነት ሰዓቡኒ፣ ክትስዕቡኒ ክትክተሉኒ ምስ ጀመርኩም ግና ሰፈረይ፣ ምቕማጠይ ኣበይ ምዃኑ ክትፈልጡን ግልጺ ኪኾነልኩምን ኢዩ። “መምህር ኣበይ ኢዩ ሰፈርካ ኢልኩም ሓቲትኩምኒ፣” መምህርኩምሲ “ዓርኪ መጸበሓውያንን ሓጥኣንን” ኢዩ፣ መምህርኩምሲ። “ዓርኪ ተገውያንን ተቐበልቲ ቀረጽን ኢዩ፣” መምህርኩምሲ፣ “መፍቀሪ ውጽዓትን ድኻታትን ደናቑርን ኢዩ፣” እስኪ ሕጂ’ውን ንሕና ነዛ “ንዑ ረኣዩ” እትብል ደጊምና ነስተንትና። “ንዑ” ንዑ ይብል ኢየሱስ። ንሕና ከኣ መልስና፣ /ናበይ? ንዑ ምስ መን? ንዑ ናብ መን? ንዑ ብመን?/ እቲ መልሲ “ንዑ ናባይ” ንዑ ምሳይ” ንዑ በኣይ” ምኽንያቱ “ኣነ መንገድን ሓቅን ሕይወትን ኢዩ” ይብለና።

እስኪ ሕጂውን ነታ “ረኣዩ” ትብል ደጊምና ነስተንትና። እቲ መምህር ንዑ ረኣዩ ይብል፣ ንሕና ከኣ /ነየናይ ክንርኢ/ በየናይ ክንርኢ/ ናበይ ክንርኢ/ ንመን ክንርኢ/ ምስ መን ክንርኢ/ እቲ መልሲ። ነቲ ዕለታዊ ተግባራተይ። ነቲ ዘደንቕ ስራሐይ። ነቲ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዘሎ ናብራይ ንዑ ረእዩ፣ በቲ ሓቀይናን ርትዐይናን ኣብ ልብኹም ተተኪሉ ዘሎ መንፈስ ሓቂ ንዑ ረኣዩ፣ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኩም ኣብ ማእከልኩም ዝገብሮ ዘሎ ድንቅን ዘደንቕ ነገራትን ንዑ ረኣዩ፣ ንዑ ርኢኹም እመኑ፣ ኣሚንኩም ከኣ ሰዓቡ ይብለና።

ቅድሚ ሕጂ ‘ውን እቶም ልኡኻት ብጾትኩም “ንስኻ ክርስቶስ ዲኻ” ኪብሉ ሓቲቶሙኒ ነይሮም፣ ናይ ሽዑ መልሲ’ውን እዚ ኢዩ ነይሩ፣ “ዕውራት ይርእዩ። ጸማማት ይሰምዑ። ምውታን ይትንስኡ። ዝረአኹሞን ዝሰማዕኩሞን ንዮሓንስ ንገርዎ” (ሉቃ. 7።22-23) ኢዩ ነይሩ እቲ መልሲ፣

ሎሚ’ውን ንስኻትኩም “ንስኻ መን ኢኻ” ኣበዩ ሰፈርካ” እንተ በልኩም እቲ መልሲ “ንዑ ረኣዩ” ኢዩ፣ እወ ንዑ ረኣዩ። ካብ ልደት ክሳብ ጥምቀት፣ ካብ ጥምቀት ክሳብ ጌተሰማኒ፣ ካብ ጌተሰማኒ ክሳብ ቀራንዮ፣ ካብ ቀራንዮ ክሳብ ትንሳኤ፣ ካብ ትንሳኤ ክሳብ ዕርገት፣ ካብ ዕርገት ክሳብ ጰራቆሊጦስ፣ ካብ ጰራቆሊጦስ ክሳብ ዘለናዮ ዘመን ዘሎ ሕይወት ክርስትያን ንዑ ረኣዩ፣ ርኢኹም ብዕምቆት ፈትሹ፣ ክትርእዩ ከኣ ንዑ ሰዓቡ ይብለና።

ብድምጺ ንምክትታል!

መበል 15 ትምህርቲ

“እቲ ዓቢ ኪኸውን ዝደሊ ኣገልጋሊኹም ይኹን” (ማር 10፡35-38)

ኣብ ሕይወት ደቂ ሰባት እንተ ተመልከትና፣ ወትሩ ግዜ ተዓወትን ኣመሓደርትን፣ መራሕትን ክቡራትን፣ ሰብ ዝናን ስምን ክንከውን ኢዩ ድሌትናን ሃምናን።

መን ኢዩ ካባና ትሑትን ንዑቕን ኮይኑ ኣገልጋሊ ካልኦት ኪኸውን ዝደሊ? ብፍላይ ከኣ ሃብትን ጥሪትን፣ ሓይልን ፍልጠትን ዘለዎ ሰብ፣ ኣብ ትሕቲ ሰብ ሓዲሩ ንሰባት ብፍቕርን ብቅንዕናን ብሰፊሕ ልቦናን ከገልግል ዝዕጠቕ፣ ዘይሕሰብ ተመኒኻ ዘይርከብን ኢዩ።

ኣብ ዓለምና ከም ርድኢት ደቂሰባት ተቐባልነት ዘይብሉ ኣንጻር ባህሪ ወድሰብ ዝመስል፣ ንመሰልን ናጽነትን ወድሰብ ዝግህስ ኮይኑ ኢዩ ዝሕሰብ። እንተ ኣብ መንገድን ሓሳባትን ድሌትን እግዚኣብሔር ግና በንጻሩ ኢዩ። እቲ እሙን ኣገልጋሊ ዉፍይን፡ ፍጹም ትሑትን፡ ንዑቕን ውርደተኛ ዝኮነን ኢዩ። ኢሳያስ ነቢይ ናይዚ እሙን ባርያ እግዚኣብሔር ኩነትን ባህርን ጠባይን እንኪገልጽ ከምዚ ይብል፦ “መልክዕን ውቓቤን ኣይነበሮን፣ ምስረኣናዮ ዘብህገና ትርኢት ኣይነበሮን፣ ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን ነበረ፣ ብዓል ስቓይ ብሕማም ልዱይ…. ኣብ ቅድሚኡ ገጽ ዘገልብብሉ ብሰብ ዝተዋረደ ነበረ” (ኢሳ 53፡2-3)። ከምዚ ኮይኑ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ተዋሪዱ ከገልግል ዝመረጸ ስለምንታይ ኢዩ? ዓቅምን ሓይልን ስለ ዝሰኣነ ዲዩ? ፍልጠትን ብልሓትን ስለ ዝጐደሎ ድዩ? መሰልን ናጽነትን ስለዘይብሉ ዲዩ? ወይስ እቲ እሙን እግዚኣብሔር ከም ዘይፈልጦ ንስቓይ ስለዝወፈዮ ኢዩ? ደጊሙ ኢሳያስ ነቢይ ነዚ ሓሳብ እዚ ከረድእ ከምዚ ይብል፦ “ኪሳቐን ብመከራ ኪሕምሸሽን ፍቓዱ ኢዩ፣ ሞቱ ሕድገት ሓጢኣት ዘምጽእ መስዋዕቲ ኢዩ፣ እንተኾነ ግና፦ ድሕሪ ስቓዩ ከም ብሓድሽ ሓጐስ ኪረክብ ኢዩ። ንኸንቱ ከምዘይ ተሳቐየ ከኣ ኪፈልጥ ኢዩ። ንሱ ንብዙሓት ከጽድቕ ኣበሳኦም ድማ ባዕሉ ኪጸወር ኢዩ።”

እቲ እሙንን ትሑትን ኣገልጋሊ ከምዚ ኮይኑ ሕይወቱ በጃ ኪሓልፍ ዝደረኾ ብግዴታን ብኣስገዳድን ዘይኮነስ ብገዛእ ናጽነቱን ፍቓዱን ኢዩ። ቀጺሉ ኢሳያስ ነቢይ “ንሱ ንሕይወቱ ተሓጒሱ ኣወፈያ፣ ምስ በደለኛታት ከኣ ተቈጽረ።” ዝኸበርካ ፍቑር ሓውይ መን ኢዩ እዚ ትሑት ባርያ እግዚኣብሔር? መን ኢዩ እዚ ከምዚ ኮይኑ ንሕይወቱ ንስቓይ ኣሕሊፉ ዝህብ ዘሎ? ብሓቂ ‘ኸ ዓቅምን ሓይልን ዘይብሉ ሰብ ድዩ? መን ምዃኑ ተረዲኡካ ኪኸውን ተስፋ እገብር። እዚ ኣዘራርባ ኢሳያስ ነቢይ። ሓቀይና ጠባይን መልክዕን መግለጽን ናይቲ ሃብታምን ሓያልን ጐይታ ኩሉ ፍጥረትን ዝኮነ እሙን ክርስቶስ ኢዩ። እቲ ሃብታም ድኻ ኮይኑ፣ እቲ ክቡር ሓሲሩ፣ እቲ ዓቢ ንኢሱ፣ ከምዚ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን ከኣ ከም ሓደ ድኻ ኮይኑ ንገዛእ ርእሱ ንውርደት ኣሕሊፉ ብምሃብ፣ በጃ ኩሉ ወድሰብ ይሓልፍ። ከምኡውን ኣገልጋሊ ኣብ ክንዲ ሕዝቡ ሕይወቱ ዘሕልፍ ኣምሳል ክርስቶስ ኢዩ። ነዚ ንኸመልክት ከኣ ቅ.መጽሓፍ ኣብ መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን ንስቓይ ክርስቶስ ብዑምቆት ብምስትንታን ከምዚ ይብል፣ “ክርስቶስ ንድኻምነትና ዝርዳእ ኢዩ፣ ምኽንያቱ ንሱ ልክዕ ከማና ተፈቲኑ ኣብ እምነቱ ዝጸንዐ፣ ግንኸ ሓጢኣት ዘይገበረ ኢዩ” ይብል (4፡14-16)። እዚ ኣበሃህላ እዚ ንዓና ንድኹማት ደቂ ኣዳም፣ ኣብ መንጎ ጽቡቕን ሕማቕን፣ ኣብ መንጎ ሓጢኣትን ጽድቅን፣ ኣብ መንጎ ዓወትን ውድቀትን ተቐርቂርና እንነብር ብሓቂ ዘጸናንዕን ሓይልን ተስፋን ዝህብ ኢዩ። እዚ ዘመልክቶ ከኣ ክርስቶስ እቲ ሰማያዊ ጐይታ፣ ክርስቶስ እቲ መለኰታዊ ንዓና ከድሕን ኣብ ደረጃ ወድሰብ ወሪዱ ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣት ፈቲሑ ከምዘገልገለና ዘርድእ ኢዩ። ንሱ ‘ውን ባህርና (ሰብኣዊ ባህሪ ወድሰብ) ብምልባሱ፣ ከማና ብስጋ ተሳቕዩን ተጨኒቑን ኢዩ። በዚ ስለ ዝሓለፈ ንስቓይናን ጓህናን ሓዘናን ውርደትናን ይፈልጥን ይርድኦን ኢዩ። ጽሓፊ መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን እዚ እሙንን ትሑትን ኣገልጋሊ ክርስቶስ ነቲ ኣብ ኢሳያስ ነቢይ ዝተባህለ ስቓይን ውርደትን ከምዝወረዶ ንኽገልጽ ከምዚ ይብል፦ “ኢየሱስ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ከሎ። ናብቲ ካብ ሞት ከድሕኖ ዚኽእል። ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን ጸሎትን ምህልላን ኣቕረበ፣ ንኣምላኽ ዝእዘዝ ሰለዝነበረ ከኣ ተሰምዐ፣” (5፡7-9)። እዚ ዘምህረና እቲ ሓያልን ብርቱዕን ወዲ ኣምላኽ ከም ታራ ሰብ ዝወረዶ ስቓይን ውርደትን መዘና ዘይብሉ ምዃኑ ኢዩ። እዚ ከኣ እዚ ትሑት ኣገልጋሊ ከምሓደ ዓቕምን ሓይልን ዘይብሉ ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ኢድ ደቂ ኣዳም ዓይነተይና ስቓይ ተቐቢሉ ከም ዝሓለፈ ኢዩ ዘረድኣና። ልዕሊ ኩሉ ግን እዚ ጽሑፍ እዚ ዘተሓሳስበና፦

1. ንሕና ኣብ ግዜ ስቓይናን ውርደትናን፣ ጸሎትና ጥርዓና ጸገምና ሽግርና ኣውያትናን ምህልላናን ናብ መን ኢና እነቕርቦ?

2. ንሕናኸ ኣብ ግዜ ውርደትና ጸሎትናን ምህልላናን ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን’ዶ ነዕርጎ?

3. ንሕና ኣብ ግዜ ውርደትና ኣብ ጸሎትና ክሳብ ንነብዕዶ ጸሊና?

4. ከምቲ ክርስቶስ ነብኡ ዝእዘዞ ዝነበር ንሕናኸ ንእዘዝ ‘ዶ?

5. ከምቲ ጸሎት ክርስቶስ ዝተሰምዐ፣ ናትና ጸሎት’ከ ይስማዕ’ዶ? ስለምንታይ?

