ድለ

2018.08.25-26 ሓዋርያዊ ጉዕዞ ንሃገረ ኣየርላንድ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ኣብ ዳብሊን 2018.08.25-26 ሓዋርያዊ ጉዕዞ ንሃገረ ኣየርላንድ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ኣብ ዳብሊን 

ኣብ ከተማ ዳብሊን ሥድራቤታት ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እናተጸበዩ ኣብ ጉዕዞ ይርከቡ!

ኣብታ ንዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት እተስተነኣግድ ዘላ ከተማ ዳብሊን ናይ ሃገረ ኣየርላንድ ትጽቢት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ይበጽሕ ከምዘሎ እንክግለጽ ሎሚ ቅዱስነቶም ‘ሥድራቤትሲ ናይ ሕወትን ቤትትምህርቲ ሃንጐፋይ ኢልካ ምቅባልን ፍቅርን ማሕጸን እያ’ እንክብሉ ብትዊተር ዝገለጽዎ ሓጺር መልእኽቲ ኣዕጋቢ ከምዝነበረን ተገሊጹ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ከተማ ዳብሊን ኣብ’ዚ ሁመት’ዚ ናይ ሰሜናዊ ንፍቀ ክበብ ወርሓት ሓጋይ ኣብ እተስተማቅረሉን ነቲ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝጀምረ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ኣብ እተአንግደሉን ዘላ ግዜ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ በቲ ትዊተር ዝበሃል ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓጸርቲ መልእኽታት እተመሓላልፈሉ መጋበሪ ገሮም ‘ሥድራቤት ናይ ሕይወትን ምቅባል ቤትትምህርትን ፍቅርን መሕቆፊት እያ፣ እዚ ከኣ ሥድራቤት ምሥጢረ እግዚአብሔር ጋህ ኢሉ ንዓና ዝተራሕወ መስኮት ምዃኑ የረድኣና` እንክብሉ ሥድራቤት መግለጺ ፍቅሪ ቅድስት ሥላሴ ዝግለጸሉ መጋበሪ ምዃኑ ዝገለጽዎ ኣብቲ ብአሽሓት ዝቁጸሩ በጻሕትን መንፈሳውያን ነጋድያንን ዝርከብዎ ብጳጳሳትን ካህናቶምን ተሰንዮም ካብ ልዕሊ 116 ሃገራት ዝመጹ ሥድራቤታት ዝርከብዎ ጉባኤ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ዳብሊን ነቲ ብዕለት 25 ነሓሰ ኣብ መንጎኦም ክርከቡ ትጽቢት ንዝገርዎ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ብዓቢ ታሕጓስ ከምዝቅበልዎ ዝገልጽ ትጽቢት ምዃኑ ተገሊጹ።

ከተማ ዳብሊን ካብ ምንም ግዜ ንላዕሊ በዓል ተኽብር!

ነዚ ናይ ቅዱስነቶም ምብጻሕ ብዓቢ ሃንቀውታ ዝጽበዩ ነበርቲ ከተማ ዳብሊን በቲ ናይ ሕጻናት ታሕጓስን ናይ ዓበይቲ ጸሎትን ናይ ኣጓብዝ መዛሙርን ይግለጽ። ነቲ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ክፍጸም ንዘለዎ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ንምስንዳው በቲ ቅዱስነቶም ክሓልፍዎ ትጽቢት ዝግብረሉ ጎዳናታት ገና ብእዋኑ ባንደራታት ቅድስት መንበር ብምትካል እንከመላኽትዎ ኣብ ዝተፈላለየ ዞናታት ናይታ ከተማ እቲ ሓዋያዊ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ከይሰናኸል ብዙሓት ካቶሊካውያን መንእሰያትን ሰብ ጽቡቅ ድላይን ብወለንታኦም ውሕስነት ጸጥታ ንምርግጋጽ ተዓጢቆም ከምዘለው ይገልጹ። ከከም እምነትካ ስለዝኾነ ከኣ ብዙሓት ጽጉማት ሥድራቤታት ካብ ሃገረ ህንድን ኣህጉር ኣፍሪቃን ዝመጹ ሥድራቤታት ዝተፈላለየ ጸገምን ስንክልናን ዘለዎም ደቆም ሒዞም ንቅዱስነቶም ብዓቢ ሃንቀውታ ከምዝጽበዩ ይገልጹ። ነዚኦም ኩሎም መቀሊ ከኣ ቃል ኣምላኽ ኮይኑ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ርክባት ዝኾነ ኣብዚ እውን ነቲ ዕለት ዕለት ንሥድራቤታት ዘጓንፎም ጸገማትን ተመኲሮን ኩነት ሕይወትን ኣብ ግምት ዘእተወ ጉዕዞ ይፍጸም ከምዘሎ ካብ ቦታኡ ዝመጽእ ዜናታት የመልክቱ።

እግዚአብሔር ወትሩ ሓዲስ ሕይወት ንምሃብ ምስ ኣተስፈወ እዩ!

