ድለ

ኒካራጉዋ፡ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሓደ ቅኑዕን ግልጽን ዘተ እማኖቶም ይገልጹ ኒካራጉዋ፡ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሓደ ቅኑዕን ግልጽን ዘተ እማኖቶም ይገልጹ 

ኒካራጉዋ፡ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሓደ ቅኑዕን ግልጽን ዘተ እማኖቶም ይገልጹ

ኣብ ኒካራጉዋ ቅልውላው ካብ ዝተበገስሉ ዕለት ንነጀው ብፁዕ ካርዲናል ለኦፖልዶ ብረነዝን መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ኒካራጉዋ ሰላም ንኽረጋገጽ ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ምእመናን ነቲ መንግስቲ ዳንኤል ኦርተጋ ዝፍንዎ መጥቃዕትን ትዅታዀን ሓደራ መልሲ ከይህቡ ብፁዕነቶም ሓደራ ከምዝበሉን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ዓመጽ ካብ ዝተብገሰሉ እዋን ኣትሒዙ ናይ ዝተቐትሉ ዜጋታት ብዝሒ ናብ 448 ክብ ከምዝበል ይንገር።

ኣብ ኒካራጉዋ ቅልውላው ካብ ዝተበገስሉ ዕለት ንነጀው ብፁዕ ካርዲናል ለኦፖልዶ ብረነዝን መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ኒካራጉዋ ሰላም ንኽረጋገጽ ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ምእመናን ነቲ መንግስቲ ዳንኤል ኦርተጋ ዝፍንዎ መጥቃዕትን ትዅታዀን ሓደራ መልሲ ከይህቡ ብፁዕነቶም ሓደራ ከምዝበሉን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ዓመጽ ካብ ዝተብገሰሉ እዋን ኣትሒዙ ናይ ዝተቐትሉ ዜጋታት ብዝሒ ናብ 448 ክብ ከምዝበል ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ብረነዝ ሕዝቢ ኒካራጉዋ ንኽፋእ ብኽፋእ ንኸይምልስ ሓደራ ካብ ምባል ከይቦዀሩ፡ ንጽልእን መንፈስ ክፋኣትን በቲ ክርስቶስ ዝህቦ ፍቕሪ ክምዝስንፈፍ እናተሓሳሰቡ ንዝፍነው ግብረ ቱኽቶኻ ገዛእ ርእሶም ከየረክቡ ሓደራ ይብሉ፡ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 22 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ናይ ርእሰ ከተማ ማናጉዋ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ብፅዕ ካርዲናል ብረነዝ ሽሕ’ኳ ካብ መንግስቲ ዝካየድ ጐስጓስ ጠቐነ ጸረ ውሉደ ክህነት፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒካራጉዋ ኣማራጺ መፍትሒ ዘተ ጥራሕ ምዃኑ ኣሚና ኣብዚ መዳይ ካብ ምዕያይ ድሕር ከምዘይትብል ከፍልጡ እንከለዉ፡ ጓሶት እምበር ናይ ፖለቲካ ሰባት ኣይኰናን ቅኑዕን ግልጽን ዘተ ብሉጽን እንኰን መፍትሒ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ቅልውላው ምዃኑ ንኣምን፡ እቲ ዘሎ ዓመጽ ንኣና ጓሶትን መላእ ሕዝቢ ኒካራጉዋን እዩ ዘጥቕዕን ዘሳቕን”  ከምዝበሉ ይዝከር።

ቤተ ክርስቲያን ብውዲት ዝኸሳ ብዝሎ መንግስቲ ትሳቐይ ኣላ

ርእሰ ብሔር ዳንኤል ኦርተጋ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒካራጉዋ መንግስቲ ንምዕላው እትንቀሳቐስ እንክብሉ ብውዲታውነት ይኸስዋ ከምዘለዉ ብፁዕ ካርዲናል ብረነዝ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ጸሎትን ኣስተንትኖን እንከለዉ ዘኪሮም፡ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ክሲ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ብምዃኑ ውሽጣውን ሕልናውን ሰላም ከምዝስምዖን ገሊጾም ኣብዚ እዋን ስቓይ’ዚ ሰላም ካብ ምስጢረ ፍቕሪ ቅዱስ ቁርባን ልቦም ከምዝተዓደሉ ይምስክሩ፡ ዕለት 25 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ወለዲ ድንግል ማርያን ቅዱስ ኢያቄምን ሓናን ኣብ ከተማ ጂኖተፐ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ቤተ ክርስቲያንን ዝነዝሖ ዘሎ ግብረ መጥቃዕቲ ዘስዕቦ ውርደት ንስርየተ ሓጢኣት ንምሕታት ዝድግፍ ሰናይ ባይታ እዩ ከምዝበሉ ካብ ሰበኻ ማናጉዋ ዝወጸ መግለጺ የመልክት።