ፍቁር ሓወይ ሒዝናያ ዘሎና ኣርእስቲ ዘክር፣ “እቲ ዓቢይ ኪኸውን ዝደሊ ኣገልጋሊ ይኹን፣ ምኽንያቱ እቲ ዓቢ መምህርካ ትሕተኻ ኮይኑ ስለ ዘገልገለካ፣ እምበኣር እቲ ጸዋዒት ወደ መዝሙርነት ነዚ ክንርእዮ ዝጸናሕና ሕይወት ምልባስ ኢዩ።

ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ ናብ ኢዮርሳሌም እናደየበ፣ ንሓዋርያቱ ከምዚ ይብሎም፣ “እንሆ ናብ ኢዮርሳሌም ንድይብ ኣሎና፣ ንወድሰብ ኣብ ኢድ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ኬትሕዝዎ ኢዮም፣ ንሳቶም ከኣ ንሞት ኪፈርድዎ ንኣሕዛብ ውን ኣሕሊፎም ኪህብዎ ኢዮም። ኣሕዛብ ከኣ  ከላግጽሉ ጡፍ ኪብልሉ ኪገርፍዎ ኪቐትልዎ ኢዮም፣ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ግና ኪትንስእ ኢዩ፣” በሎም (ማር. 10፡32-33)።

እዘን ኪንሰምዐን ዝጸናሕና ናይ ስቅያት ቃላት ነቲ ኣብ ኢሳያስ ነቢይ “ነቲ እሙን ባርያ እግዚኣብሔር ዝተፈጸሞ ስቓይ ኢዩ፣ እቲ ንዓይ ዝገርመኒ ግና ሕቶ ደቂ ዘብዴዎስ ኢዩ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ስቓይ ኪሰምዑ ጸኒሖምስ ንሱ ዘረባኡ ውድእ ምስ ኣበለ ብቐጥታ ሓዲኦም ብየማኑ ሓዲኦም ብጸጋሙ ኣብ መንግስቱ ምሳኡ ኪነግሱ ምሕታቶም እቲ ምስጢር ኣይተረድኣንን፣ ምናልባት ግን ከምዚ ኢለ ይሓስብ፦

ነቲ ጐይታ ዝተናገሮ ቃላት ልቢ ጌሮም ኣየስተውዓልዎን ድዮም?

ክርስቶስ ከም ወዲ ዓዶም መጠን እቲ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ንግስነት (ዘበን መሲሕ) ኣኺሉ ኢሎም ስለዝሓሰቡ ‘ዶ ይኾኑ?

          እዞም ነቲ ትሑት ባርያ እግዚኣብሔር ዘሕለፎ ሕይወት ዘይምርደኦም ብስልጣን ኪመጣጠሩን ኪወዳደሩን ይቐዳደሙ። “ኣብ ክብርኻ ሓዴና ብየማን ሓዴና ብጸጋም” ይብሉ ቅድድም’ዩ። ንሽመት ንኽብሪ ንጐይትነት ንልዕልና ኣብ ኰረሻ ስልጣን ንምውጣሕ።

          ፍቑር ሓወይ ነዚኦም ኢዩ እምበኣር ኢየሱስ “እቲ ዓቢ ኪኸውን ዝደሊ ኣገልጋሊ ይኩን” ዝብል ምኽርን መልሲን ዝሃቦም። እዞም ክልተ ሓዋርያት  እንመን’ዮም? ሓዋርያ ያዕቆብን ሓው ዮሓንስን ኢዮም። እዚ ዝሰማዕናዮ ሓተታ ከኣ ማርቆስ ባዕሎም ከምዝሓተቱ ከቕርቦ እንከሎ። ማቴዎስ ግና ኣዲኦም ከምዝሓተት ገቢሩ የዘንቱ። ክልቲኦም ወንጌላውያን ቅድሚ ምጽሓፎም ከኣ ድሮ ሓዋርያ ያዕቆብ ብሴፍ ተቐንጺሉ (ተሰይፉ) ነይሩ። ሓዋርያ ዮሓንስ ግና ብሕይወቱ ነይሩ። ዝገርም ኢዩ!

እምበኣርከስ ዓቢ ምዃን ማለት፥ ኣገልጋሊ፡ ባርያ ምዃን ኢዩ። እወ ኣብ መንጎ ኣሕዋትካ ዓቢይ ምዃን ማለት ኣብ ትሕቲ ኣሕዋትካ ባርያ ምዃን፣ ጫማ ኣሕዋትካ ምዃን ኢዩ። ዕቤትን ሽመትን ክብርን ልዕልናን ኣብ ክርስትና ኣገልጋሊ ኣሕዋትካ ምዃን ኢዩ፣ ከም ጐይታኻ ”ኣእጋር ኣርድእትኻ ምሕጻብ” ማለት ኢዩ።

          ክቡር ሓወይ ካብዞም ክልተ ሓዋርያት እንታይ ኢና እንምሃር?

እምበኣር ኣገልግሎት ወንጌል ርእስኻ ምልዓል ዘይኮነስ፣ ርእስኻ ምትሓት’ዩ፣ ዓቢ ምዃን ዘይኮነስ ባርያ ምዃን ኢዩ። ንርእኻ ኢልካ ምንባር ዘይኮነስ ንኣገልግሎት ካልኦት ኢልካ ምንባር’ዩ። ኣብ መጨረሽታ ናይዚ ምዕራፍ ከኣ ክርስቶስ ከምዚ ይብልና “ወድሰብ ከገልግልን ህይወቱ በጃ ብዙሓት ኪህብን እምበር ከገልግልዎ ኣይመጸን፣” (ማር. 10፡45)።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

መበል 16 ትምህርቲ

“ኣብዘን ዳኅሮት መዓልታት ግና ኣምላኽ ንኣና ብወዱ ገቢሩ ተዛረበና” (ዕብ 1፡1-3)

ዝኸበርካ ኣንባቢ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዙሕ ጊዜ ኣብ ዘበነ ምጽኣት ኢያ እትንበብ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሰንበት ዘስብከት ትንበብ፣ ሰንበት ዘስብከት ከኣ ካብ ሙሴ ክሳብ ዮሓንስ መጥመቕ ዘሎ ኩሎም ጽሑፋትን ቃለ ነብያትን ብዛዕባ ምጽኣት ወዲ ኣምላኽ ዝተነበይዎን ዝሰበኽዎን ዘዘኻኽር ሓደ ክፍሊ ናይ ዘመነ ምጽኣት ኢያ። እዚ ጽሓፊ ዕብራውያን ከኣ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተገብረ ቃለ ስብከት (ግልጸት) ኣጠቓሊሉ መዛዘሚ ወይ መደምደምታ ይገብረሉ። እዚ ከኣ ናይ መጨረሽታ ግልጸት ኢዩ።

ግልጸት ብሕጽር ዝበለ ትርጉሙ እግዚኣብሔር ኣምላኽና፣ ነቲ ስዉር ዝነበረ ብርሃን ምስጢሩ፣ ጥበብ ሓይሉ፣ ሰማያዊ ክብሩ ዝገለጸሉ መንገዲ ማለት ኢዩ። በዚ ከኣ እግዚኣብሔር ኣብ ደረጃ ሕይወት ወዲ ሰብ ወሪዱ ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝገበሮ ተዋስኦ ወይ ርክብ (ዝርርብ) ግልጸት ቢልና ንሰምዮ።

ግልጸት ከኣ ብኽልተ መንገዲ ይፍጸም፦ ቀድማይ ኣምላኽ ንገዛእ ርእሱ ኪግልጽ ኢሉ ኪግለጽ እንከሎ፣ ካልእይ ድማ ንድሕነት ወድ ሰብ ኢሉ ክግለጽ እንከሎ ኢዩ። ምላኽ እዚ ምስ ደቂ ሰባት ዝገበሮ ግልጸት እቲ ቀዳማይ ብዓበይቲ ግብርታቱ ኪኸውን እንከሎ፣ እቲ ካልኣይ ከኣ ብቓሉ (ብዘረባ) እዚ ናይ ጥንትዊ ኪዳን ግልጸት ፍጽምናን ምልኣትን ስለዘይነበሮ ኣብ መጨረሽታ እግዚኣብሔር ንወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ ነቲ ግልጸት ምልኣት (መደምደምታ)ንምግባር በቲ እንኮ ወዱ ገቢሩ ተገልጸ።

ናብ ኣርእስትና ክንምለስ ፍቁር ሓወይ ኣብዛ ኣልዒልናያ ዘለና ጥቕሲ እዚ ጽሓፊ ዕብራውያን ጥልቂ ብምእታው እቲ እግዚኣብሔር ምስ ደቂ ሰባት (ነብያት) ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ድሕነት ተግባራትን፣ ናይ ፍቕሪ መደረን ብዘይ ምስልካይን ምቁራጽን ይገብሮ ከምዝነበረ የረድእ። እቲ ጥልቂ ሓሳባቱ ከኣ እቲ ፍጹምን ረቒቕን በዓል መለኮታዊ ባህሪ ዝኮነ ኣምላኽ ብፍቓዱ ብዓቢ ፍቅሩ ንደቂ ሰባት ከምዝተዛረቦምን ከምዝረኸቦምን፣ ብኣኡ ገቢሩ ከኣ ምስጢሩን መለኮታዊ ፍቕሩን መንክር ጥበቡን ከምዝገለጸሎም የረድእ። ከምዚ ከኣ ይብል “ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መንገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገቢሩ ተዛረቦም፣” ይብል።

ምዝራብ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ?

ቃል ንቓሉ ምዝርራብ ማለት ምውሳእ፡ ምዕላል፡ ምንጋር፡ ምርኻብ፡ ሓደን ክልተን ኢሂን ሚሂን ምባል ማለት ኢዩ፣ እዚ ከኣ ኣፍካ ከፊትካ ዝስምዑን ዝርድኡን ቃላት ምድማጽ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ማለት ኢዩ።  ዝርርብ (ርክብ) ተፈጺሙ ኪባሃል ከኣ ተዛራብን ሰማዕን የድሊ። ተራኺቦም ተዘራሪቦም ማለት ድማ ገጽ ንገጽ፣ ኣፍ ንኣፍ፣ ፊት ንፊት ተራኺቦም ማለት ኢዩ።

ዝርርብ (ርክብ) እግዚኣብሔር ምስ ደቂ ሰባት  እንታይ ኢዩ ጠቕሙ?

ሓደ ሰብ ከዕልለካ ኪዛረበካ ስራሑን ተግባራቱን ኪነግረካ ምስ ጀመረ፣ ካብ ዘረብኡ ካብ ተግባራቱ ተበጊስካ ምንጪ ሓሳባቱን ዕላማኡን ዕቤቱን ኣረኣእያኡን ክትርድኦ ኣይከብደካን ኢዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ በቲ እትገብሮ ዝርርብን ርክብን ክትወሃሃድን ክትሰማማዕን ሓደ ኣብ ርእሲ ሓደ ክትተኣማመን ትጅምር። እዚ ዓይነት ርክብ እዚ ከኣ ኣብ መንጐ ደቂ ሰባት ኣብ መንጐ መዛኑን ኣብ ሓደ ደረጃ ሕይወት ዝርከቡን ኢዩ ዝካየድ። እዚ ናይ ኣምላኽ ርክብ ምስ ደቂ ሰባት ከምኡ ኢዩ። እግዚኣብሔር ነቲ ልዑል ደረጃኡ ሓዲጉ ንታሕቲ ገጹ ብምጥማት ኣብ ሕይወት ደቂሰባት ወሪዱ፣ ብዝርድእዎ ደረጃ ቛንቋን ምዝራብ ማለት ኢዩ። ስለዚ ኣብዚ ናይ እግዚኣብሔር ርክብ ምስ ደቂ ሰባት ዝገብሮ፣ ዕቤቱን ድሕነታዊ ምስጢሩን ኣብ ደረጃ ደቂ ሰባት ወሪዱ ገሊጽሎም ኢዩ። በዚ ዝተገብረ ዝርርብን ርክብን ከኣ ምስ ደቂ ሰባት ጥቡቕ ዕርክነት ገቢሩ። ዕቤቱን መዓሙቕ፣ ምስጢሩን ፍልጠቱን ኣብ ርክቡ ከም ዝገለጸሎም ዘረድእ ኢዩ። እምበኣር ጥቅሚ ምዝርራብ ዓቢይ ኢዩ፣ ብፍላይ ከኣ ሓደ ኪዛረበካ ምስ ተወከስካዮ ምዝራብ ምስ ዝኣብየካ፣ ኩነታቱ ስቕታኡ ክትፈልጥ ብዙሕ ኢኻ እትጭነቕ። ስቕ ዘበሎ ኩነታት ኪትፈልጥ ከኣ ብዙሕ ላዕሊ ታሕቲ ትብል።

እምበኣርከስ እዚ ናይ እግዚኣብሔር ርክብ (ዝርርብ) ምስ ደቂ ሰባት ሓደ ግዜ ጥራሕ ዘይኮነስ ንብዙሕ ሳዕ፣ ብብዙሕ መንገዲ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዜን ኩነታትን ታሪኽን፣ ብጥበብን ፍልጠትን ኢዩ ተፈጺሙ። እዚ እግዚኣብሔር ምስ ደቂ እስራኤል ብነብያቱ ገቢሩ ዝገበሮ ዝነበረ ዝርርብ፣ ንሕዝቢ እስራኤል ካብ ኣሕዛብ ፍሉያት ዓይነተይናታት ገቢርዎም ኢዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንሕይወት ወድሰብ ብመንፈስ ሓቅን ብመሎኮታዊ ፍልጠትን ኪምርምርዎን ኪርድእዎን ኣኽኢልዎም ኢዩ። እዚ ርክብ እዚ ከኣ ንሕዝቢ እስራኤል ህላዌ ኣምላኾም ኣብ ማእከሎም ብምእማን፣ ንእግዚኣብሔር ዕርዶምን ደጀኖምን ገቢሮሞ እዮም። ናይ ታሪኾም ብዓል ቤት ኪኸውን ከኣ ኣኽኢልዎ ኢዩ። ገለ ሻዕ እግዚኣብሔር ርክቡ ምስ ዘቋርጽ ከኣ ከምዚ ኪብሉ የስተማስሉ “ሎሚ ኣብ ማእከልና ነቢይ ወይ መራሒ የብልናን” ይብሉ። ስለዚ ናባይ ከም ዝኸዱን እንታይ ከምዝገብሩን ይሕርብቶም፣ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ሓልዮት እግዚኣብሔር ስለ ዘቋረጾም ኣብ ፍርሂ ብምእታው የስተማስሉ። እስኪ “እታ ብዙሕ ሳዕ ብብዙሕ መንገዲ” ዝብላ ቃላት ደጊምና ነስተንትነን። እዘን ቃላት እዚኣተን እግዚኣብሔር ነቲ ከመሓላልፎ ዝደለዮ ከመሓላላፍ፣ ምስጢራዊ ጥበቡ ንደቂ ሰባት ከይተሓለለ ኣብ ዝተፈላለየ ዘመንን እዋንን ብዝተፈላለየ ሜላን ጥበብን ብዝተፈላለዩ ሰባትን፣ ብእዋናዊ መገዱ ርክቡ (ዝርርቡ) ከይተሓለለ ከምዘመሓላለፈ ዘረድእ ኢዩ። እዚ ዝገልጾ ሓቂ ከኣ፣ ናይ እግዚኣብሔር ጥበብን ፍልጠትን መዓሙቕ ምስጢርን ካብ ዘመን ናብ ዘመን ዘይውዳእን ዘየቋርጽብ ከም ምዃኑ ዝገልጽ ኢዩ።