ናይ መንበረ ሊቀ ጵጵስና ኣርማግ ሊቀ ጳጳስን ኣቦ መንበር ረኪበ ጳጳሳትን ሃገረ ኣየርላንድን ብፁዕ ካርዲና ኤሞ ማርቲን ብዛዕባ እታ ድሕረሲኖዶሳዊት ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣሞሪስ ለቲስየ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እዛ መልእኽቲ እዚኣ ንሓዲስ ሕይወት ዝተዋህበት ኮይና ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ዓለምና ዳርጋ ብግሁድ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ምንጻል ጽንሲ ደው ብምባል ድምጾም ንዘስምዑ ዓለማውያን ብምጥቃስ ‘ኣነ በዛ ነፍሰይ ብዙሓት ዓለማውያን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባትዕዮን መብዛሕትኦም ኣቦታትን ኣደታትን ዝኾኑ ናትና ምእመናን ነቶም ክውለዱ እሞ ድምጺ ክህልዎም ዕድል ዘይረኸቡ ብምውካል ንሕና ድምጾም ኢና ብማለት ስንድውነቶም ዝገለጹ ብሓቂ ከምዝማረኹኒ እገልጽ’ እንክብሉ ነቶም ኣብ መኽፈቲ እዚ ርክብ እዚ ከቢቦሞም ዝነበሩ መንእሰያት ገሊጾም። ካብዚ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ኣብቶም ገና ዘይተወልዱ ጥራይ ዘይኮነ ዘሎና ዘመነ ሥልጣኔ ነቶም ኣብዚ ዘሎናዮ ኩነት ዘብጽሑና ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን እውን ንምጉሓፍ ይደናደን ስለዘሎ ተጻይ እዚ ምንቅስቃስ እዚ እቶም መንእሰያት እዚኦም እውን ናትና እዮም ብማለት ንብዙሓት ሽማግለታት ምሕቋፎም ብሓቂ ዝተሓሳስብ ኩነት ከምዝነበረ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ሓበሬታ የመልክት። እዚ ኩሉ ተእኻኺቡ ዘመልክቶ ከኣ ንጉዳይ ሕይወት ኩልና ብዕቱብነት ክንቃለሰሉ እዩ።

ክርስትያን ዘቦኡ ንጉዳይ ሕይወት ዝተላእከ ሓዋርያ እዩ!

ብፁዕ ካርዲናል ኣርማ ነቶም ምብጻሕ ቅዱስነቶም ብዓቢ ሃንቀውታ ዝጽበዩ መንእሰያት ብዛዕባ ህልው ኩነታት ምዕብልና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ዘመነ ኣምጸኦ ምዕብልና ብዘይምንም ጾታዊ ርክብ ሓደ ዕሸል ከወፊ ከምዝኽእል ብምእንፋት እዚ ግን እንተደኣ ሓዋርያት ሕይወት ኣብ ገዛውትና ንሥድራቤት እንከላከል እንተዀና ከምኡ እውን ኣብ ቊምስናታትናን ኣብ ናይ ሥራሕ ቦታትታትናን ንጉዳይ ሕይወት ንሕለቅ እንተዀና ምንም ኣይኮነን።እንክንሉ ቃሎም ምስ ሃቡ ነቶም መንእሰያት ክምህሩ ዝመጹ ካልእ ካርዲናል ናይ ኒዋርክ ሃገረ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ሊቀጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ጆሰፍ ቶቢን ኣብ ቀቅረብዎ ትምህርቲ ከኣ ‘ንሓቅነት ብትሕትና እንተደኣ ተቀቢልናዮ ንሕይወት ቃል ኪዳን ብሓሳብ ጥራይ ወይውን ሓደ ሰብ ሰርሖ ጉዳይ ገርካ ምግምጋም ጌጋ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ንሓቅነት ነገራት ጽን ኢልና ክንሰምዕ እንተዘይክኢልና ንጸገማት ናይ ዘሎና ማሕበረሰብ ክንርድኦ ኣይንኽእልን ስለዚ ንህልው ኩነታት ሥድራቤታት ንምርዳእ ካብ ህውተታ ሥነሓሳባዊ ናብራ ሕይወትን ሓዳርን ከድሕነና ይኽእል። ነዚ ጽን ኢልና ክንሰምዕ እንተዘይክኢልና ጸገማትናን እንታይ ከምዘድልየናን ክንፈልጥ ኣይንኽእልን` እንክብሉ ቃሎም ሂቦም፣

23 August 2018, 09:18