ድለ

ሕቡራት ሃገራት፡ ቅልውላው ሃይቲ መዓልታዊ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ! ሕቡራት ሃገራት፡ ቅልውላው ሃይቲ መዓልታዊ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ!  (AFP or licensors)

ሕቡራት ሃገራት፡ ቅልውላው ሃይቲ መዓልታዊ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ!

ጸብጻብ ክፍሊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኩነታት ሃይቲ ‘እዚዩ እናገደደ’ ይኸይድ ምህላዉን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 4,451 ሰባት ኣብዚ ዓመት ድማ ልዕሊ 1500 ከም ዝተቐትሉ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት ክፍሊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፥ ኣብዚ ዓመት ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓመጽን ህውከትን ዕግርግርን ልዕሊ 1500 ሰባት ከም ዝተቐትሉን እዚ ድማ ነታ ብኹሉ መዳይ ናብ ዝስካሕክሕ ድኽነት ተንቆልቁል ዘላ ኣብ ምዕራባዊት ንፍቀ ክቢ እትርከብ ዝደኸየት ሃገር ሓይቲ ናብ ኣልቦ መዋጽኦ ዝኾነ ሃዋሁ ትሽመም ምህላዋ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቶም ናይ ጎደና ዕጡቓት ጕጅለታት ምሕዝነት ብምፍጣር፡ ንኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ብምጥቃዕ፡ ንወደባት ፖርት ኦ ፕሪንስ ርእሰ ከተማ ብምዕጻውን ንመደበራት ፖሊስ ተዋዲዶም ብምጥቃዕን፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዓመጽ ኣዚዩ ናብ ዘስካሕክሕ ደረጃ ይድርኸዎ ምህላዎም ክፍለጥ እንከሎ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 4,451 ሰባት ከምዝተቐትሉን ከምኡ’ውን ኣብዚ ዓመት ክሳብ 22 መጋቢት ኣብ ዘሎ ናይ ግዜ ገደም 1,554 ከም ዝተቐትሉ እቲ ጸብጻብ የመላኽት።

እዚ ድማ ሕነ ንምፍዳይ ዝፍጸም ቅትለት፡ ጭፍጨፋን ዓፈናን፡ ብእምኒ ምውጋር፡ ብሓዊ ምንዳድን፡ ብጠያይት ዝፍጸም ቅትለት ኣብ ዘስካሕክሕ ደረጃ ከም ዝበጸሐን ተቖጻጻሪ ብዘይብሎም ዕጡቓት ጉጅለታት ንሕጊ ዘቕርቦም ዘይብሎም ነታ ሃገርን ህዝባን ኣብ ከቢድ ስቃይ ይዳርጉ ምህላዎም ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣመላኺቱ፡ ኣብታ ሃገር ብልሽውና፡ ኣልቦ ሕግን ስርዓትን፡ ጉድለት ምምሕዳርን ብስፍሓት ከም ዝረኣ ኣፍሊጡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቅትለት ርእሰ ብሔር ጆቨነል ሞይስ፡ መራሔ መንግስቲ ኮይኑ ዝጸንሐ ኣሪየል ሀንሪ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት 2024 ዓ.ም. ዕጡቓት ጉጅለታት ሃይቲ ንምምካት ዝዓለመ ኣህጉራዊ ተበግሶ ጸጥታ ደገፍ ንምርካብ ናብ ኬንያ ተጓዒዙ ከም ዝነበረን ይኹን እምበር፡ ኣብ ሃይቲ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ ምኽንያት ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ፖርት ኦ ፕሪንስ ኣብ ታሕቲ ቁጽጽር ዕጡቓት ጉጅለታት ብምህላዉ ካብ ናይሮቢ ኣብ ምምላሶም ኣብ ሃገረ ፖርቶሪኮ ከም ዝተረፈ ዝዝከር ኮይኑ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት፡ ዝያዳ ርጉእ ኩነታት ከምዘድሊ ብምጥቃስ፡ እቲ ምርጫ ክሳብ ነሓሰ 2025 ዓ.ም. ከካይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ ከም ዝነበረን እቲ ዝሓለፈ ምርጫ ኣብ 2016 ዓ.ም. ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ መራሔ መንግስቲ ሄንሪ ነዚ ብዘይምፍጻሙ ውድብ  ሃገራት ካሪብያን፡ ከም ዕንቅፋት ንምርግጋእ ሃይቲ ከም ዝቖጽርዎ ብግልጺ ድሕሪ ምግላጾምን፡ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ንምቛም መንገዲ ንምኽፋት ካብ ስልጣኑ ክወርድ ድሕሪ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ መሰጋገሪ መንግስቲ ምስ ዝቐውም ካብ ስልጣኑ ክለቕቕ ምዃኑ ኣፍሊጡ ከም ዝነበረ ይዝከር።

02 April 2024, 15:11