እቲ ዘገርም ከኣ እቲ ዝገብሮ ርክብ (ዝርርብ) ኣብ ዝተፈላለዩ ታሪኽን ዘመንን ደቂ ሰባት፣ ኣብ ደረጃ ሕይወቶም ወሪዱ ርክቡ ምቕጻል ኢዩ። ዕላማ ርክቡ ከኣ ነዚ ድኹም ወድሰብ ኣብ ደረጃኡ ወሪዱ፣ ብፍቕሩን ብምስጢራዊ ምሕረቱን መንክራዊ ጥበቡን ሓይሉን ተሳታፊ ፍቕሩን ክብረቱን ንምግባሩ ኢዩ።

እዚ ርክብ እዚ ኣበይን ብኸመይን፣ ብመንን ይፍጸም? ኢልና ክንሓትት ኣገዳሲ ኢዩ። ብርግጽ እግዚኣብሔር ኣብ ሕልናና፣ ኣብ መዓሙቕ ልብና ብምስጢር ብዘይምቑራጽ ዝዛረብ እኳ እንተኮነ፣ እዚ ሕጂ እነስተንትኖ ዘሎና ግና ፍልይ ዝበለ ኢዩ። ከምቲ ጸሓፊ ዕብራውያን ዝብሎ “ቀደም ብኣቦታትና” ይብል። ማለት ምስቶም ንጉዓትን ምርኡያትን ፍሉያትን ዝኮኑ ኮይኖም ብእምነትን ብተኣማንነትን ዝነብሩን ዝለኣኹን ኢዮም። ዝርርቦም ርክቦም ከኣ ብግሊ ብምስጢር እዩ ዝገብሮ። እዞም ፍሉያት ሰባት ከኣ ነብያት ኣበው ተባሂሎም ይጽውዑ።

እዞም ነብያት እዚኣቶም (ቀዳሞት ኣቦታት) ከኣ ኣብ መንጐ ሕዝቢ እስራኤልን እግዚኣብሔርን ኣፈኛታት ኮይኖም መልእኽቲ እግዚኣብሔር ዘመሓላልፉ ኢዮም፣ እዚ ዘሕብንን ዘኩርዕን ተስፋ ዝህብን ዝርርብ (ርክብ) እግዚኣብሔር ከም ባህልን ደረጃ ደቂ ሰባትን ወሪዱ ብቛንቋ ደቂ ሰባት ብምዝራቡን፣ ደቂ ሰባት ከኣ ንቛንቋኡ ተረዲኦም ኪሓቱን ኪምልሱን ኪዋስኡን ብምኽኣሎም ኢዩ።

ቀጺሉ ጸሓፊ ዕብራውያን ብሰፊሕ ልቦናኡን ብምስጢራዊ ሃብቱን ከምዚ ይብል፣ “ኣብዘን ዳሕረዎት መዓልትታት በቲ ብወራሲ ወዱ ኩሉ ዝኮነ ወዱ ገቢሩ ተዛረበና” ይብል፣ እዚ ኣበሃህላ እዚ ከኣ ኣብ ቤተክርስትያን ናይ መጨረሽታ ምልኣት ግልጸት ይበሃል፣

ከምቲ ዮሓንስ ወንጌላዊ ዝብሎ፣ እዚ እንኮ ወዱ፣ ቃል ኮይኑ ናባና መጸ እዚ ቃል እዚ ከኣ እቲ ቀደም ዝነበረን ዘሎን ንዘለዓለም ዝነብርን ኢዩ። ንሱ ኣብ ታሪኽና ብምእታው ስጋ ሰብ ብምልባስ ከማና ሰብ ኮነ። ኣብ ባህሪ ወድሰብ ጦምቦላሕ ብምባል ከኣ ኣብ ማእከልና ሓደረ። ካልኣይ ኣዳም ብምዃን ምስ ደቂ ኣዳም ብቛንቋ ኣዳም ኪዋሳእ ጀመረ። “እቲ ቀደም ነቦታትና ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መንገድን ዝብል” ሕጂ ግን ኩሉ ግልጸቱ ርክቡ ዘረባኡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ብወዱ ገበሮ፣ እቲ ዘገርም እቲ መሎኮት ስጋ ሰብ ምልባሱ፣ እቲ ዘይረአ ዝረአ፣ እቲ ዘይድህሰስ ዝድህሰስ ምዃኑ፣ እቲ ፈጣሪ እቲ መሎኮት ድኹም ባህሪ ወድሰብ ምልባሱ ኢዩ። እዚ ከኣ ‘ዩ እቲ ዝዓበየ ርክብ ወይ ግልጸት ምስ ደቂ ሰባት ብወዱ ዝገበሮ። እዚ ሰብ ዝኮነ ዘለዓለማዊ መሎኮታዊ ቃል (ቃል ኣብ)፣ ናይ መጨረሽታ (መርትዖ)፣ ግልጸት ናይቲ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ ኢዩ። ቅ.ዮሓንስ ቀጺሉ “እቲ ንኹሉ ዘብርህ ብርሃን ሓቂ ናይ ዓለም መጸ . . . ናብቶም ናቱ መጸ… ኣይተቐበልዎን፣” (ዮሓ. 1፡10) እዚ ብርሃን ኩሉ ዓለም ዝኮነ ቃል፣ ንሕይወት ደቂ ሰባት ከብርህ ምስ ደቂ ሰባት ኪራኸብ፣ ነቲ ሰማያዊ ፍቕሪ ቅድስቲ ስላሴ ምስ ደቂ ኣዳም ዘለዎም ኪገልጸሎም፣ ንዝዓነወ ሕይወት ኣዳም ኪሕድስ፣ ንዝተዘርፈት ሓርነት ጽድቂ ኪመልስ፣ ንዝተዓየነት ነፍሲ ከንጽሕ፣ ንዝሓመመት ስጋ ኪፍውስ፣ ነታ ዝጠፍአት ብርሃን ሓቂ ከብርህ ኣብ ማእከሎም ከምኦም፣ ብቛንቋኦም ኪዛረቦም፣ ኪረኽቦም፣ ሰማያዊ ምስጢር ኪገልጸሎም፣ ምስጢር ናይ ኣብኡ ከስተምህሮም ጀመረ። እንተኮነ ነቲ ምስጢር ኣብኡ ኪገልጽ ናይ ግልጸት ምስጢር ዝኮነ ክርስቶስ ኣይተረድእዎን።

ኣምላኽ ስጋ ሰብ ለቢሱ ኣብ ማእከሎም ኮይኑ፣ ኣብ ደረጃኦም ወሪዱ ኪዛረቦም ዕጹብ ኮይኑ ተሰምዖም። ነቲ ናቱ ዘረባን ርክብን ከኣ ኣይተቐበልዎን። እቲ ቀደም በቦታቶም ይብለኩም ኣሎ ዝነበረ ሕጂ ብቃሉ (ብወዱ) ገቢሩ ይብለኩም ኣለኹ፣ ምስ ኮነ ደቂ ሰባት ምእማን ሰኣንዎ፣ ንዘረብኡ ከኣ ኣይሰምዕዎን። ነቶም ምስኡ ዝተራኸቡን፣ ንዘረባኡ ንቃሉ ድምጹ ኪሰምዑ ጽን ዝበሉ ግና “መሰል ውልድነት ሃቦም”። እግዚኣብሔር ድማ ነቲ ኩሉ ዕቤቱን ምስጢራዊ ድሕነቱን ብወዱ ገቢሩ ዛዘሞ። ወዱ ድማ ናይ መጨረሽታ ማሕተም ናይ ግልጸት ኮነ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

መበል 17 ትምህርቲ

“እቲ ኪስዕበኒ ዝደሊ ሕይወቱ ይመንን…” (ማቴ.16። 21-ፍ)

ኣቦታት ኪምስሉ “መን ምዃንካ ኪፈልጠካ፣ ምስ መን ከም እትኸይድ ንገረኒ” ይብሉ። ቅ. ጴጥሮስ ምስ ክርስቶስ ዝነብር ተግባራት ክርስቶስ ዝረአየን ክንሱ፣ ነቲ ንክርስቶስ ዘምጽኦ ምስጢረ ድሕነት ደቂ ኣዳም ኣይተረድኦን። ከም ማንም ሰብ፣ ከም ናይ ሰብ ርድኢትን ሓሳብን ድሌትን፣ ካብ ጭንቅን መከራን ከናግፎን ከጸናንዖን ሰናይ ሓልዮቱ ይገልጸሉ። ከም ኣዘራርብኡ ከኣ ዝተጸውዓሉ ዕላም ከይተረድኦ ንምድራዊ ክብርን ሽመትን ንምጉንጻፍ ንክርስቶስ ዝሰዕቦ ዝጸንሐ ይመስል። ክርስቶስ ከኣ ንቓላቱን ንሓሳባቱን ምስተረድአ፣ ኣትሪሩ ወይ ኪስዕቦ ወይ ኪምለስ ሓዲኡ ክመርጽ “ኪስዕበኒ ዝደሊ ሕይወቱ ይመንን፣ መስቀሉ ኣልዒሉ ድማ ይስዓበኒ፣ ከመይ እቲ ንሕይወቱ ከድሕና ዝደሊ ከጥፍኣ ኢዩ….” እናበለ ምርጫኦም ጽንኩርን መሪርን ምዃኑ የብርሃሎም።

ዝኸበርካ ብክርስቶስ ፍቑር ሓወይ፣ ንስኻ ‘ውን ንክርስቶስ ከተገልግል ንክርስቶስ ክትመስል መፍቀሬ ክርስቶስ ክትከውን ብገዛእ ናጽነትካን ፍቓድካን ድሌትካን ንክርስቶስ ዝወሰንካ ኢኻ። ካብ ናብራ ዓለም ተፈሊኻ ንርእስኻ ዝመነንካ ካብ ክርስቶስ እንታይ ክትረብሕ ስለ ዝደለኻ ኢኻ? እንታይ ዝብል ድምጺ ተስፋ ስለዝሰማዕካ ኢኻ? ምናልባት ካብ ዓለም ክትሃድም ስለ ዝደለኻ ዲኻ? ወይ ሓዳርን ናብራ ሓዳርን ስለዘፍርሃካ ዲኻ? እንድዒ ዘምጽኣካ ንስኻ ባዕልኻ ትፈልጦ። ምናልባት ግና ከም ቅ. ጴጥሮስ ገልቢጥካ ተረዲእካዮ ከይትህሉ ተመሊስካ ሕሰብን ኣስተንትንን። ንክርስቶስ ኪምልሰልካ ድማ ተወከሶን፣ ኪምልሰልካ ድማ ተጸበዮን።

እንተኮነ ግን ድሮ ንክርስቶስ ምስዓብ “መስቀልካ ጼርካ ምኽታል”  ምዃኑ ፈሊጥካዮ ኣሎኻ። ብርግጽ ከኣ ነዚ ቃል ሰሚዕካ መሪጽካ ዝመጻእካ ክትከውን ተስፋ እገብር።

እስኪ በል በዚ እትገብሮ ዘሎኻ ሕይወት ብርግጽ ናብቲ እትደልዮን፣ ዝመረጽካዮን ኣኽሊል ዓወት ከብጽሓካ ዲዩ? ብርግጽ ‘ከ ኣብ ጐደና ዓወት ይምርሽ ኣለኹ ኢልካ’ዶ ትሓስብ? ብሓቂ በዛ ትመላለሰላን እትነብራን ዘሎኻ መንገዲ ኣብ ቅድስና ክትበጽሕ ዲኻ? ትማሊ ዝነበረ ሕይወት ሎሚ ድሕሪ ምርጫኻ ዘሎ ሕይወትካ (ናብራኻ) ፍልልይ ኣለዎ’ዶ? በል እስኪ ነዚ ምኽሪ ቅ. ጳውሎስ ጽን ኢልካ ስምዓዮ፣ “ነቲ ቀደም እትነብርሉ ዝነበርኩም ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሸወ ኣረጊት ሰብነትኩም ቀንጥጡ፣ ብኣተሓሳስባኹም’ውን ተሓደሱ፣ ነቲ ብኣርኣያ እግዚኣብሔር ብጽድቅን ቅድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ከኣ ልበስዎ።” (ኤፌ. 4። 22-24)

ክቡር ሓወይ ንክርስቶስ ምስዓብ፣ ዓለም ምምናን፣ ንርእስኻ ምኽሓድ፣ ማለት ሕይወትካ ኣነባብራኻ ምልዋጥ፣ ርድኢትካ፣ ሓሳባትካ መንገድኻ ምቕያር ማለት ኢዩ። ንክርስቶስ ምስዓብ ማለት ሓድሽ ፍጥረት ምዃን ማለት ኢዩ። ንክርስቶስ ምኽታል ማለት ከኣ ነቲ ኣረጊት ሰብነትካ ብሓጢኣት ዝተበላሸወ ምቕንጣጥ ማለት ኢዩ። ብሓጺሩ ነቲ ብስጋ እትብህጎን እትምነዮን ናይ ምድሪ ነገራት ገዲፍካ ናይ ሰማይ ነገራት (ናይ ሰማይ ርስቲ) ክትወርስ ሃሰስ ምባል ማለት ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ ከምቲ ቅ.ጳውሎስ ዝብሎ “ብዘሎ ምረትን ነድርን ቁጥዓን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኩሉ ክፍኣት ካባና ምርሓቕ፣” ማለት ኢዩ (ኤፌ. 4፡31)።

