ድለ

ኒካራጉዋ፡ ጻውዒት ቤተ ክርስቲያን፥ ሕዝቢ ንበይኑ ከይሕደግ ኒካራጉዋ፡ ጻውዒት ቤተ ክርስቲያን፥ ሕዝቢ ንበይኑ ከይሕደግ 

ኒካራጉዋ፡ ጻውዒት ቤተ ክርስቲያን፥ ሕዝቢ ንበይኑ ከይሕደግ

ኣብ ኒካራጉዋ ዘሎ ኩነት ኣዚዩ ዘሕዝን ምዃኑንን እቲ ዘሎ ውጥረት ኣብ ጸጽባሕ እናገደደ መዕለቢ ዘይብሉ ይመስል ከምዘሎ ኣብ ኒካራጉዋ ናይቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበር ጨንፈር ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ካርሎስ ሀረራን ኣብ ከተማ ማሳያ ናይ ተቕዋም ዶን ቦስኮ ኣመሓዳሪ ኣባል ማሕበር ሳሊዛውያን ኣባ ኮሴ ቦስኮ ኣልፋሮ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የነጽሩ።

ኣብ ኒካራጉዋ ዘሎ ኩነት ኣዚዩ ዘሕዝን ምዃኑንን እቲ ዘሎ ውጥረት ኣብ ጸጽባሕ እናገደደ መዕለቢ ዘይብሉ ይመስል ከምዘሎ ኣብ ኒካራጉዋ ናይቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበር ጨንፈር ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ካርሎስ ሀረራን ኣብ ከተማ ማሳያ ናይ ተቕዋም ዶን ቦስኮ ኣመሓዳሪ ኣባል ማሕበር ሳሊዛውያን ኣባ ኮሴ ቦስኮ ኣልፋሮ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የነጽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ኣብ ኒካራጉዋ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘራኽስ ተግባር ይፍጸም ከምዘሎ ኣብ ዝነገረሉ ዘሎ እዋን ሃገር ካብ ምልካዊ ስርዓት ሶሞዛ ናጻ ዝወጻትሉ መበል 39 ዓመት ነጻነት ተብዕል ከምዘላን፡ ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ኦርተጋ ኣብቲ እዋን ተጋዳላይ ዝነበሩን ነቲ ምልካዊ ስርዓት ንምዕላው ኣብ ዝካየድ ዘነበረ ብረታዊ ቃልሲ ሳንዲኒስታዊ ግንባር ኣባል ዝነበሩ ክዀኑ እንከለዉ ዝመርሕዎ ዘለዉ መንግስቲ ዝቃወም ካብ ዕለት 18 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ዝተለዓዓለ ህዝባዊ ኣድማ ንምዕጋት ወተሃደራት መሰል ሓይሊ ምክልኻል ብዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ልዕሊ 370 ዝግመቱ ዜጋታት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ይንገር።

ውሳኔ ናይ ሃገራት ኣመሪካ ማሕበር

ናይ ሃገራት ኣመሪካ ማሕበር ኣብ ኒካራጉዋ ክሳብ ወቕቲ ጸደይ ዘሎ እዋን መንግስቲ ናጻ ሕዝባዊ ምራጫ ከካይድን እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ መሰል ሓይሊ ምክልኻል ካብ ሕጊ ወጻኢ ቢሉ ከፍርስን ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከረጋግጽን ዝብሉ ነጥብታት ዝሓዘን መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምትን ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕትን ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘካይዶ ዘሎ ጸቕጢ ዘውግዝ ውሳኔ ከምዘጽደቐ ክፍለጥ እንከሎ፡

