ድለ

ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ነቐፌታ እስራኤል ጸብጻብ ንብዝሒ ግዳያት ኣብ ቓዛ ሓቅነቱ ይከላኸል ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ነቐፌታ እስራኤል ጸብጻብ ንብዝሒ ግዳያት ኣብ ቓዛ ሓቅነቱ ይከላኸል   (AFP or licensors)

ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ነቐፌታ እስራኤል ጸብጻብ ንብዝሒ ግዳያት ኣብ ቓዛ ሓቅነቱ ይከላኸል

ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊትስ፡ ረድኤት ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ኣብ ቃዛ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ብዝሒ ግዳያትን ዝምልከት ዝቐርብ ዘሎ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ምጥቃመን ትኽክል እዩ እንክብል ካብ እስራኤል ንዝቀረበ ነቐፌታ መልሲ ከም ዝሃበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊትስ፡ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት በቲ ኣብ ቓዛ ብዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ዝወሃብ ዘሎ ጸብጻብ ከም መወከሲ ይጥቀማሉ ስለ ዘለዋ ነዚ መሰረት ብምግባር እስራኤል ንዝቐረበቶ ቅሉዕ ነቐፌታ መልሲ ከም ዝሃበን፥ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ ዝሞታ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ብዝሒ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝግለጽ ዘሎ ሓበሬታ ካብ ሓማስ ዝረኸቦ ናይ ሓሶት መረዳእታ ዝተሞርኮሰ እዩ እንክብል ከም ዝገለጸን፡ እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ብእተካይዶ ዘላ ኲናት ምኽንያት ንዝቐረበላ ክሲ ምጽናት ዓሌት፡ ዘይቅቡሉ ቢላ ንወተሃደራዊ ውፍሪታታ ኣብ ቓዛ ክም እተኸላኸለትን፥ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፥ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተመዛበልቲ ፍልስጤማውያን ኣብ ዝተዓቖቡላ ከተማ ራፋሕ እስራኤል እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ ደው ከተብል ህጹጽ ትእዛዝ ከመሓላልፍ ከም ዝሓተተት ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ነዚ ጉዳይ እዚ ሚኒስትሪ ፍትሒ እስራኤል ጊላድ ኖኣም፡ ሃገሩ ኣብ ቓዛ ኣብ ‘ከቢድ ግጭት’ ከምዝተጸምደት ነቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ፥ ደቡብ ኣፍሪቃ ንሓማስ ንምክልኻል ነቲ ውዕል ምጽናት ዓሌት ዝብል ስምምዕ ብዘይግቡእ ትጥቀመሉ ኣላ እንክብል ከም ዝኸሰሰ ኣመላኺቱ፥ ወተሃደራዊ ስርሒት እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝተበገሰ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ዕለት 7 ጥቅምቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕሪ ዝፈጸሞ ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቃዕቲ ዘለዓዓሎ ምዃኑን በቲ ሓማስ ዝፈጸሞ ናይ ዕለት 7 ጥቅምቲ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ግፍዒ ከም ዝፈጸመን ከባቢ 250 ሰባት ከም ዝጨወየን፤ 128 ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክሳብ ሕጂ ብሓማስን ካልኦት ዕጡቓት ፍልስጤማውያን ጉጅለታትን ተታሒዞም ከም ዘለዉ የዘኻኽር።

20 May 2024, 14:44