እምበኣር ፍቁር ሓወይ ናይ ክርስቶስ ክትከውን፣ ነዚ ዝበለየ ሰብነትካ ክትቅንጥጥን ካብ መረጽካን፣ ቆሪጽካ ካብ ተበገስካን፣ ስለምንታይ ደኣ ሕጂ ነቲ ጉዕዞ ምስ ጀመርካ፣ ኣብ ማእከል ምስ በጻሕካ ግልብጥ-ግልብጥ ክትብል እትጅምር? አረ ስለምንታይ ኢኻ ግብይብይ እትብል? “ዕርፊ ሒዙ ንድሕሪት ዝርኢ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን ኢዩ” (ሉቃ. 9፡62) ዝብል ቃል ክርስቶስ ዘንጊዕካዮ ዲኻ? አረ እንታይ ኢዩ ወሪዱካ? ኣብ ሓደ ዘዘው ኢልካ፣ ኣይንቕድሚት ኣይንድሕሪት ተዓኒድካ? ተንስእ እንዶ ከምቲ ኣጀማምራኻ ንቕድሚት ሰጉም።

ፍቁር ሓወይ ድሕሪት ተመሊስካ ነታ ናይ መጀመርታኻ ውሳኔን ጸዋዒትን እሞ ዘክራ፣ ኣብታ ግዜ እቲኣ ዝነበረካ ድሌትን ሃረርታን ተበግሶን ሕጂ ድኣ ናበይ በኒኑ? እንታይ ድኣ ብሓጐስ ጀሚርካ ሕጂ ግና ናብ ጓህን ሓዘንን ጣዕሳን ሸለልትነትን፣ ተስፋቁርጸትን እትበጽሕ? መስቀል ክርስቶስ ኣብዚ ምድሪ እዚ ናይ ድኻምን ጻዕርን፣ ናይ ውርደትን ሕስራንን ድኣ እምበር ናይ ዕረፍትን ምቾትን፣ ናይ ደስታን ባህታን ከም ዘይኮነ ኣይተረዳእካዮን ኢኻ ነይርካ? እስኪ ነዚ ቅ.ጳውሎስ ንክርስቶስ ኣብ ምስዓብ ዝገጠሞ መሰንኽል ሕይወት ኣስተንትን፣ “ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ንጠምን ንጸምእን ንዓርቕን ንህረምን ኣሎና። መሕደሪ’ውን ብገዛእ ኣእዳውና እናዓየና’ውን ንግዛእ ኣሎና። ንዝጸርፈና ንምርቕ፣ ንዘሳድዱና ንዕገስ፣ ስምና ንዘኽፍኡ ብጥዑም ቃል ንምልስ ኣሎና። ክሳዕ ሕጂ ከም ናይ ዓለም ጐሓፍን፣ ከም ናይ ኩሉ ነገር ጐድፍን ኮይና ኣሎና።” (1ቆሮ. 4። 11-13)

ዘገርም ኢዩ! ሎሚ ከም ሎሚ ነዚ ንቅ. ጳውሎስ ዘጓነፎ መከራ ንዓኻ ንዓይ እንተዘጓንፈና እንታይ ምገበርና? ብእምነት’ዶ ኣብዚ ሒዝካዮ ዘሎኻ ዕላማ ምጸናዕካ? ብተስፋ’ዶ መስቀልካ ጼርካ ንቅድሚት ምሰጐምካ? ብፍቕሪ’ዶ ነቶም ዘዋርዱኻ ምሕረት ምገበርካ? ፍቑር ሓወይ ሕይወትካ ከምዚ ናይዚ ዓለምን ጓሓፍን ናይ ኩሉ ነገር ጐድፍን ክሳዕ ዘይገመትካ፣ ገና ንዝመረጽካዮ ሕይወት ክርስቶስ ኣይለበስካን ማለት ኢዩ። እስኪ በል ነቲ ዝመረጽካዮ ሕይወት ክርስቶስ ኣዕሚቍካ ኣስተንትን ነቲ ክርስቶስ መስቀሉ ጸይሩ ዝተጓዕዘሉ ካብ ጌተሰማኒ ክሳብ ቀራንዮ ዘሎ ጉዕዞ ሕይወት ዘክሮ። እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝወረደ ግፍዒ ብተመሳሳሊ ኣብ ጉዕዞኻ ተጸበዮ፣ ንክርስቶስ ክትስዕብ ካብ መረጽካ ዕጫ ክርስቶስ ዕጫኻ ከም ምዃኑ ኣይትረስዕ። እስኪ ነዚ ንቅ.ጳውሎስ ዝበጽሖ ዕጫ ንርአ፣ “ብመከራ፡ ብሽግር፡ ብጸበባ፡ በመግረፍቲ፡ ብማእሰርቲ፡ ብእምባጋሮ፡ ብጻዕሪ፡ ብድቃስ ምስኣን፡ ብጥሜት….” (2ቆሮ. 6፡ 3-10) ንዝብሎ ቃል ናትካ ግበሮ።

እምበኣር ፍቁር ሓወይ ንዓኻ ውን እዚ ኢዩ ዕጫኻ። ኣብዛ ምድሪ ስደትካ ዕረፍትን ሓጐስን የብልካን። ዝመረጽካዮ ጉዕዞ መከራን ስቓይን እንተዘይህልዎ ኩሉ ሰብ ምመረጾ ነይሩ። ከምዚ እንተዘይከውን ከኣ ክርስቶስ “እቲ ኪስዕበኒ ዝደሊ ዕለት ዕለት መስቀሉ ጸይሩ ይከተለኒ” ኣይምበለን ነይሩ። ነዚ ከስምዕ ከኣ ኢዮብ ጻድቕ “ሕይወት ዓለም ውግእ ኢዩ፣” በለ (ኢዮ.7፡7)።

ስለዚ ኣብዚ ዓለም ክሳብ ዘሎኻ፣ ነዛ ዓለም ስደተኛ ኢኻ። ሕይወት ስደትን ናብራ ስደተኛን ከኣ ትፈልጦ ኢኻ። ነዛ ምድሪ ስደትካ ብቈራጽነት መዓንጣኻ ሸጥ ኣቢልካ፣ ዕጥቅኻ ዓጢቕካ፣ ድርዕኻ ለቢስካ፣ ብትብዓት በድሃያ። ነቲ ብሰንኪ ዝመረጽካዮ ሕይወት ዝመጸካ ስቓይን ውርደትን ንኹሉ (ስለ ክርስቶስ) ስለ ድሕነትካ ኢልካ ብትዕግስቲ ተቐበሎ። ምስ ቅ. ጳውሎስ ኮይንካ ከኣ ከምዚ እናበልካ ምስክርነትካ ሃብ፣ “ኣነ ግና ኣገልግሎተይ ክሳዕ ዝፍጽምን እቲ ጐይታ ኢየሱስ ዝሃበኒ ዕዮ ክሳዕ ዝውድእን… ኣገልግሎተይ ከኣ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ምስባኽ ኢዩ፣” (ግሓ.20፡24) በለ። ነዚ ናይ ቅ. ጳውሎስ ከም ናትካ እናደገምካ፣ ዕላማኻን ምርጫኻን ኣሐድስ። ብእምነትን ፍቕርን ተስፋን ብሓጐስ ጐይታኻን ጸኒዕካ ተጋደል። ኣብ ጸዋዕታኻ ጸኒዕካ ከኣ፣ ብትብዓት ጉዕዞኻ ቀጽል፣ “ንምንታይከ… ኣነ ምእንቲ ስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኢዮርሳሌም ንማእሰርቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ንምሟት ውን ስንድው ኢየ፣” በለ።(ግ.ሓ. 21፡ 13)

ብድምጺ ንምክትታል!

መበል 18 ትምህርቲ

“እቲ ንሰበይቲ ርእዩ ዝተመነያ ድሮ ምስኣ ዘምዩ ኢዩ” (ማቴ. 5፡28)

      ብዙሕ ግዜ ኣብ ግዜ ንእስነትና ኣይትዘሙ ዝብል ትእዛዝ ሰሚዕናዮ ኣሎና፣ መበቈሉ ካበይ ከምዝኮነ ከኣ ዝጠፍኦ ሰብ የልቦን፣ ሓደ ካብ ዓሰርተ ትእዛዛት እግዚኣብሔር ኢዩ። ኣብ ቅ.መጽሓፍ ከኣ ኣብ ዘጸ. 20፡ 14፣ ኣብ ዘዳ. 5፡ 18 ንረኽቦ። ዝሙት እምበኣር ብመሰረት ትእዛዛት እግዚኣብሔርን፣ ብትምህርቲ ነብያትን፣ ብክርስቶስን ብሓያል ተረርቲ ቃላት ዝተወገዘ ኢዩ።

            ነብያት ብዛዕባ ዝሙት ኪዛረቡ እንከለዉ ኪንዮው እቲ ቀጥታዊ ትርጉሙ ሓሊፎም ናብ ምስጢራዊ መልእኽቱ የተኩሩ። ንዝሙት ከኣ ከም ናይ ጉድለት እምነትን ፍቕርን፣ ጥልመት ኪዳን ብምኳኑ፣ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ናብ ክሕደትን ዕብዳንን ዝወደቐ ገቢሮም የቕርብዎ። እዚ ነብያት ዘቕርብዎ ስእላዊ መግለጺ ኣብ መንጎ ሕዝቢ እስራኤልን እግዚኣብሔርን ዘሎ ርክብ ገቢሮም ይገልጽዎ።

            እግዚኣብሔር ንሕዝቢ እስራኤል የፍቅሮም ምስኦም ውን ኣብ ኪዳን ይኣቱ። ብፍቕሪ ሕዝቢ እስራኤል ኣብ ኪዳናዊ ሕይወት ይጽመድ። ኣዋልድን ኣወዳትን ከኣ ይወልድ፣ ኪዳንን ውዕልን ይተኣታተዉ፣ ሓቢሮም ኪነብሩ ይመሓሓሉ፣ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ብናይ እምነት ፍቕሪ ከም ፍቑራት መርዑ ጉጅም ይብሉ፣ ወግሓ ጸብሐ ብናይ ሓልዮትን ፍቕርን ብቛንቋ ፍቕሪ ይዋስኡ።

            ፍቅሪ ወድሰብ ግን  መመላእታ የብሉን። ሓድሕዳዊ ፍቕሮም ሱር ከይሰደደ፣ ኣብ ዕንባባን ፍረን ከይበጽሐ፣ ዓሚቝ ሰረት ከይተኸለ፣ ሕዝቢ እስራኤል ነቲ መርዓዊኣ፣ ነቲ በዓል ኪዳና፣ ነቲ ብሓልዮታን ፍቕራን ዝተማረኸ ሰብኣያ (እግዚኣብሔር) ጠንጢና ናብቲ ናይ ቀደም ሕይወታ ትምለስ። ንፈታዊኣ ጠሊማ ናብ ካልእ ተቛምት፣ ናብ ካልኦት ኣማልኽትን ጣዖታትን ከተምልኽ ትጅምር፣ ካብ ሕግን ስርዓትን ወጺኣ ብፋሉልነት ክትምራሕ ትፍትን። እምበኣር ነዚ ከምዚ ዝመሰለ ጥልመት ንኪገልጽ እግዚኣብሔር ብነብያት ገቢሩ ሕዝቢ እስራኤል ንዕኡ ጠሊማ ከም ዝዘመወት ገቢሩ የቕርባ፣ ንሕዝቢ እስራኤል ከም ዘማዊት ሰበይቲ ገቢሩ የቕርባ። ናይዚ ስእላዊ ሕያው ኣብነት ከኣ ኣብ ነቢይ ሆሲዕ 2፡ 2-13፣ ኣብ ነቢይ ኢሳያስ ከኣ 54፡5-ፍ ኣሎ። እምበኣርከስ ዝሙት ማለት ከም ኣበሃህላ ነብያት ካብቲ ዝኣምነካ፣ ካብቲ ዘፍቅረካ፣ ብጻይካን ብዓል ቤትካን ኣምላኽካን እምነት ምጉዳልን ምጥላምን፣ ብስጋዊ ስምዒት ተመሪሕካ ካብ ስነምግባርን ሞራልን ወጺእካ ብፍትወት ስጋ ምስካር ማለት ኢዩ። ዝዝሙ ሰብ ብዘይ ስርዓት ካብ ሕጊ ወጻኢ ይፍጽም ስለዘሎ ነቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽ ረሲዑ ነቲ ምድራዊ ብጻዩ ይብድሎ። ነቲ መሪጽካን ፈሊጥካን ደሊኻን ወሲንካን ዝፍጸም፣ መግለጺ ሓድንትን ውሽጣዊ ፍቕርን ምልኣት ሰብኣዊ ሓጐስን ደስታን ዝኮነ፣ ብስምዒት ተደሩኹ ኣብ ዘይቦታኡን መዓላኡን ብምፍጻሙ፣ ንሕግን ስርዓትን የፍርስ።

ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከኣ ዓይነታዊ ዝኮነ ስርዓት ተግባረ ስጋ ንርኢ። ማለት ስጋዊ ንጽሕና ጥራሕ ዘይኮነስ ሕልናውን ውሽጣውን (ማለት ሓሳባዊ) ንጽሕና ከም ዘድሊ ባዕሉ መድሓኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይምህረና፣ “ እቲ ንሰበይቲ ርእዩ ብልቡ ዝተመነያ ድሮ ምስኣ ዘምዩ ኢዩ፣” ይብል (ማቴ. 5፡ 28)። በዚ ኣበሃህላ እዚ ከኣ ክርስቶስ ነቲ ኣብ ተግባር ጥራሕ ኣተኲሩ ዝነበረ ሓጢኣት ዝሙት ናብ ረቂቅ ዝሓነ ሓሳባዊ ሓጢኣት የውርዶ፣ ትርጉም ናይዚ ቃል ክርስቶስ፣ ሓደ ሰብ ብስጋዊ ስምዒት ተደሪኹ ኣብ ልቡ ነቲ ናይ ስጋ ብሃረርታን ብሓሳብን ምስ ዘኾማስዖን ምስ ዝቕበሎን፣ እዚ ድሮ ኣብ ዝሙት ወዲቑ ኢዩ። ቀጺሉ ዝመጽእ ሓሳባት ከኣ፣ ነቲ ዝመጾ ፈተና እሞ ዝተቐበሎ ግዜን፣ ቦታን፣ ኩነታትን ስለ ዝኣገሞ እምበር፣ ብካልእ ዝኽልክሎ ምስ ዘይህሉ እዚ ሰብ እዚ ብሓሳቡ ድሮ ዘምዩ ኢዩ። በዚ ከኣ ኣብ ሓጢኣት ዝሙት ወዲቑ ኢዩ። እቲ ዘገርም ግና፣ ክርስቶስ ከምዚ ኢሉ ከብቅዕ፣ ነታ ኣብ ወንጌል (ዮሓ. 8፡ 1-11) ዘላ፣ ኣብ ዝሙት ተረኺባ ኢሎም ዘምጽእሉ ሰበይቲ ዝገበሮ ፍርዲ ኢዩ። እቲ ፍርዲ “ካባኻትኩም ሓጢኣት ዘይብሉ፣ ኣቐዲሙ እምኒ ይደርብየላ” ኢዩ ዝብል። እቲ ምስጢራዊ ክርስቶስ ብምስጢር ይዛረብ፣ እቲ ፍትሐኛ ክርስቶስ ፍትሒ ይገብር፣ እቲ ምሕረተኛ ክርስቶስ ምሕረት ይገብር። እቲ ሓኪም ክርስቶስ ነታ ሓጥእ ነፍሲ ይሕክም፣ እቲ ምስጢራዊ ክርስቶስ ነታ ምስጢራዊት ልቢ የንብብ፣ ከምዚ ከኣ ይብሎም ካብዛ ሰበይቲ እዚኣ ዝፈጸመቶ ሓጢኣት ዝሙት፣ እቲ ኣብ ልብኹም ተሰዊሩ ዘሎ ሓጢኣት ካብ ዝሙት ይኸፍእ፣ ናትኩም ትዕቢት፣ ናትኩም ውድቐት፣ ናትኩም ፍርዲ ኢዩ እቲ ዘጸይፍን ዘስገድግድን ዝሙት ሓጢኣት። እስኪ ነቲ ኣብ ልብኹም ዘሎ ሓጢኣት ረአዩ፣ ስለምንታይከ ነቲ ናትኩም ሓጢኣት ገዲፍኩም ሓጢኣት ካልኦት እትፈርዱ፣ ቅድም ቀዳድም ኣብ ልብኹም (ኣባኹም) ዘሎ ሓጢኣት ፍረዱ፣ እቲ ምኽሪ ከኣ “ኣይትፍረዱ ከይትፍረዱ፣ ብዝሰፈርኩሞ መስፈሪ ክትስፈሩ ኢኹም” ኢዩ ዝብል።

            ሓቂ ኢዩ! እዛ ሰብ እዚኣ ኣብ ዝሙት ሓጢኣት ወዲቓ ተረኪባ ኢያ፣ ብሓጢኣታ ብውድቀታ (ተኣሚና ተጣዒሳ) እኳ እንተዘይበልና ብደቂ ዓዳ ተኸሲሳ ብፍርህን ራዕድን ብመሪር ንብዓትን ኣብ ቅድሚ እቲ ልብን ኮላሊትን ዝምርምር ፈራዲ ልቢ ኩሉ ወድሰብ ቀሪባ ኢያ። ጐይታ ’ውን ንማዓሙቓ ፈትሹ ብዝረኸቦ ጣዕሳን ትሕትናን ወርደትን ብፍቕሪ ጠሚቱ ምሒርዋ ኢዩ። በቲ ዝገበረላ ምሕረት ከኣ ሓዳስ ፍጥረት ኮይና፣ ናብ ቤታ ነጺሓን ጸርያን ተመሊሳ ኢያ። ዳግም ‘ውን ናብ ዝነበረቶ ሓጢኣት ከይትምለስ ኣጠንቂቑ ኣፍንይዋ ኢዩ፣ “ዘመንያ ግርንቢጥ ማይ ንዓቐብ”  ከምዝብሃል ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ኩሉ ተለዊጡ፣ እታ ንሞት ዝተፈርደት ብሕገ ሙሴ ብዳርባ እምኒ ክትመውት ዝተኾነነት፣ ድሕነት ተገይሩላ ናብ ሕይወት ትምለስ፣ ትንሳኤ ሙታን ኮይኑላ። እቶም ኮነንታን ፈረድታን ከኣ በንጻሩ ብሓጢኣቶም ተረቲዖም ብሞት ሓጢኣት ተፈሪዶም ተኾኒኖም ንድሕሪት ይምለሱ፣ ሓጢኣቶም ኣብ ሕልናኦም ምስረትዕም፣ ብሓጢኣቶም ተኣሚኖም ምሕረትን ጸጋ ድሕነትን ክንዲ ዝልምኑ፣ ካብቲ ተቐሪብሎም ዝነበረ መኣዲ ምሕረትን ጸጋ ድሕነትን ብሕንከት ብሓጢኣቶም ተላዕጢጦም ብኣርምሞ ብሰላሕታ ንቕድሚት ክንዲ ዝስጉሙ ንድሕርት ገጾም ይምለሱ። ዕድሎም ዕድልና ኣይኹን ኢዩ ዘብል!

            ብመሰረት ቃል ኣምላኽ፣ ወድሰብ ወይ ኣካላት ወድሰብ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኢዩ ተፈጢሩ ማሕደር እግዚኣብሔር ከኣ ኢዩ። ከምቲ ቅ.ጳውሎስ ዝብሎ ከኣ ”ኣካላትኩም ቤትመቕደስ ኣምላኽ ምዃኑ’ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?” (1ቆሮ. 6።15, 3። 16) ይብል። እወ ወድሰብ ክቡር ኢዩ፣ ብክብረት ኣብ ቅድሚ እቲ ክቡር ኪነብር ከኣ ተጸዊዑ ኣሎ፣ እቲ ዝበለጸ ክብረቱ ከኣ ብክርስቶስ ኢዩ።

            ወድሰብ እምበኣር፣ ድሕሪ ብስም ብክርስቶስ ምጥማቑ ኣካላቱ ምስ ኣካላት ክርስቶስ ተወሃሂዱን፣ ናብ ኣካላት ክርቶስ ተለዊጡን ኢዩ። ነቲ ድኹም ማእሰርቲ ሓጢኣት ከኣ ሰጊርዎ ኢዩ። ናይ ዕብዳንን ዝርጋንን ናይ ሞትን ጸልማትን ግዜ ሓሊፉ ኢዩ። ቅ.ጳውሎስ ከምዚ ይብል “ለይቲ ሓሊፉ መዓልቲ ቀሪባ ኢያ ስለዚ ግብረ ጸልማት ካባና ደርቢና ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ፣ ብጓይላን ስኽራንን ብምንዝርናን ዕብዳንን። ብባእስን ቅንኣትን ዘይኮነስ። ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንንበር፣ ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር። ዊናታ ስጋኹም ከተርውዩ ኢልኩም ኣይትሕሰቡ፣” (ሮሜ. 13፡12-13)። ዝኸበርካ ኃወይ ነዚ ኢና ተጸዊዕና፣ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢና፣ ግብሪ ብርሃን ክንለብስ፣ ግብረ ጸልማት ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኢዩ፣ ግብሪ ብርሃን ከኣ ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ኢዩ። ስለዚ “እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ኣባና ይሃሉ፣ ግብረ ሓጢኣት ከኣ ኣይክንገብርን ኢና።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

መበል 19 ትምህርቲ

“እግዚኣብሔር ካብ ጥንቲ ንሰብ ሰብኣይን ሰበይትን ገቢሩ ኢዩ ዝፈጠሮም”
(ዘፍ. 218-24)

       እምበኣር ዝሙት ኣንጻር ስርዓትን ሕግን ስሩዕ መውስቦ ዝገብር እምነት ምጉዳል ኢዩ፣ ከምዚ ዝሰማዕናዮ ሰብኣይን ሰበይትን ብሓደ ጸኒዖም ኪነብሩ ድላይን ትእዛዝ እግዚኣብሔር ኢዩ። ደቂ ሰባት ካብ ሕጊ ወጺኦም ፍኑው ተግባረ ስጋ ምስ ዝፍጽሙ ንድላይን ትእዛዝን እግዚኣብሔር የፍርሱ፣ በዚ ከኣ ተግባረ ዝሙት ይፍጽሙ። ነዚ ዘጸይፍ ተግባረ ስጋ ኪፍጽሙ እንከለው፣ ነቲ ቅዱስ ናይ ሓድነትን ፍቕርን ሓልዮትን እግዚኣብሔር ዝተኸሎ ተግባረ ስጋ የርክስዎ። ክርስቶስ ከኣ ከምዚ ኣንዳበለ ኣብ ወንጌል ይግስጾም፣ “ካብ መጀመርታ እግዚኣብሔር ሰብኣይን ሰበይትን ገቢሩ ኢዩ ዝፈጠሮም፣ ስለዚ ሰብኣይ ኣብኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃሃድ፣ ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል ይኮኑ፣ ስለዚ ድማ ሓደ ኣካል ኢዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን፣ እምበኣር ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ፣” (ማር 10፡ 6-7) ስለዚ ምትእትታው ናይ ሓድነትን ፍቕርን መግለጺ ኢዩ። እዚ ኣብ መንጎ ክልተ ጾታ ዝግበር ምትእትታው ናይ መውስቦ ናይ ሓድነት ምልክት ኢዩ። ብስርቅን ብሕቡእን ካብ ስርዓትን ሕግን ወጻኢ ዝግበር ግብረ ስጋ እዚ ናይ እግዚኣብሔር ፍቓድን ሕግን ዝጥሕስ ኢዩ። እዚ ከኣ ናይ ስምዒታትካ ግዙእ ጌሩ ብምሕዝ፣ ነቲ ሰብ ዝገብረካ ሚዛኑ ዝሓለወ ብፍልጠትን ብርእሰ ብግታእን ዝፍጸም ስጋዊ ርክብ ናብ ዘይሚዛኑ ብምውራድ ናይ ርኽሰት ህይወት ከም እትሕዝ ይገብረካ።

          ንሕና እዞም ደቂ ሓድሽ ኪዳን ውሉድ እምባር፣ ልዕሊ እቲ ናይ እግዚኣብሔር ትእዛዝ፣ ብክርስቶስ ናይ ሓድነት ኩውንነት ዝረኣናን ዝጠዓምናን ሓደሽቲ ፍጥረት ኢና። ዘገርም ኢዩ ካብቲ ብተግባረ ስጋ ዝርከብ ሓደ ስጋ ምዃን ሓሊፍናስ፣ ምስቲ መሎኮታዊ ስጋ ክርስቶስ ወይ ሕይወት ክርስቶስ ክንሓብርን ሓደ ክንከውንን በቒዕና ኢና። እዚ ከአ በቲ ኣብ ጥምቀት እንፍጽሞ ተግባረ ድሕነት ወይ በቲ ኣብ ግዜ ጥምቀት እንቕበሎ ውልድነት እግዚኣብሔር ዝርከብ መሎኮታዊ ጸጋ ኢዩ። ኣብ ጥምቀት ብስም ቅድስቲ ስላሴ ተጠሚቕና፣ ብደም ክርስቶስ ነጺሕና ካብቲ ዝወረስናዮ ውዱቕ ሕይወት ብክብሪ ተንሲእና፣ ምስ ክርስቶስ ሓደ ንኸውን (ሮሜ. 6፡1-15)።

          በዚ ኢና ከኣ ካብቲ ድኹም ስምዒት ስጋ ወጺእና ናብቲ ዝተዋህበትና፣ ናብቲ ዝተኸፈለልና ተግባረ ድሕነት ከነቛምት ዘኽእለና። ምኽንያቱ ክርስቶስ ብገዛእ ፍቓዱ ባህርና ስጋና ስለ ዝለበሰ፣ በዚ ከምዚ ድማ ነቲ ድኹም ስጋና ቀዲስዎን ኣኽቢርዎን ኢዩ። ስለዚ ክርስቶስ ንስጋና መልዕለተ ባህርያዊ ዝኾነ ክፍሊ ከም ዝህልዎ ጌርዎ፣ ብሓርነት ክንነብር ከኣ ተጸዊዕና ኣሎና።

ዝሙት ተግባር ዓለም ኢዩ!

          ንክርስቶስ ክንመስል ወይ ተግባራት ክርስቶስ ኣብ ልብና ከነንግስ፣ ብቐዳምነት ናይ ኣተሓሳስባን፣ ናይ ሕይወትን ድላይን ለውጢ ክንገብር የድልየና። ካብ ስጋውን ስምዒታውን ኣተሓሳስባ ተፈሊና፣ ናብቲ ዝበለጸ ብክርስቶስ ዝተወሃበና ሕይወት ክንጥምት ኣሎና። ንዘጓንፉና ፈተናታት ክንነቅሓሎምን ፈጺምና ካብ ተግባራት ዓለም ክንፍለ ኣሎና። ምኽንያቱ ንክርስቶስ ኣብ ምስዓብ፣ ህይወት ወደመዝሙር ኣብ ምኽታትል ብክልተ ልቢ ክንነብር ኣይከኣልን ኢዩ። እቲ ምኽሪ ከኣ “ንገንዘብን ንኣምላኽን ከተገልግሉ ኣይትኽእሎን” ኢኹም ይብለና፣ ንሕና ከኣ ናይ ዓለም ነገራት (ተግባራት) እናገበርና ናይ ክርስቶስ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና።

          ንምዃኑ ከኣ ናይ ዓለም ተግባራት ክንብል እንከሎና እንታይ ማለትና ኢና? ኣየናይ ተግባረ ስጋ ኢዩ ናይ ዓለም ተግባር ዝበሃል? ናይ ዓለም ተግባራት ብሓቂ’ከ ካብ ክርስቶስ ይፈልየና ‘ዶ? ዘስዕበልና ናይ ሞት ናይ ኩነኔ ፍርዲኸ ኣሎና’ዶ? እስኪ ቅ.ጳውሎስ ንሰብ ሮሜን ንሰብ ቆላሴን ዝበሎም ነስተንትና። “ነቲ ስጋዊ ስምዒትኩም፣ ማለት ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስሰዐ፡ ቅተሉ።”(ቆላ.3፡ 5)። ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ እዞም ዝጠቐሶም 6 ነጥብታት ኣስተውዓልና እንተ ኣስተንተናዮም፣ ኣስማት ናይ ዝሙት ኢያቶም። ስለዚ እዞም ርኽሰታት አዚኣቶም መርዚ መንፈሳዊ ህይወትና ኮይኖም ከይቀተሉና ከለዉ፣ ንሕና ቀዲምና ካብ ህይወትና ክንቀትሎም ይጽውዓና።

