ድለ

TOPSHOT-PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT TOPSHOT-PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT  (AFP or licensors)

ሃገራት ኖርወይን ስጳኛን ኣይርላንድን ንመንግስቲ ፍልስጥኤም ኣፍልጦ ይህቡ

ኖርወይ ስጳኛ ከምኡ ውን ኣይርላንድ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ንመንግስቲ ፍልስጤም ወግዓዊ ኣፍልጥ ከም ዝህባ ገሊጸን።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኖርወይ ስጳኛ ኣይርላንድ ኣብ ዝቕስል ሰሙን ንፍልስጤም ከም ሉዓላዊት ሃገር ኣፍልሮ ከም ዝህቡ  ብወግዒ መግለጺታት ኣውጺኦም ኣለዉ።

ርእሰ መንግስቲ ሃገረ ኖርወይ ጆናስ ጋር ስቶር እዚ ስጕምቲ እዚ ነቶም ኣብቲ ንሱ 'ነዊሕን ዘስካሕክሕን ግጭት' ኢሉ ዝጸውዖ ቦታ ዘለዉ ማእከላይ ኣቕዋም ንዘለዎም ሓይልታት ንምድጋፍ ምዃኑ ገለጸ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ መራሒ መግስቲ ሃገረ ስጳኛ ፔድሮ ሳንቸዝ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ምልክታ ኣቕረበ።

ኣብ ዱብሊን መራሒ መንግስቲ ሃገረ ኣይርላንድ ዝዀነ ሳይመን ሃሪስ ብተወሳኺ ሃገራት 'ኣብ ዚመጽእ ሰሙናት ነዚ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዚ ኣብ ምውሳድ ምሳና ከም ዚሓብራ' ርግጸኛ ምዃኑ ገለጸ።

ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ እስራኤል ኣምባሳደራታ ካብ ሃገራት ኖርወይን ኣይርላንድን ስጳኛን ስሒባ ትርከብ ኣላ ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃገረ እስራኤል ዝኾነ ኢስራኤል ካትዝ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝውጽኦ መግለጺ - 'እስራኤል ኣብ ቅድሚ እቶም ንሉዓላውነታ ዘዳኽሙን ንድሕንነታ ኣብ ሓደጋ ዘእትዉን ስቕ ኣይትብልን ኢያ፣ ዝብል ንጹርን መልእኽቲ ናብ ኣይርላንድን ኖርወይን እልእኽ ኣለኹ።” ክብል ጽሒፉ ይርከብ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ እስራኤል ብሰንኪ እቲ 1,200 ዝዀኑ ሰባት እተቐትሉሉ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝዓረዱ ወተሃደራት ሃማስ ዝገበርዎ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ቃዛ መጠነ-ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኽትፍኑ ከም ዝጀመረት ዝዝከር ኢዩ።

ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኣብቲ ኣብ ቃዛ ዝቐጸለ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ እስራኤል እንተ ወሓደ 35,600 ፍልስጥኤማውያን ተቐቲሎም ይርከቡ ኣለዉ።

24 May 2024, 12:52