ድለ

TOPSHOT-PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT TOPSHOT-PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT  (AFP or licensors)

እስራኤላውያን ኣብ ራፋ ዘውረደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ መስርሕ ሽምግልናን ጻዕርታቱን ይዕንቅፍ

ሃገረ ቀጠር ከም ዝገለጸቶ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብእስራኤል ኣብ ራፋ እተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፣ ነቲ ኣብ ቃዛ ዝቕጽል ዘሎ ተኹሲ ደም ናይ ምባል ውዕልን ንቶም ጅሆ ተታሒሶዞም ዘለዉ ንምውጻእን ዚግበር ዘሎ ሽምግልናን ጻዕርታት መንጎይናነትን ኪዓግቶ ይኽእል እዩ ትብል።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሃገረ ቀጠር ኣብ ዝሃበቶ መግለዚ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብእስራኤል ኣብ ልዕሊ ራፋ እተፈጸመ መጥቃዕቲ ደብዳብ ነፈርቲ ነቲ ኣብ ቃዛ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ውዕል ደው ንምባልን፣ ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ንምውጻእን ኣብ ዝግበር ዚግበር ማዕርታት ሽምግልናን ማንጎይናነትን ክዓግቶ ከም ዝኽእል ኣመልኪታ።

ሰበ-ስልጣን ፍልስጥኤም ድሕሪ እቲ እስራኤላውያን ኣብቲ ከባቢ ትቕጽሎ ዘላ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣብቲ ኣብ ራፋ ዚርከብ ሰፈራታት ነቶም ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ሰባት ብርቱዕ ባርዕ ስለዝፈጠረ እንተ ወሓደ 35 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ ኣሎ።

ከምኡ ውን ብዙሓት ሰባት ከም ዝቘሰሉ እውን ጸብጻብ ይሕብሩ፣ - ሰበ - ስልጣን ፍልስጥኤም ኣብ ዝሃብዎ መግለሲ ድማ እዚ ጃምላዊ ቕትለት ኢዩ ክብሉ ይገልጹ ኣለዉ ።

ዋፋ - ማሕበር ዜና ፍልስጥኤም ሓይልታት እስራኤል ናብቲ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኻብ መረበቶም እተመዛበሉ ዝርከቡሉ ዘለዉ ሓድሽ ሰፈራ ሸሞንተ ሮኬት ከም ዝደርበዩ ጸብጻባት ሂቡ ይርከብ አሎ ።

ወተሃደራት እስራኤል ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ልዕሊ ዕላማ ሃማስ መጥቃዕቲ ኸም ዝፈጸሙ እኳ እንተ ገለጹ እቲ ዝርዝር ግን ገና ይምርመር ኢዩ ዘሎ። እስራኤል ኣብ መግለጺአ ሃማስ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመታት ንራፋ ከም ናይ መወዳእታ ዕርዲ ግዝኣት ቃዛ ገይራ ከም እትርእዮ ትገልጽ።

እቲ ዕጡቕ ሰራዊት ሃማስ ሰራዊት ኣል-ካሳም ካብ ራፋ ናብታ ኣብ ማእከላይ እስራኤል እትርከብ ቴል ኣቪቭ ተኸታታሊ ሚሳይል ድሕሪ ምትኳሱ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እስራኤል ነዚ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ፈጺማ።

28 May 2024, 16:31