 ከምኡ ውን ኣብ (ሮሜ.1፡ 18-ፍጻሜ) ምስ እነንብብ ቅዱስ ጳውሎስ፣ አዚ ስጋዊ ዝኾነ ርኽሰት ንመንፈሳዊ ህይወትና ኣጸልሚቱ ከም ዘዕውረናን፣ ንእምላኽ ከም ዘይንርኢ ጌሩ ብደውና ከሎና ሞት ጼርና ኣንጉዓዝ ዝቀሳቀሱ ሬታታት ከምዝገብረና፣ ኣኺቢዱ የረድእና። ብሓቂ ሎሚ ኣብዚ ናይ ርኽሰት ዓለም፣ ከም መጠን ደቀመዛሙርቲ ኢየሱስ እንልለየሉን ንክርስቶስ እንስዕበሉን ኩነት እንተሎ ሕይወት ንጽሕና ኢዩ። በዘይ ንጹሕ ዝኽዕነ ህይወትን ኣእምሮን ንኣምላኽ ክንፈልጦን ደቀመዛሙርቱ ክንከውንን ዘይከኣልን ዘይሕዘብን ኢዩ። ስለዚ እምበኣት ኣብዚ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፎ ጠቕሲ(ሮሜ.1፡ 18-ፍጻሜ) እዚ እንምልከቶ፣ ደቂ ሰባት ነቲ ሰብኣዊ ክብሮም ገዲፎም ናብቲ ዘጸይፍን ዘነውርን፣ ኢሞራላዊ፣ ካብ ስነ ምግባርን ካብ ባህሪ ወድሰብን ወጻኢ ዝኮነ ተግባር ስጋ ኪፍጽሙ ንርእዮም። እግዚኣብሔር ከኣ ኣብዚ ዘጸይፍ ተግባራት ኪወድቕ ንድኹም ሕልና ኣሕሊፉ ሃቦም። ንሕና ግና እዞም ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣት ሓራ ዝወጻእና፣ ተመሊስና ኣብዚ ድኹም ተግባር ስጋ ወዲቕና ክንነብር ዘሕዝን ኢዩ።

ብኣንጻሩ እኳደኣ ኩሉ ናብራና ንወንጌል ዝምስክር ኪኸውን ኣለዎ፣ “እምበኣርስ ኣሕዋተይ፣ ከም ፍቓድ ስጋ ክንነብር ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኮናን። ከም ፍቓድ ስጋ እንተነበርኩም ክትሞቱ ኢኹም። ነቲ ተግባራት ስጋ ብመንፈስ እንተ ቀተልክምዎ ግና ብሕይወት ክትነብሩ ኢኹም…” (ሮሜ. 8፡12-17)። ከምቲ ኣቀዲመ ዘመልከትክዎ ሓደ ሰብ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኮነ ተግባር ስጋ ምስ ዝፍጽም ነቲ ናብ ክርስቶስ ዝተለወጠ ሕይወት የርክሶ። ካብ ማሕደር ክርስቶስ ምዃን ወጺኡ ከኣ ማዕከን ሓጢኣት ይኸውን፣ ነዚ ኮንቱ ዝኮነ ተግባረ ስጋ ኣዕሚቝና ምስ እንምልከቶ፣ ነዚ ብክርስቶስ ዝተዋህበና ጸጋ ድሕነት ኣጥፊእና፣ ናብቲ ቅድመ ድሕነት ዝነበረ ሕይወት ወድሰብ ምምላስ ማለት ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ሕይወት ዘሎ ሰብ ከኣ ድሒነ ኢየ ክብል ኣይደፍርን ኢዩ። ምኽንያቱ ነቲ ሓድሽ ሕይወት ኪነብሮ ስለዘይፈተነ፣ ክሳብ ዝነብሮ ከኣ ኣብ ድነ ጸልማት ኢዩ ዘሎ። እዚ ጸልማት እዚ ከኣ ናይ ልቢ ጸልማት ኢዩ። ከም ኣበሃህላ ወንጌል ከኣ ዕውረት ልቢ ኢዩ። ዝሙት ከኣ ዕውረት ልቢ የስዕብ፣ ታሪኽ ከምዝምስክሮ ክንደይ ዓበይቲ ሰባት ነጋውስ መራሕትን ብዝሙት ሕይወቶምን ክብሮምን ሃገሮምን ዘየጥፍኡ። ናብራ ዝሙት ጸልማት ኢዩ፣ ኣብ ዝሙት ዘሎ ከኣ ኣብ ጸልማት ኢዩ ዘሎ፣ ኣብ ቅድሚኡ ብርሃን ዝብልዎ የልቦን። እቲ ኣብ ብርሃን ኮንካ ዝፍጸም ግብረ ሰናይን፣ ባሕርያዊ ሕግን፣ ፍቕሪ ብጻይን ቦታ የብሉን። ኣብ ዝሙት ዝነብር ሰብ ሓቅን ርትዕን ፍርሓትን ዝበሃል የብሉን። ምኽንያቱ እቲ ሚዛን ወድሰብ ዝኮነት ሕልና ስለ ዝዓረበ። ዝሙት ሓጢኣት ኢዩ፣ ሓጢኣት ከኣ ናብራ ጸልማት ኢዩ፣ ጸልማት ከኣ ኣንጻር ብርሃን ኢዩ፣ ብርሃን ከኣ ክርስቶስ ኢዩ፣ “ኣነ ብርሃን ዓለም ኢየ!” ይብለና ክርስቶስ ባዕሉ። ስለዚ ዝሙት ሓጢኣት ኢዩ፣ ሓጢኣት ከኣ ኣንጻር ድላይካን ሕልናኻን፣ ሕጊ ኣምላኽካን እናነበርካ ካብ ኣምላኽ ርሒቕካ ኣብ ግብ ዝበለ ጸልማት ምንባር ማለት ኢዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!

መበል 20 ትምህርቲ

“ኣነ እንተዘይሓጸብኩኻስ ምሳይ ግደ የብልካን” (ዮሓ.13፡1-20)

            ክርስቶስ ነቲ ዘምጽኦ ስማያዊ ተልእኮ ድሕነት ደቂሰባት ብተኣማንነትን እምነትን ድሕሪ ፈጺሙ፣ ጉዕዝኡን ሃንቀውታኡን ናብ ፈነወ ይኸውን። ቅ.ዮሓንስ ከኣ ነቲ ናይ ምፍናው ጸሎታትካ ትምህርትን ኣጸቢቁ የተኹረሉ። ኣብዛ ኣልዒልናያ ዘሎና ምዕራፍ ከኣ ናይ ፈነወ ስርዓት ብፍልይ ዝበለ መንገድን ርድኢትን ትርጉምን ስርዓትን ይፍጽም፣ ቅ. ዮሓንስ ከኣ ብጽቡቕ ሓሳባት ገቢሩ ከኣ ወቂጥዎ ኣሎ፣ እዛ ምዕራፍ እዚኣ ከኣ ምንጭን መዓሙቕን ተልእኾ ክርስቶስን። ኣገልግሎት ሓዋርያትን እንታይን ከመይ ከም ዝመስል ዘረድእን ሰነድ ኢዩ፣ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ትሕትናን ተልእኮን ክርስቶስ ካብ ካልኦት ጽሑፋት ግልጺ ኮይኑ ንረኽቦ፣

         ቅ.ዮሓንስ ከምዚ ይብል “ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ። ናብ ኣምላኽውን ከም ዚኸይድ ፈሊጡ። ካብ ድራር ተንሲኡ ክዳውንቱ ኣንበረ። ዓለባ ኣልዒሉ ተዓጥቀ። ሽዑ ማይ ኣብ ሒላብ ኣዕሪቑ ኣእጋር ደቂ መዛሙርቱ ኪሓጽብን በቲ ዝተዓጥቆ ዓለባ ገይሩ ኪደርዝን ጀመር፣”  እቲ መድኃኒ ዓለም። እቲ ገባር ተኣምር እቲ ጐይታ ጐይቶት። ኣእጋር ናይቶም ኪስዕብዎ ባዕሉ ዝሓረዮም ኪሓጽብ ጀመረ፣ እቲ ፈጣሪ ፍጡር ምዃን ከይኣኽሎስ። እቲ መሎኮት። ስጋ ሰብ ምልባስ ከይኣኽሎስ። ናይ ፍጡራቱ ኣገልጋሊ ኣገልግልት ይኸውን፣ ኣብ ኣገልግሎት ትሕትና ይጽመድ፣ እቲ ጐይታ ስራሕ ጊላዋ ይሰርሕ፣ ካብ ተገልጋሊ ኣገልጋሊ ምዃን ይመርጽ፣ ነዚ ዝረኣየ ሓለቓ ሓዋርያት ጴጥሮስ ንስራሕ ክርስቶስ ብገርህነት ኪቕበሎ ኣይከኣለን። ኣይክትሓጽበንን ኢኻ ብምባል ኣሻፈረይ ይብል፣ እንታይከ ከምኡ ዘየብል ኣለዎ፨ እቲ መምህሩ። እቲ ጐይታኡ። እቲ መድሓኒኡ ኣብ ትሕቲኡ ተምበርኪኹ ኣእጋሩ ኪሓጽቦ ከመይ ገቢሩ ከፍቅድ፨ እንተኮነ ግና ሓሳብ ክርስቶስን ሓሳብ ጴጥሮስን በበይኖም ኢዮም ዝነበሩ፣ ስለዚ ከኣ ክርስቶስ ዓይኑ ከይሓሰየ ጽንኩር ቆራጽ ዝኮነ መልሲ ኣስመዖ “…ምሳይ ግደ የብልካን” “ምሳይ ክፍሊ የብልካን” “ምሳይ ርስቲ ይብልካን” ኪድ ንድሕሪት ተመለስ፣ ስለምንታይ ግን ክንድዚ ዝኸውን ተግሳጽ፨ ኣይከብርን ስለ ዝበለ ድዩ፨ ኣይኮነን እቲ ምስጢር። ነቲ ምስጢር ጐይታኡ። ነቲ ዕላማ መድሓኒኡ። ድሌትን ሓሳብን መድሓኒኡ ስለዘይተቐበለን ስለዝተቛወመን ኢዩ፣

         ክርስቶስ እዚ ካብ ጴጥሮስ ዝገጠሞ ተቋውሞ። ብዙሕ ግዜ ንሕናውን ንደግሞ ኢና፣ ክርስቶስ ብምስጢር ጸዊዑ ብምስጢር ክንነብር ምስ ደለየና። ኣባና ምስጢራዊ ነገራት ኪፍጽም ምስ ዝሓተና። ምስ ቀረበልና ብዙሕ ግዜ ከም ቅ.ጴጥሮስ ኮይና ንቃወሞ። እንቢ ንብል ስለምንታይ። ንዓና ቅኑዕን ሓቀኛን ኮይኑ ስለ ዘይተረድኣና ከም ግጉይ ወሲድና እምቢ ንብል፣ መደብን ሓሳብን ክርስቶስ ግና ካልእ ኢዩ ዝኸውን፣ እቲ ሽዑ ዝወሃበና መልሲ ከኣ “ምሳይ ክፍሊ የብልካን” ኢዩ፣ ካበየናይ ኢኻ’ኸ ክፍሊ ዘይብልካ። ካብቲ ንዓለም መኒንካ ዘሎኻ ገዲፍካ ዝመረጽካዮ ሕይወት ክፍሊ የብልካን። እጃም የብልካን ኣባል ኣይኮንካን። ንኮንቱ ኢኻ ስዒብካኒ ሕጂ ግና ኪድ ንድሕሪት ተመለስ፣ እዚ ከኣ እንተዘይትሒትካ። ኣገልጋሊ ኣገልገልቲ ክትከውን እንተዘይ ተዓጢቕካ ዓስቢ የብልካን፣ “እንተዘይ ተመለስኩ ከም ሕጻናት እንተዘይኮንኩም ናብ መንግስተ ሰማይት ከቶ ከም ዘይትኣትዉ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” ኢዩ እቲ ምክሪ፣

ሕጻን ምዃን እንታይ ማለት ኢዩ፨ ሕጻን ወትሩ ግዜ ትሑት። ተኣዛዚ። ሰማዒ። ተላኣኺ። እሺ በሃሊ። ርእሱ ኣቕኒዑ ዘይርኢ። ሓፋር። ፈራህ። ምዃን ማለት ኢዩ፣ እቲ ዘገርም ቅ.ጴጥሮስ ነዚ ናይ መምህሩ ተግሳጽ ሰጊሩ ናቱ ስጉምቲ ኪወስድ ኣይከኣለን፣ ብቓላት መምህሩ ሪዒሙ ኢዱ ሂቡ። እቲ ዝተሓተተ ኪፍጽሞ ይርከብ፣ እዚ ከኣ ኣብ ጉዕዞ ሕይወትካ ኣብ ሓሳባትካ ጽኒዕካን ነቂጽካን ዘይምንባር ይምህረና፣