መንቀሊ ሕዝባዊ ዓመጽ

ቀንዲ መንቀሊኡ ናይቲ ህዝባዊ ኣድማ መንግስቲ ዳንኤል ኦርተጋ ዝሓንጸጾ ማሕበራዊ ሕዳሴ ኣብ ትግባሬኡ ስለ ዝቦኸረን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. መንግስቲ ብወግዒ ዝሓንጸጾ ብዙሕ ኣካታዒ ዝዀነ ናይ ጡረታ ኣበል መምርሒን ሕጊ ክኸውን እንከሎ፡ መንግስቲ ንውሳኔታቱ ስዒቡ ዝተኸስተ ሕዝባዊ ውጥረት ደው ንኽብል ኣሚቱ ዘሪዘ እውን እንተበለ፡ ርእሰ ብሔር ኦርቴጋ ድሕሪ 11 ዓመት ካብ ስልጣኖም ክለቑ ዝሓትት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ፡ ኣብታ ሃገር ዝረአይ ዘሎ ዓመጽን ምግባረ ብልሽውና ምኽንያት ኦርተጋ ካብ ስልጣኖም ክለቁ ዝጽውዕ ኣድማ ኰይኑ ከምዘሎ ይንገር።

ቤተ ክርስቲያን ዒላማ ጉጅለ ዕጡቓት ሓይሊ

እቲ ንዳኒኤል ኦርተጋ ዝከላኸል ፍሉዩ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒካራጉዋይን ካህናትን ገዳማውያንን ጳጳሳትን ጸቕጥን መጥቃዕትን ይፍጸም ከምዘሎ እንክንገር፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኒካራጉዋ ሰላም ክወርድን ህዝባዊ ዕርቂ ክኽወንን ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣብ ኒካራጉዋ ልኡከ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዋልደማር ስታኒስላው ሶመርታግ ብስም ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ ኒካራጉዋ ዝረአይ ዘሎ ዓመጽን ዕግርግርን ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም ብሔራዊ ዘተ ከረጋግጽ ዝኽእል ባይታ ክፍጠር እንክብሉ ከምዝሓተቱ ይንገር።

ኣብ ኒካራጉዋ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጨንፈር ማሕበር ሰብኣዊ ረድኤት ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ካርሎስ ሀረራ ብስልኪ ምስ ቫቲካን ረዲዮ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ዘሎ ማሕበር ረድኤት እውን ብወገኑ ምስ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብሓባር እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ብዘተ ክፍታሕ ጻውዒት የቕርብ ምህላዉ ሓቢሮም ዕለት 15 ሓምለ 2018 ዓ.ም. መንግስቲ ዘጽደቖ ጸረ ግብረ ሸበራ ሕጊ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሕዝባዊ ዓመጽ ዘግድዶ እዩ ኢሎም፡ ዝዀነ ይኹን ዜጋ ንመንግስቲ ዝቃወም ኵሉ በቲ ሕጊ መሰረት ብኣሸባርነት የኽስስ፡ ተቓውሞ ዘካይድ ዘሎ ህዝቢ ዝተዓጥቀ ኣይኰነን ስለዚ ዝተመዓራረየ መልሲ ክወሃቦ እዩ ዝግባእ፡ ምበሉ ኣስዒቦም እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት መፍትሒ ክረክብ ሽምግልና ማሕበረሰብ ዓለም ሓቆፍ ኣገዳሲ እዩ ይብሉ።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒካራጉዋ ብሔራው ዕርቂ ክወርድ መታን መንግስቲ ናይ ዘተ መድረኽ ክመርጽ እተካይዶ ጻዕሪ ንብዙሕ ሓደጋ የቃልዓ ከምዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፡ ነቲ ሕዝባዊ ተቓውሞ ቤተ ክርስቲያን ከምዘበገሰቶን ገርካን በዚ ገበን ተሓታቲት እያ ንምባል መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ዘቕጢ የካይድ ከምዘሎ ኣብ ማሳይ ተቕዋም ዶን ቦስኮ ኣመሓዳሪ ኣባል ማሕበር ሳሊዚያን ኣባ ኾሰ ቦስኮ ኣልፋሮ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣፍሊጦም። 

ኒካራጉዋ፡ ጻውዒት ቤተ ክርስቲያን፥ ሕዝቢ ንበይኑ ከይሕደግ
20 July 2018, 15:43