ቅጹር ዝተቐትሉ ዜጋታት ክብ ይብል ኣሎ

እቲ ንመንግስቲ ዳንኤል ኦርተጋ ዝቃወም ዝተለዓዓለ ሰላማዊ ሕዝባዊ ተቓውሞ ካብ ዝተበገሰሉ ወርሒሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ 448 ዜጋታት ከምእተቐትሉን 2,830 ከቢድን ፎኪስን ማህሰይቲ ከምዝወረዶምን 595 ዜጋታት ሃለዋቶም ገና ከምዘይተፈልጠ ናይ ኒኣራግዋ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ዘውጽኦ መግለጺ ይሕብር።

መልእኽቲ ብፁዓን ጳጳሳት ናብ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ

ናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ኣብ መንጐ ሕዝብን መንግስትን ተለዓዒሉ ዘሎ ውጥረት ንምብዳህ ዘኽእል ዘተ ጥራሕ ምዃኑ ኣሚኖም ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ምስ መንግስቲ ንኽመኽሩ ስንድዋት ምዃኖም ዝገልጽ መልእኽቲ ናብ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ከምዘመሓላለፉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ናይ ሰበኻ ማናጉዋ ተሓባብሪ ጳጳስን ናይ ኒካራጉዋ ናይ ዘተ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣማኻሪ ብፁዕ ኣቡነ ካርሎስ ኣቪለስ ንቫቲካን ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኦርተጋ ዝሃብዎ መልሲ ውሕሉል ፖለቲካዊ መለይናን እዩ ኢሎም።

ብፁዓን ጳጳሳት ዘቕረብዎ ሕቶ ገና መልሲ ኣይረኸበን

ብፁዓን ጳጳሳት ኒካራጉዋ ናብ ዳንኤል ኦርተጋ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘቕረብዎ ናብ ሰላም ዘብጽሕ ቅድመ ኵነት፡ ዝዀነ ይኹን ካብ ናይ መንግስቲ ሓይሊ ምክልኻል ዝፍነው መጥቓዕቲ ደው ክብልን፡ ሰላማዊ ሰልፊ ብሓይሊ ንምብታን ዝዋፍሩ ደገፍቲ መንግስቲ መሰል ሓይሊ ምክልኻል ዕጡቓት ሓይሊ ዕጥቆም ከፈትሑን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መገድታት’ታ ሃገር ዝቖሙ ግዚያዊ ናይ መቆጻጸሪ ኖቕጣታትን ክውገዱን፡ መንግስቲ ዝፍጽሞ ዘሎ ጸቕጢ ንምኽዋል ዝኣለመ መንግስቲ ናይ ሕዝቢ መሬት ምንዛዐ ደው ንምባል ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ንግዚኡ ደው ከብሎን ዝብል ክኸውን እንከሎ ካብ መንግስቲ መልሲ ከምዘይተወሃበሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ምእንቲ ዕርቅን ሰላምን ጸሎትን መንፈሳዊ ንግደትን

ዕለት 27 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ብቕጻሊ ንካልኣይ ዓርቢ ምዃኑ እዩ ኣብ ኣብ ኒካራጉዋ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ሰላም ዝጸወዓቶ መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ጾምን መንፈሳዊ ንግደትን ኣብ መላእ ሃገር ከምእተኻየደድን፡ ዕለት 28 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኒካራጉዋ ንእትርከብ ቤተ ክርስቲያንን ነቶም ካብ ደገፍቲ ዳንኤል ኦርተጋ መሰል ሓይሊ ሓይሊ ምክልኻል ዕጡቓት ሓይሊ መከራን ጸቕጥን ዝወርዶም ንዘለዉ ብፁዓን ጳጳሳታን ድጋፍን ቅርበትን ዝገልጽ ሰላማዊ ናይ እግሪ ጉዕዞ ከምእተኻየደ ክንገር እንከሎ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብተ ተቓውሞ ርእሰ ብሔር ኦርተጋን ኣዚዩ በሪዑ ዝካየደለን ከተማ ማሳያን ኺኖተጋብ ቁጽሮም ሎዑል ዝዀነ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ከምዝኣተዉ ይፍለጥ።

ኒካራጉዋ፡ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሓደ ቅኑዕን ግልጽን ዘተ እማኖቶም ይገልጹ
28 July 2018, 17:27