ሕጽበት እግሪ።- ሕጽበት እግሪ እንታይ ኢዩ ትርጉሙ፨ እግሪ እቲ ዝተሓተን እቲ ዝረስሐን ኣካል ናይ ደቂ ሰባት ኢዩ፣ ኣብ ጥቓ መሬት ብምርካቡ ከኣ ሓውሲ መሬት ኢዩ(ኩሉ ግዜ ደሮና። ጭቃ ኣለዎ)፣ ክርስቶስ ንኣእጋር ኣርድእቱ ብምሕጻቡ ከኣ ማዕረ ክንደይ ኪትሓተ። በዚ ከኣ ነቲ ተኸታሊኡ ዝኮነ ምስሌነኡ ጴጥሮስ ማዕረ ክንደይ ኪትሕትን ኪእዘዝን ከም ዘለዎ ዘረጋግጽ ሓቂ ኢዩ፣ እዚ ዝፈጸሞ ምስጢር ኣገልግሎት ኣገልገልቲ። ምስጢር ኮይኑ ከይተርፍ ምስጢሩ ኪገልጸሎም ከምዚ ኪብሎም ጀመረ “ እዚ ዝገበርኩልኩምሲ ኣስተውዒልኩምዎ’ ዶ ኣሎኹም፨ ንስኻትኩም ‘መምህር! ጐይታ!’ ኢልኩም ትጽውዑኒ፦ ከምኡ ስለ ዝኾንኩ ከኣ ጽቡቕ በልኩኹም፣ ኣነ ጐይታን መምህርን ከሎኹ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩ ንስኻትኩም ውን ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሓጽቡ ይግባኣኩም ኢዩ፣ ከምቲ ኣነ ንኣኻትኩም ዝገበርኩዎ ንስኻትኩም ውን ከምኡ ክትገብሩ ኣርኣያ ሂበኩም ኣሎኹ፣ ጊላ ካብ ጐይታኡ ልኡኽ’ውን ካብ ለኣኺኡ ከምዘይበልጽ። ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፣” ከምዚ እንሰምዖ ዘሎና ክርስቶስ ምስጢር ሕጽበት እግሪ ገሊጽዎ ኣሎ፣ እምበኣር ዝኸበርካ ናይ ክርስቶስ ተኸታሊ ኣገልጋሊ ኣገልገልቲ ክርስቶስ ንምዃን ካብ መረጽካ ዕጫኻ ዕጫ ጴጥሮስ ኢዩ፣ ዕጫኻ ዕጫ ክርስቶስ ኢዩ፣ ትሕት ምባል ተመሃር። ናይቶም ከተገልግሎም ዝጸዋዓካ ኣገልጋሊ ምዃንካ ኣይትረስዕ፣ ንክርስቶስ ከተገልግል ካብ ተጸዋዕካ ከምቲ ክርስቶስ ንዓኻ ዘገልገለካ ንስኻ’ውን እሙን ኣገልጋሊ ኩን፣ ኣእጋር ብጾትካ ብምሕጻብ ክሳብ እትበጽሕ ትሕት በል፣ ካብ መምህሩ ዝዓቢ ተማሃራይ ካብ ጐይታኡ ዝዓቢ ጊላዋ የልቦን። እሞ ከም ጐይታኻ ምሰል ኣብ ሕይወት ትሕትና ዕበ፣ ከምቲ ቅ.ጴጥሮስ ንምስጢር ሕጽበተ እግሪ ከይተረድኦ። ንመድኃኒኡ ዝተቓወሞ። ንስኻ’ውን ብዙሕ ግዜ ንሓለቓኻ። መድኃኒኻ። ንምስጢራዊ ጸዋዕታኻ ከም እትቃወሞ ኣይትረስዕ፣ ይኹን እምበር እቲ መልሲ ከኣ “ክፍሊ” “ግደ” የብልካን ኢዩ፣ ነዚ ዝተረደአ ጴጥሮስ ስድሪ ኣይሰጐመን ተቓውሞኡ ኣይቀጸለን። እቲ ፍርዲ ናብቲ መድኃኒኡ ገዲፉ ከም ፍቓድ መድኃኒኡ ኪመላለስ ገዛእ ርእሱ ኣወፈየ፣ ንስኻ ከኣ ነቲ ቅኑዕ ኮይኑ ዘይተሰምዓካ ኣገልግሎት ኣገልገልቲ ኣብ እትሕተተሉን እትእዘዘሉን ብእምነት ንሓለቓኻን ነቲ መድኃኒኻን ግደፈሉ፣

ብድምጺ ንምክትታል!

 

መበል 21 ትምህርቲ

“ኣነ መንገድን ሓቅን ሕይወትን ኢየ!” (ዮሓ. 14፡1-14)

       ብዙሕ ግዜ ኢየሱስ ንሓዋርያቱን ንሰማዕቱን ነተን ኣገደስትን ወሰንትን ዝኮና ኣብ ሕይወት ወድሰብ፣ ባዕሉ “ኣነ ኢየ” እናበለ፣ ንሱ ወናንን ብዓል ቤትን ምዃኑ ይናገር። ንኣብነት፦ ኣነ ብርሃን ዓለም ኢየ፣ ኣነ ሕያዋይ ጓሳ ኢየ፣ ኣነ ሓቀይና ጉንዲ ወይኒ ኢየ፣ ኣነ ሕይወት ዘለዓለም ኢየ፣… ወዘተ እናበለ ይናገር። ንሓዋርያቱ ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ መንገዱ ትፈልጥዎ ኢኹም ምስ በሎም፣ ቶማስ ግና ነገሩ ስጊንጢር ኮይንዎ፣ ናበይ ከም እትኸይድ ዘይፈለጥናስ ነቲ መንገዲ ደኣ ከመይ ገቢርና ክንፈልጦ? ከም ርድኢት ቶማስ፣ ንምብራቕ ዲኻ ንቤተልሔም፣ ናበይ ከምእትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና፣ ከመይ ገቢርና ድኣ ነቲ ጐደና ነቲ መንገዲ ክንፈልጦ፣ “ጐይታይ ናበይ ከምእትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና”፣  እቲ መልሲ፣ ሕይወትካ ምስጢር ኢዩ፣ ኩሉ ግብርኻ’ውን ምስጢር ኢዩ፣ እቲ መንገድኻ’ውን ምስጢር ኢዩ፣  ኩሉ ሕይወትካ ከኣ ምስጢር ናይ ምስጢር ኮይኑና ኣሎ። ናበይ ከም እትኸይድ እንተንፈልጥ፣ መንገድኻን መበገሲኡን፣ መዕረፊኻን ምፈለጥናዮ፣ ንዓና ግና እዚ ኩሉ ምስጢር ኢዩ ኮይኑና ዘሎ።

          ሕጂ’ውን ኢየሱስ ምስጢር ኣብ ርእሲ ምስጢር ዝመስል፣ ንዝርዳእን ንዘስተውዕልን ግና ግልጺ ዝኮነ ሓበሬታ ኢዩ። እቲ ንዓኻ ጠፊኡካ ዘሎ መንገዲ፣ እት ተሰዊሩካ ዘሎ ሓቂ፣ እቲ ምስጢር ኮይኑካ ዘሎ ሕይወት ንሱ ኣነ ኢየ። “መንገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ ኢየ።” መንገዲ እንታይ ኢዩ? መንገዲ ጐደና፣ መራሒ፣ ኣንፈት፣ መመላለሲ፣ ጉዕዞ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ዝወስድ፣ ካብ ሓደ ናብ ሓደ ዘብጽሕ፣ ናይ ጉዕዞ ኣንፈት፣ ናብ ዕላማ ዘብጽሕ ኢዩ። እምበኣርከስ እዚ ኩሉ ኣነ ኢየ። ኣነ ናይ ሕይወትካ መንገዲ፣ ኣነ ናይ ዕላማኻ መንገዲ፣ ኣነ ናይ መትከልካ መንገዲ፣ ኣነ ናይ ጸዋዕታኻ መንገዲ፣ ኣነ ናይ ናጽነትካን ድሌታትካን ምርጫኻን ፍልጠትካን መንገዲ፣ ኣነ ናይ ተስፋኻን ፍቕርኻን እምነትካን መንገዲ፣ ኣነ ናይ ኩሉ መንገድኻ ኢየ። እሞ ኣነ መንገዲ ካብ ኮንኩ ካልእ መንገዲ የልቦን። እወ ናይዚ ክቡር ወድሰብ ናይዚ ብመስቀል ዝደሓነ ወድ ኣዳም መንገዱ ኣነ ኢየ።

          ሓቂ እንታይ ኢዩ? ሓቂ ብቛንቋ ደቂ ሰባት ኪግለጽ ዘይከኣል መሎኾታዊ ምስጢር ኢዩ። ሓቂ ከኣ እግዚኣብሔር ጥራሕ ኢዩ። ወድሰብ ከኣ ነዚ ሓቀያና ኣምላኽ ኪረክብ ዓንዘር ኪብል ዝነብር ፍጡር ኢዩ። ስለዚ ሓቅን ናይ ሓቂ ምንጭን ባዕሉ ጐይታ ኢ. ክርስቶስ “ኣነ ሓቂ” ኢየ እናበለ የሰመዓልካ ኣሎ። ስለዚ ከይትደናገር ተጠንቀቕ። ንሓቂ ከኣ ኣብ ፍጡራት ሃሰስ ከይትብላ። ባዕሉ ኣነ ሓቂ ኢየ እብለካ ኣሎ፣ እምበኣር ኩሉ ጉዕዞኻ ኩሉ ድሌትካ ኩሉ ሃረርታኻ። ናብ ሓቂ ዝኮነ ክርስቶስ ምብጻሕ ኪኸውን ኣለዎ። ድምጺ ድያብሎስን ዓለምን ሰሚዕካ ንሓቂ ናብቶም ንሶም ዘመልክቱልካ ነገራት ክትረክባ ኢልካ ሃሰስ ከይትብላ። ነቲ ንሳቶም ዝብልዎ ከይትኣምኖ ኣስተውዕልን። ብሓቂ እቲ ሓቂ ክርስቶስ ጥራሕ ኢዩ። ንሓቂ ከኣ ኣብኡ ኢካ ትረኽባ። ንሓቂ ክትረኽባን ክትለብሳን ከኣ ነቲ ሓቀይና ክርስቶስ ምስ እትለብሶን፣ ንዓኡ ጥራሕ ምስ እትፈልጥን ጥራሕ ኢኻ። ሓቂ ከኣ ኣብ ሓቀይና ክርስቶስ ምስ ሓቀይና ክርስቶስ ብሓቀይና ክርስቶስ ንሓቀይና ክርስቶስ ትረኽባ። ሓቂ ናይ ሕይወትካ ከኣ ንሱ ጥራሕ ኢዩ።

          ሕይወት’ከ እንታይ ኢዩ፦ ሕይወት ዝዓቢ፣ ዝኣርግ፣ ዝልወጥ፣ ዝቕየር፣ ኣብ መጨረሽታ ከኣ ዝመውት… ኢዩ። ሕይወት ዘለዎን ሕይወት ዝህብን ከኣ ሓደ እግዚኣብሔር ጥራሕ ኢዩ። ወድሰብ ከኣ ነዛ ዝተዋህበቶ ሕይወት ክፈልጥ ከጽንዕን ኪመራመርን ከመሓላለፍን፣ ንሕይወቱ ኪፍትሽን ዝነብር ፍጡር ኢዩ። ምስጢር ናይ ሕይወቱ ግና ወትሩ ግዜ ምስጢር ናይ ምስጢር ኮይንዎ ኢዩ ዝነብር ዘሎ። እምበኣር ክርስቶስ እዚ “ምስጢር ናይ ሕይወት ኣነ ኢየ” እናበለ የረጋግጸልካ ኣሎ። “ኣነ ሕይወት ኢየ” ኣብ ሕይወትካ ከኣ ምስጢር ናይ ሕይወትካ ከም እትወልድን እትዓብን እትልወጥን እትመውትን፣ ንዘለዓለም ከም እትሰጋገር ዝገብረካ ኣነ እየ ሕይወትካ፣ ኣነ ኢየ እስትንፋስካ፣ ኣነ ኢየ ምንጪ ሓሳባትካ፣ ኣነ ኢየ ነባሪት ዝገብራ ንሕይወትካ፣ ኣነ ኢየ ናይ ዘለዓለም ሕይወት። እቲ ድሕሪ ሞት ሃረር እትብሎ ሕይወት ኣነ ኢየ። እቲ ክትቅደስ ሃረር እትብሎ ሕይወት ኣነ ኢየ። ኣነ ነቲ ንሕይወትካ ዘድሊ ናይ ሕይወት ሕይወት ኣነ ኢየ። ዝኸበርካ ፍቁር ወደይ ከምዚ ዝረኣካዮ ምንጭን ምንጪ ሕይወት ወድሰብ ኣነ ስለዝኮነኩ “ብዘይብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።” ኣነ ኢየ ናይ ወድሰብ “መንገድን ሓቅን ሕይወትን”።

          ከምዚ ይብል እቲ ጐይታ፦ እንተኮነ ግን እዚ ኩሉ ኣነ ምኳነይ ኣይፈለጥኩምን ኣለኹም። ነቦ ‘ውን ኣይፈለጥኩምዎን። “ንዓይ እንተትፈልጡ ነቦ’ውን ምፈለጥክምዎ ነይርኩም፣” ሕጂ ግና ንኩሉ ምስጢር ባዕለይ ስለ ዝገለጽኩልኩም። “ነቦ ፈሊጥኩሞን ርኢኹሞን ኣሎኹም” በሎም ነዚ ዝሰምዐ ፊሊጶስ ሓዋርያ ደጊሙ እቲ ምስጢራዊ ክርስቶስ ምስጢሩ ከም ዘይተረድኦ ከመልክት። “ጐይታይ! ነኣቦ ድኣ ኣርእየና እምበር ይኣኽለና” በሎ። ክርስቶስ ካብዚ ናይ ፊሊጶስ ሕቶ ተበጊሱ እምነቶምን ፍልጠቶምን። ነቲ ምስጢራዊ ተስብእቱን መሎኾታዊ ምስጢሩን ከም ዘይተረድኦም ኣስተውዒሉ፣ “እቲ ንዓይ ዝረኣየ ነቦ ረኣየ” በሎም፣ እቲ ዘገርም ግና “እዚ ክንድዚ ዝኣክል ግዜ ምሳካትኩም ኪቕመጥ ኣይፈለጥካንን?” ክርስቶስ ከኣ ብዘይ ምስትውዓሎም ብዙሕ ዝተገረመ ይመስል።

ክንድዚ ዝኣክል ግዜ ክብል እንከሎ እንታይ ማለት ኢዩ?

ፊሊጶስ ንዓይ ክትክተል፣ ወደመዝሙረይ ክትከውን ኣሰረይ ክትስዕብ፣ ቃለይን ግብረይን ክትምልከት፣ ዓለምን ናብራ ዓለምን ሓዲግካ፣ ስድራኻን ፈተውትኻን ገዲፍካ፣ ትእምርትን ተኣምራትን ዝረአኻ፣ ነዚ ኩሉ ልብኻ ኣየስተውዕልን ድዩ ነይሩ? እንታይ ርኢኻ ድኣ ክትስዕበኒ ጸኒሕካ? ገና መን ምዃነይን፣ ካበይ ከምዝመጻእኩን፣ ናበይ ከምዝኸይድን ክሳብ ሕጂ ዘይምፍላጥካ ተሕዝነኒ። እዚ ኩሉ ምሳይ ኮይንካ ዝረኣካዮ ሕይወት ኣይስቈረካን ዲዩ ጸኒሑ? ምሳይ ዜርካ፣ ምሳይ በሊዕካ፣ ምሳይ ደቂስካ፣ ትምህርተይን፡ ተግሳጸይን፡ ምሕረተይን ፍቕረይን እምነተይን እዚ ኩሉ ርኢኻስ ገና ኣይፈለጥካንን ማለት ድዩ?

ዝኸበርካ ፍቁር ሓወይ፥ ንዓይ ንዓኻ እዚ ንፊሊጶስ ዝተባህሎ ከይበሃለና ክንፈርሕ ኣሎና፣ ንዓና’ውን ከምዚ ኪብለና ይኽእል ኢዩ፣ ንስኻ ብስመይ ዝተጠመቕካ፣ ብደመይ ዝነጻሕካ፣ ብስጋይ ዝተቐደስካ፣ ብሞተይ ዝተወለድካ፣ ብትንሳኤይ ካብ ጸልማት ናብ ሓድሽ ሕይወት ዝተሳገርካ፣ ስጋይን ደመይን ዝተመገብካ፣ …ክሳብ ሎሚ ኣይፈለጥካንን፣ ኣይጠዓምካንን፣ ኣይሰዓብካንን፣ ኣይተለወጥካን?

እምበኣር ፍቁር ሓወይ ክርስቶስ ናይ ሕይወትካ “መንገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ ኢየ” ይብለካ ኣሎ’ሞ ንኩሉ ገዲፍካ ኣብኡ ኣብ ክርስቶስ ተወከል። ብክርስቶስ ንበር ኣብ ክርስቶስ ውን ተመላለስ።

ንመበል 21 ትምህርቲ ብድምጺ ንምክትታል!

 

ንኽርስቶስ ምስዓብ

መበል 22 ትምህርቲ

“ዝኮነ ነገር ንምግባር ብቕዓት ዝሃበና ኣምላኽ ኢዩ እምበር፥
ካብ ገዛእ ርእስና ዘምጻእናዮ ብቕዓት የብልናን።” (2ቆሮ. 3:5-6)

እዛ ጥቕሲ እዚኣ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ ዝበላ ኢያ። ቅዱስ ጳውሎስ ከም ናይ ክርስቶስ እሙን ኣገልጋሊ ኮይኑ፣ በቲ ስለ ፍቕሪ ክርስቶስ ኢሉ ዝቕበሎ ዝነበረ ሓሳረ መከራን ውርደትን ተስፋ ከይቆረጸ፣ በቲ ኣብ ጸጽባሕ ዘሰንዮ ዝነበረ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ካብ መስመሩ ከይወጸ፣ ኣብቲ ብክርስቶስ ዝተዋህቦ ቃል ኣገልግሎት ጸኒዑ፣ እሙን ባርያ ክርስቶስ ብምዃን፣ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ዝገብሮ ዝነበረ ፍሉይ ሕይወትን ዘደንቕ ነገራትን እናኣመነ፣ ምንጩን ሕመረቱን ግና ናይቲ ወሃቢ ኣገልግሎት ከምዃኑ ተደናጊሩን ኣደናጊሩን ኣይፈልጥን። እቲ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ዝገብሮ ዝነበረን ዝነብሮ ዝነበረ ሕይወቱን ደጋጊሙ ናይ ኣምላኽ ኢድን ህያብ ኣምላኽን ምዃኑ ከእምኖም ይጽዕር። ዕላማኡ ከኣ በቲ ፍሉይነት ሕይወቱን ተግባሩን ኣብኡ ተሓጺሮም ከይተርፉ ኢዩ። ብኣኡ ገቢሮም ናብቲ ምንጪ ኩሉ ነገር ዝኮነ መድኃኒ ዓለም ዝኾነ ክርስቶስ ኪሓልፉ ዝዕድም ኢዩ። በቲ ሓደ ከኣ ናይ ክርስቶስ ንምዃንን ስራሕ ጽድቂ ንምፍጻምን ኣብ እምነት ክርስቶስ ተመስሪትካ ዝፍጸም ምዃኑ ዘረድእ ኢዩ።

            እዚ ሓሳብ ቅ.ጳውሎስ፣ ካህን ወይ ኣገልጋሊ ቃል ኣምላኽ ዝኮነ ሰብን፣ ነቶም ንሱ ዘገልግሎም ሕዝብን ኣብ መንጐኦም ዘሎ ርክብን ምትእስሳርን ግልጺ ዝገብር ኢዩ። ወደ መዝሙር ኣገልጋሊ ቃል ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን፣ በቲ ዘገልግሎ መሎኾታዊ ቃል፣ ፍሉይን ዓይነተኛ ሕይወትን ተግባርን ኪገብርን ኪነብርን ከምዝኽእልን ከምዝግባኦን ከመልክት እንከሎ፣ በቲ ሓደ መዳይ ከኣ እቲ ኣገልጋሊ ቃል ኣምላኽ በቲ ዝነብሮን ዝገብሮን ፍሉይነት፣ ኣብ ገዛእ ርእሱ ከይምርኮስን ምስ ገዛእ ርእሱ ከየተኣሳስሮን ዘጠንቅቕ ኢዩ። ከምኡ ከኣ ነቶም እተገልግሎም ሕዝቢ ካብቲ ንስኻ እትገብሮን ኣባኻ ዘሎ ሓይልን ተበጊሶም ነቲ ምሳኻ ዝገብርዎ ርክብን፣ ነቲ ኣባኻ ዘሎዎም ተኣማንነትን ዘይመልክዑን ዘይገጻቱን ከየልብስዎ፣ ብጌጋ ከይርድኦም ዝመኽረካ ኢዩ። እዚ ፍሉይነትካ ደሚቑ’ዶ ይርአ? ሰባት የለልዩኻ’ዶ? ንስኻ’ኸ ከምዚ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ንፍሉይነትካ ተረዲእካ መልሲ ክትህብ ምኸኣልካ’ዶ?. . . ወዘተ፣

            ቅዱስ ጳውሎስ ኣብዛ እነስተንና ዘሎና ጠቕሲ ቀጺሉ ከምዚ ይብል፣ “ናይታ ብፊደል ዝተጻሕፈት ሕጊ ዘይኮነስ፤ ናይታ ብመንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ሓድስ ኪዳን ኣገልገልቲ ክንከውን ብቑዓት ዝገበረና ኣምላኽ ኢዩ፣” ይብል። እምበኣር ኣግልግሎትና ኣግልግሎት መንፈስ ቅዱስ ኢዩ፣ መንፈስ ቅዱስ ከኣ፦ መንፈስ ሓቂ፡ መንፈስ ርትዒ፡ መንፈስ ጽድቂ ኢዩ። ንሕና ከኣ ናይዚ ሕይወት ዝህብ መንፈስ ቅዱስ ኣገልገልቲ ኢና። ኣግልግሎትና ከኣ የግዲ ኢዩ ፍሉይነት ኪህልዎ። ነቲ ንሕና እንገብሮ ኣገልግሎት ንሱ ኢዩ ብልዑል ቅልጽሙን፣ ብመሎኮታዊ ምስጢሩን ዘሰንዮ። ኣብ ቅድሚ እቲ ሕሩይ ወለዶ ኮይና ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ኮይና ከነገልግሎን ክንመላለስን ከኣ ኣገልግሎትናን ጸዋዕታናን ሓላፍነት የሰክመና። ኣገልግሎትና ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ሕሩይ ወለዶ በራዩ ባሮት ይገብረና። በራዩ ኣገልገልቲ ቃል ኣምላኽ ኢና፣ እቲ ንዓና ዝእዝዘና፡ ዘመሓድረና፡ ንጉስና ቃል ኣምላክ ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ከኣ ክርስቶስ ኢዩ። ክርስቶስ እምበኣር ንጉስና፡ ጐይታና፡ ኣምላኽና ኢዩ፣ “ንሕና ከኣ ብምኽንያት ክርስቶስ ገላውኹም ከምዝኮና ኣምበር፣ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ኣይኮናን ኣንሰብኽ” ይብል፣ (2ቆሮ. 4፡5) እንታይ ኢዩ ዝብል ዘሎ ቅ.ጳውሎስ? ኩሉ ግብርኹምን ቃልኩምን ትምኒትኩም ስብከትኩም ኣገልግሎትኩም ንገዛእ ርእስኩም ሓፍ ንምባል ዘይኮነስ፣ ንቃል ኣምላኽ ነቲ ምስጢር ድሕነት ምስባኽ ኢዩ ስራሕኩም ይብለና፣ “እምበኣርከስ ኣምላኽ ብምሕረቱ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ስለዝሃበና ተስፋ ኣይንቈርጽን ኢና። እኳ ደኣ ነቲ ሓቂ ኣብ ሕልና ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብግህዶ እናተዛረብና። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ርእስና ነማዕቁብ ኣሎና። እምበር ብተንኰል ኣይተመላለስናን፣ ንቃል ኣምላኽ ኣየጋገናን…” (2ቆሮ. 4፡1-3) ይብል። ዝኸበርካ ብክርስቶስ ኣገልጋሊ ቃል ኣምላኽ ክትከውን ዝተመረጽካ፣ እስኪ ነዚ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቃላት ብገዛእ ልሳንካ ካብ መዓሙቕ ልብኻ ባዕልኻ ክትደግሞ ፈትን፣ ናትካ ገቢርካ እስኪ ተዛረቦ፥

·        ነቲ ሓቂ ኣብ ሕልና ነፍሲ ወከፍ ሰብ’ዶ ብግህዶ ትዛረብዶ?

·        ነታ ሓቂ ኪፈልጥዋን ኪነብርዋን’ዶ ትምዕዶም?

·        እታ ከየቋረጹ ከናድይዋን ኪለብስዋን ዘለዎም ሓቂ ክርስቶስ ምዃና’ዶ ተበስሮም?

·        ወትሩ ግዜ’ዶ ንርእስኻ ኣብ ኣምላኽ ተምዕቁብ ኣሎኻ?

·        ገለ ነገር ናተይ ትብሎ ከምዘይብልካ’ዶ ትእመን ኣሎኻ?

·        ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብቕንዕና’ዶ ትመላለስ?

·        ንቃል ኣምላኽ ብቕንዕና’ዶ ትሰብኽ?

·        ኣገልግሎትካ ብእምነት’ዶ ትፍጽም?

 

            ዝኸበርካ እሙን ኣገልጋሊ ቃል ኣምላኽ፤ ከምኡ’ውን ኣገልጋሊ ብርሃን ኢኻ። ብርሃንካ ከኣ ባዕሉ ክርስቶስ ኢዩ፣ ኣብ ብርሃን ከኣ ጸልማት የልቦን፣ ብርሃን ከኣ ንኹሉ ጸልማት ዝቕንጥጥ ሓይሊ ኢዩ። ብርሃን ንኩሉ ክፍኣት ዝስዕርን ኣጉሊሑ ዘርእን ኢዩ። ንስኻ ከኣ ናይዚ ድሙቕ ብርሃን ኮኾብ ጽባሕ ዝኾነ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ኢኻ። ነዚ ብርሃን እዚ ከኣ ኣብ መንጎ እቲ ሕሩይ ወለዶ ደሚቑ ከምዝበርህ ግበር። ነዚ ብርሃን እዚ ዝቕበሉን። በዚ ብርሃን እዚ ዝመላለሱን ከኣ ደቂ ብርሃን፣ ወረስቲ ብርሃን ተባሂሎም ኪስመዮ ኢዮም። ንስኻ ከኣ ናይዚ ዓቢ ብርሃን፣ ንዓለም ምሉእ ዘብርህ ብርሃን ኣገልጋሊ ኢኻ። እንተኾነ ግና እዚ ኣቐዲሙ ኣባኻ፣ ኣብ መዓሙቕ ልብኻን ዕለታዊ ናብራኻን ብድምቀት ከም ዝበርህ ግበር።

“እዚ ብርሃን ከኣ ክብሪ ናይቲ ኣርኣያ ኣምላኽ ዝኾነ ክርስቶስ ኢዩ፣” (2ቆሮ. 4፡4) ኣናበለ ቅዱስ ጳውሎስ ምንጪ ብርሃን ስብከቱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ይገልጽ፣ እዚ ብርሃን እዚ ኣብ ሕይወቱ ኣብ ልቡ ከም ዝበርህ እንኪገልጽ ከኣ ከምዚ ይብል።” ነቲ ኣብ ገጽ ክርስቶስ ክብሪ ኣምላኽ ዘንጸባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኪህበና ኣብ ልብና ከም ዝበርህ ገበሮ።” (2ቆሮ. 4፡6) ይብል።

እምበኣር ከምዚ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ዘሎ፣ ክርስቶስ ሓቂ ኢዩ፡ ክርስቶስ ብርሃን ኢዩ፣ ክርስቶስ ኣምላኽ ኢዩ፡ ክርስቶስ ክቡር ኢዩ ክትብል ዝድርኸካን፣ ንኽትሰብኽ ዝዕድመካን ኣቲ ኣብ መዓሙቕ ልብኻ ተሓቲሙ ዘሎ ብርሃን ሓቂ ኢዩ። እምበኣር እቲ ኩሉ እትገብሮ ደኣ ናይ ድንቂ ነገራትን፣ ናይቲ ኣብ ልብኻ ዘሎ ብርሃን ክርስቶስ ኢዩ። ስለዚ ሓቁ ኢዩ ቅዱስ ጳውሎስ “ኩሉ እንገብሮ ካብናትና ኣይኮነን፣ ናይ ኣምላኽ ኢዩ” ዝብሎ፣ ነዚ ኣባኻ ዘሎ ሃብቲ ጸጋኡ ናትካ ከም ዘይኮነ ከረድእን ኪገልጽን ምስደለየ ከኣ ከምዚ ይብል፥ “ግናኸ እቲ ዓቢ ሓይሊ፣ ናይ ኣምላኽ እምበር ናትና ከም ዘይኮነ ምእንቲ ኪገሃድ እዚ ሃብቲ እዚ ኣባና ከም ኣብ ኣቕሓ መሬት ዝተቐመጠ ኢዩ።” (2ቆሮ. 4፡7)

ብድምጺ ንምክትታል!

 

 

22 September 2020, 23:00